ሓለቓ ጋንታ ኣርሰናል ነበር ፓትሪክ ቪየራ ኣሰልጣኒ ክሪስታል ፖላስ ብምዃን ተመዚዙ

Published

ጋንታ ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ዝኾነት ክሪስታል ፓላስ ንሓለቓ ጋንታ ኣርሰናል ነበር ፓትሪክ ቪየራ ብኣሰልጣንነት ከምዝመዘዘት ኣፍሊጣ።

ቪየራ ንሮይ ሃድሰን ብምትካእ’ዩ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ኮይኑ ዘሎ። ሮይ ሃድሰን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት’ዩ ነታ ጋንታ ክለቕቕ ምዃኑ ወግዓዊ ዝገበረ።

ቪየራ ነታ ጋንታ ብኣሰልጣንነት ንኽሕዛ ድማ ሰፊሕ ዘተ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ወዲ 45 ዓመት ፈረንሳዊ ምስታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መበል 14 ደረጃ ብምሓዝ ውድድራ ዝዛዘመት ክሪስታል ፓላስ ንሰለስተ ዓመታት ዘጽንሖ ውዕሊ ተፈራሪሙ’ሎ።

ቪየራ “ነዚ ዕድል ረኺበ ናብ ፕሪምየርሊግ ክምለስ ብምኽኣለይ ኣዝየ ሕጉስ’የ” ክብል ተዛሪቡ።

“ነዓይ ዓብዪ ቦታ ዝህቦ ፕሮጀክት እዩ። እታ ጋንታ ሰሓባይ መሰረት ኣለዋ። ኣብ ፕሪምየርሊግ እውን ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለት’ያ። ነዚ መሰረት ብምግባር ናብ ዝሓሸ ደረጃ ከምእንወስዳ ተስፋ ኣለዊ” ኢሉ።

ቪየራ ካብ ኣሰልጣንነት ፈረንሳዊት ጋንታ ኒስ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ከምዝተሰናበተ ይዝከር።

ቅድሚኡ ድማ ኣብ ሱፐርሊግ ኣሜሪካ ንእትሳተፍ ጋንታ ኒውዮርኪ ሲቲ ንኽልተ ዓመትን ፈረቓን ብኣሰልጣንነት ኣገልጊሉ ነይሩ።

ንሱ ናይ ኣሰልጣንነት ሞይኡ ኣብ ኣካዳሚ ኩዕሶ እግሪ ማንቸስተር ሲቲ ዝጀመረ ኮይኑ ካብ ተጻዋትነት ክወጽእ ከሎ ድማ ሲቲ ናይ መወዳእታ ጋንትኡ ነይራ።

ምስ ፈረንሳዊት ጋንታ ኒስ ኣብ ዘሕለፎ ጊዜ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ብ7ይ ደረጃ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኣይ ዓመት 5ይ ደረጃ ብምሓዝ ክዛዝም ኪኢሉ።

ኣሰልጣኒ ጋንታ ቦርሲያዶርትመንድ ሉሲየር ፋቭሬ ንጋንታ ክርስታል ፓላስ ብኣሰልጣንነት ክርከባ ትጽቢት ተገይሩ’ኳ እንተነበረ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ዘተ ነቲ ዕድል ስራሕ ከይተቐበሎ ምትራፉ ይግለጽ።

ፈረንሳዊ ፓትሪክ ቪየራ ካብ 1996 ክሳብ 2005 ምስ ኣርሰናል ኣብ ዝነበረሎም ዓመታት 9 ዋንጫታት ከልዕል በቒዑ’ዩ።

ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይ እውን ዋንጫታት ዓለምን ኣውሮጳን ዝዓተረ ኮይኑ ምስ ጣልያናዊት ጋንታ ኢንተር ሚላን እውን ሰለስተ ዋንጫታት ሴሪ ኤ ረኺቡ።

ቪየራ ብ2010 ናብ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ከምዝተጸምበረን ምስታ ጋንታ ዋንጫ ‘ኤፍ ኤ ካፕ’ ምስዓተረ ካብ ተጻዋትነት ብወግዒ ምውጽኡ ይዝከር።