እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ሰንበት ዝካየድ ናይ ፍጻመ ግጥም እንግሊዝን ኢጣልያን
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣውሮጳ 2020፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሰነ ተጀሚሩስ፡ ድሮ ናብ ፍጻመ ኣምሪሑ'ሎ።
ሰንበት፡ 11 ሓምለ ኣብ መንጎ እንግሊዝን (ኢንግላንድ) ኢጣልያን፡ ናይ ዋንጫ መን ወሰደ ግጥም ክካየድ'ዩ።
እታ ብኣሰልጣኒ ጋረት ሳውዝገይት እትምራሕ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ፡ ድሕሪ 55 ዓመት ንፍጻመ ምብጻሓ ኣብታ ብኩዕሶ እግሪ እትፍለጥ ኢንግላንድ ዓቢ ሓጎስን ሓበንን ፈጢሩ ይርከብ።
ኣብቲ ብረቡዕ ኣብ ለንደን፡ ሜዳ ወንብሊ ዝተኻየደ ግጥም ፍርቂ-ፍጻመ ንጋንታ ዴንማርክ 2 ብ 1 ብምስዓር ናብ ፍጻመ ኣብ ዝሓለፈትሉ እዋን፡ ህዝቢ'ታ ሃገር ናብ ጎዳናታት ብምውጻእ፡ ጥሩምባታት ብምንፋሕን ርችታት ብምትኳስን ሓጎሱ ክገልጽ ተራእዩ ነይሩ።
እታ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ርብዒን ፍርቂን ፍጻሜታት ኣገደስቲ ውድድራት ክትኩለፍ ዝጸንሐት ሃገራዊት ጋንታ፡ ነቲ ሰንበት ዝጽበያ ዘሎ ናይ መወዳእታ ግጥም'ውን ብዓወት ክትዛዝሞ ትኽእል'ያ ዝብል ተስፋ ኣሕዲራ'ላ።
ኣብ 1966 ኣብ ናይ ሽዑ ምዕራብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም፡ ንፍጻመ ምስ በጽሐት በታ ኣአንጋዲት ሃገር ድሕሪ ምስዓራ፡ ኣብ ዝኾነ ግጥማት ኣብቲ ደረጃ ምብጻሕ ተሳኢንዋ'ዩ ነይሩ።
ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዝነበራ ግጥማት ናይዚ ውድድር፡ ሓንሳብ ጥራይ ሸቶ ዝተመዝገባ ምዃኑ'ውን፡ ነቲ ተስፋን ትጽቢትን ክዓቢ ከይደረኸ ኣይተርፍን።
እታ ሓደ ካብ ፍሉጣት ተጻወታ ዝኾነ ክርስትያን ኤሪክሰን ኣብ ሜዳ እናተጻወተ እንከሎ ብሰንኪ ወቕዒ ልቢ ወዲቑ፡ ካብ ኣፍሞት ዝደሓነ፡ ጋንታ ዴንማርክ ዘርኣየቶ ጸወታታት ናይ ብዙሓት ተንተንቲን ተኸታተልቲን ናእዳ ዝረኸበ'ዩ ነይሩ።
ኣብቲ ናይ ረቡዕ ግጥም ግን፡ እታ ንክልቲአን ጋንታታት ዝፈላለየት ናይ መወዳእታ ፍጹም ቅላዕ ርትዓዊት ዘይክትነብር ትኽእል ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ጸወታ ካብ 90 ደቓይቕ ንላዕሊ ብምንውሑ፡ ቅያር ተጻወቲ ተወዲኦም፡ ጉድኣት ዘጋጠሞ ተጻዋታይ ምስ ኣጋጠማ፡ ብ10 ተጻወቲ ጥራይ ክትቅጽል ተገዲዳ እያ።
እታ ኣብ ፍርቂ-ፍጻመ ንሓንቲ ካብተን ኣለዋ ዝብሃላ ሓያላት ጋንታታት ዝኾነት ሃገራዊት ጋንታ ስፔን ብናይ ፍጹም ቅላዓት ፍልልይ ብምስዓር ናብ ፍጻመ ዝበጽሐት ኢጣልያ ካብተን ዝፍርሓ ሃገራውያን ጋንታታት ኣውሮጳ'ያ።
በቲ ኣሰልጣኒ እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ዝነበረ ሮበርት ማንሲኒ እትምራሕ፡ "ኣዙሪ" ዝብል ቅጽል ስም ዘለዋ ጋንታ ኢጣልያ፡ ብዓለም ደረጃ ኣብ መበል 7 እትርከብ ኮይና፡ ኣብ ኩለን ግጥማታ ብምስዓር'ያ ኣብዚ በጺሓ ዘላ።
ንዋንጫ ኣውሮጳ ኣብ 1968 ጥራይ'ኳ ዝተዓወተት እንተኾነት፡ ካብተን ዝዓተረተን ኣርባዕተ ዋንጫታት ዓለም፡ እተን ክልተ ብድሕሪኡ ዝጨበጠተን እየን።
ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ ናይ ሰንበት ግጥም ኣዝዩ ሓያል ክኸውን ከምዝኽእል ብኣግኡ ተገሚቱ'ሎ።
ኣብቲ ጸወታ ዓቢ ግደ ክህልዎም'ዩ ካብ ዝብሃሉ ተጻወቲ ኢጣልያ ብዕድመን ተመክሮን ዝበሰሉ፡ ከም ወዲ 34 ዓመት ተኸላኻላይ ሌዮናርዶ ቦኑቺን ወዲ 36 ዓመት ጆርጂዮ ኪኤሊኒን ይርከብዎም።
ብወገን እቶም 'ሰለስተ ኣናብስ' (Three Lions) ተባሂሎም ዝፍለጡ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ድማ ፡ኣብቲ ውድድር ዓቢ ግደ ዝተጻወተ ተጻዋታይ ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ራሂም ስተርሊን፡ ናብ ፍጻመ ዘብጽሐት ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ቶተንሃም ሃሪ ኬንን ይርከብዎም።
ኣጥቃዕቲ ወዲ 19 ዓመት ቡካዮ ሳካን ወዲ 21 ዓመት ጄደን ሳንኮን'ውን ኣብቲ ወሳኒ ግጥም ክሳተፉ ይኽእሉ'ዮም።
ልዕሊ 65,000 ደገፍቲ ኣብቲ ስተድዮም ክርከቡ ምዃኖም ትጽቢት ይግበር። ዝበዝሑ ካብኦም ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ'ዮም።
እንተኾነ ግን፡ እቶም ናብቲ ስተድዮም ክኣትዉ ዝፍቀደሎም፡ ወይ ድርብ ክታበት ኮቪድ-19 ዝወሰዱ ክኾኑ ኣለዎም፡ ወይ ድማ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ቅድሚ ኣፍደገ ምኽፋቱ መርመራ ወሲዶም፡ እቲ ቫይረስ ከምዘይተረኽቦም ዘረጋግጽ ጭብጢ ዝሓዙ እዮም ክኾኑ።
እቲ ኣብ ለንደን፡ ሜዳ ወምብሊ ዝካየድ ናይ ሰንበት ግጥም፡ ብመንገዲ ተለቪዥን ቢቢሲ ቻነል ሓደን (BBC One)፡ቢቢሲ ኣይፕለየር (BBC iPlayer)፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቢቢሲ ራድዮ 5 ላይቭ (BBC Radio 5 Live) ብናይ ለንደን ኣቆጻጽራ ካብ ሰዓት 8፡00 ምሸት ብቐጥታ ክፍኖ እዩ።