እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤት ፍርዲ ህንዲ፡ መንግስቲ ብኮቪድ-19 ንዝሞቱ ስድራታት ካሕሳ ክኸፍል ወሲኑ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ህንዲ፡ መንግስቲ ብኮቪድ-19 ህይወቶም ንዝሰአኑ ስድራታት ካሕሳ ክከፍል ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ።
ንሕድሕድ ግዳይ እቲ ለበዳ፡ 50 ሽሕ ሩፒ ወይ ከኣ 647 ዶላር ክከፍል እዩ እቲ ቤት ፍርዲ በይኑ ዘሎ።
ኣብ ህንዲ ክሳብ ሕዚ ዕላዊ ብዝኮነ ሓበሬታ መሰረት 447 ሽሕ ሰባት ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ሞይቶም።
እንተኾነ ብዝሒ መወትቲ መንግስቲ ካብ ዝብሎ ብዓሰርተ ዕጽፊ ክበልጽ ከም ዝኽእል ሰብ ሞያ ይዛረቡ።
ሓላፊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ህንዲ ኤምአር ሻህ ሰኝ ብሰኑይ "ወራሲ ናይቲ መዋቲ ወይ ከኣ ናይ ቀረባ ዘመድ እቲ ካሕሳ ክቕበል ይኽእል እዩ" ኢሉ።
ኣባላት ስድራ ናይቲ መዋቲ ኣድላይ ዝኾነ መረዳእታ ሒዙ ንዝቐረበ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት እቲ ካሕሳ ካብ መንግስቲ ክረክብ ከም ዝክእል'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ጠበቓታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ቤት ፍርዲ ኣብቲ ጉዳይ ክሳተፍን ብቲ ለበዳ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ስድርኦም ካሕሳ ክረኽቡ ኣለዎም ዝብል ፊርማ ኣተኣኻኺቦም ምንባሮም ይዝከር።
ኣብቲ እዋን፡ ሓደ ነገር 'ሃገራዊ ሓደጋ' ተባሂሉ ምስ ተኣወጀ ኯይኑ ኣብዚ ከምዚ እዋን ህይወቶም ንዝስእኑ መንግስቲ ካሕሳ ናይ ምክፋል ግዴታ ኣለዎ ዝብል ዓንቐጽ ጠቒሶም እዮም ተማጒቶም።
እቲ መምርሒ ከም ዝብሎ፡ ኣብ እዋን ሃገራዊ ሓደጋ ህይወቶም ንዘስእኑ ዜጋታት መንግስቲ ክሳብ 400 ሽሕ ሩፒ ክኸፍል ይግደድ።
ሓደ ካብቶም ፊርማ ዘተኣኻኽቡ ዝነበሩ ጋወራቭ ባንሳል፡ "መንግስቲ ነቲ ሕማም ንምክልኻል ልኡል ገንዘብ ከም ዘውጸአ ንፈልጥ ኢና። እንተኾነ በቲ መምርሒ መሰረት 400 ሽሕ ሩፒ ንግዳያት ክኸፍል ነይርዎ። ወይ ከኣ እቲ ዝለዓለ መጠን ንድኻ ማሕበረሰባት፤ እቲ ትሑት መጠን ድማ፡ ንሃብታማት ክኸፍል ምኸኣለ ነይሩ" ኢሉ ።
መንግስቲ ፌዴራል ከም ዝብሎ፡ ዝኾነ ስድራ እቲ ካሕሳ ክረክብ እቲ ግዳይ በቲ ለበዳ ከም ዝሞተ መረዳእታ ሒዙ እንተቐሪቡ ጥራይ እዩ።
ነቲ ካሕሳ ክፍሊት ዝፍጽሙ ድማ፤ ናይተን ግዝኣታት ክልላዊ መንግስታት እየን።
ኬራላን ራጃስታን ዝተብሃሉ ግዝኣታት ግን፡ እቲ ካሕሳ ምኽፋል ከቢድ ጽዕንቶ ከምዝጥረለን ብምሕባር፤ መንግስቲ ፌዴራል ክኸፍለለን ጠሪዐን ኣለዋ።
ከምኡ ድማ፡ ገለ ሒደት ግዝኣታት ብፍላይ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ግዳያት ስድራ፤ ክሳብ 100 ሽሕ ሩፒ ክኸፍሉ ከም ዝተዳለዉ ኣፍሊጠን።
ዛጊድ 16 ኣባላት ስድራ እቲ ካሕሳ ከም ዝረኸቡ መራኸቢ ብዙሐን ጸብጺበን።