ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ምምሕዳር ትራምፕ ንድምጺ ኣመሪካ ክኸፍቶ ቤትፍርዲ ኣዚዙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምዕጻው ድምጺ ኣመሪካ "ዘይሕጋዊ" ምዃኑን፡ ዝተሰናበቱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ጋዜጠኛታት ናብ ስርሖም ክምለሱ ሓደ ዳኛ ቤትፍርዲ ወሲኑ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምላሱ፡ ቀልጢፉ'ዩ እቲ ንዓሰርታት ዓመት ብትግርኛ ዝርከቦም ብዙሓት ቋንቋታት ከገልግል ዝጸንሐ ፍሉጥ ማዕከን ዜና ክዕጾ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
ፈደራላዊ ዳኛ ሮይስ ላምበርዝ ኣብ ዝሃቦ ብይን ግን፡ መንግስቲ ነቲ ውሳነ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ከተግብሮ'ዩ ኣዚዙ ዘሎ።
ድምጺ ኣመሪካ ጸጋማዊ ሻራነት ኣለዎ ብዝብል'ዩ እቲ ፕረዚደንት ክዕጾ ኣዚዙ።'
'ቪ-ኦ-ኤ' ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ናዚ ጀመርን ንዝጋዋሕ ዝነበረ ፕሮፖጋንዳ ግብረመልሲ ንክህብ'ዩ ፈለማ ተመስሪቱ።
እቲ ጉዳይ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ናይቲ ትካል ነበር ንምምሕዳር ትራምፕ ናብ ቤትፍርዲ ድሕሪ ምኽሳሶም'ዩ ፍርዲ ተዋሂብዎ ዘሎ።
እቲ ዳኛ፡ ነቶም ጋዜጠኛታት ንምስንባት ዝተወስደ ውሳነ "ዘይሕጋዊን ስምዒታውን" ምንባሩ'ውን ተዛሪቡ።
ሓንቲ ካብኦም ዝኾነት ፓትሲ ዊዳኩስዋራ ብውሳነ ናይቲ ቤትፍርዲ ዝተሰምዓ ሓጎስ ገሊጻ።
"ተስፋ ንገብር፡ ህዝቢ ኣመሪካ ፕሮፖጋንዳ ዘይኮነ ጋዜጠኝነት ንምቅላሕ ንዘለና ተልእኾ ክድግፍ" ክትብል ንኣሶስየትድ ፕረስ ተዛሪባ።
ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ናይ ምዕጻው ሓላፍነት ዝሃባ ካሪ ሌክ ዝተባህለት ሓላፊት ናይቲ ንድምጺ ኣመሪካ ዝምውልን ዝከታተልን ትካል ዓለማዊ ሚዲያ ኣመሪካ (USAGM)፡ ነቲ መምርሒ ክትህብ እንከላ ብላዕለዋይ ባይቶ መዝነታ ስለዘይጸደቐ፡ ውሳነኣ ሕጋዊ ከምዘይነበረ እቲ ቤትፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብይን ሂቡ ነይሩ።
ኢራን ሚኒስተር ስለያ እታ ሃገር ከምዝተቐትለ ኣረጋጊጻ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ማሱድ ፐዘሽኪያን ፕረዚደንት ኢራን፡ ሚኒስተር ስለያ እታ ሃገር ከምዝተቐትለ ኣረጋጊጹ።
ማሱድ ፐዘሽኪያን ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብሞት ሚኒስተር ኢስማዒል ካቲብን ካልኦት መራሕቲን ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።
"እቲ ኣብ ልዕሊ ብጾተይ ዝኾኑ ኢስማዒል ካቲብ፡ ዓሊ ላሪጃኒን ዓዚዝ ናሲርዛደህን: ምስ ኣባላት ስድራቤቶምን ዘሰነይዎም ኣባላትን ዝተፈጸመ ናይ ፈራሓት ቅንጸላ ኣብ ሓዘን ክንኣቱ ገይሩና ኣሎ" ክብል እቲ ፕረዚደንት ጽሒፉ።
ሞት ናይቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ጸጥታ እታ ሃገር ዝነበረ ዓሊ ላሪጃኒን ሚኒስተር ምክኻል ናሲርዛደህን ኣቐዲሙ ተረጋጊጹ ምንባሩ ይዝከር።
እስራኤል ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ እቲ ሚኒስተር ስለያ ከምዝተቐትለ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ገሊጻ ነይራ።
ኢራን ንትካላት ጸዓት ሃገራት ወሽመጥ ዝሃበቶ ሓድሽ መጠንቀቕታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ከባቢ ሓያሎ ትካላት ጸዓትን ነዳዲን ሃገራት ወሽመጥ ዘለዉ ሰባት ብህጹጽ ክወጹ ኢራን ኣጠንቂቓ።
በቲ ምስ ሰራዊት ሓለዋ እስላማዊ ኢራን ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ኣገልግሎት ታስኒም ብተለግራም ዝወጸ "ህጹጽ መጠንቀቕታ" ዜጋታትን ነበርቲን እቶም ትካላትን ከባቢኡን ክግዕዙ ተማሕጺኑ'ሎ።
እቶም ዝጠቕሱ ትካላት እዞም ዝስዕቡ እዮም፣
- ሳምረፍ ሪፋይነሪ- ንግስነት ስዑዲ ዓረብ
- ኣል-ጁበይል ፐትሮኬሚካል ኮምፐሌክስን ማሳዒድ ሆልዲን ካምፓኒን- ስዑዲ ዓረብ
- ኣል-ሆስን ጋዝ ፊልድ- ሕቡራት ኢማራት ዓረብ
- ራስ ራፋን ሪፋይነሪ፡ ቐጠር
"እዞም ማእከላት እዚኦም ቀጥታዊን ቅቡላነን ዒላማታት ኮይኖም ስለዘለዉ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰዓታት ክህረሙ እዮም" ይብል እቲ መግለጺ።
"ስለዚ ኩሎም ዜጋታት፡ ነበርትን ሰረሕተኛታትን ብቕልጡፍ ካብዞም ከባቢታት ወጺኦም ከይደንጐዩ ናብ ውሑስ ርሕቀት ክኸዱ ይሕተቱ ኣለዉ"።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ እቲ ኣብ ኢራን ዝርከብ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መደበር ባህርያዊ ጋዝ ዝኾነ 'ሳውዝ ፓርስ' (ደቡብ ፓርስ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማእከል ዒላማ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝኾነ ኣገልግሎት ታስኒም ድሕሪ ምሕባሩ'ዩ እዚ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ዘሎ።
ኢራን፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መደበር ጋዝ ዒላማ መጥቃዕቲ ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢራን ዝርከብ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መደበር ባህርያዊ ጋዝ 'ሳውዝ ፓርስ' (ደቡብ ፓርስ) ዒላማ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝኾነ ኣገልግሎት ታስኒም ሓቢሩ።
ብሰንኪ'ቲ ደብዳብ ኣብቲ ትካል ባርዕ ሓዊ ከምዝተወልዐ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ መጥፋእቲ ሓዊ ናብቲ ቦታ ከምዝተላእኩ ሓውሲ ወግዓዊ ኣገልግሎት ዜና ፋርስ ገሊጹ።
እቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ሎሚ ንጉሆ ከምዝተፈጸመ'ውን ታስኒም ጠቒሱ'ሎ።
እቲ መደበር ቐጠርን ኢራንን ዝጥቀማሉ ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸዓት ኢራን መጥቃዕቲ ምክያድ "ሓደገኛን ሓላፍነት ዝጎደሎን እዩ" ክትብል ዶሓ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ነቒፋ'ላ።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ማጂድ ኣል ኣንሳሪ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ጸዓት ደብዳባት ምፍጻም "ንውሕስነት ጸዓት ዓለም ኣብ ስግኣት ዘውድቕ" ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
"ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ጸቒጥና ከምዝበልናዮ፡ ንወሰንቲ ትካላት ዒላማ ካብ ምግባር ምያብ ኣገዳሲ እዩ"።
"ኩሎም ወገናት" ንዓለምለኻዊ ሕጊ ከኽብሩን ነቲ ረጽሚ ንምህዳእ ክሰርሑ'ውን ቐጠር ተማሕጺና ኣላ።
እቲ መጥቃዕቲ ብእስራኤል ከምዝተፈጸመ'ያ ዶሓ ከሲሳ ዘላ። ብወገን እስራኤል ግን ዛጊት ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
ሚኒስተር ስለያ ኢራን ከምዝተቐትለ እስራኤል ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መግለጺ ስእሊ, ኢስማዒል ካቲብ (ማእከላይ) ካብ 2021 ኣትሒዙ ሚኒስተር ስለያ ኢራን ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ'ዩ ሚኒስተር ስለያ ኢራን ኢስማዒል ካቲብ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝተቐትለ ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ።
እቲ ኢራናዊ ብዓል ስልጣን ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ቴህራን ዝተኻየደ ንዕኡ ጥራይ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ ነይሩ'ዩ።
"ኣብ ዝሓለፈ ለይቲ፡ ሚኒስተር ስለያ ኢራን ካቲብ ተቐንጺሉ ኣሎ" ክብል እስራኤል ካዝ ሓቢሩ።
ብወገን ኢራን ብዛዕባ ሞት ናይቲ ሚኒስተር ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
"ምቕንጻሉ ምስቶም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ካልኦት ቀንጸላታት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ናይ ኣሸባሪ ኢራናዊ ስርዓት ዝጽንብሮ እዩ" ዝበለ መግለጺ ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ፡ እቲ ስጉምቲ "ንስርዓተ እዚን ቁጽጽርን ናይቲ ስርዓት ዘዳኽም እዩ" ኢሉ።
ዛጊት ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ነበር ኣያቶላህ ዓሊ ኸመኒ፡ ኣዛዚ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራን ሚኒስተር ምክልኻልን ዝርከብዎም ላዕለዎት መራሕቲ ኢራን ኣብዚ ኲናት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ኢስማዒል ካቲብ ኣብ 2021 ብፕረዚደንት ነበር ኢብራሂም ራዒሲ ሚኒስተር ስለያ ክኸውን ዝተመዘዘ እዩ።
ኣብ እግሪ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ እስላማዊ ስርዓተ-ሕጊ ዝተማህረ ኮይኑ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ስለያን ቤትጽሕፈት ኣያቶላህን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ኣገልጊሉ።
ኣብ 2022 ምስቲ ካብ ኢራን ነቒሉ ዝተባህለ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ክፍሊ ፋይናንስ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ወሲኑ ምንባሩ'ውን ይፍለጥ።
እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣብ 1979 ድሕሪ ምንታጒ፡ ካቲብ ኣብ 1980 ኣባል ናይቲ ተሓታትነቱ ብቐጥታ ንኣያቶላህ ዝኾነ ፍሉይ ኣሃዱ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን (ኣይ-ኣር-ጂ-ሲ) ኮይኑ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ከቢድ ቦንባ ክትጥቀም ጀሚራ

ምንጪ ስእሊ, USAF
ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኲናት ሳልሳይ ሰሙን ሒዙ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን ኣመሪካ 2270 ኪሎ ግራም ዝምዘን ዕርዲ ዘፍርስ ቦምባ ክትጥቀም ከም ዝጀመረት ይንገር ኣሎ።
እዚ ቦንባ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝተሃነጹ ሓያላት ዕርዲታት ዘለው ዒላማታት ብዕምቈት ብምእታው ናይ ምዕናው ዓቕሚ ኣለዎ።
ሰራዊት ኣመሪካ፡ ኣብ ከባቢ ገምገም ባሕሪ ኢራን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ መወንጨፊ ሚሳይል መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ዝገለጸ ኰይኑ፡ እንታይ ዓይነት ቦንባ ከም ዝተጠቐመ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ይኹን'ምበር፡ ክልተ ዓይነት ቦንባታት ከም ዘለው ይፍለጥ። እዚኦም ድማ ብጨረር ዝምራሕ ጁቢዩ-28ን ሓድሽ ዘመናዊ ጂቢዩ-72ን ይብሃሉ።
ኣብዚ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ እዚ ሓድሽ ቦንባ ተጠቒማ ክትኸውን ከም እትኽእል ይግመት።
ኢራን ብወገና ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ትፍጽም እያ ዘላ።
ኢራን ንእስራኤል ብምስላይ ዝኸሰሰቶ ሰብ ብሞት ቀጺዓ
ማዕከናት ዜና ኢራን፡ "ሰላዪ እስራኤል” ተባሂሉ ዝተኸሰሰ እስራኤዊ ብሞት ከም ዝተቐጽዐ ሓቢረን።
እቲ ኮሩሽ ኬቫኒ ዝተባህለ ውልቀሰብ፡ ኣብ ሰነ 2025 ምስ እስራኤል ኣብ ዝተኻየደ ናይ 12 መዓልታት ኲናት፡ ብዛዕባ “ተሃዋሲ ቦታታት” እታ ሃገር ምስልን ሓበሬታን ናብ ትካል ስለያ እስራኤል ሞሳድ ብምሕላፍ ተኸሲሱ ከም ዝተኣሰረ፡ እቲ ምስ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ዝተኣሳሰረ ማዕከን ዜና ታስኒም ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።
ኬቫኒ ፈለማ ጸጥታ እስራኤል ብ2023፡ ኣብ ሽወደን ኣብ ኢንተርነት ናይ መገሻታት ጉጅለ ዝተዳለወ መወዓውዒ ድሕሪ ምጥዋቑ ከም ዘለለዮ ይግለጽ።
ብድሕሪኡ ብሓደ መኮነን ሞሳድ ከም ዝተመልመለን፡ ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ኤውሮጳን ተልኣቪቭን ናይ ክልተ ዓመት ስልጠና ድሕሪ ምውሳዱ፡ ስርሒታት ንምክያድ ናብ ኢራን ከም ዝተላእኸ ይሕብር።
ቢቢሲ ነቲ ኣብ ጸብጻብ ታስኒም ዝቐረበ ክስታትን ብናጻ ኣየረጋገጸን።
ኢራን ኣብ እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ 192 ሰባት መጉዳእቲ በጺሑዎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሚኒስትሪ ጥዕና እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 192 ሰባት ቈሲሎም ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱ ሓቢሩ።
እቲ ሚኒስትሪ፡ ካብቶም ዝተጐድኡ እቶም ኣርባዕተ ኣብ "ድሓን" ኩነታት ከም ዘለዉን፡ 177 ድማ "ቀሊል መጉዳእቲ" ከም ዝበጽሖምን ይገልጽ።
ኢራን ሎሚ ለይቲ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣብ 70ታት ዕድመ ዝርከቡ ወዲ ተባዕታይን ጓለንስተይቲን ኣብ ተልኣቪቭ ሞይቶም'ዮም።
እቶም ዝተረፉ 11 ሰባት ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘለዉ ንጹር ኣይኰነን።
እቲ ሚኒስትሪ ወሲኹ፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ኣመሪካን ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒ 3727 ሰባት ጉድኣት ከም ዝበጽሖም ይሕብር።
ኢራን ሓላፊ ጸጥታ ሃገራ ላሪጃኒ ከም ዝተቐትለ ኣረጋጊጻ
መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ሞት ሓላፊ ጸጥታ ኢራን ዓሊ ላሪጃኒ ኣረጋጊጸን።
ንሱ ድሕሪ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ካሜነይ ዝተቐትለ ዝለዓለ መራሒ ምዃኑ ይፍለጥ።
ሓላፊ ሰራዊት ኢራን “ወሳንን ዘየጣዕስን ምላሽ” ክህበሉ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ሓለዋ ሰውራ ኢራን ድማ ድሮ “ሕነ ንምፍዳይ” ናብ ማእከላይ እስራኤል ሚሳይላት ከም ዘወንጨፈ ይንገር።
ኩዌት፡ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ንምዕጋት ምክልኻል ኣየራ ከም ዝተዋፈረት ትገልጽ።
ሰበስልጣን ባሕረይን ነበርታ ክዕቆቡ መጠንቀቕታ ኣውጺኦም ኣለው።
ኢማራት ዓረብ ካብ ኢራን ንዝብገስ ሚሳይላት ምላሽ ትህብ
ኢራን ድሕሪ ሞት ሓላፊ ጸጥታ ዓሊ ላሪጃኒ ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ መጥቃዕትታታ ኣሓዲሳ።
ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝርከባ ናይ ህጹጽ ረድኤት ጉጅለታት፡ "ንስግኣት ሚሳይላት ምላሽ ኣብ ምሃብ" ተዋፊሮም ኣለው።
ሃገራዊ በዓል መዚ ምሕደራ ህጹጽ ቅልውላውን ሓደጋን ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ኣብዚ እዋን'ዚ ንሓደጋታት ሚሳይል ምላሽ ይህቡ ኣለዉ" ይብል።
ማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዱባይ ሓያል ፍንጀራ ከም ዘጋጠመ ይሕበር ኣሎ።
ስእሊ፡ ቤይሩት ብሰንኪ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሓደ ለይቲ ዝወረዳ ጉድኣት
እዞም ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ዝኾነት ቤይሩት ዝተሳእሉ ስእልታት፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሓደ ለይቲ ዝተፈጸመ ጉድኣት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ዘርእዩ እዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 24 ድማ ቆሲሎም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብስእሊ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ተልኣቪቭ ዘጋጠመ ዕንወት
ኣብ እስራኤል ከተማ ተልኣቪቭ፡ ኣብ 70ታት ዕድመ ዝርከቡ ሰብኣይን ሰበይትን ብናይ ኢራን መጥቃዕቲ ሚሳይል ኣብ ሓደ ለይቲ ዝተቐትሉሉ ተገሊጹ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ከተማ ተልኣቪቭ ዝወርደ ጉድኣት'ውን ብስእልታት ይወጽእ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Alexi J Rosenfeld via Getty Images

ምንጪ ስእሊ, Ilia Yefimovich via Getty Images

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images
ላዕለዋይ ሓላፊ ፀጥታ ኣመሪካ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ካብ ስልጣኑ ለቒቑ
"ሸዊት ብዘይ ፍቓድ ቤትፍርዲ፡ ሲቪል ብዝለበሱ ኣካላት'ዩ ተታሒዙ" ጠበቓ
ኢትዮጵያውያን ዝርከቡዎ ጉጅለ ኣይኤስ፡ ካብ ሶማልያ ንምጥፋእ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ
ብሪጣንያ፡ 'ተራእዩ ዘይፈልጥ' ለብዒ ሕማም ኣንቅጺ ስግኣት ፈጢሩ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተራእየ ለብዒ ተላጋቢ ሕማም ኣንቅጺ ክልተ ሰባት ቀቲሉ ነይሩ።
እቲ ሕማም ፈለማ ኣብ ደቡባዊ-ምብራቕ ዓዲ-እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ከንት እዩ ተራእዩ። ሓደ ካብቶም ግዳያት'ውን ተመሃራይ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ከንት ኣብ ደቡባዊ-ምብራቕ ለንደን ዝርከብ ኮይኑ፡ ብዙሓት ኣብታ ርእሰከተማ ዝሰርሑ ዝነብርሉ ከባቢታት እዩ።
ዕድመ ናይቶም ግዳያት 18 ከምኡ'ውን 22 ከምዝኾነ ጸብጻባት ሓቢሮም ኣለዉ።
ካብቶም 15 ዝተለኽፉ ሰባት፡ እቶም ኣርባዕተ 'መን-ቢ' (MenB) ዝተባህለ ዓሌት ናይቲ ሕማም ዝሓዞም ምዃኖም ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጦም ኣለዉ።
እቲ ኩነታት ዘስግኦም እቶም ሰብመዚ፡ ንገለ ካብቶም ተመሃሮ ክታበት ናይቲ ሕማም ክህቡ ምዃኖም ኣሚቶም ኣለዉ።
ኣንቅጺ ብቫይረስን ብረኽሲ ባክተሪያ (ተሃዋስያን) ዝስዕብ ምዃኑ ይፍለጥ። እንተኾነ እቲ ብባክተሪያ ዝፍጠር ዓይነት ኣንቅጺ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ።
ካብ 2024 ክሳብ 2025 ኣብ ዝነበረ እዋን 378 ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ነይሮም። ካብኦም እቶም 31 ከምዝሞቱ ጸብጻባት የመልክቱ።
ብሰንኪ'ቲ ሓድሽ ለብዒ ኣብቲ ከተማ ካንተንበሪ ትርከቦ ከባቢታት ክግበር ዝተሓሰበ ገለ ጽንብላትን ህዝባዊ ኣኼባታትን ተሰሪዙ ኣሎ። ተመሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብወገኖም፡ ክሳብ እቲ ሕማም ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ዝኣቱ ትምህርቲ ተቛሪጹ ክጸንሕ ጠለብ የቕርቡ ኣለዉ።
ምልክታት ሕማም ኣንቅጽን ረኽሲን እንታይ እዮም፡
- ልዑል መጠን ረስኒ
- ምዝሓል ኣእዳውን ኣእጋርን
- ተምላስ
- ዕውልውል ምባል
- ቅልጡፍ ምስትንፋስ
- ቃንዛ ጭዋዳታትን መላግቦን
- ጻዕዳ ትኳዕ ዘለዎ ቆርበት
- ፍሮማይ
- ቃንዛ ርእሲ
- ምድራቕ ክሳድ
- ድሙቕ ብርሃን ምጽላእ
- ክቱር ድቃስን ወይ ምብርባር ምስኣን
- ወቕዒ ምንፍርፋር
ትራምፕን ነታንያሁን ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ኲናት ዝሃብዎ መብርሂ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መራሕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ብዛዕባ እቲ ምስ ኢራን ዘካይድዎ ዘለዉ ኲናት ዝምልከት እዋናዊ መብርሂ ሂቦም።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ትሩዝ ሶሻል ዝተባህለ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዝበዝሓ ሃገራት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኣብቲ ኣንጻር ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክሳተፋ ቅሩባት ከምዘይኮና ከምዝገለጻሉ ተዛሪቡ።
"ኣብቲ ኣንጻር ኢራን እናካይዶ ወተሃደራዊ ስርሒት ክሳተፋ ኣይደልያን እየን" ዝበለ እቲ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት፡ "ብተግባረን ኣይተገረምኩን" ክብል ወቒሱ።
እቲ ሃገሩ እትድግፎ ኔቶ፡ ንኣመሪካ ከምዘይድግፍ ዝነቐፈ ትራምፕ፡ "ካብ ዝኾነ ሰብ ደገፍ ኣየድልየናን'ዩ" ብምባል'ውን ተጋራጫዊ መግለጺ ሂቡ።
"ዘገርም ወተሃደራዊ ዓወታት ስለዝተጓናጸፍና፡ ናይ ሃገራት ኔቶ ደገፍ 'ኣየድልየናን' ወይ ኣይንደልን፡ ደሊና'ውን ኣይንፈልጥን! ከምኡ'ውን ጃፓን፡ ኣውስትራልያ ወይ ደቡብ ኮሪያ።
"እኳድኣስ፡ ከም ፕረዚደንት ናይታ ኣብ ኩሉ ዓለም ዝሓየለት ሃገር ዝኾነት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይነ ክዛረብ እንተኾይነ፡ ናይ ዝኾነ ሓገዝ ኣየድልየናን እዩ"።
ትራምፕ፡ ሃገራት ኔቶ ኣብ ምኽፋት ናይቲ ብኢራን ተረጊጡ ዘሎ መጻብቦ ሆርሙዝ ክሕግዛ ዘካየዶ ጻውዒት ጸማም እዚ ድሕሪ ምርካቡ'ዩ ነዚ መግለጺ ሂቡ ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, "ውሱን ስርሒት" ንምክያድ ናብ ደቡብ እስራኤል ዝኣተዉ ኣጋር ሓይልታት እስራኤል ብኻልእ ወገን፡ እስራኤል ትቕጽሎ ዘላ መጥቃዕትታት፡ ህዝቢ ኢራን ነቲ ስርዓት "ክኣልዮ ዕድል ንምሃብ ተስፋ ብምግባር" ዝዓለመ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ተዛሪቡ።
"ኣብ ሓደ እዋን ወይ ብቐሊሉ ኣይከውንን እዩ። እንተቐጺልና ግን፡ መጻኢ ዕድሎም ባዕሎም ኣብ ኢዶም ክሕዙ ዕድል ክንህቦም ኢና" ይብል እቲ ንትራምፕ ናብቲ ኲናት ስሒብዎ ተሂሉ ዝኽሰስ ዘሎ እስራኤላዊ መራሒ።
ነቲ ተቐቲሉ ዝብሃል ዘሎ ላዕለዋይ ኢራናዊ ሓላፊ ጸጥታ ዓሊ ላሪጃኒ'ውን መራሒ "ናይቶም ንኢራን ዘካይድዋ ዘለዉ ኣባላት ዕስለ ገበነኛታት" እዩ ብምባል ገሊጽዎ።
ሓይልታት እስራኤል ንዒላማታት ሕዝቦላህ ንምህራም ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ከካይድዎ ዝጸንሑ ስርሒታት ሎሚ'ውን ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ።
ሓይሊ ኣየር እስራኤል ሎሚ ኣብ ልዕሊ ርእሰከተማ በይሩት ደብዳባት ኣካይዱ። ብታንክታትን ድሩዓት ተሽከርከርትን ዝተሰነየ ሓይልታት ምድሪ እታ ሃገር'ውን ዶብ ብምስጋር ናብ ደቡብ ሊባኖስ ኣትዩ ከምዘሎ ሰራዊት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ዛጊት 880 ሰባት ብደብዳባት እስራኤል ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሮም ኣለዉ።
ሓላፊ ጸረ-ሽበራ ኣመሪካ ንኲናት ኢራን ብምቅዋም ካብ መዝነቱ ከምዝወረደ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Bloomberg via Getty Images
ዳይረክተር ማእከል ሃገራዊ ጸረ-ሽበራ ኣመሪካ፡ ነቲ ምስ ኢራን ዝግበር ዘሎ ኲናት ከምዘይድግፍ ብምግላጽ ብፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ከምዝወረደ ኣፍሊጡ።
"ብቅኑዕ ሕልና ነዚ ምስ ኢራን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ክድግፎ ኣይክእልን'ዩ" ክብል'ዩ ጆ ከንት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መግለጺ ሂቡ ዘሎ።
ኣብቲ ንሓለቓኡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝጸሓፎ ናይ ስንብታ ደብዳበ፡ "ኢራን ንሃገርና ህጹጽ ስግኣት ኣይኮነትን፡ እዚ ኲናት እዚ ብጸቕጢ ናይ እስራኤልን ኣብ ኣመሪካ ዘለዋ ጐስጐስቲን (ሎቢ) ዝጀመርናዮ እዩ" ክብል'ውን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ብትራምፕ ዝተመዘዘ ሓላፊ ከሲሱ።
"ነቲ ኣብ 2016፡ 2020፡ ከምኡ'ውን 2024 ዝጐስጐስካሉን ኣብ ቀዳማይ እብረ-ስልጣንካ ዝወሰንካዮን ክብርታትን ፖሊሲታት ወጻኢን እየ ዝድግፍ።
"ክሳብ ሰነ 2025፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝውላዕ ኲናታት ክቡር ህይወት ሓርበኛታት ኣመሪካን ዝተጸንቀቐ ሃብቲን ብልጽግና ሃገርናን ዘኽስር ምዃኑ ኢኻ ትርዳእ ነይርካ።
"ን11 ግዜ ኣብ ውግእ ከምዝተሳተፈ ገዲም [ወተሃደር]፡ ከምኡ'ውን ወርቃዊ ኮኾብ ናይታ ኣብቲ ብእስራኤል ዝተፈብረኸ ኲናት ዝተሰውአት ፍቕርቲ ብዓልቲቤተይ ሻነን ወርቃዊ ኮኾብ [ኒሻን] ዝተረከበ ሰብኣይ መጠን፡ ዝቕጽል ወለዶ ናብቲ ንህዝቢ ኣመሪካ ረብሓ ዘይብሉን፡ ምስ ዋጋ ህይወት ኣመሪካውያን ዘይዳረግን ኲናት ከይዶም ክዋግኡን ክሞቱን ምስዳድ ክድግፍ ኣይክእልን እየ" ክብል ተቓውሞኡ ብንጹር ኣስፊሩ'ሎ።
ብወገን ኢራን ዝወጸ ንዓሊ ላሪጃኒ ዝምልከት መግለጺ እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ብዓይኒ እስራኤል፡ ድሕሪ ቅትለት ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ መራሒ እስላማዊት ኢራን ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ዓሊ ላሪጃኒ ብህይወት ከምዘሎ ዝእምት መግለጺ ይወጽእ ኣሎ።
ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቐቲሉ ዝብል ሓበሬታ ድሕሪ ምውጽኡ መግለጺ ከምዘውጽአ ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን ኣለዋ።
እንተኾነ፡ እቲ ዝወጸ መግለጺ ብዛዕባ ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ብመጥቃዕቲ ኣመሪካ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝሞቱ ባሕረኛታት ኢራን ዝጠቅስ ጥራይ እዩ።
መራሕቲ እስራኤል ከምዝቐተልዎ ቅድሚ ምሕባሮም ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ ካልእ መግለጺ'ውን፡ እስላማውያን ሃገራት ንኢራን ጭቡጥ ደገፍ ዘይምግባረን ይነቅፍ።
"ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኢራን ደው ዝበለ እስላማዊ መንግስቲ የለን" ክብል ዘማረረ ላሪጃኒ፡ "ሳሕቲን ፖለቲካዊ መርገጺን ምውሳድ ገዲፍካ" ኢሉ ነይሩ።
ቃና ናይቲ መግለጺ፡ ህዝባዊ ደገፍ ናይተን መንግስታተን ንኢራን ካብ ምሕጋዝ ዓዲ-ዝወዓሉ እስላማውያን ሃገራት ንምርካብ ዝዓለመ'ዩ ዝመስል።
"ኣመሪካን እስራኤልን ብሓደ ወገን፡ እስላማዊት ኢራንን ሓይልታት ተቓውሞን በቲ ካልእ" ከምዝዋግኡ ዘለዉ ዝጠቐሰ ላሪጃኒ፡ "ምስ ኣየናይ ወገን ኢኹም ደው ትብሉ" ክብል ይብድህ።
እቲ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ጸጥታ ኢራን ብፍላይ ንሃገራት ወሽመጥ ዘለዎ ወቐሳ ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።
"ኣብ ሃገራትኩም ዘለዉ መዓስከራት ኣመሪካ ንኢራን ኣብ ምጥቃዕ እናወዓሉ ኢራን ትም ኢላ ክትሪኢ ትጽበዩዋ?" ክብል ሓቲቱ።
እቲ ኣብ ሓደ እዋን ኣፈኛ ፓርላማ ዝነበረን ሰፊሕ ተመኩሮ ዘለዎን ላሪጃኒ ተቐቲሉ እንተኾይኑ ነቲ ብኣያቶላህ ዝምራሕ እስላማዊ ስርዓት ዓቢ ክሳራ ከምዝኾነ ኣብቲ ዞባ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ ገዲም ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጀረሚ ቦወን የረድእ።
ኣዛዚ ናይቲ 'ባሲጅ' ዝተባህለ ሓይሊ ሚሊሻ ጎላምረዛ ሶለይማኒ ኣብቲ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለ እስራኤል ኣፍሊጣ'ላ።
ባሲጅ ኣካል ናይቲ ብኣያቶላህ ዝምራሕ ዝለዓለ ግደ ዘለዎ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኮይኑ፡ ኣባላቱ ሲቪላዊ ክዳን ተኸዲኖም ኣብ ጸጥታን ውሕስነትን ናይቲ ስርዓት ዝዋሳእ እዩ።
ብፍላይ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣንጻር እቲ ስርዓት ተቓውሞታት ዘስምዑ ዜጋታት እታ ሃገር ብዝፍጽሞ ጎነጽ ዝተሓወሶ ገብረመልሲ ክኽሰስ ዝጸንሐ ሓይሊ'ዩ።
