እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት ዘጋጠሞ ወጻኢ ንምሽፋን ተወሳኺ 122 ቢልዮን ብር በጀት ሓቲቱ
ሚንስትሪ ገንዘብ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተወሳኺ ወጻኢ ኣድላዪ ብምዃኑ ናይ 122 ቢልዮን ብር ተወሳኺ በጀት ሕቶ ናብ ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኣቕሪቡ።
ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝተወለዐ ኲናት ተወሳኺ ገንዘብ ኣድላዪ ብምዃኑ፣ መንግስቲ ኣብ ዝእክቦ እቶት ንዘቕርቦ ሕቶ ክፍሊት ኣብ ዝወሃብ ግብረመልሲ ጸገም ብምህላዉን ነቲ ዘሎ ተወሳኺ ወጻእታት ብሽግሽግ በጀት ምሽፋን ስለዘይተኽኣለን ተወሳኺ በጀት ምድላው ከምዘድለየ እቲ ሚንስትሪ ኣፍሊጡ።
እዚ ተወሳኺ በጀት “ድሕነት ሃገር ውሑስ ንምግባር፣ ንሰብኣዊ ረድኤት፣ ንመጣየሲ ግዳያት ኲናትን ጎንጽታትን ከምኡ’ውን ንመፈጸሚ ካልኦት ኣገደስቲ መንግስታዊ ንጥፈታት” ከምዝውዕል ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምልባዕ ከቢድ ዕንወት ዘኸተለ ኮይኑ፤ መንግስቲ ልዑል ወጻኢ ከውጽእ ብምግባር ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ከቢድ ጽዕንቶ ከምዘሕደረ ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን [2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ] ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ ንዘጋጠሙ ወጻእታት መሸፈኒ ብዝብል 26.4 ቢልዮን ብር ተወሳኺ በጀት ከምዝጸደቐ ይዝከር።
እቲ ተወሳኺ በጀት፡ ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ ንዘጋጠሙ ወጻእታት፣ ብድርቂ ንዝተጎድኡ፣ ንዝተፈናቐሉ ወገናትን ንተመለስትን ረድኤት ንምቕራብ፣ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል፣ ንድጎማ ቀረብ ድኹዒ (መሰሰኒ ምህርቲ)ን ምክልኻል ሓደጋ ውሕጅን ከምዝውዕል ተገሊጹ ነይሩ።
ኣብዚ ዓመት ብሚንስትሪ ገንዘብ ተዳልዩ ዝቐረበ ተወሳኺ በጀት ድማ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ከሎ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝዛየደ ኮይኑ’ሎ።
እቲ ሕቶ ብቤት ምኽሪ ሚንስትራት ተራእዩ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ዝቐረብ ኮይኑ፡ ተቐባልነት እንተረኺቡ ብቐጥታ ናብ ስራሕ ከምዝውዕል’ዩ ሚንስትሪ ገንዘብ ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ እቲ ዝለዓለ ሃገራዊ በጀት ዘጽደቐትሉ ዓመት 2014 [ኣ.ግ] ከምዝኾነ ይዝከር። እቲ በጀት ድማ 561 ቢልዮን ብር ነይሩ።
ቅድሚኡ ካብ ዝነበረ ዓመት [2013 ኣ.ግ] ብ85 ቢልዮን ብር ይዛይድ።