እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይጀሪያ ፖሊሲ ምቁጽጻር ወሊድ ተዳሉ ኣላ
Published
ሚኒስተር ፋይናንስ ናይጀሪያ፡ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ቑጽሪ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እትወልዶም እትኽእል ቖልዑት ገደብ ከቐምጥ መደብ የዳልዩ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ሚኒስትር ዘኒባ መሓመድ፡ ናይጀሪያ ሸቶታት ቑጠባዊ ልምዓት ንምዕዋት ትጽገመሎም ካብ ዘላ ምኽንያታት፡ እቲ ዝዓቢ ዘሎ በዝሒ ህዝቢ'ዩ ኢላ።
እቲ መንግስቲ ፖሊሲ ቑጽሪ ወሊድ ኣደታት ሃገሩ ንምምሕያሽ፡ ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን እታ ሃገር ይዛተ ከም ዘሎ እታ ሚኒስትር ሓቢራ።
"ባህላዊ መራሕትን ካልኦትን ኣሳቲፍና ኢና። ጉዳይ እቲ ቑጠባዊ ሸቶና ክነዕውት ዝፍትነና ዘሎ በዝሒ ህዝብና ንምፍታሕ፡ እዞም ትካላት ክነሳትፍ ደሊና" ክትብል ሚኒስትር ኣሚና ተዛሪባ ክብል ፓንች ዝተብሃለ ጋዜጣ እታ ሃገር ጠቒሱ።
"ብዚ ተሓጊዝና፡ እቲ ቑጽሪ ምውላድ ሓንቲ ኣደ ናብ ዝውስን ትልሚ ክንኣቱ ኢና" ኢሉ።
ናይጀሪያ፡ እታ ዝበዝሐ ህዝቢ ካብ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ኾይና፡ 186 ሚልዮን ህዝቢ ኣለዋ።