ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ትራምፕ በዚ ሓዲሽ ዝተመረጸ መራሒ ኢራን ‘ሕጉስ ኣይኰነን’ - ፎክስ ኒውስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ በዚ ሓዲሽ ዝተመረጸ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ሞጀታባ ኻመኒ ሕጉስ ከም ዘይኰነ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዘዳለዎ መደብ ሓቢሩ።
ኣቕራቢ ዜና ፎክስ ኒውስ ብርያን ኪልመደ ኢራን ሓዲሽ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ድሕሪ ምምራጻ ንትራምፕ ከም ዘዘራረቦ ብምሕባር፡ ዶናልድ ትራም “ሕጉስ ኣይኰንኩን” ከም ዝበሎ ገሊጹ።
ብርያን ኪልመደ ብዛዕባ ምስ ትራምፕ ዝተበሃሃልዎ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበን።
ዶናልድ ትራምፕ’ውን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እዚ ሓዲሽ ዝተመረጸ ኢራናዊ መራሒ ብወግዒ ዝበሎ የለን።
ኣመሪካ ኣብ ኢራን ክንድ’ቲ ዝድለ ራሕቒ ክትከይድ ምዃና ሓቢራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መግለጺ ስእሊ, ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ፔት ሄዝ ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ፔት ሄዝ፡ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኵናት ኢራን “ክሳብ እቲ ንኽንዕወት ዘድልየና ርሕቐት ክንከይድ ኢና” ኢሉ።
እዚ ሓላፊ ምስ መላፍንቲ ቢቢሲ ዝዀነ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ “ንጸላኢኻ ኣይትነግሮን ኢኻ፡ ወይ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ 'እዚ ክገብር' እየ ኢልካ ኣይዝረብን’ዩ፡ ኣብዚ ስርሒት ዝህልወካ ሕጽረታት ንዝዀነ ኣካል ኣይንገርን’ዩ” ኢሉ።
ፔት፡ ኣመሪካ “ንኽትዕወት’ያ ትዋጋእ ዘላ” ድሕሪ ምባል፡ ዶናልድ ትራምፕ ከኣ ኢራን ኢዳ ትህበሉ ግዜ ክውስኖ’ዩ ኢሉ።
ብምስዓብ “ንሶም [ኢራናውያን] ይፍለጥዎ ኣይፍለጥዎ፡ ናይ ምውጋእ ዓቕሚ ከምዘይህልዎም ገይርናዮም ኢና፡ ኢዶም ክህቡ’ዮም” ኢሉ።
"ንሓይሊ ባሕሪ ኢራን ከምዘየሎ ኢና ገይርናዮ፡ ገና’ውን ከነዕንዎ ኢና፡ እዚ ከኣ እቲ መጀመርታ ጥራይ’ዩ” ኢሉ
ብሰንኪ ኲናት ኢራን: ዋጋ ነዳዲ ንሓደ በርሚል ልዕሊ 110 ዶላር በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images
ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ንሓደ በርሚል ልዕሊ 110 ዶላር ክበፅሕ እንከሎ፡ ዕዳጋታት ብርኪ ድማ ወሪዱ ተባሂሉ።
ብሰንኪ እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝግበር ምትሕልላፍ ንግዲ ክዕንቀፍ ከምዝኽእል ክግለፅ ፀኒሑ እዩ።
ኢራን ትማሊ ሰንበት ንሞጅታባ ካሜነይ ንኣቡኡ ዓሊ ካሜነይ ተኪኡ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ክኸውን ድሕሪ ምሻማ፡ ሕዚ'ውን እቲ 'ኣኽራሪ ዝበሃል ሓይሊ፡ ኣብ ምቍፅፃር ስልጣን ከመዘሎ ዘመልክት እዩ።
ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ መላእ ኢራን ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ነፈርቲ ዘካየዳ ዀይነን፡ ንመኽዘናት ነዳዲ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ዒላማታት ወቒዐን።
ካብቲ ዞባ ዝነቐለ ዓቢ ምዝንባዕ ቀረብ ነዳዲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ተጠቀምትን ትካላት ንግድን ዋጋታት ከይውስኽ ስግኣት ኣሎ።
ኣስታትሓደ ሕምሲት ናይቲ ኣብ ዓለምና ዘሎ ቀረብ ነዳዲ፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ኣቢሉ እዩ ዝመሓላለፍ።
ቅድሚሓደ ሰሙን እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ግን፡ በቲ መፃብቦ ዝግበር ንግዳዊ መንቅስቓስ ዳርጋ ደው ኢሉ ኣሎ።
ገለተንተንቲ፡ ናይዚ መጻብቦ ምዕጻው፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት እንተቐፂሉ፡ ዋጋ ነዳዲ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ክሳብልዕሊ 150 ዶላር ንሓደ በርሚል ክበፅሕ ከምዝኽእል ይግምቱ።
መራሕቲ ሃይማኖት ኢራን ኣብ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ኣብ ምርድዳእ በጺሖም፤ ቴህራን ብጸሊም ትኪ ተሸፊና
ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ኣንጻር ኢራን ናብ ካልኣይ ሰሙኑ ኣብ ዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ይቕጽል ኣሎ።
መራሕቲ ሃይማኖት ኢራን፡ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ኣብ ምምራጽ ኣብ ምርድዳእ በጺሖም - እንተኾነ ቅድሚ እቲ ስምምስ ገለ "ዕንቅፋታት" ከምዘለዉ ተዛሪቦም።
እስራኤል ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብመጥቃዕቲ ኣሜሪካን እስራኤልን ዝተቐትለ ኣያቶላህ ዓሊ ካሜኒ "ዝትክእ" ዕላማ ክትገብሮ ምዃና'ውን ኣፈራሪሓ ኣላ።
እስራኤል ኣብ ከተማ ቴህራን ዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ ዒላማ ብምግባራ፡ እታ ከተማ ብጸሊም ትኪ ተሸፊና ትርከብ። ነበርቲ "ጸሓይ ምሉእ ብምሉእ ጠፊኣ" ይብሉ።
መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኢራን ኣብ ልዑል ህንጻ ህዝባዊ ትካል ማሕበራዊ ድሕነት ኩዌት ብምውቃዑ ዓቢ ባርዕ ኣስዒቡ - ሰብመዚ እቲ ባርዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተውዎ ይገልጹ።
መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ብናህሪ ይቕጽል ኣሎ - ብመሰረት ሚኒስተር ጥዕና ሊባኖስ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን እስራኤል ብዝተፈጸመ ደብዳብ 394 ሰባት ተቐቲሎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እስራኤል፡ ሬሳ ናይ ቅድሚ 40 ዓመታት ዝተቐትለ ወተሃደራ ንምርካብ ዝዓለመ ስርሒት, ዓሰርተታት ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤል፡ ምስቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህ ተካይዶ ዘላ ናይ ምድርን ኣየርን ኲናት፡ ኣብ ሊባኖስ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም።
ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ፡ ኣብ ምብራቓዊ ወሽመጥ ቤካ፡ ብሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝተኻየደ ናይ ለይቲ ስርሒት ብውሕዱ 41 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 40 ድማ ቆሲሎም ተባሂሉ።
ሰለስተ ወተሃደራት ሊባኖስ ካብቶም ዝሞቱ ክኾኑ እንከለዉ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ድማ ህጻናት ዝርከብዎም ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጾም።
እቲ ኣብ ናቢ ቺት ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ቅድሚ 40 ዓመታት ኣብ ሊባኖስ ዝጠፍአ ኣባል ሓይሊ ኣየር እስራኤል ሬሳ ንምርካብ ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ዝግለፅ።
ኤምባሲ ኣመሪካ-ኣብ ኦስሎ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀሞ ፖሊስ ሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኦስሎ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣጋ ወጋሕታ ብዝተፈጸመ ፍንጀራ ከምዝተሃርመ ፖሊስ ኖርወይ ሓቢሩ።
"ፖሊስ ምስቲ ኤምባሲ ኣብ ዝርርብ ይርከብ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝበፅሐ መጉዳእቲ ከምዘየለ ነረጋግፅ" ይብል እቲ መግለጺ።
ወሲኹ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ፡ "ብልክዕ እንታይ ከም ዘጋጠመ ወይ መን ፈፂሙዎ ክኸውን ከምዝኽእል ዛጊድ ዝኾነ ሓበሬታ የለን" ኢሉ።
እቲ ካብታ ከተማ ንእሽቶ ውፅእ ኢሉ ዝርከብ ኤምባሲ፡ ቀሊል ጉድኣት ከምዝበጽሖ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ይሕብሩ።
ሰራሕተኛታት እቲ ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ ኣመሪካ፡ ዛጊድ ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃቡን።
ዒላማ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳየልን ዝዀኑ ህንፃታትን ማእከላት ነዳድን, ብስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ዒላማ ሰበ ኣልቦ ነፈርቲ ዝኰነን ዝተባረዐን መንግስታዊ ህንፃ ኩዌት ኣብ ከተማ ኩዌት ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ዝዀነ ዓቢ ህንፃ ብሰንኪ ዝበፅሖ መጥቃዕቲ እንትባረዕ፡ ኣብ ቴህራን ድማ ሓደ ዓብይ ማእከል ነዳዲ ዒላማ ዀይኑ ሓዲሩ።
እቲ ብቤት ፅሕፈት ማሕበራዊ ድሕነት ዝውነን መንግስታዊ ህንፃ ኩዌት፡ ክበራዕ ዝሓደረ ዀይኑ፡ ሕዚ እቲ ባርዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝኣተወ ይመስል።
እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምዝገለፆ፡ እቲ ብንውሓቱን ግዝፈቱን ዝፍለጥ ህንፃ፡ ዒላማ ከምዝተገብረን፡ "ንዋታዊ ዕንወት ከም ዝበፅሖን" ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብዛዕባ፡ ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳላትን ዝተፈፀሙ መጥቃዕታት፡ ገለ ሓበሬታ ዝሓዙ ምስልታት ሒዝናልኩም መፂእና ኣለና።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ዒላማ ሰበ ኣልቦ ነፈርቲ ዝኰነን ዝተባረዐን መንግስታዊ ህንፃ ኩዌት 
ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሓደ ለይቲ ንሓያሎ ትካላት ነዳዲ'ታ ሃገር ከምዝወቕዐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ቴህራን ዝርከብ መኽዘን ነዳዲ ኣቕዳሲህ፡ ዓቢ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢምዎ ኣሎ። 
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መግለጺ ስእሊ, ካብ ሚሳይል ዝመጽእ ኣሰር ሮኬት፡ ኣብ ሰማያት እታ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ መጋየሺት በፃሕቲ ዝዀነት ከተማ እስራኤል - ነታንያ 
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መግለጺ ስእሊ, እስራኤል፡ ኣብ ቤሩት ኣብ ዝርከብ ሆቴል ራማዳ ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ። እስራኤል ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ንዝርከቡ ኣዘዝቲ ኢራን ዒላማ ትገብር ከምዘላ'ያ ገሊጻ። ሓደሽቲ ምዕባለታት ኲናት ማእከላይ ምብራቕ, እስራኤል፣ ኢራን፣ ኩዌትን ኣመሪካን እንግሊዝን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኢራን
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ኣብ ቴህራን ዝርከቡ መኽዘናት ነዳዲ ኣብ ሓደ ለይቲ ድሕሪ ምውቃዖም፡ ንመሰረተ ልምዓት ኢራን ዒላማ ዝገበረ ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ ይገልጽ።
ኩዌት፡
ሰራዊት ኩዌት፡ ኣብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኩዌት፡ ኣብ ልዕሊ ታንከራት ነዳዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓዊሱ፡ "ማዕበል ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ" ፀላእቲ ንምፍሻል ይቃለስ ከምዘሎ ይገልጽ።
ኣብ ካልእ ቦታታት ድማ፡ ስብርባር ዝተዓግተ ኣፅዋር ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መኪና ብምውዳቑ፡ ሓደ ነባሪ ዱባይ ከምዝሞተ ቤት ጽሕፈት ሚድያ ዱባይ ሓቢሩ።
እስራኤል፡
ኣብ እስራኤል ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ያየር ላፒድ፡ ቁጠባ መንግስቲ ኢራን ንምድኻም፡ "ኩሉ ዕደና ነዳዲ ኢራን ክዓኑ" ተማሕጺኑ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ካብ ኢራን ዝተወንጨፉ ሚሳይላት ንምዕጋት ይሰርሕ ከምዘሎን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከብ ክንፊ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ዝኾነ፡ ሓይሊ ቁድስ [ኣብ ሊባኖስ] መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ሓቢሩ።
ሊባኖስ፡
ሰበስልጣን ሊባኖስ ኣብ ሓደ ለይቲ ብዙሕ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ኣፍለጦም። ሓደ ካብቶም መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሆቴል ዝተፈፀመ ዀይኑ፡ ኣርባዕተ ሰባት ቀቲሉ። ክሳብ ሕጂ በቲ ጐንፂ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ከም ዝተመዛበሉ ሓቢሮም።
ኣመሪካ-እንግሊዝ
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ “ደጊም ምስ ተዓወትና ናብ ውግኣት ዝጽንበሩ ሰባት ኣየድልዩናን’ዮም” ክብል፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሰር ኬር ስታርመር ነቚፍዎ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ መርከብ ጽዕነት ነፈርቲ ዓባይ ብሪጣንያ - 'ኤችኤምኤስ ፕሪንስ ኦፍ ዌልስ' - ንወፍሪ ተዳልያ ከምዘላ ምስ ተሓበረ እዩ።
ካልኦት ተዛመድቲ ምዕባለታት እዚ መዓልቲ ክነስዕበልኩም ኢና፡ ሰናይ ሰንበት!
እስራኤል፡ ሬሳ ናይ ቅድሚ 40 ዓመታት ዝተቐትለ ወተሃደራ ንምርካብ ዝዓለመ ስርሒት
ኬንያ፡ ብርቱዕ ዝናብ ዘስዓቦ ሞትን ዕንወትን
ኣብ ህሞት ሞትና እንታይ'ዩ ዝስመዐና?
ትራምፕ ኣብ ምምራጽ ሓድሽ መራሒ ኢራን ኢዱ ከእቱ ይደሊ፡ ቴህራንከ ትሰማማዕዶ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እቲ ብዙሕ ግዜ ሰባት ብዛዕባ ኣብ ኢራን ዘለዎ መደባት ናብ ግምታት ዘውድቖም ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ድሌቱ ይዛረብ ኣሎ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ንመንፈሳዊ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒንን ሓያሎ ካልኦት ላዕለዎት ኣዘዝትን ምስ ተቐትሉ፡ ንኢራን መን ክመርሓ ከም ዝደሊ ኣብ ምግላጽ ይርከብ።
እዞም ክልተ ዘይተኣማመኑ ኣካላት ክልተኦም ዝሰማምዕሉ ሕርያ ክኽሰት ንምግማቱ ኣጸጋሚ እዩ።
ብዙሓት ካብ ደገፍቲ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ክሑን ጽልኢ ኣሎ - “ዓባይ ሰይጣን” ክብሉ ድማ ይጸርሑዋ።
መሪሕነት ኢራን ምስ ዋሽንግተን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክሰርሕ ዝኽእል ዝበሎ መንፈሳዊ መራሒ ክመርጽ ድዩ ንጹር ኣይኰነን።
ኣብ ኢራን፡ ኣብ መንጎ ጽገናውያን፡ ክውንነታውያን (ፕራግማቲስትስ)ን ኣኽረርትን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ፍልልያት ጸኒሑ እዩ። እንተዀነ ኵሎም፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘጽንሖም ስርዓት ክቕጽል ይደልዩ።
ገለ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ እቶም ኣስታት 88 ዝዀኑ ንላዕለዋይ መራሒ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ዝመርጹ ኣካላት፡ ኣብ ክንዲ ሓደ ሰብ ብብዙሓት ዝጓሰ ባይቶ መሪሕነት ክመርጹ ይኽእሉ እዮም።
እስራኤል መራሒ ኰይኑ ዝቕልቀል ዒላማ ከም ዝኸውን ብምግላጻ፡ ንኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝትክእ ክርቋሕ ድዩ ዝተፈልጠ የሎን። ብዛዕባ’ዚ ተኣፋፊ ጉዳይ ብግልጺ ዝዛረብ ዘሎ ትራምፕ ጥራሕ እዩ፣ “ብዙሓት ኣብ ሓሳብና ዝነበሩ መይቶም እዮም፡” ኢሉ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ከካይዶ ዝጸንሐ ‘ማዕበላዊ መጥቃዕቲታት’ ከም ዝዛዘመ ገሊጹ
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ናብ ትሕተ-ቕርጺ ስርዓት ኢራን ዒላማ ዝገበረ ተወሳኺ “ማዕበላዊ መጥቃዕቲታት” ከም ዝዛዘመ ሓቢሩ።
ኣብቲ ስርሒት፡ ልዕሊ 80 ነፍርቲ ውግእ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ከም ዝተሳተፋ ገሊጹ።
ከም ኣካል ናይቲ መጥቃዕቲታት፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ንቐንዲ ወተሃደራዊ ዩኒቨርሲቲ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራን መኮንናት ዝምልመልሉን ዩኒቨርሲቲ ኢማም ሑሴን ዘጠቓለለ ኣብ ልዕሊ "ሓያሎ ወተሃደራዊ ቦታታት” መጥቃዕቲ ከም ዘካየደ ኣብሪሁ።
ብተወሳኺ፡ “መኽዘን ኣሃዱ ሚሳይል ኢራን” ከምኡ’ውን “ኣማኢት ኣባላት እቲ ስርዓት ዝዓዪሉ ዝነበሩ” ባሊስቲክ ሚሳይል ዝርከበሉ ኣብ ትሕቲ-መሬት ዝርከብ ቦታ ከም ዘጥቅዐ ይገልጽ።
መንገዲ ኣየር ኢማራትስ ካብን ናብን ዱባይ ዝግበሩ ኵሎም በረራታት ደው ኣቢሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መግለጺ ስእሊ, መንገዲ ኣየር ቐጥር ውሱን በረራታት ናብ ለንደን፡ ሮማ፡ ፓሪስ፡ ማድሪድን ፍራንክፈርትን ጀሚሩ ኣሎ መንገዲ ኣየር ኢማራትስ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ሓበሬታ፡ ተወሳኺ ምልክታ ክሳዕ ዝወሃብ ካብን ናብን ዱባይ ዝካየዱ ኵሎም በረራታት ደው ከም ዝበሉ ገሊጹ።
"በጃኹም ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣይትኺዱ፡" ክብል’ውን ተማሕጺኑ።
እቲ መንገዲ ኣየር፡ ሓድሽ ሓበሬታ እንተ’ልዩ ክሕብር ምዃኑ፣ “ድሕነት ተጓዓዝትናን ሰራሕተኛታትናን ዝለዓለ ቀዳምነትና ምዃኑን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይኣቱን፡” ክብል ኣስፊሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መንገዲ ኣየር ቐጠር ኲናት ካብ ዝጅምር ንፈለማ ግዜ ካብ ዶሓ ዝነቅል በረራ ኣካዪዱ።
ድሕሪ እታ ናብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝበረረት ቀዳመይቲ ነፋሪት፡ ሎሚ ናብ ፓሪስ፡ ማድሪድ፡ ሮማን ፍራንክፈርትን በረራታት ክካየድ መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ።
ንኣረጋውያን፡ ሰብ-ሓዳርን ከም ሕክምና ዝኣመሰለ ህጹጽ ኵነታት ዘለዎን ቀዳምነት ከም ዝህብ’ውን ሓቢሩ ኣሎ።
ኲናት ኢራን ጕልቡብ ምርቓ ዝዀነላ ሩስያ፡ እገዳ ፈዂሱላ
ቴህራን፡ ተቐማጦ ንኻልኣይ መዓልቲ ‘ተካል ለይቲ’ ከም ዝሓደሩ ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
መግለጺ ስእሊ, መዓርፎ ነፈርቲ መህራባድ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙዎ "እቲ ፍንጀራምስ ሰማዕኩ ሰዓት 2፡00 ናይ ለይቲ ካብ ድቃሰይ ተበራቢረ። ንኻልኣይ ግዜ ብተኸታታሊ ተካል ለይቲ ዝሓደርናላ እያ፡" ትብል ኣብ ቴህራን እትርከብ ኣብ ኣርባዓታት ዕድመ እትርከብ ጓለንስተይቲ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምቍራጹ ኣብ ውሽጢ ኢራን ምስ ዘለዉ ክትራኸብ ኣጸጋሚ እኳ እንተዀነ፡ ገለኦም ግን ንሓጺር እዋን ይጥቀሙ ኣለዉ።
ሓደ ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጎንቸህ ሓቢብ ያዛድ ዝተራኸበ ሰብ፡ ሽማግለታት ወለዱ ኣብ ጥቓ እቲ ትማሊ ምሸት መጥቃዕቲ ዝተመጸሞ መዓርፎ ነፈርቲ መህራባድ ስለ ዝነብሩ ኣዝዩ ከም ዝተጨነቐ ገሊጹላ።
‘መሳዅቲ ናይቲ ህንጻ’ ከም ዝተሰባበረ መልእኽቲ በጺሑዎ። ወለዱ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝርከብ መዐሸጊ መካይን ክዕቀቡ ከም ዝነበሮም ድማ ይገልጽ።
ካልእ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ቴህራን ዝነብር ሰብ፡ ንግሆ ትኪ ክሽትት ከም ዝኸኣለ ሓቢሩ።
ኣብ ዕስራታት ዝርከብ መንእሰይ፡ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 4 ወጋሕታ፡ “ገና ክድቅስ ኣይከኣልኩን፣ ሎሚ ለይቲ’ውን ንቴህራን ደብዲቦማ፡” ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፋ ደቀንስትዮ ብዛዕባ ዝስጋእ ዘሎ ሓድሽ ኲናት እንታይ ይብላ?
ኲናት ኢራን፡ 'ንቻይና ናብ ዘይርግኣትን ንመደባታ ኣብ ምልክት ሕቶ ከእቱን ተኽእሎ ኣሎ'
ኢራን ምሉእ ብምሉእ ኢዳ ከይሃበት ዘተ ዝብሃል የለን -ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ምስታ ኢራን ዝኾነ ዝርርብ ከምዘይካየድ ዝገለጸ ዶናልድ ትራምፕ፡ ቴህራን ክሳብ ጠቒሊላ ትሰዓር ዝጀመሮ ኲናት ደው ከምዘየብሎ ኣፍሊጡ’ሎ።
እዚ ዘሎ ስርዓት ምስ ወረደ ንኢራን፡ ብቁጠባ ዓባይ፡ ብልጽትን ሓያልን ንምግባራ ሃገሩን መሻርኽታን ከይተሓለላ ክሰርሓ ምዃነን’ውን ትራምፕ ኣብቲ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ዝተባህለ ናቱ ማሕበራዊ መራኸቢ ጽሒፉ።
"ኢራን ብሩህ መጻኢ ክህልዋ እዩ። 'ንኢራን ዳግማይ ዓባይ ንግበራ" ክብል'ውን እቲ ኣብ ሃገሩ ዝደጋግሞ ጭርሖ ኣስፊሩ።
ብኻልእ ወገን፡ ፕረዚደንት ኢራን "ገለ ሃገራት ናይ ምትዕራቕ ጻዕርታት" ይገብራ ከምዘለዋ ኣሚቱ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ማሶድ ፐዘሽኪያን ብመገዲ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ንጹር ክኸውን ዘለዎ፡ ኣብዚ ዞባ ነባሪ ሰላም ንክሰፍን ድሉዋት ኢና፡ ግና ንሃገርና ኣብ ምክልኻል ኣይንወላወልን ኢና" ኢሉ።
"ዕርቂ ምስቶም ንህዝቢ ኢራን ብምንእኣስ ነዚ ግጭት ዝወልዑ ክውከስ ኣለዎ" ይብል እቲ ኣብ ቅልውላው ኣትዩ ዘሎ ፕረዚደንት ኢራን።
