እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብገበን ቅትለት ኣሜን ተኽላይ ክልተ ኰተቴታት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም
ኣብ ግላስጎው ኣሜን ዝስሙ ወዲ 15 ዓመት ብምቕታሎም ተኸሲሶም ዝነበሩ ክልተ ኰተቴታት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።
እቶም ሕጂ ዕድመኦም 16ን 17ን ኰይኑ ዘሎ ክልተ ኣወዳት፡ ብ5 መጋቢት 2025 ኣብቲ ከተማ ኣብ ዝርከብ ከባቢ 'ሰይንት ጆርጅ ክሮስ' ንኣሜን ተኸላይ ከም ዘጥቅዑዎ ይሕበር።
ዓቀብቲ ሕጊ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ግላስጎው፡ እቶም ብሰንኪ ዕድመኦም ስሞም ክግለጽ ዘይክእል ኰተቴታት፡ ገጾም ተሸፊኖም ንኣሜን ብሴፍን መጥበስን ከም ዘፈራርሑዎ ይገልጹ።
ብሴፍ ከም ዝሰዓቡዎን ከም ዝወቕዑዎን፡ ብሰንኪ እቲ ዝወረዶ ከቢድ መውቃዕቲ ድማ ኣብ ክላረንደን ስትሪት ከም ዝሞተ ይሕበር። እቶም ክልተ ኰተቴታት ኣብቲ ዝቐረበሎም ክሲ፡ ገበን ከም ዘይፈጸሙ እዮም ዝገልጹ።
ኣሜን ምስ ኣቦኡ ኣብ ግላስጎው እዩ ዝነብር ነይሩ። እቲ ቅትለት ዝተፈጸመ፡ ቅድመኡ ነቲ ወዲ 16 ዓመትን ኣሜንን ዘሳተፈ ፍጻመታት ድሕሪ ምኽሳቱ ምዃኑ ይግለጽ።
ዓቃቢ ሕጊ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ኰተቴ ምስ ካልኦት ክልተ ስሞም ዝተጠቕሰ ኣወዳት ብምሕባር፡ ብ12 ለካቲት 2025 ኣብቲ ከተማ ኣብ ዝርከብ ጐደና ግሬት ዌስተርን ንኣሜን ከም ዘጥቅዑዎ ይኸስስ። እቲ ክሲ፡ ኣብ ርእሱን ኣካላቱን ደጋጊሞም ብምውቃዕን ብእግሮም ከም ዝረገጹዎን ዘጠቓለለ እዩ።
ካልእ ተወሳኺ ክሲ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ወዲ 16 ዓመት ኰተቴ ሳልስቲ ቅድሚ እቲ ቅትለት፡ ሴፍን ሓጺንን ብምሓዝ፡ ከምኡ'ውን ብምጭዳርን ብምጽራፍን ንኣሜን "ኣፈራሪሑዎን ተጻሪፉዎን" ዝብል እዩ።
እቲ ወዲ 16 ዓመት ተኸሳሲ፡ ፍትሒ ንምዝባዕ ፈቲኑ ዝብል ክሲ'ውን ቀሪብሉ ኣሎ።
ነቲ ተኸዲኑዎ ዝነበረ ስፖርታዊ ስረ ኣብ ስፍራ-ኣታኽልቲ ናይቲ ቤተ ክርስትያን ከም ዝደርበዮን ደም ዝተዓለሰ ክዳን'ውን ናብ ከተማ ቻሪንግ ክሮስ ወሲዱ ከም ዝኣለዮን ይሕበር።
እቲ መንእሰይ ነቲ ሴፍ እውን ከም ዘጥፍኦ ይግለጽ። እቲ ክሲ ከም ዘመልክቶ፡ እዚ ኵሉ ዝተገብረ "ንኸይፍለጥ፡ ከይእሰርን ክሲ ከይቀርበሉን፡" ካብቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ንምህዳም እዩ።
እቲ መስርሕ ፍርዲ፡ እቲ ወዲ 16 ዓመት ንገበን ቅትለት ዘቕረቦ ፍሉይ መከላኸሊ ብምንባብ እዩ ጀሚሩ። ከምዚ ድማ ይብል፤ "እቲ ወዲ 16 ዓመት ብኣሜን ተኽላይ ተሃሪሙ፣ ኣሜን ድማ መሳርሒ ሓጺን ዓጢቑ ነይሩ። ንሱ ነቲ ብኣሜን ዝጥቃዕ ዝነበረ ተኸሲሱ ዘሎ ብጻዩ ንምክልኻል እዩ ነቲ ተግባር ፈጺሙዎ።"
ኣቐዲሞም ዝነበሩ ፍጻመታት
ዳኛታት፡ ኣብቲ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሃይንድላንድ፡ ጥቓ ቤት መግቢ ቺሎ ኣብ ጐደና ግሬት ዌስተርን ብ2 ለካቲት 2025 ዝተሳእለ ናይ ሞባይል ቪድዮ ክርእዩ ተገይሩ።
ኣሜን ብሰለስተ ኰተቴታት - እቲ ወዲ 16 ዓመት ሓዊሱ - ከም ዝተሃርመ ይርአ፤ "ግደፍዎ"፡ "ናብ ፖሊስ ደውሉ" ዝብሉ ዘረባታት'ውን ይስማዕ ነይሩ።
ኣብ ቪድዮ ሲሲቲቪን ሞባይልን ናይቲ ለይቲ ሰዓት 20:40 ኣብ ግዳም ባር ሊስማር፡ ካልእ "ግጥም" ኣብ ሞንጎ ኣሜንን እቲ ወዲ 16 ዓመትን ከምኡ'ውን ካልኦት ኰተቴታት ተራእዩ።
ዓቃቢ ሕጊ ኣድሪያን ስታልከር ነቲ ቪድዮ ክገልጾ ከሎ ከምዚ ይመስል፤ "ነቲ ፌርማታ ኣውቶቡስ ይዘሩዎ ኣለዉ፣ ክልተኦም መሳርሒታት ዘለዎም ይመስሉ፣ እዞም መሳርሒታት ከኣ ዓበይቲ ከራሩን ጐዞሞን ይመስሉ፡" ኢሉ።
ካብቲ ቦታ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ሓደ ካልእ ወዲ ነቶም ክልተ ክስዕብ ተራእዩ፣ ድሕሪኡ ድማ ኤለክትሪክ ስኩተር ንምውሳድ ናብቲ ቦታ ተመሊሱ።
ኣብታ ለይቲ ጸኒሑ ዝተራእየ ቪድዮ፡ ኣሜን ኣብ ጥቓ ቤቱ ንወዲ 16 ዓመት "ክስዕቦ" ተራእዩ።
ካልኦት ምስሊታት ሲሲቲቪ ድማ እቲ ወዲ 16 ዓመት ብኤለክትሪክ ስኩተር ናብ ቤቱ ክኣቱን ክወጽእን የርእዩ።
ኣብቲ ኣሜን ዝሞተሉ መዓልቲ፡ ስታልከር ከም ዝበሎ፡ እቲ ኰተቴ ኣብ ጥቓ ማዕጾ ካብ ዝርከብ ናይ ፖስታ ሳንዱቕ "ሓደ ነገር" ወሲዱ።
ካብ ሓባራዊ ጸብጻብ (minute) መረዳእታ ንኣባላት ዳኛ ተነቢቡ። ንሱ ድማ ኣሜን ኣብ ማርሻፔዲ ጐደና 22 ክላረንደን ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ከም ዝረኸበ ይገልጽ። ሰዓት 22:48 ድማ ከም ዝሞተ ተሓቢሩ።
እቲ ሰነድ፡ እቲ ወዲ 16 ዓመት ብ7 መጋቢት 2025 ኣብ ሰዓታት ለይቲ ከም ዝተኣስረ ይሕብር። እቲ ወዲ 17 ዓመት ከኣ ጸኒሑ ኣብ 22 መጋቢት 2025 ተታሒዙ።
እቲ ወዲ 16 ዓመት ብ8 መጋቢት 2025 ሕክምናዊ መርመራ ተገይሩሉ፣ ዝዀነ መውቃዕቲ ከም ዘይተረኽበሉ ተፈሊጡ።
ውጽኢት መርመራ ሽንቲ ኣሜን፡ ኣደንዘዝቲ መድሓኒታትን ኣልኮላዊ መስተን ከም ዘይነበሮ የረድእ።
ካብ ጐደና ክላረንደን፡ "ጸሊምን ሓምዅሽታይን ዝሕብሩ ካራ" ተረኺቡ።
ኣብ ትሕቲ ኣካላት ኣሜን፡ ቀጠልያ ዝሕብሩ ናይ ካራ መሸፈኒ ቈርበት ብፖሊስ ተረኺቡ ተታሒዙ። መጥበሲ ድማ ካብ ሓደ ጐሓፍ ኣብ ጐደና 'ሰይንት ጆርጅ' ተረኺቡ።
እቲ ክሳዕ ሓምለ ክቕጽል ትጽቢት ዝግበረሉ ፍርዲ፡ ሕጂ'ውን ገና ይቕጽል ኣሎ።