እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሽዱሽተ ዓበይቲ ክለባት ዓዲ እንግሊዝ ካብ ውድድር ሱፐር ሊግ ኣንሳሒበን
እተን ኣብ ውድድር ሱፐር ሊግ ኣውሮጳ ክወዳደራ ምዃነን ኣፍሊጠን ዝነበራ ሽዱሽተ ክለባት ዓዲ እንግሊዝ ሓሳበን ብምቕያር ካብቲ ውድድር ከም ዘንሳሓባ ኣፍሊጠን።
ቼልሲ ካብቲ ውድድር ከም ዘንሳሐበት ዘፍለጠት ቀዳመይቲ ጋንታ ዓዲ እንግሊዝ ኮይና ማንቸስተር ሲቲ'ውን ንዓኣ ብምስዓብ ኣብቲ ውድድር ንምስታፍ ዝነበራ ሓሳብ ዳግመ ግምት ብምግባር ከም ዘቋረጸቶ ገሊጻ።
ነዘን ክልተ ክለባት ተኸቲለን ክላባት ኣርሰናል፣ ማንቸስተር ዩናይትድ፣ ሊቨርፑልን ቶተንሃምን'ውን ካብቲ ውድድር ወጺአን።
ጸወታታት ሱፐር ሊግ ኣውሮጳ ኣብ ፍርቂ ናይ ሰሙን ክካየድ ዝተሓስበን ዕስራ ጋንታታት ዘሳትፍን ኮይኑ ካብ ወርሒ ነሓሰ ክጅምር ውጥን ወጺእዎ ዝነበረ ውድድር እዩ።
እንተኾነ ፊፋን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳን ነቲ ውድድር ኣፍልጦ ከም ዘይህብዎን እቶም ምስ ጋንታታቶም ብምዃን ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ተጻወትቲ ምስ ሃገራዊት ጋንትኦምን ኣብ ዋንጫ ዓለምን ካብ ምስታፍ ክኽልክሉዎም ከም ዝኽእሉ ኣፍሊጦም።
ነቲ ውድድር ዝሰርዑ ኣካላት ብወገኖም ንኹሉ ከም ዝጥዕም ገይሮም ዳግማይ ከም ዝሰርዕዎ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ማንቸስተር ሲትን ሊቨርፑልን ኣብቲ ውድድር ከም ዘይሳተፋ ብወግዒ ከፍልጣ እንከለዋ: ማንቸስተር ዩናይትድ ብወገና "ካብ ደገፍትናን መንግስትን ዝመጽኣና ርእይቶን ካብ መሻርኽትና ዝምጽኣና ሓሳባትን ብምስማዕ ኣብቲ ውድድር ንምስታፋ ዘንቀልናዮ ሓሳብ ኣቋሪጽናዮ ኣለና" ኢላ።
ኣርሰናል'ውን ንደገፍታ ብቅሉዕ ደብዳበ "ጌጋ ፈጺምና ኢና" ድሕሪ ምባል ካብ ደገፍቶምን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝመጽኦም ርእይቶ ኣኮማሲዖም ካብቲ ውድድር ክወጽኡ ከም ዝወሰኑ ገሊጻ።
ኣቦ መንበር ክለብ ቶተንሃም ዳንኤል ለቪ ብወገኑ እታ ክለብ ኣብቲ ውድድር ንክትሳተፍ ዝቐረበላ ዕድመ ምቕባላ ከም ዘጠዓሶ ክገልጽ እንከሎ፡ ቼልሲ'ውን ካብቲ ውድድር ከም ዘንሰሓበት ዝገልጽ ወግዓዊ ደብዳበ ናብቶም ኣዳለውቲ እቲ ውድድር ከም ዝልኣኸት ኣፍሊጣ።
ፕረዚደንት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ኣሌክሳንደር ሰርፈሪን ሽዱሽቲኤን ክላባት ዓዲ እንግሊዝ ካብቲ ኣፍለጦ ዘይተውሃቦ ሱፐር ሊግ ኣውሮጳ ምንስሓበን ከም ዘሐጎሶ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብርጣንያ ቦሪስ ጆንሰን'ውን ብትዊተር ብውሳነ እተን ክለባት ከም ዝተሓጎሰ ብምግላጽ "ቅኑዕ ውሳነ'ዩ" ኢልዎ ኣሎ።
ብጀካ እዘን ሕጂ ኣንሳሒበን ዘለዋ ሽዱሽተ ክለባት ዓዲ እንግሊዝ፡ ካብ ስጳኛ ኣትሌቲኮ ማድሪድ፣ ባርሴሎናን ሪያል ማድሪድን፤ ካብ ዓዲ ጣልያን ኤሲ ሚላን፣ ኢንተር ሚላንን ጂቬንቱስን ኣብቲ ውድድር ክሳተፋ ምዃነን ዘፍለጣ ዓበይቲ ክላባት ኣውሮጳ እየን።
ዓበይቲ ክልባት ኣውሮጳ ኣብቲ ብማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዓለምን ኣውሮጳን ኣፍልጦ ዘይተውሃቦ ሱፐር ሊግ ኣውሮጳ ክሳተፋ ምውሳነን ብደገፍተን፡ መንግስታትን ማሕበረሰብ ኩዕሶ እግርን ኩነኔ ክበጽሕን ጸኒሑ እዩ።
ኣስታት 1,000 ዝኾኑ ደገፍቲ ቼልሲ፡ ብሰሉስ ቼልሲ ምስ ብራይተን ኣብ ዘካየደቶ ግጥም እቲ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ኣፍደገ ሜዳ ቸልሲ ብምዃን ተቓውምኦም ኣስሚዖም ነይሮም።