ኮሮናቫይረስ፡ ኣመሪካ ካብ 8 ሕዳር ጀሚራ ናይ ጉዕዞ እገዳ ክተልዕል’ያ

Published

መንግስቲ ኣመሪካ ካብ ዝቕጽል ወርሒ ሕዳር 8 ጀሚሩ ምሉእ ክታበት ንዝወሰዱ ዜጋታት 33 ሃገራት ዓለም ዶባቱ ክፉት ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

ዋይት ሃውስ ብወግዒ ኣብ ዘፍለጦ መምርሒ መንግስቲ ኣመሪካ: ምሉእ ክታበት ወሲዶም ቅድሚ ጉዕዞ ኣብ ዘሎ 72 ሰዓታት ናይ ኮሮናቫይረስ ምርመራ ገይሮም ካብቲ ቫይረስ ናጻ ዝኾኑ ሰባት ናብ ኣመሪካ ንኽኣትዉ ክፍቀደሎም’ዩ።

እቲ ውሳነ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ኣመሪካ ተግባራዊ ዝኾነ ጽኑዕ ክልከላ የብቅዕ ከምዘሎ ዘመላኽት ከምዝኾነ ይግለጽ። “እዚ መምርሒ ብናይ ህዝባዊ ጥዕና ዝጸደቐ ኮይኑ ቀጻላይ’ዩ” ክብል ኣፈኛ ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓድሽ መምርሒ ኣብ 26 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ [ሃገራት ሸንገን] ሓዊስካ ዓባይ ብራጣንያ፣ ብራዚል፣ ቻይና፣ ህንዲ፣ ኢራን፣ ኣየርላንድን ደቡብ ኣፍሪቃን ጥራይ ዝፍጸም ከምዝኾ’ውን ተሓቢሩ።

እንተኾነ ግን ገያሾ ብልዑል መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራት ሓዊስካ ካብ 150 ሃገራት ናብ ኣመሪካ ይኣትዉ ስለዘለዉ እቲ ሓድሽ ፖሊሲ ኣካታዓይ ኮይኑ’ሎ።

ብምምሕዳር መግብን ኣፋውስን ኣመሪካ ካብ ዝጸደቑ ክታበታት ሓዲኦም ዝተኸተበ ሰብ በቲ ሓድሽ መምርሒ ቅቡል ከምዝገብሮ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ተዛሪቦም።

እቲ መምርሒ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሰፊሑ ዝተዝርግሐ ክታበት ኣስትራዘኒካ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ቻይና ዝፈሪ ክታበታት ሲኖቫክን ሲኖፋርምን ዝተኸተቡ ገያሾ ናብ ኣመሪካ ንኽኣትዉ ዘፍቅድ’ዩ ተባሂሉ’ሎ።

ገያሾ ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ እንከለዉ ናብ መወሸቢ ማእኸላት ከምዘይኣትዉ’ውን ተረጋጊጹ።

እቲ መምርሒ ብዕሊ ምስተነገረ ናብ ኣመሪካ ናይ ምግያሽ ተኽእሎ ዘለዎም ሰባት ታሕጓሶም ገሊጾም። ካብኣቶም ሓደ ዝኾነ ተቐማጣይ ዳን ጆንሰን ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጥ ዝነበረን ብሰንኪ ሕማም መንሽሮ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ዝሞተን ወላዲኡ ክበጽሕ ከምዘይከኣለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ድሓን ኩን ንኽብሎ ዕድል ኣይረኸብኩን፤ ብሰንኪ እቲ ናይ ጉዕዞ ክልከላ ድማ ካብ 2019 ጀሚሩ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን” ኢሉ።

ዳን ኣስዒቡ “ኣብ ዓለም እቲ ዝኸበደ ነገር ኮይኑ ጸኒሑ። እቲ ናይ ጉዕዞ ክልከላ ምልዓሉ ዝደንጎየ ውሳነ እዩ፤ እንተኾነ ግን ሕጂ ንእኖሓጎይ ክበጽሓ እየ። ብዛዕባ ንብረት ኣቦና መልክዑ ኣብ ምትሓዝ’ውን ክሕግዛ እየ” ኢሉ።

ካልእ ነባሪት ዓባይ ብርጣንያ ዝኾነት ካቴ ዩርኩሃርት ብግዲኣ፡ ናብ ሎስ ኣንጀለስ ከይዳ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ናይ ሙዚቃ ኮንሰርት ከምእትሳተፍ ገሊጻ። “ዳርጋ ገዲፈዮ እየ ነይረ፤ ናይ ሎሚ መዓልቲ መግለጺ ኣዝዩ ባህ ዘብል’ዩ” ኢላ።

ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ብመሬት ምስ ዘዳውባ ሃገራት ሜክሲኮን ካናዳን ምሉእ ክታበት ዝረኸቡ ሰባት ዶባታ ክፉት ከምእትገብር ኣፍሊጦም።

ይኹን እምበር ክታበት ኮሮናቫይረስ ዘይተኸተቡ ሰባት ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ኣይክፍቀደሎምን’ዩ።