እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
በዓል ልደት ንምኽባር ሰባት ኣብ ዝተኣከብሉ ቤት መግቢ ነብሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ
ቤኒ ኣብ ዝተብሃለት ምብራቓዊት ከተማ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝርከብ ቤት ብልዒ ዝተፈጸመ ነፍሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ነታጒ፡ ብውሕዱ ሽድሽተ ሰባት ከምዝቐተለ ሰብ ስልጣን እታ ሃገር ተዛሪቦም።
ፖሊስ ነቲ መጥቃዕቲ ንዝፈጸመ ውልቀ ሰብ ከይኣቱ ኣብ ኣፍደገ ከልኪሎምዎ’ኳ እንተነበሩ፡ ሽዑ ንሽዑ ነቲ ነታጒ ኣፈንጂሩ፤ ንባዕሉ ሓዊሱ ሓሙሽተ ሰባት ቀቲሉ።
ካልኦት 13 ሰባት ድማ ቆሲሎም ተባሂሉ።
ሰብ ስልጣን መንግስቲ፡ ምስ እስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ ምትእስሳር ዘለዎ ሓይልታት ዲሞክራስያዊ ሕብረት (ADF) ነቲ መጥቃዕቲ ውዒልዎ ክኸውን ከምዝኽእል ይኸሱ።
እንተኾነ እቲ ጉጅለ ዛጊድ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ኣይወሰደን።
ኣብቲ ‘ኢንቦክስ’ ዝተብሃለ ቤት ምግቢ መጥቃዕቲ እንትፍጸም፡ ልዕሊ 30 ሰባት ክሪስማስ የኽብሩ ከምዝነበሩ ኤኤፍፒ ንመሰኻኽር ዓይኒ ጠቒሱ ጸብጺቡ።
ህጻናትን ገለ ሓለፍቲ መንግስትን ኣብ ውሽጢ’ቲ ሆቴል ከምዝነበሩ’ውን ተሓቢሩ።
ኣብቲ ከባቢ ንሓደ መደብር ራድዮ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ኒሎላስ ኢኪላ “ኣብዚ እየ ኮፍ ኢለ ነይረ። ኣብቲ ሓንቲ ገለ ነገር ዝተጽዓነት ሞቶርሳይክል ነይራ። እታ ሞተርሳይክል ቀልጢፋ ተላዒላ። ካብኡ ዝርብሽ ከቢድ ድምጺ ተሰሚዑ ” ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።
እቲ ነትጒ ምሰተሰምዐ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ኣብታ ሃገር ተኣዊጁ ዘሎ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፡ ነበርቲ ምእንተ ድሕነቶም ነናብ ገዘኦም ክምለሱ ሓቲቱ።
ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ከተማ ቤኒ ኣብ መንጎ እሰላማውያን ጉጅለን ወተሃደራትን ተደጋገሚ ጎንጽታት ነይሩ እዩ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር ወተሃደራት ኮንጎን ኡጋንዳን ኣብ ልዕሊ እቲ እስላማዊ ጉጅለ ሰፊሕ ሓበራዊ መጥቓዕቲ ከካይዱ ጀሚሮም ነይሮም።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ንዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ተሓታቲ እዩ።
እዚ ጉጅለ ኣብ 1990ታት ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ኣተሓሕዛ መንግስቲ ኡጋንዳ ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ኡጋንዳውያን ብምቅዋም እዩ ብረት ኣልዒሉ።
እቲ ጉጅለ ካብቲ ዝተመስረተሉ ምዕራባዊ ኣንፈት እታ ሃገር ተጸራሪጉ እንተወጽአ’ኳ፡ ዝተረፉ ኣባላቱ ናብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ሃዲሞም ነይሮም። ብቕትለት ሰዓብቲ ክርስትና እምነት ዝርከብዎም ኣሸሓት ሰላማውያን ሰባት ይሕተት።
ኣመሪካ፡ ኤዲኤፍ ምስ እስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ ርክብ ኣለዎ ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ መዝገብ ሽበራ ኣስፊራቶ’ላ።