ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ትራምፕ ዝነበረ ጆን ቦልቶን ብሰንኪ መጽሓፉ ክሲ ተመስሪትዎ

Published

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝነበረ ጆን ቦልቶን ኣብታ ኣብ ወርሒ ሰነ ዘሕተሞ መጽሓፍ ተዘክሮኣዊ ጽሑፍ ምስጢር ኣውጺእካ ብዝብል ገበናዊ ክሲ ከምዝተመስረቶ ተገሊጹ።

ንጆን ቦልቶን ብገበን ክሕተት ዝሓትት ዘሎ ትካል ፍትሒ ኣሜሪካ ኮይኑ ኣቐዲሙ’ውን እታ መጽሓፍ ከይትሕተም ዝማጎት ዝነበረ’ዩ፡ ጆን ቦልቶን ግን ነቲ ዝቐረበሉ ኩሉ ክስታት ነጺግዎ’ሎ።

መጽሓፍ ጆን ቦልቶን፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኩሉ ጂኦ ፖሎቲካዊ ሓቅታት ብምጉሳይ ኩሉ ነገራቱ ዳግማይ ንኽምረጽ ኢሉ ጥራይ ዝገብሮም ምዃኑ ኣብታ መጽሓፍ ሰፊሩ’ሎ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ኣማኻሪኡ ዝነበረ “ሓሳዊ፤ ሃዝራጥን ዘይብቁዕን" ኢሉ ከምዝገለጾ ኣብ እዋን ምሕታም እታ መጽሓፍ ምግላጹ ይዝከር።

ጆን ቦልቶን ካብ 2018 ክሳብ 2019 ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ፕረዚድንት ዶናልድ ትራምፕ ኮይኑ ሰሪሑ ነይሩ።

እቲ ክሲ፡ ነቲ ጆን ቦልተን እታ መጽሓፍ ቅድሚ ምሕታማ ብሃገራዊ ጸጥታ ምጽራይ ቅድመ ሕትመት ተገይሩላ እዩ ዝብሎን ገለ ነቀፍቲ ተመምያ ኣይሓለፈትን ዝብልዎን እዩ ከጻሪ።

ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ነታ መጽሓፍ ዘሕተመ ሳይሞን ኣንድ ቻስተር ዝተብሃለ ኣሕታሚ ትካልን ንጆን ቦልቶን ወኪሉ ነታ መጽሓፍ ዘሕተማ ጃቫሊን ኤጀንሲ’ውን ክሲ መስሪቱ ኣሎ።

ጠበቃ ጆን ቦልቶን ዝኾነ ቻርለስ ኩፐር “ጆን ቦልቶን ነቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ነጺግዎ እዩ፡ ምስ መጽሓፉ ብዝተሓሐዝ ዝኾነ ብገበን ከሕትቶ ዝኽእል ነገር ድማ የብሉን፡ ብዛዕባ መጽሓፉ ንዝሕተቶ ክምልስ ድማ ቅሩብ እዩ” ኢሉ።

እታ መጽሓፍ ብዛዕባ ዶናልድ ትራምፕ እንታይ ድያ ትብል?

ጆን ቦልቶን ኣብ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ዘሎ፡ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝገበርዎ ውልቃዊ ዕላል ይርከቦ፡ ክልቲኦም ጥራይ ኣብ ዝነበርሉ ድማ ኣብዚ ሕጂ ኮይንካ ሓቅነቱ ከተረጋግጹ ክብድ ይብል’ዩ።

ካብቲ ኣብታ መጽሓፍ ሰፊሩ ዘሎ ገሊኡ እዚ ዝስዕብ እዩ

- ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2020 ንኽዕወት ካብ ፕረዚደንት ቻይና ሓገዝ ሓቲቱ።

- ዶናልድ ትራምፕ፡ ቻይና እቲ ኣብ ዞባ ዚንጂንግ ሃኒጻቶ ዘላ ሚልዮናት ዝእሰርሉ ቤት ማእሰርቲ ‘ቅኑዕ ውሳነ እዩ’ ምባሉ።

- ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንቬነንዝዌላ ምውራር ኣገዳሲ እዩ፡ ብዓቢኡ’ውን ሃገራት ደቡብ ኣሚሪካ ኣካል ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ እየን ምባሉ።

- ዶናልድ ትራምፕ ዓባይ ብርጣንያ ኒክለር ከምእትውንን ኣፍልጦ ክመዘይነበሮን፡ ሓደ ግዜ ፊንላንድ ኣካል ሩስያ ድያ ኢሉ ከምዝሓተተን ኣብቲ መጽሓፍ ሰፊሩ’ሎ።

እታ መጽሓፍ ቅድሚ ምሕታም ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እታ መጽሓፍ “ብሓሶትን ስናዕ ዛንታታትን ዝተሰርሐት እያ” ኢሉ ነይሩ።

ዶናልድ ትራምፕ “ከም ሓደ ሕሙም ኩርኩር ካብ ስራሕ ስለዝሰጎግክዎ [ንጆን ቦልቶን] ኣይትረስዑ፡ ኩሉ እቲ ኣብታ መጽሓፍ ኢልዎ ኢሉኒ ዘሎ ድማ ጽሩይ ድርሰት’ዩ” ኢሉ።