ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝህብኦ ዘለዋ ምላሽ እንታይ ይመስል?
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኩዌት፣ ስዑዲ ዓረብን ባሕሬንን ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰዓታት መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከም ዘጋጠመን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢማራት ዓረብ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ኢራን ንዝመጽእ ስግኣታት ምላሽ ይህብ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ነበርቲ ድምጺ መጥቃዕቲ ዝዓግቱ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ቦምባ ክሰምዑ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ
ኩዌት ብተወሳኺ ብሰንኪ ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ፍንጀራታት ከም ዘጋጥም ኣጠንቂቓ፣ ነበርቲ ካብ ሰበስልጣን ዝወሃብ መምርሒ ድሕነት ክኽተሉ ተማሕጺና
ሚኒስትሪ ምክልኻል ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ እታ ሃገር፡ ሓያሎ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተዓገታን ከም ዝዓነዋን ገሊጻ።
ኣብ ባሕሬን ደወል መጠንቀቕታ ተደዊሉ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ድማ ነበርቲ ኣብ ቀረባኦም ናብ ዝርከብ ውሑስ ቦታ ክኸዱ ሓቲቱ። ድሒሩ፡ ሰበስልጣን እዚ ውጽኢት "ተጻብኦ ኢራን" ዘስዓቦ ምዃኑ ብምግላጽ ኣብ ሓደ መኽዘን ባርዕ ከም ዘስዓበ ገሊጾም።













