እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ናይጀሪያ፡ ኦበይ ኢዝክዌሲሊ ንፕሬዝደንትነት ክትወዳደር'ያ
መረጻ ናይጀሪያ፡ ኽልተ ነባራት ደቂ ተባዕትዮ ፖለቲከኛታት ኣጉሊሑ ዘርኢ'ኳ እንተነበረ፡ ኦበይ ኢዝክዌሲሊ፡ ሕጽይቲ ኾይና ምቕራባ ግና እዚ ታሪክ ክቕይሮ'ዩ።
ቅድም ኢሉ'ውን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ፕረዝደንታዊ መረጻ ተሳቲፈን'ኳ እንተነበራ፡ ኦበይ ኢዝክዌሲሊ ብፍሉይ እዚ ዓብዪ ቦታ ክትጭብጦ ግምት ዝተውሃባ ኾይና ኣላ ትብል ሪፖርተር ቢቢሲ ኣብ ናይጀሪያ ክሪስ ኢዎኮር።
ኦበይ ኢዝክዌሲሊ፡ '#እተን ደቂ ኣንስትዮ ምለሱወን' ዝብል ጎስጓስ ብምምራሕ እትፍለጥ ኾይና፡ ኣብ 2014 ኣብ ሰሜናዊ ናይጀሪያ ቺቦክ ተጨውየን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ክፍትሓ ዓብዪ ግደ ነይሩዋ።
ሚኒስትር ትምህርቲ እታ ሃገርን ምኽትል ፕረዚደንት ባንኪ ዓለምን ኾይና'ውን ሰሪሓ ነይራ።
ኾይኑ ግና፡ ወርሒ ለካቲት 2019 ኣብ ዝካየድ መረጻ እረታ ሃገር፡ ንፕረዚደንት መሓመድ ቡሃሪ ኾነ፡ ቐንዲ ተቓዋሚ ተነሓናሒኡ ወዲ 72 ዓመት ኣቲኩ ኣቡባከር ስዒራ ንምውጻእ ክኸብዳ ይክእል'ዩ።
መልእኽቲ ኦበይ ኢዝክዌሲሊ እንታይ'ዩ?
ኦበይ ኢዝክዌሲሊ፡ እቶም ሕዚ ክትነሓነሖም ቐሪባ ዘላ ደቂ ተባዕትዮ "ካብ ሓደ ቅልውላው ናብ ካልእ ቅልውላው" ዝመርሑ'ዮም ትብሎም።
እዛ ጓል 55 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ፡ እቶም ፖለቲካዊ መዝነት ሒዞም ዘለው ሰባት ቴክኖሎጂካዊ ለውጢታት ኣበይ በጺሖም ከምዘለው ዝርድኦም ኣይኾኑን ብምባል፡ መናእሰይ እታ ሃገር ኣብ ጎና ክተዕስል ጎስጓስ ተካይድ ኣላ።
ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ናይጀሪያውያን፡ ትሕቲ 30 ዓመት'ዮም።
"ሚልዮናት መናእሰይ፣ ንቑሓትን ንፉዓትን ሰባት ዝሓዘት ሃገር ከመይ ኣቢላ ዘይተሳትፍ ትኸውን?" ብምባል ድማ ትሓትት።
ፕረዚደንት ቡሃርን ኣቲኩን ኸ?
ሕጹይ ቀንዲ ተቓዋሚ ኣቲኩ፡ ጽዕንቶ ፈጣሪ ፖለቲከኛን በዓል ጸጋን ኾይኑ፡ ካብ 1999-2007 ምኽትል ፕረዘደንት ኾይኑ ኣገልጊሉ'ዩ።
ብዙሕ ግዘ ድማ ፕረዝደንት ንምዃን'ኳ እንተተወዳደረ፡ ሓደ ግዘ ጥራይ'ዩ ምርጫ ሕጹይነት ረኺቡ።
ፕረዚደንት መሓመድ ቡሃሪ ድማ፡ ምስ ኩሎም ጸቕጢታቱ ንዳግመ መረጻ ክሳተፍ'የ ይብል ኣሎ።
ኣብ 2015 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ፡ ንተነሓናሒኡ ፕረዚደንት ጉድላክ ጆናታን ስዒሩ ዝወጽአ ኾይኑ፡ ብዙሓት ሰባት ግና ኣየሐጎሰን።
ካብ 2016 ጀሚሩ ድማ ናይጀሪያ፡ ቑጠብኣ ነክዩ'ዩ።