ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ዖማን ክልተ ሰባት ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ተቐቲሎም

    ኣብ ዖማን፡ ሓንቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ተሃሪማ ብምውዳቓ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

    እታ ሓንቲ ኣብ ምምሕዳር ሶሃር ኣብ ዝርከብ ማእከል ኢንዳስትሪ ከባቢ ኣል-ኣዋሂ ብምውዳቓ ክልተ ዜጋታት ወጻእ ከም ዝሞቱን ካልኦት ሓያሎ ከም ዝቘሰሉን ሓደ ምንጪ ጸጥታ ንኣገልግሎት ዜና ዖማን ሓቢሩ።

    እታ ካልአይቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት እውን ኣብ ሶሃር ኣብ ክፉት ቦታ ተሓምሺሻ፤ ዝዀነ ዝበጽሐ መጉዳእቲ ከም ዘየለ ኸኣ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

    ሰበስልጣን ዖማን ንኽልቲኡ ጉዳያት ይምርምሩ ከም ዘለዉ ተገሊጹ።

  2. ቤት ፍርዲ፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ካብ ኢንግሊዝ ናብ ፈረንሳ ከይስጐግ ኣጊዱ

  3. ክሳብ ሕጂ ዘሎ ምዕባለታት ኣሕጽር ኣቢልና ክንሕብረኩም

    • ሓንቲ ዓባይ ወተሃደራዊት ነፋሪት ውግእ ምስ ካልእ ነፋሪት ብዘጋጠማ ሓደጋ ኣብ ምዕራብ ኢራቕ ከም ዝወደቐት ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣፍሊጡ፡ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ይካየድ ምህላዉ’ውን ሰብ መዚ ኣመሪካ ኣፍሊጦም
    • ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማነኤል ማክሮን፡ ሓደ ፈረንሳዊ ወተሃደር ኣብ ኢራቕ ዞባ ኢርቢል ብዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ከምዝተቐተለን ካልኦት ሓያለ ፎኵስን ከቢድን መጉዳእቲ ከም ዘጋጠሞም ገሊጹ። ኵናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ካብ ዝጀመር ኣብቲ ዞባ ፈረንሳዊ ወተሃደር ክቅተል እዚ ናይ ፈለማ’ዩ
    • እስራኤል ኣብ ልዕሊ ታህራን ሓዲሽ ከቢድ ማዕበላዊ ደብዳብ ከምዝጀመረት ኣፍሊጣ፡ ናብ ሎሚ ኣብ ዝውግሐ ለይቲ’ውን ኣብ ደቡብ ሊባኖስን በይሩትን ኣብ ልዕሊ መአዘዚ ነቑጣታት ሕዝቦላህ ደብዳብ ምፍጻማ ገሊጻ
    • ሓዲሽ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ሞጅታባ ኻመኒ፡ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ምልኳት ከም እትቅጽሎ ንፈለማ እዋን ኣብ ተለቪዥን ሃገሩ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓቢሩ። ሞጅታባ ኣቡኡ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ካብ ዝቐተል ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝዀነ ቦታ ኣይተራኣየን ዘሎ፡ ጥዕንኡ ጽቡቕ ከም ዘየሎ’ውን ጽንጽንታታት ኣሎ
    • ሞጅታባ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ እተን መዓስከራት ኣመሪካ ዘለወን ጎረባብቱ ሃገራት መጥቃዕቲ ከም ዝፍጽም ኣጠንቂቑ
    • ጸሓፊ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ጆን ሄሊ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ካብቲ ኣብ ኢራቕ ዘሎ መደበራ ብምዃን ክልተ ድሮናት ኢራን ከም ዘውደቐት ኣፍሊጡ
  4. ኢራን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዕርግርግር ንምፍጣር ብኸመይ'ያ ሕሱራት ድሮናት ትቀጥም ዘላ?

    ምስሊ ናይተን ኢራን እተፍርየን  ሻሂድ-136 ዝብሃላ ድሮናት
    መግለጺ ስእሊ, ምስሊ ናይተን ኢራን እተፍርየን ሻሂድ-136 ዝብሃላ ድሮናት

    ዶናልድ ትራምፕ፡ ብ28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክፍጸም ምስ ጀመረ፡ ሚሳይልን ኢንዳስትሪ ሚሳይልን ኢራን፡ "ምሉእ ብምሉእ" ክጠፍእ'ዩ፡" ኢሉ። ድሮናት ዝምልከት ግን ኣይተዛረበን።

    እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ትሑት ዋጋ ዘለወን ድሮናት ተጠቒማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ጸኒሓ።

    እዘን 'ካሚካዘ' ዝበሃላ ድሮናት፡ ኣብ ኣፍንጫአን ዝሕዝኦ ቦምባ፡ ምስ ዒላማአን ክጋጨዋ ከለዋ፡ ከቢድ ዕንወት ከውርድ ይኽእል። እዘን ድሮናት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ኩዌት ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ብዝፈጸማኦ መጥቃዕቲ፡ ሽዱሽተ ወተሃደራት ተቐቲሎም።

  5. ኣመሪካ፡ ሃገራት ንግዜኡ ካብ ሩስያ ነዳዲ ክሽምታ ኣፍቒዳ

    ጸሓፊ ቤት ግምጃ ኣመሪካ ስኮት በሰንት

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ጸሓፊ ቤት ግምጃ ኣመሪካ ስኮት በሰንት

    ኣመሪካ፡ ሃገራት ንግዜኡ ካብታ እገዳ ኣንቢራትላ ዝጸንሓት ሩስያ ነዳዲ ክሽምታ ኣፍቒዳ።

    ጸሓፊ ቤት ግምጃ ኣመሪካ ስኮት በሰንት፡ እቲ ውሳነ ነቲ ብደረጃ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ንምቅላል፡ ሃገራት ክሳብ 11 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ሩስያ ነዳዲ ክሽምታ ከም ዝኽእላ ሓቢሩ።

    ስኮት በሰንት “እዚ ካብተን ድሮ ካብ ሩስያ ነዳዲ ጽዒነን ዘለዋ መራኽብ ክዕድጋ ከም ዝኽእላ’ዩ ተፈቒዱ ኣሎ፡ ንመንግስቲ ሩስያ ከኣ ብፋይናንስያዊ መዳይ ክንድቲ ዘርብሕ ኣይኮነን” ኢሉ።

    ትማሊ ሓሙስ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ልዕሊ 100 ዶላር’ዩ ውዒሊ፡ እዚ ከኣ ድሕሪ ምጅማር ኵናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብምዕጻዋ ዝሰዓበ’ዩ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ ሰሜን ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ደቡብ ካብ ኢራን ዝርከብ ጸቢብ መተሓላለፊ መስመር ኰይኑ፡ ካብ ወሽመጥ ዓረብ ነዳድን ካልእን ዝጸዓና መራኽብ በዚ መስመር እዚ’የን ዝሓልፋ።

    ሓደ ሕምሲት ካብቲ ዓለምና ትጥቐመሉ ነዳዲ ኸኣ በዚ መጻብቦ’ዩ ዝሓልፍ።

    ኢራን ነዚ መጻብቦ ብምዕጻው ኣብ ልዕሊ በቲ መስመር ዝሓልፋ መራኽብ መጥቃዕቲ ከም እትፍጽም ምስ ሓበረትን ከተጥቕዕ ምስ ጀመረትን ከኣ ዋጋ ነዳዲ ብቅጽበት ክውስኽ ጀሚሩ።

    ኣመሪካ ኣብ መጀመርታ፡ ነተን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓለፍ መራኽብ ከለላ ሂባ ከተሕልፈን ምዃና’ኳ ሓቢራ እንተነበረት ኣብ ባይታ ግን ክትግበር ኣይከኣለን ዘሎ።

    እታ ካብ 2022 ጀሚራ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኵናት ምጅማራ ነዳዲ ከይትሸይጥ እገዳ ተነቢርዋ ዝጸንሐ ሩስያ ከኣ ዝተነብረላ ልጓም ክፍትሓላ ዝጀመረ ይመስል።

  6. እስራኤል ንመአዘዚ ንቑጣታት ሕዝቦላህ ደብዲባ

    ስራዊት እስራኤል ኣብ በይሩትን ደቡብ ሊባኖስን ሓያለ ማዕበላዊ መጥቃዕትታት ብምፍጻም ንመአዘዚ ነቑጣታት ሕዝቦላህ ከምዝደምሰሰ ሓቢሩ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ቴለግራም ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ደብዳብ ንኽካየድ ትእዛዝ ዝመሓላለፈሎም ዝነበረ መአዘዚ ነቑጣታት ሕዝቦላህ ደብዳብ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ።

    ኣብ ሰማይት በይሩት ዝተራአየ ብርቱዕ ትኪ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሰማይት በይሩት ዝተራአየ ብርቱዕ ትኪ
  7. 'እቶም ኣባላት እታ ነፋሪት ብሰላም ክወጽኡ ክንጽሊ ኢና' ኣመሪካዊ ብዓል ስልጣን

    ብዛዕባ እዛ ኣብ ምዕራብ ኢራቕ ዝወደቐት ዓባይ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ፡ ካብ ገለ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣመሪካ ርእይቶ ክንረክብ ጀሚርና ኣለና።

    ኣባል ኮንግረስ ጂም ሂምስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ገና ምዃኑ ብምሕባር፡ እቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ኣባላት ብሰላም ክወጽኡ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

    “እዚ ኣካል ናይቲ ግጭት ክትኣቱ እንከለኻ እትኸፍሎ ዋጋ’ዩ፡ እቲ ኣዝዩ ዝበለጸ ዝብሃል ወተሃደር’ውን ብዘይ ዝዀነ ሓደጋ ስርሒት ኣይዛዝምን’ዩ፡ እቲ ዘጋጠመ’ውን ከምዚ’ዩ ክኸውን ዝኽእል” ኢሉ።

    “እቶም ኣባላት እታ ነፋሪት ብሰላም ክወጽኡ ንጽሊ፡ ሓንቲ ሃገር ናብ ውግእ ክትኣቱ እንከላ ከምዚ’ያ ትኸፍል”

    ኣባል ኮንግረስ ጂም ሂምስ

    ምንጪ ስእሊ, Tom Williams via Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣባል ኮንግረስ ጂም ሂምስ
  8. እዘን ኣብ ሰማይ እንከለዋ ንነፈርቲ ንዳዲ ዝመልኣ ዓበይቲ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ኣብ ውግእ ኣዝየን ወሰንቲ’የን

    ከይሲ-135 ኣብ ለካቲት ኣብ ኢስራኤል መዓርፎ ነፈርቲ ተልኣቪቭ ዓሊባ እንከላ ዝተወሰደ ስእሊ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ከይሲ-135 ኣብ ለካቲት ኣብ ኢስራኤል መዓርፎ ነፈርቲ ተልኣቪቭ ዓሊባ እንከላ ዝተወሰደ ስእሊ

    ነዛ ኬይሲ-135 ዝተባህለት ዓባይ ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ንኽትወድቕ ምኽንያት ዝዀነ ነገር ክሳብ ሕጂ ኣይፈለጥናን፤ ክኸውን ዝኽእል ሓደ ተኽእሎ ግን ኣብ ሰማይ እንከላ ምስታ ካልኣይቲ ነፋሪት ተጋጭያ ክትከውን ትኽእል’ያ።

    እዘን ከምዚአን ዝኣመሰላ ነፈርቲ ኣብ ሰማይ ንነፈርቲ ውግእ ነዳዲ ዝመልኣ ኰይነን፡ ነፈርቲ ውግእ ነዳዲ ንምምላእ ናብ መሬት ወይ መራኽብ ከይዓለባ እናተመላላሳ ንኽድብድባ የኽእለን።

    በዚ ከኣ ኣመሪካ ኣብ ኵናት ዓብሊላ ንኽትወጽእ ዓቢ ተራ’የን ዝጻወታ።

    ኣብ መስርሕ፡ ካብዛ ዓባይ ነፋሪት ብድሕሪኣ ሓደ ኣብ ጫፉ ሓጺን ዘለዎ ትቦ ይዝርጋሕ፡ እታ ነዳዲ ክትመልእ ዝደለየት ነፋሪት ውግእ ከኣ ብድሕሪኣ ትቀርባ’ሞ፡ ብማግኔታዊ ሓይሊ እቲ ሓጺን ዘለዎ ካብዛ ዓባይ ነፋሪት ዝተሰደደ ትቦ ናብ ኣፍ መምልኢ ነዳዲ እታ ነፋሪት ተጣቢቑ ብዘይ ጸገም እታ ነፋሪት ነዳዲ ትመልእ።

    ዓቢ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣብ ዝካየደሉ ከኣ ተራ ኬይሲ-135 ልዑል’ዩ። እዚ ነዳዲ ናይ ምምላእ መስርሕ ግዜ ከኣ መብዛሕትኡ እዋን ብለይቲ’ዩ ዝካየድ።

    እዚ ንኽትገብር ኣዝዮም ምኩራት መራሕቲ ነፈርቲ’ዮም ዘድልዩ።

    ነዳዲ ኣብ ዘምልኣሉ ህሞት፡ እተን ነፈርቲ ‘ብጻላኢ’ ንኸይርአያ መብራህተን ይጠፍእ።

    ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ እቲ ሓደጋ ኣብ ምዕራብ ኢራቕ ከም ዘጋጠመሓቢሩ። እቲ ሓደጋ ካብ ዶብ ኢራን ክንደይ ራሕቒ ኣብ ዘለዎ ቦታ’ዩ ኣጋጢሙ ግን ኣይሓበረን።

    ኬይሲ-135 መብዛሕትኡ ግዜ ሰለስተ ኣባላት’ዮም ዝህልውዋ፡ ሓደ ፓይለት፡ ሓደ ተሓጋጋዚ ፓይለትን ሓደ ክኢላ ምምላእ ነዳድን።

  9. ትራምፕ ብዛዕባ ኢሚግሬሽን ዝሃቦ ርእይቶ ገበናት ጽልኢ ከለዓዕል ከም ዝኽእል ተቘጻጻሪ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

  10. ዓባይ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ ኣብ ምዕራብ ኢራቕ ወዲቓ

    እታ ሓደጋ ዘጋጠመ ነፋሪት ልክዕ ነዚኣ ትመስል'ያ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, እታ ሓደጋ ዘጋጠመ ነፋሪት ልክዕ ነዚኣ ትመስል'ያ

    ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እዚ ሓደጋ እንፈልጦ

    • እታ ከይሲ-135 ተባሂላ እትጽዋዕ ዓባይ ወተሃደራዊት ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ኣብ ምዕራብ ኢራቕ’ያ ወዲቓ
    • ኣብቲ ሓደጋ ክልተ ነፈርቲ’የን ነይረን፡ እታ ሓንቲ ነፋሪት ግን ብሰላም ክትዓልብ ክኢላ ኣላ
    • ማእከላይ እዚ ኣመሪካ እታ ነፋሪት ብባርዕ ወይ ብዘጋጠማ ማህረምቲ እቲ ሓደጋ ከም ዘየጋጠማ ኣፍሊጡ
    • መስርሕ ህይወት ኣድሕን ይቅጽል ኣሎ

    ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እዚ ሓደጋ ዘይንፈልጦ

    • ኣብታ ነፋሪት ክንደይ ሰብ’ዮም ነይሮም፡ በቲ ሓደጋ ዝሞተ ሰብ ኣሎ ድዩ
    • ጠንቂ ምውዳቕ እታ ነፋሪት እንታይ’ዩ
    • እቲ ሓደጋ ብልክዕ ኣበይ ቦታ’ዩ ኣጋጢሙ፡ እቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት’ኸ ኣበይ’ዩ ዝካየድ ዘሎ
  11. ኣቢይ ኣሕመድ፡ ድሕሪ ስሉሳዊ ርክብ ምስ መራሕቲ ሶማልያን ጂቡቲን ናብ ኢማራት ዓረብ ኣትዩ

  12. ሓድሽ ኣያቶላህ ኢራን ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዝሓዘ ፈላሚ መግለጺ

    ሞጅታባ ኻመኒ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ንወላዲኡ ብምትካእ ኣያቶላህ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ኮይኑ ዝተመርጸ ሞጅታባ ኻመኒ መንበር ኣቦኡ ድሕሪ ምርካቡ ፈላሚ መግለጺ ሂቡ'ሎ።

    ኣብቲ ኣብ መንግስታዊት ተለቪዚን ኢራን ዝተነበበ መግለጺ፡ ሕነ ናይቶም ብመጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ዝተቐትሉ ዜጋታቱ ክፍደ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

    "ንደም ኢራናውያን ሕነ ካብ ፍዳይ" ዓዲ ከምዘይውዕሉ'ዩ እቲ ሓድሽ ኣያቶላህ ኣሚቱ ዘሎ። እቲ መጠንቀቕታ፡ ነቲ 110 ቆልዑ ተመሃሮ ዝርከባኦም 168 ሰባት ዝቐተለ ኣብ ልዕሊ ሓደ ቤትምህርቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝምልከት ምዃኑ'ውን እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

    ኢራን፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ፈለማ ምውላዕ ናይቲ ኲናት ብሚሳይል ኣመሪካ ከምዝተሃርመ ክትገልጽ እንከላ፡ ዋሽንግተን ነቲ ኩነታት ንምጽራይ መርመራ ተካይድ ከምዘላ ሚኒስተር ኲናት ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ምስ ጐረባብቲ ኢራን ዝኾና ሃገራት ወሽመጥ ናይ "ምሕዝነት" ፖሊሲ ከምዘለዎ ዝገለጸ ሞጅታባ፡ ካብ መጥቃዕቲ ክድሕና እንተኾይነን ንወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ክዓጽዋ ከምዘለወን ኣነጺሩ።

    ብዘይካ'ዚ ከም ግብረመልሲ ናይቲ ዝቕጽል ዘሎ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕትታት፡ ነቲ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ተረጊጡ ዘሎ መጻብቦ ሆርሙዝ ከምዘይትኸፍቶ እቲ ኣያቶላህ ገሊጹሎ። ቴህራን፡ ብሰንኪ'ቲ እቲ ስጉምቲ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ንበርሚል ኣስታት 200 ዶላር ከምዝዓርግ ከተጠንቅቕ ቀንያ እያ።

    ኣብ ዝሓለፈ ውሑዳት ሰዓታት ኣብ መላእ ኤስያ ዋጋ ነዳዲ ብ9% ወሰኽ ብምርአይ ንሓደ ዘይተጻረየ በርሚል 100 ዶላር በጺሑ ከምዘሎ ይፍለጥ።

    ሃብታማት ሃገራት ጉጅለ-7፡ ነቲ ቅልውላው ንምቁጽጻር ካብ ዘለወን "ስትራተጂካዊ መኽዘን"ኣስታት 400 ሚልዮን በርሚል ናብ ዕዳጋ ከፍስሳ'ኳ እንተ ተሰማምዓ፡ ነቲ በብሰዓቱ ዝውስኽ ዘሎ ናህሪ ክዓግቶ ኣይክኣለን ዘሎ።

  13. ብዘይካ ነዳዲ ግዳይ ማሕንቖ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝኾነ ኣገዳሲ ቀረብ

    ኩምራ ሓሩጭ ሳልፈር

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ብሰንኪ'ቲ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኲናት ዋሕዚ ነዳዲ ብምድራቱ ዋጋታቱ ብናህሪ ይዓርግ ከምዘሎ ይፍለጥ።

    ብሰንኪ'ቲ ዕዳጋታት ስቶክ ዓለም ክንቆትን ሻቕሎታት ይዓብን ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ዓለም ወግሐ-ጸብሐ ዘቃልሓኦ ዘለዋ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

    እንተኾነ፡ ብዙሕ ኣቓልቦ ዘይረኸበ፡ ካብቲ ወሽመጥ ዓረብ ዝነቅል ኣገዳሲ 'ብጫ ሓሩጭ' እውን ግዳይ ኮይኑ ይርከብ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ ምዕጻዉ፡ ንነዳዲ ጥራይ ዘይኮነ ንቀረብ 'ሰላፈርን ሳልፈሪክ ኣሲድን' ዝተባሀለ ቀመማት (ኬሚካላት) ኣደስኪሉ ኣሎ።

    እንታይ ጣቋ ዘለዎ'ዩ ትብሉ ትኾኑ። ባእታ ሳልፈር ኣብ ምፍራይ ሕርሻዊ ድዂዒ፡ ከምኡ'ውን ኣካል ኮምዩፒተራት (ቺፕ) ብምዃን ንከም ተንቀሳቓሲ ተለፎናትን መካይን ኤለክትሪክን ዝበሉ ኤለክትሮኒካዊ ኣቚሑት ንምስራሕ ኣገዳሲ ግደ ዘለዎ እዩ።

    ልዕሊ ፍርቂ ቀረብ ሳልፈር ብመራኽብ ተጻዒኑ ብመጻብቦ ሆርሙዝ'ዩ ዝሓልፍ።

    ሃገራት ወሽመጥ ቀንዲ ኣፍረይቲ ናይ ሓሩጭ ዝኾናሉ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ባእታ ካብ ሓደ ፍሉይ ዘይተጻረየ ነዳዲ ዝወጽእ ብምዃኑ'ዩ።

    "መጺጽ ሓተላ ነዳዲ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ነዳዲ ክፈሪ እንከሎ ሳልፈር ሒዙ ስለዝወጽእ ድርብ ረብሓ ኣለዎ።

    ቻይና፡" ዝዓበየ ሸውሃት ሳልፈር ከምዘለዋ'ያ ትፍለጥ፣ ብሰንኩ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ዋጋ ናይቲ ብጫ ሓሩጭ ኣብታ ሃገር ብ15% ወሲኹ ኣሎ።

  14. እስራኤል፡ ኣብ ኢራን 'ሰፊሕ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ከምዝጀመረት ኣፍሊጣ

    መጥቃዕቲ እስራኤል ስዒቡ፡ ኣብ ቤሩት ሓያል ዓግታ ትኪ ይረአ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, መጥቃዕቲ እስራኤል ስዒቡ፡ ኣብ ቤሩት ሓያል ዓግታ ትኪ ይረአ

    ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን "ሰፊሕ ማዕበላዊ" መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

    እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከብ ትሕተ ቅርጺ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ፡ ሰራዊት ምክልካል እስራኤል ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ ሓቢሩ።

    ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ "ዝሓለፉ መዓልታት" ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ኢራን ከተማ ቴህራን ኣብ ዝርከብ "ቀጽሪ ምምዕባል ኑክሌራዊ ኣጽዋር" ከምዘዕነወ ይገልፅ።

  15. ሎሚ ለይቲ ብዝተፈጸመ መጥቃቲታት ዝበፅሐ ጉድኣት ብምስሊ

    ኣብቲ ካልኣይ ሰሙኑ ረጊፁ ዘሎ ኲናት ኢራን፡ ሎሚ ለይቲ ዝተፈፀመ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ኣብ መላእ ዞባ- ማእከላይ ምብራቕ፡ ዝበፅሐ ጉድኣት ዘርእዩ ስእልታት ከነካፍለኩም።

    ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ ከም ዝተተኮሰ ዝአመነሉ ሮኬት፡ ኣብ ከባቢ ክፋር ዮና ማእከላይ እስራኤል ሃሪሙ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ ከም ዝተተኮሰ ዝተገመተ ሮኬት፡ ኣብ ከባቢ ክፋር ዮና ማእከላይ እስራኤል ዓሊቡ
    እስራኤል ኣብ ማእከላይ ገማግም ባሕሪ ቤሩት ሎሚ ለይቲ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱ ወኪል ቢቢሲ ሓቢሩ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, እስራኤል ኣብ ማእከላይ ገማግም ባሕሪ ቤሩት ሎሚ ለይቲ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱ ወኪል ቢቢሲ ሓቢሩ
    ድሕሪ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን፡ ሎሚ ንግሆ፡ ርእሰ ከተማ ባሕረይን- ማናማ ብትኪ ተዓብሊኻ ኣርፊዳ፡

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን፡ ሎሚ ንግሆ፡ ርእሰ ከተማ ባሕረይን- ማናማ ብትኪ ተዓብሊኻ ኣርፊዳ፡
  16. ዘይተቛረፀ መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ዒራቕ፣ ባሕረይንን ዖማንን

    እዚ ሰእሊ ኣብ ባህረይን ሎሚ ንጎሆ ዝተልዓለ እዩ
    መግለጺ ስእሊ, እዚ ሰእሊ ኣብ መዕርፎ ነፈርተ- መስደዲ ነዳዲ- ባህረይን ሎሚ ንጎሆ ዝተልዓለ እዩ

    ተወሳኺ መጥቃዕቲ ኢራን ነቲ ዞባ ብባርዕ ሓዊ ይልብልቦ ኣሎ።

    ኢራን ፡ ኣብ ባሕረይን፡ ኣብ ጥቓ ዓለማዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንዝነበራ ታንከራት ነዳዲ ዒላማ ድሕሪ ምግባራ፡ ዓቢ ባርዕ ኣጋጢሙ’ሎ።

    ካብቲ ባርዕ ዝወፅእ ዘሎ ትኪ፡ ኣዝዩ ከቢድ ስለዝኾነ ሰብ-መዚ ሰባት መስኮቶም ዓጽዮም ክጸንሑ ይላበዉ ኣለዉ።

    ከምቲ ቅድም ክንብል ዝበለፅናዮ ድማ፡ ኣብ ጥቓ ደቡባዊ ወደብ ባስራ ዒራቕ ክልተ መራኽብ [ታንከራት] ብሓዊ ተቓጺለን፡ መዕርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ስራሕ ደው ክብል ተገዲዱ ኣሎ።

    ኣብ ዖማን፡ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ካብቲ ትማሊ ኣብ ወደብ ሳላሕ፡ ኣብ መኽዘን ነዳዲ ዘጋጠመ ባርዕ ንምግታእ ገና ይሰርሑ ኣለዉ ።

    ብኻልእ ሸነኽ፡ ዖማን መራኽብ ካብቲ ነዳዲ ሰደድ ዝግበረሉ ወደብ ክወጽኣ ኣዚዛ ኣላ።

    ኢራን ንነዊሕ እዋን ዝዘልቕ ቁጠባዊ ሃሰያ ክተስዕብ ከም ዝሓሰበት ንጹር ኮይኑ ኣሎ።

    ሓለዋ ሰውራ ኢራን’ውን፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ባንክ ኢራን ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ማእከላት ፋይናንስ ምዕራባውያን ሕጂ ሕጋዊ ዒላማ ምዃነን ኣጠንቂቑ’ሎ።

    ባንክታት ዓለም፡ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈተን ዓፅየን ኣለዋ፡ ንኣብነት ኣብ ቀጠር ዝርከብ ኤችኤስቢሲ፡ ኣብ ዱባይ ዝርከባ ሲቲን ስታንዳርድ ቻርተርን፡ ሰራሕተኛታተን ኣብ ገዛ ክፀንሑ ነጊረን ኣለዋ።

  17. ትራምፕ፡ ዋጋ ነዳዲ 'ዝኾነ ሰብ ካብ ዝግምቶ ንላዕሊ' ክወርድ'ዩ ኢሉ

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ትማሊ 32 ሃገራት መሐለውታ ነዳዲ ንምጥቃም ዝወሰድኦ ውሳነ ስዒቡ፡ "ዋጋ ነዳዲ ብዓቢኡ ከምዘጉድል" ገሊጹ።

    ኣቐዲሙ፡ ትራምፕ ኣብ ሲንሲናቲ ኣብ ዝርከብ ትካል ንግዲ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ዋጋ ነዳዲ ክብ ለጠቅ ምባሉ "ነገር ኲናት" ክብል ገሊጽዎ።

    "ሕጂ ዋጋታት ኣዝዩ ብዓቢኡ ይወርድ ኣሎ" ኢሉ።

    "ዋጋ ነዳዲ ክወርድ እዩ። ኣብ ኲናት ከምኡ ክኸውን ግድን'ዩ። ዳርጋ ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ርግፅ ካብቲ ዝሓሰብናዮ ቁሩብ ደይቡ። ግን ካብ ዝግመት ንላዕሊ ክወርድ'ዩ፡ ካብቲ ዝኾነ ሰብ ዝርድኦ ንላዕሊ።"

    ድሒሩ ኣመሪካ፡ ንመጻብቦ ሆርሙዝ "ሰፊሕ ቆላሕታ" ከምዝገበረትሉ ብምግላጽ፡ "እቲ መጻብቦ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ኣሎ። ዳርጋ ንኹለን መራኽቦም ኣዕኒናየን ኣለና። ገለ ሚሳይላት ኣለወን፡ ግን ብዙሕ ኣይኮናን" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

  18. ኤርትራ፡ ፍሉጥ ካርቱኒስታ ብንያም 'ኮብራ' ድሕሪ 15 ዓመት ማእሰርቲ ተፈቲሑ

  19. እስራኤል ኣብ በይሩት ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም

    ቀዳማይ ረድኤት ንምሃብ ዝተኣከባ ኣምቡላንስ

    ምንጪ ስእሊ, intogrey/Jack Seikaly/via REUTERS

    ሰራዊት እስራኤል ናብ ሎሚ ኣብ ዘውገሐ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ማዕበል ናይ ሚሳኤላት መጥቓዕቲ ፈጺሙ።

    እስራኤል ኣብ ውሽጢ 30 ደቒቕ ኣብ በይሩት ኣብ ልዕሊ 10 ኣብያተ ጽሕፈታት መጥቓዕቲ ከምዝፈጸመት ኣፍሊጣ።

    በቲ እስራኤል ኣብ በይሩት ዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ 7 ሰባት ከምዝተቐተሉን 21 ከኣ ፎዅስን ከቢድን ጉድኣት ከምዝበጽሖም ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

    ሕዝቦላህ’ውን ከም ግብረ መልሲ ናብ እስራኤል’ኳ ሚሳኤላት እንተተኰሱ፡ እስራኤል ንዅሉ ከምዘበርዓነቶ ገሊጻ።

  20. ዋጋ ነዳዲ ሕጂ’ውን ወሰኽ የርኢ ኣሎ

    እንዳ ነዳዲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ዝሓለፈ ውሑዳት ሰዓታት ኣብ መላእ ኤስያ ዋጋ ነዳዲ ብ9 ምኢታዊት ወሰኽ ብምርአይ ንሓደ ዘይተጻረየ በርሚል 100 ዶላር በጺሑ።

    ከም ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦትን ዝርከብአን ዓሰርተታት ሃገራት፡ ዋጋ ነዳዲ ንምርግጋእ ካብቲ ንእዋን ሓደጋ ተባሂሉ ዝተኸዘ ነዳዲ ናብ ጥቕሚ ከውዕለኦ ምዃነን’ኳ እንተሓበራ፡ እቲ ዋጋ ግን ክንኪ ኣይተረኣየን።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኢራን ነቲ ሓደ ሕምሲት ነዳዲ ዓለም ዝመሓላለፈሉ መጻብቦ ሆርሙዝ ብምልኳት ኣብ ልዕሊ በቲ መጻብቦ ዝሓልፋ መራኽብ መጥቃዕቲ ከምዝእትፍጽም’ያ ተጠንቅቕ ዘላ።

    ኣብ ኣመሪካ’ውን ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ፡ 95.27 ዶላር በጺሑ ኣሎ።

    ብሰኑይ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ 110 ዶላር በጺሑ ነይሩ’ዩ፤ ዋጋ ነዳዲ ክንድዚ ክበጽሕ ድሕሪ 2022 ንፈለማ እዋን’ዩ።