እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሃገራት ኣፍሪቃን ካሪብያንን ብሰንኪ ንግዲ ገላዩ ወግዓዊ ይቕረታን ካሕሳን ጸዊዐን
ሃገራት ኣፍሪቃን ካሪብያንን፡ ካብቶም ካብ ስግረ-ኣትላንቲክ ንግዲ ገላዩ ተረባሕቲ ዝነበሩ ሃገራት፡ ወግዓዊ ይቕረታን ካሕሳን ክወሃበን ጸዊዐን።
እዚ ጻውዒት፡ ፍትሓዊ ካሕሳ ንምስላጥ ዝዓለመ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዋዕላ ኣብ ጋና ኣብ ዝተዛዘመሉ እዋን እዩ ቀሪቡ።
እዚ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጋቢት ዘሕለፎ ታሪኻዊ ውሳነ ስዒቡ ዝመጽአ ኰይኑ፡ እቲ ውሳነ ንስግረ-ኣትላንቲክ ንግዲ ገላዩ ከም "ዝኸበደ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት" ክብል ብምርቋሕ፡ ኣባላት ሃገራት ኣብ ምወላ ካሕሳ ኣበርክቶ ክገብራ ዘተሓሳስብ እዩ ነይሩ።
ካብ መበል 15 ክሳዕ 19 ክፍለ-ዘመን፡ ኣስታት 12 ክሳብ 15 ሚልዮን ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን ደቂተባዕትዮ፡ ደቂኣንስትዮን ቈልዑን ተታሒዞም ናብ ኣመሪካ ብምውሳድ ከም ገላዩ ክሰርሑ ተገይሮም ነይሮም።
ኣብ ርእሰ-ከተማ ጋና፡ ኣክራ፡ ኣብ ትሕቲ "ዝቕጽሉ ስጕምትታት" ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ 19 ነጥብታት ዘለዎ ናይ ካሕሳ መደብ ጸዲቑ ኣሎ።
እቲ መደብ፡ ዋላ እኳ ዝተወሰነ መጠን ገንዘብ እንተ ዘይተጠቐሰ፡ ኵሉ ዝሓቘፈ ምሕካኽ ዕዳ፡ ዝተራሰዩ ባህላዊ ቅርስታት ምምላስን ዓለምለኻዊ ናይ ካሕሳ ምወላ ምምስራትን ዝጽውዕ እዩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ግልያነት ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ደቂኣንስትዮን ኣዋልድን ዘስዓቦ ዘይመጣጠን ጽልዋ እውን ዝድህስስ እዩ።
መራሕቲ እቲ ዋዕላ ብተወሳኺ፡ ቀደም ኣብ ንግዲ ገላዩ ተዋፊረን ንዝነበራ ሃገራት፡ "ወግዓውን ብዘይ ዝዀነ ቅድመ-ኵነትን ምሉእ ይቕረታ፡" ክሓታ ጸዊዖም።
ፕረዚደንት ጋና ጆን ድራማኒ ማሃማ ንተጋባእቲ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ታሪኽ፡ ገበን ክንወርስ ኣይሓተናን እዩ፣ ሓላፍነት ክንወርስ ግን ይሓተና እዩ፡" ኢሎም።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን እውን ኣብቲ ዋዕላ ብመንገዲ ቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ እቶም ገላዩ ዝነበሩ ሰባት 'ሰብኣውነቶም ተገፊፎም ከም ንብረት ይርኣዩ' ከም ዝነበሩ ተኣሚኑ።
እንተዀነ፡ ነቲ ብሰንኪ ግልያነት ዝግበር ካሕሳ ናብ ገንዘባዊ ክፍሊት ጥራይ ከይጸብብ ብምጥንቃቕ፡ እቲ ክፍሊት ከም 'ነቲ ታሪኽ ንምዕጻው ጥራይ ዝተጻሕፈ ቸክ' ተገይሩ ክውሰድ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።
እቲ ውሳነ ሕቡራት ሃገራት፡ "ተቐበልቲ ናይቲ 'ፍትሓዊ ካሕሳ' በዓል መን ክዀኑ ከም ዝግብኦም፡" ንጹር ከም ዘይኰነ ድማ ወሲኾም ገሊጾም።
ዛጊት ንዘርኢ እቶም ተገዲዶም ዝተሸጡ ኣፍሪቃውያን ኰነ ንዝተሃሰያ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካሪብያንን ላቲን ኣመሪካን ዝዀነ ይዅን ካሕሳ ዝኸፈለት ሃገር የላን።
መንግስታት ዝኸፈሉዎ ዝበዝሐ ካሕሳታት፡ ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘመን ነቶም ወነንቲ ገላዩ ዝነበሩ ደኣ እምበር፡ ነቶም ገላዩ ዝነበሩ ሰባት ኣይኰነን ነይሩ።
እዚ ድማ ንዓባይ ብሪጣንያ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ኣብ 1830ታት ግልያነት ምስ ተሳዕረ፡ እታ ሃገር ንወነንቲ ገላዩ ብናይ ሎሚ ዋጋ ክሕሰብ ከሎ ልዕሊ 21 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ካሕሳ ከፊላቶም እያ።