እምባ ንዪራጎንጎ፡ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዴሞክራሲያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ዝስተ ማይ ስኢኑ

Published

ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዴሞክራሲያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ብምኽንያት እሳተ ጎመራ ዝስተ ማይ ከም ዝስኣነ ገባሪ ሰናይ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም [ኤምኤስኤፍ] ገሊጹ።

ኣብታ ሃገር ሕማም ሽሮኽ ዓብዪ ስግኣት ከም ዝኾነን ነበርቲ እቲ እሳተ ጎመራ ዘጥቅዓ ከተማ ጎማ: ህጹጽ ጽሩይ ዝስተ ማይ ከም ዝድልዮምን ሓቢሩ።

መዋህለሊ ማይን መተሓላለፊ ቱቦታትን ብምኽንያት እቲ ኣብ 22 ሚያዚያ 2021 ኣብ እምባ ንዪራጎንጎ ዘጋጠመ እሳተ ጎመራ ከም ዝዓነው ይፍለጥ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ እታ ሃገር ሕጂ'ውን ናብ መንበሪ ገዝኦም ክምለሱ ኣይክኣሉን።

"ነቶም ተመዛበልቲ ሓገዝ ንገብር እንተሃለና'ውን እኹል ኣይኮነን። ኣገዳሲ ሓገዝ ንምቕራብ ካብ ካልኦት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ: ቅልጡፍ ምትሕብባር የድልየና'ዩ" ክትብል ሓላትፊ ልኡኽ ኤምኤስኤፍ ኣብታ ሃገር ማጋሊ ራውዳት ተዛሪባ።

እቲ ጉጅለ ሓካይም ከም ዝብሎ፡ ኣባላቱ "ካብ 100 ሽሕ ክሳብ 180 ሽሕ ንዝኾኑ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ መሳጊድን ጎደናታትን" ንዘሎ ህዝቢ ሕክምናዊ ሓገዝ ይህቡ ኣለው።

ብሰንኪ እቲ እሳተ ጎመራ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ እንከለው፡ ብዙሓት ኣባይቲ፣ ትካላት ጥዕናን ናይ ማይን መብራህትን መስመራትን ጉድኣት በጺሑዎም።

እምባ ንዪራጎንጎ ካብ ከተማ ጎማ 10 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ ኮይኑ ቅድሚ 10 መዓልቲ ብዝተፍኦ ላቫ 32 ሰባት ከም ዝቐተለ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እዚ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ንጡፋት እሳተ ጎመራታት ኮይኑ፡ ሕጂ ዘለዎ ስግኣት ንምጽናዕ ሰብ ሞያ ተዋፊሮም ይርከቡ።