ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ብሪጣንያ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጽዑቕ ምንቅስቓሳት ይራኣየሉ ኣሎ።
እቲ ኣብ ግሎቸስተርሸር ዝርከብ መዓስከር ፌርፈርድ፡ ኣመሪካ ትጥቀመሉ ኮይኑ፡ ቢ-1፡ ቢ-52 ከምኡ'ውን ቢ-2 ዝተባህላ ዓበይቲ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ከአንግዱ ካብ ዝኽእሉ ሒደት መዓርፎ ነፈርቲ ኣውሮጳ ምዃኑ ይንገረሉ።
ኣመሪካን-እስራኤልን ምስ ኢራን ናብ ሓድሽ ኲናት ድሕሪ ምእታወን፡ ፍሉያት ነፈርቲ ኣመሪካ ናብቲ መዓስከር ክኣትዋ ጀሚረን ኣለዋ።
ገለ ካብአን ቢ-52 ተባሂለን ዝፍለጣ ደብደብቲ ስትራተጂካውያን ነፈርቲ ውግእ እየን።
እዘን ዓርሞሸሽ ነፈርቲ ውግእ፡ ኣካል 'ስትራተጂክ እዚ' ሰራዊት ኣመሪካ ኮይነን 31,751 ኪሎ-ግራም ዝበጽሕ ኑክሌራዊን ካልእ ስሩዕን ኣጽዋር ክጽዕና ዝኽእላ እየን።
ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 72 ሰዓታት ጥራይ ሰለስተ ተወሰኽቲ ቢ-52 ነፈርቲ ናብ ብሪጣንያ ኣትየን ኣለዋ።
ኣብቲ ኲናት ብቐጥታ ከምዘይሳተፍ ዘፍለጠ መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ወተሃደራዊ መዓስከራቱ ንምክልኻል ዝዓለመ ምንቅስቓስ ነፈርቲ ኣመሪካ ድሕሪ ምፍቃዱ'የን እተን ነፈርቲ ክኣትዋ ጀሚረን።
ቢ-52 ኣብ 1950ታት ዝተሰርሓ ኮይነን፡ ኣብ ከም ቬትናም፡ ዒራቕ፡ ከምኡ'ውን ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝነበረ ኲናት ዝተሳተፋ እየን።
ቁመተን 49 ሜትሮ ኮይኑ፡ ክሳብ 2,414 ኪሜ ክውንጨፍ ዝኽእል ሚሳይላት ክዓጥቃ ይኽእላ።
እተን ነፍሲ ወከፈን ብሓሙሽተ ኣብረርቲ ዝምራሓ ገዘፍቲ ነፈርቲ ኣብ ታሪኽ ሰራዊት ኣመሪካ እተን ዝነውሐ ዕድመ ዘለወን ምዃነን'ውን ይፍለጥ። ፈለማ ኣብ 1952 ናብ ሰማያት ምስ በረራ ክሳብ ሎሚ ኣይወረዳን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ቢ-1 እውን ኣብ ከም ናይ ሶርያ ኲናትን ዝተሳተፈት ነፋሪት ዘይትኣደነ ደብዳብ እያብዘይካ'ዚ፡ ካብአን ንላዕሊ ዝውንጨፋ ቢ-1 ዝተባህላ ካልኦት ደብደብቲ'ውን ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚረን ክኣትዋ ቀንየን እየን።
ዛጊት ኣርባዕተ ቢ-1 ናብቲ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ክርኣየሉ ጀሚሩ ዘሎ መዓስከር ኣትየን ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, PA Media
መግለጺ ስእሊ, ቢ-1 ናብ መዓስከ ርፌርፈርድ እናዓለበትቢ-1፡ ነፍሲ ወከፈን 23 ሚሳይላት ክሕዛ ዝኽእላ ኮይነን፡ ንነዊሕ ርሕቀት ክጓዓዛ ዝኽእላ እየን።
እዘን 86 ቶን ዝምዘና ምዕቡላት ነፈርቲ፡ 44.5 ሜትሮ ዝበጽሓ ኮይነን፡ ልዕሊ 1,448.4 ኬሜ ዝውንጨፍ ሚሳይላት ዝዓጥቃ እየን። ምዕቡል ስርዓተ-ራዳርን ስርዓተ ጂ-ፒ-ኤስን ዝርከቦ መሳርሒታት ዝወነና ምዃነን'ዩ ዝግለጽ።
መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ብሪጣንያ ካብ ዝኣተዋ ቢ-52
ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ቢ-52