እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤት ፍርዲ ዲ.ኣር.ሲ፡ ኣብ በዓል ዒድ ምስዝተልዓለ ጎንጺ ብዝተሓሓዝ 29 ንሞት ፈሪዱ
ቤት ፍርዲ ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኪንሻሳ ኣብ በዓል ኢድ ምስዝተፈጠረ ጎንጺ ብዝተሓሓዝ፡ 29 ሰባት ብሞት ክቕጽዑ ፈሪዱ።
በቲ ኣብ መንጎ ተነሓናሕቲ ጉጅለታት እስላም ዝተፈጠረ ጎንጺ፡ ሓደ ፖሊስ እንትሞት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ቆሲሎም እዮም።
እቶም ኣመንቲ፡ ምዝዛም ጾመ ሮሞዳን ንምኽባር ዝተኣከቡ ኮይኖም፡ ዳሓር ግን ነቲ ጽምብል መን ይምረሓዮ ኣብ ዝብል ብዘይ ምርድደኦም ናብ ጎንጺ ኣትዮም።
ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ መቕጻዕቲ ሞት ብምስራዛ፡ እቶም ንሞት ዝተፈረዱ ክሱሳት፡ ብዕድመ ልክዕ መእሰርቲ እዮም ክቕጽዑ።
ብሓሙስ፡ ፖሊስ ነቶም ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ኣብ ከባቢ ስታድዮም ኪንሻሳ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ንምኽባር ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ጠይይቲ ጎማን ተጠቒሙ እዩ።
ኣብቲ ዕግርግር መጉዳእቲ ካብ ዘጋጠሞም ገለ ፖሊስ ድማ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘለዉ ሰበስልጣን ገሊጾም።
ብሰንኪ እቲ ክልተ ጉጅለታት እስላም ነቲ ጽምብል ንምምራሕ ዝፈጠርዎ ጎንጺ፡ ዝተልዓለ ዕግርግር፡ 41 ሰባት ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ኮይኖም ብዓርቢ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም እዮም።
እቲ ብቴሌቪዥን ቀጥታ ዝተመሓላለፈ ከይዲ ፍርዲ ንሙሉእ ለይቲ ቀጺሉ ነይሩ።
ኣብቲ ን 31 ሰባት ፍርዲ ዝተዋህበሉ መጋባእያ፡ 29 ሰባት ሞት ፍርዲ እንትብየኖም ክልተ ሰባት ማእሰርቲ 5 ዓመት ተፈሪዱዎም።
ነቶም ክሱሳት ዝተውሃቦም ፍርዲ ምቕልጣፉ ግና ሕቶ ፍትሓውነት ከምዘልዓለ ተገሊጹ።