እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ጳጳሳት ካቶሊክ ብዂናት ንዝተሃሰዩ 2 ሚልዮን ዶላር ከምዝእክቡ ኣፍሊጦም
ኮንፈረንስ ጳጳሳት ካቶሊክ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተወለዐ ኲናት ዝተሃሰዩ ወገናት ሓገዝ ዝውዕል ክልተ ሚልዮን ዶላር ከተኣኻኽብ ምዃኑ ገሊጹ።
‘ዘ ካቶሎክ ቢሾፕስ ኮንፈረንስ ኦፍ ኢትዮጵያ’ (CBCE) ነቲ ገንዘብ ካብ ኣብያተ ክርስትያናት፣ ካቶሊካውያን ትካላት ከምኡ’ውን ካብ ሰዓብቲ እቲ ሃይማኖት ከተኣኻኽቦ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።
ድምጺ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዝኾነ ዌብሳይት ‘ቫቲካን ኒውስ’ ዝወጸአ መግለጺ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ገንዘብ ነቶም ብሰንኪ ኲናት ዝተሃሰዩ ሰባት’ዩ ክውዕል።
እቲ ኮንፈረንስ ጳጳሳት ኣብዚ ቕነ ዘካየዶ ጉባኤ ድማ ቀንዲ ዛዕብኡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ከምዝነበረ ተገሊጹ።
ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዝውላዕ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለም ኣቡነ ፍራንሲስ ከምኡ’ውን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ እቲ ጎንጺ ደው ክብል ጻውዒት ከቕርቡ ጸኒሖም’ዮም።
ቫቲካን ኒውስ ከምዝጸብጸቦ ድማ ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ናብ ድርድር ንኽመጽኡ ኮንፈረንስ ጳጳሳት ካቶሊክ ኢትዯጵያ ሓቲቶም ኣለዉ።
“ኲናት መዕነዊ እዩ። ህይወትን ንብረትን የጥፍእ። ንማሕበረሰብ ይመቓቕል። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ዘኸተሎ ሰብኣዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ድማ ንርእዮ ኣለና” ኢሎም እቶም ኣቕሽሽቲ።
በቲ ኲናት ብዙሓት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ፣ ደቂኣንስትዮ ከምዝተደፈራ፣ ዜጋታት ካብ መረበቶም ከምዝተፈናቐሉ፣ ማሕበራዊ ምትእስሳራት ከምዝፈረሰን ንማእሰርቲ ዝተሳጥሑ ከምዘለዉን ብምጥቃስ እዚ ከኣ ከምዘሕዘኖም ሓቢሮም።
“ንኢትዮጵያ ንጽልይ ኣለና” ብምባል ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ናብ ልዝብ ክመጽኡ ኣብ ምግባር ቤተክርስትያንን ኩሎም ዜጋታትን እጃሞም ክፍጽሙ ጸዊዖም።
ነቲ ክልተ ሚልዮን ዶላር ካብ ምትእኽኻብ ብተወሳኺ ብኻልኦት መገዲታት ኣቢሎም እውን ነቶም ብሰንኪ ኲናት ኣብ ጸገም ዝርከቡ ወገናት ሓገዝ ከምዝቕጽሉሉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ብሰንኪ እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኮይንዎ ዘሎ ኲናት ኣስታት 10 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ረድኤት ናብ ዝኾኑሉ ደረጃ ከምዝበጽሑን ነዚ ዝኸውን እኹል ገንዘብ ከምዘይብሉን ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብዛዕባ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያም ኣመልኪቱ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ኡህሩ ኬንያታ ከምዝተዘራረበ ቤት ጽሕፈቱ ገሊጹ'ሎ።
ነቲ ኲናት ደው ንምባል ክግበር ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ዛጊት ዘፍረዮ ጭቡጥ ነገር የለን።