እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተቓወምቲ ኣብ መረጻ ምስ ሰዓሩ፡ ናብ ሆስፒታል ዝኣተወ መራሒ ሃገር
ፕረዚደንት ቼክ ሪፐብሊክ ሚሎስ ዚማን፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ኣካታዓይ መረጻ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ከምዝሰዓሩ ሃንደበት ምስተገለጸ ሽዑ ንሽዑ ናብ ሆስፒታል ኣትዩ።
እቲ ወዲ 77 ዓመት ፕረዚደንት ብበዝሒ ምትካኽ ሽጋራን ሰታይነትን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዊልቼር እዩ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ። ብሕማም ሽኮር ከምዝሳቐ’ውን ይዝረብ።
ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተኻየደ መረጻ ስዒቡ ንዝምስረት ናይ ሓባር መንግስቲ ዝምልከት ዝርርብ ንሱ ክመርሖ እዩ ትጽቢት ክግበር ጸኒሑ።
ዳይሬክተር ናይቲ ሕክምና ዝረኽበሉ ዘሎ ማእከላይ ወተሃደራዊ ሆስፒታል፡ ፕረዚደንት ሚሎስ ዚማን፡ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕክምና ከምዝርከብ ተዛሪቡ።
ዳይሬክተር ሚሮስላው ዛቮራል፡ “እቲ ጸገሙ ንፈልጦ ኢና፤ ኣድላይ ዘበለ ድጋፍ ድማ ንገብረሉ ኣለና” ኢሉ።
ብመሰረት ትእዛዝ እቲ ፕረዚደንት ግና፡ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ፍቓደኛ ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ንሸሞንተ መዓልታት ዝኣክል ብዋሕዲ ኣብ ሰውነቱ ዝርከብ ፈሳሲ [ዲሃይድሬሽን] ኣብ ሆስፒታል ኣትዩ ከምዝነበረ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ኣፍሊጡ።
ትማሊ ንጎሆ ድማ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካብ ዝኾነት ፕራግ፡ ወጺእኻ ካብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ፡ ናብ ሆስፒታል እንትውሰድ ተራእዩ።
ቅድሚ ናብ ሆስፒታል ምውሳዱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዘትዩ ነይሩ ተባሂሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ባቢስን ንሱ ዝመርሖ ‘ኤኤንኦ’ ዝተብሃለ ኣዝዩ ህዝበኝነት ዘሰጉም [‘ፖፑሊስት’] ውድቡን እቲ መረጻ ክድገም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ሓቲቶም እዮም። እንተኾነ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ውድብ ብኻልእ ጥምረት ፓርቲታት ተስዒሩ።
እቲ ናይ ዝተፈላለዩ ውድባት ጥምረት ዝኾነ ስፖሉ [ብሓባር] 27.8 ሚኢታዊ ክረክብ እንተሎ፡ እቲ ገዛኢ ውድብ ድማ 27.1 ሚኢታዊ ድምጺ ረኺቡ ተባሂሉ።
ፕረዚደንት ዚማን ግን፡ ቅድሚ እቲ መረጻ፡ ጥምረት ዘይኮነስ እቲ ዝለዓለ ድምጺ ዝረኸበ ሓደ ፓርቲ ነጺሉ ከምዝወስድ ተዛሪቡ ነይሩ።
እቲ ንሱ ዝድግፎ ድማ ብተቓወምቲ ተሳዒሩ እንተተብሃለ’ኳ፡ ነቲ ጥምረት ውድባት ኣይቅበሎን። በዚ መሰረት ድማ፡ እቲ ፈታዊኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝመርሖ ሰልፊ ቀዳማይ ይገብሮ።
ንሱ፡ ኣብ ድሮ እቲ መረጻ ድምጹ ነቲ ብቢልዮነር ቀዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ፓርቲ ከምዝህብ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብቲ ብቐዳም ዝተኻየደ መረጻ ግና፡ እቲ ፕረዚደንት ናብ መረጻ ጣብያ ከይዱ ክመርጽ ብዘይምኽኣሉ፡ ሳንዱቕ መረጻ ናብቲ ዝርከበሉ ክመጽእ ብምግባር ድምጹ ሂቡ።
ሮይተርስ ከምዝጸብጸቦ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ቀዳማይ ሚኒስተር ንክስይም ሕገ መንግስቲ ይፈቕደሉ እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ኣዝዮም ተላባዕቲ ዘረባታት ብምዝራብ እዩ ዝፍለጥ።
ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ጾተኦም ንዝረቕይሩ ሰባት፡ ‘ፍንፉናት’ ክብል ብምዝራቡ ክንቀፍ ጸኒሑ።