ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኤርትራ፡ 'ቀዳማይ' ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ ተኸፊቱ

  2. እስራኤል፡ 'ንተወሳኺ ሓያሎ ሰሙናት' ውግእ ከም ዝካየድ ኣጠንቂቓ

    እዚ፡ እዋናዊ ምዕባለታት ማእከላይ ምብራቕን ዓለምን ብሓጺሩ እነቕርበሉ መድረኽ እዩ።

    ናብዚ ቀጥታዊ ጸብጻባት ሕጂ ትጽምበሩ እንተድኣሃሊኹም፤

    • ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኬር ስታርመርን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ነቲ ወሳኒ መስመር ምትሕልላፍ ነዳዲ ዓለም ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ምኽፋት ከም ዘድሊ ከም ዝተዘራረቡ ተገሊጹ
    • ብዛዕባ ውጽኢት ናይቲ ዘካየድዎ ክልተኣዊ ዘተ ግን ብዝርዝር ኣይገለጹን
    • ኢራን ዓለምለኻዊ መስመር መራኽብ "ብዘይካ እቶም ንመሬትና ዝጥሕሱ ንዅሎም ክፉት፡" እዩ ኢላ
    • ዓበይቲ ዕዳጋታት ኣክስዮን ኤስያ ሎሚ ሰኑይ ክወድቁ እንከለዉ ዋጋታት ነዳዲ ድማ ይቀያየር ኣሎ
    • እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰራዊት እስራኤል ኣንጻር ኢራንን ሕዝቦላህን "ንተወሳኺ ሓያሎ ሰሙናት" ውግእ ክካየድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ
    • ኣቐዲሙ ሰራዊት እስራኤል ኣብ መላእ ርእሰ ከተማ ኢራን - ቴህራን "ሰፊሕ" መጥቃዕቲ ከም ዝጀመረ ብምግላጽ፡ "ሽበራዊ ትሕተ ቅርጺ" ዒላማ ከም ዝዀነ ሓቢሩ
    • ብተወሳኺ ኣብ ሊባኖስ ኣንጻር ሕዝቦላህ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንምስፋሕ ዝተወጠነ መደባት ከም ዝጸደቐ ኣፍሊጣ
    • እዚ ድማ ሰፊሕ ናይ ኣጋር ወራር ከይፍጸም ስግኣት ኣልዒሉ ይርከብ
    • ኣብ ካልእ ቦታታት ናይቲ ዞባ፡ ኢማራት ዓረብ ንናይ ሚሳይል ስግኣት ምላሽ ትህብ ከም ዘላ ገሊጻ ነይራ፤ ባሕሬን ድማ ብኣጋኡ ድምጺ መጠንቀቕታ ሚሳይል ኣስሚዓ

    እዋናዊ ምዕባለታት እናተኸታተልና ከነቕርበልኩም ኢና።

  3. ትራምፕን ስታርመርን፡ ኣብቲ ን20 ደቓይቕ ዝጸንሐ ናይ ተሌፎን ዝርርቦም እንታይ ዘትዮም?

    ትራምፕን ስታርመርን፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም እቲ ፕረዚደንት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝገበሮ መንግስታዊ ዑደት ዝተሳእሉ ስእሊ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ኪር ስታርመርን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን፡ ብሰንበት ምሸት ኣብ ጉዳይ ምኽፋት ሆርሙዝ ብተሌፎን ተዘራሪቦም ኣለው።

    እዚ 20 ደቓይቕ ዝወሰደ ኰይኑ፡ "ሃናጺ" ዘተ ከም ዝነበሮም ማዕከን ዜና ፒኤ ጸብጺቡ።

    ወሃቢ ቃል መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ክልቲኦም ብዛዕባ ኵነታት ማእከላይ ምብራቕን "ብፍላይ ድማ ምንቅስቓስ መራኽብ ንምጅማር መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ምኽፋት ከም ዘድሊ" ከም ዝተዘራረቡ ገሊጹ።

    "ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ጸዓት ምርግጋእ ንምርግጋጽ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ምኽፋት ኣገዳሲ ምዃኑ ተሰማሚዖም፡" ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ዳግማይ ክዛረቡ ተሰማሚዖም፡" ኢሉ።

    ትማሊ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ባጫዊ ስእሊ ጠቂዑ።

    ኣብዚ ስእሊ ስታርመርን ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ደቪድ ላሚን ዝዋስኡሉ ስእሊ፡ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ብዛዕባ ዝነበረ ዝርርብ ተሌፎን ይዛረቡ።

    እቲ ንስታርመር ዝዋሳእ፡ "ዶናልድ እንተ ተቘጥዓኒኸ? እንታይ ክብል ላሚ?" ይብል።

    ወሲኹ፡ "ኣብ ከቢድ ኵነታት'የ ዘለኹ፡ ላሚ። ሊዝ ትራስ ከመይ ጌራ'ያ ነዚ ስራሕ እተቕልሎ?"

    ሊዝ፡ ቀዳመይቲ ምኒስትር ብሪጣንያ ነበር እያ።

  4. 'እቲ ስንክልና ዘለዎ ወድና፡ ካብ ጸባብ ክፍሊ ንላዕሊ'ዩ ዘድልዮ'

  5. ሱዳን፡ ዒድ መዓልቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን 64 ሰባት ተቐቲሎም

  6. ኲናት ኢራን ብኸመይ'ዩ ጀሚሩ፤ ድሕሪኡኸ እንታይ'ዩ ክኸውን?

  7. ኲናት ኢራን ንኪም ጆንግ ኡንን ሰሜን ኮርያን የስግእ ድዩ?

  8. እስራኤል ድሕሪ መጥቃዕቲ ኢራን ሎሚ ንግሆ እንታይ ትመስል?, ብስእሊ

    ኣብ ልዕሊ ኣራድ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 88 ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት እስራኤል ሓቢሩ።

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ልዕሊ ኣራድ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 88 ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት እስራኤል ሓቢሩ።

    ቢቢሲ፡ ድሒሮም ዝበፅሑዎ ኣሳእል ኣብ ደቡባዊ እስራኤል: ሰፊሕ ጉድኣት ከም ዝወረደ የመልክቱ።

    ኣብ ጥቓ እታ ትማሊ ምሸት ዒላማ ሚሳይላት ኢራን ዝኾነት ‘ኣራድ’ ዝዓነወ ህንጻታት፡ ኣባላት ህጹጽ ረድኤት ክንቀሳቐሱ ይረኣዩ።

    ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣራድ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 88 ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት እስራኤል ሓቢሩ።

    ኣብቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ከምዝተቐትለ ዝተገልጸ ኰይኑ፡ እስራኤል ዛጊድ ክንደይ ሰብ ከምዝሞት ኣይፀብፀበትን ዘላ።

    ኣብታ ትማሊ ምሸት ዒላማ  ሚሳይላት ኢራን ዝኾነት  ‘ኣራድ’

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ኣብታ ትማሊ ምሸት ዒላማ ሚሳይላት ኢራን ዝኾነት ‘ኣራድ’
    ኣብ ጥቓ እታ ትማሊ ምሸት ዒላማ  ሚሳይላት ኢራን ዝኾነት  ‘ኣራድ’ ዝዓነወ ህንጻታት፡ ኣባላት ህጹጽ ረድኤት ክንቀሳቐሱ ይረእዩ።

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጥቓ እታ ትማሊ ምሸት ዒላማ ሚሳይላት ኢራን ዝኾነት ‘ኣራድ’ ዝዓነወ ህንጻታት፡ ኣባላት ህጹጽ ረድኤት ክንቀሳቐሱ ይረእዩ።
  9. ቴህራን፡ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰሙን መጥቃዕቲ ዝወረደ ዕንወት, ብስእሊ

    ስብኣይን ሰበይትን ኣብቲ ዕንወት ዝበፅሖ ከባቢ

    ምንጪ ስእሊ, Majid Saeedi/Getty Images

    ቀዳም ዝተሳእሉ ኣሳእል፡ ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሻህራክ-ኢ-ጋርብ ዝበፅሐ ዕንወት የርእዩ።

    ብ16 መጋቢት ሓደ መንበሪ ህንፃን ትካል ንግድን ብሚሳይል ድሕሪ ምውቃዖም፡ ሰፊሕ ዕንወት ከም ዝወረደ ተሓቢሩ።

    ርእሰ ከተማ ኢራን - ቴህራን፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን፡ ብ28 ለካቲት ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ዒላማ ዘይርብርብ መጥቃዕቲ ኰይና ኣላ።

    ዝበፅሐ ዕንወት

    ምንጪ ስእሊ, Majid Saeedi/Getty Images

    ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ዝበፅሐ ዕንወት እትምልከት ሰበይቲ

    ምንጪ ስእሊ, Majid Saeedi/Getty Images

  10. ቀንዲ ምዕባለታት'ዚ ዕለት፡ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ

    ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢራን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢራን፡ ኣብ'ቲ ከባቢ ሰፊሕ ዕንወት ኣብፂሑ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ቅድሚ 48 ሰዓታት እንተዘይተኸፊቱ፡ ኣመሪካ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢራን "ክትድምስሶ" እያ ኢሉ።

    ኢራን፡ ብወገና ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ፡ ምስ ኣሜሪካ ምትእስሳራት ዘለዎም፡ ኩሎም ትሕተ ቅርጺ ጸዓት፡ ሕነ-ከምእትፈዲ ኣጠንቂቓ ኣላ።

    እቲ ሓደገኛ ዝበሃል ዘሎ ግጭት፡ ኣብ ሳልሳይ ሰሙኑ፡ ኣብ ክንዲ ዝዘሓሓል፡ እናተጓሃሃረ ይኸይድ ኣሎ።

    ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ሎሚ ንግሆ መጥቃዕቲ ባሊስቲክ ሚሳይል ከምዝዓገታ ይገልጻ።

    ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢራን፡ ልዕሊ 160 ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ሓቢሩ። ብውሕዱ ሓደ ሰብ ድማ ሞይቱ ተባሂሉ።

    ዒላማ እቲ መጠቃዕቲ፡ ካብ ከተማ ዲሞና 13 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ መሳለጥያ ኒዩክለር ከምዝዀነ እዩ ዝንገር፤ ዛጊድ ኣብቲ መሳለጥያ ዝበሐ ጉድኣት እንተሎ ንፁር ኣይኰነን።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ኢራን- ቴህራን፡ ሎሚ ለይቲ ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ከምዝጀመረት ሰራዊታ ኣፍሊጡ ኣሎ።

    ብሰንኩ ዝበፅሐ ዕንወት ዘርእዩ ኣሳእል ይወፅኡ ኣለዉ።

    ኢራን ኣብ ደሴት ‘ድየጎ ጋርስያ’ [ኣብ ህንዲ ውቅያኖስ] ኣብ ዝርከብ ሓባራዊ መደበር ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ፈተነ መጥቃዕቲ ኣካይዳ።

    እቲ መጥቃዕቲ ካብ ሓሙስ ክሳብ ናብ ዓርቢ ዘፅብሕ ከምዝተኻየደ ቢቢሲ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

    ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኢቨት ኩፐር፡ ዓባይ ብሪጣንያ ናብ’ዚ ግጭት ተጐቲታ ከምዘይትኣቱ ኣፍሊጣ።

  11. ኣምሓራ፡ ዕጡቓት ፋኖ ሰብስልጣን መንግስቲ ከምዝቐተሉ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ጎንደር ገሊፁ

  12. ትራምፕ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ እንተዘይተኸፊቱ፡ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢራን ከም 'ዘዕኑዎ' ኣጠንቂቑ

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Heather Diehl/Getty Images

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንምኽፋት ናይ 48 ሰዓታት ናይ ግዜ ገደብ ሂቡዋ።

    እንተዘይኰይኑ ግን፡ ኣመሪካ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢራን "ክተዕኑ" ምዃና ኣጠንቂቑ።

    ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል፡ ብ21 መጋቢት ሰዓት 23፡44 GMT እዩ ነዚ መጠንቀቕታ ጽሒፉ ዘሎ።

    እዚ ማለት፡ ኢራን ክሳብ 23 መጋቢት ሰዓት 23፡44 ጂኤምቲ [GMT] ጠለብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ክተማልእ ግዘ ኣለዋ።

    ቴህራን ብወገና፡ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ እንተተፈፂሙዋ፡ ኣብ መላእ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከቡ ምስ ኣመሪካ ምትእስሳር ዘለዎም ናይ ጸዓት ቦታታት ዒላማ ክትገብር ምዃና ኣጠንቂቓ ኣላ።

    ኢራን፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዘካየደቶ መጥቃዕትን ዘንበረቶ ዕጽዋን ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዋጋ ነዳዲ ክውስኽ ተራእዩ።

    ኣብ ግዜ ሰላም፡ ኣስታት 20% ፅዕነት ነዳድን ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን (LNG) ዓለም በቲ መጻብቦ ዝሓልፍ ብምዃኑ፡ ኣዝዩ ወሳኒ ቦታ እዩ።

  13. ትግራይ፡ ኮምሽን ስግኣት ሓደጋ ካብ መንግስቲ ፈደራል ዝፀወዖ ሓገዝ

  14. ጃስቲን ቲምበርሌክ፡ ናብ ህዝቢ ከይዝርጋሕ ዝሓተቶ ቪድዮ ገበን እንታይ ዘርኢ እዩ?

  15. 'ኬክ ይብልዑ!' - ብሓቂ በሃሊኦም ዘይፍለጥ ዓበይቲ ጥቕስታት ዓለምና

  16. ኢራን፡ ናታንዝ መመስርሒ ንዩክለር ዳግማይ ከም ዝተጠቕዐ ገሊጻ

    ናታንዝ ብ7 መጋቢት 2026 ዝተሰኣለ ስእሊ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ናታንዝ ብ7 መጋቢት 2026 ዝተሰኣለ ስእሊ

    ብዓል መዚ ኣቶሚካዊ ጸዓት ኢራን፡ ናታንዝ መመስርሒ ንዩክለር ሎሚ ንግሆ ዳግማይ ከም ዝተጠቕዐ ገሊጹ።

    ብዓል መዚ ኣቶሚካዊ ጸዓት ኢራን ኣብ ማዕከናት ዜና ዝተዘርገሐ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ማእከል ድሕሪ ዝበጽሖ መጥቓዕቲ ኣብቲ ከባቢ ብዝተገበረ መርመራ፡ ዝዀነ ዝነዝዐ ሓደገኛ ጸርጊ ከም ዘይተረኸበ ብምግላጽ “ኣብቲ ማእከል ዝዀነ ዓይነት ንነበርቲ ይዅን ንኸባቢ ሓደገኛ ዝዀነ ጸርጊ የለን፡” ኢሉ።

    እቲ ብዓል መዚ ነቲ ዝተጸፈመ መጥቓዕቲ ብምዅናን “እዚ ንውዕል ኤንፒቲ [Treaty on the Non-Proliferation of Nuclear Weapons) ዝጥሕስ’ዩ፡” ኢሉ።

    ኣብ ልዕሊ እዚ ማእከል ብሓደ መጋቢት’ውን መጥቓዕቲ ተፈጺሙ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

    ብዓል መዚ ኣቶሚካዊ ጸዓት ኢራን ነቲ ብሓደ መጋቢት ኣብ ልዕሊ ናታንዝ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣመልኪቱ ብ3 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ በቲ መጥቓዕቲ ዝስዓበ ነዝዒ ሓደገኛ ጸርጊ ከም ዘይነበረ ምግላጹ ይዝከር።

    ኣብ ሰነ 2025፡ ኣመሪካ ኣብ ሰለስተ መደበራት ንዩክለር ኢራን [ናታንዝ፡ ፎርዶን ኢስፋህን] ደብዳብ ከም ዝፈጸመት ዝዝከር ዀይኑ፡ ኣብቲ እዋን ዶናልድ ትራምፕ፡ መደበራት ንዩክለር ኢራን "ፈጺሙ ዓንዩ" ኢሉ ነይሩ።

  17. ደቡብ ኮርያ ነተን ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝ ሓባራዊ መግለጺ ዝሃባ ሃገራት ተጸንቢራተን

    ደቡብ ኮርያ መጻብቦ ሆርሙዝ ንዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ንግዲ ነጻ ንምግባሩ ዝከኣላ ከተበርከለት ድልውቲ ምህላዋ ምግላጻ ማዕከን ዜና ሮይተር ኣቓሊሑ።

    ኣቐድም ኣቢለን ሓያለ ሃገራት ብሓሙስ ድሕነት ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፋ መራኽብ ንምውሓስ ዝድለ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ንምውሳድ ድልዋት ምህለወን ብዝሃብኦ መግለጺ ኣፍሊጠን ነይረን።

    ደቡብ ኮርያ ከኣ እታ ድሒራ ዝተጸንበረተን ሃገር ኰይና ኣላ።

    ኣብ መጀመርታ ነቲ ሓባራዊ መግለጺ መራሕቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ጣልያን፡ ሆላንድን ጃፓንን’ዮም ፈሪሞምሉ ነይሮም።

    ድሒረን ከኣ ሃገራት ካናዳ፡ ኣውስትራልያ፡ ኒውዝላንድ፡ ዴንማርክ፡ ላቲቭያ፡ ስሎቨንያ፡ ኢስቶንያ፡ ኖርወይ፡ ስዊድን፡ ፊንላንድ፡ ሮማንያ፡ ባሕረይንን ሊትወንያን ተጸንቢረን።

    እዘን ሃገራት፡ ድሕነት ናይተን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፋ መራኽብ ንምውሓስ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ’የን ክወስዳ ሓሲበን ዘለዋ ግን ኣየነጸራን።

  18. ኣመሪካ፡ ኢራን ኣብ መራኽብ ዘሎ ዘይተጻረየ ነዳዲ ክትሸይጥ ፈቒዳ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

    ካብ 28 ለካቲት ጀሚረን ምስ ኢራን ኣብ ኵናት ዝርከባ ኣመሪካን እስራኤልን፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ኢራን ኣጽያቶ ዘላ ንወሽመጥ ዓረብ ምስ ወሽመጥ ዖማን ዘራኽብ መጻብቦ ሆርሙዝ ክኸፍትኦ ኣይክኣላን።

    እዚ መጻብቦ 20 ሚኢታዊት ካብቲ ዓለምና ተህልኾ ዝተጻረየን ዘይተጻረየን ነዳዲ ዝሓልፈሉ መስመር ኰይኑ፡ ኢራን ነዚ መጻብቦ እዚ ብምዕጻዋ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ዓቢ ወሰኽ’ዩ ተራእዩ።

    እዚ ከምኢ ኢሉ እንከሎ፡ ካብ ኣባላት ኔቶ ደገፍ ዝተነፍጎ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ነቲ ድሮ ኣብ መራኽብ ተጻዒኑ ዘሎ ዘይተጻረየ ነዳዲ ክትሸጦ ፈቒዱላ ኣሎ።

    ገለ ነቀፍቲ፡ እዚ ንኢራን ነቲ ኣንጻር ኣመሪካን እስራኤልን ተኻይዶ ዘላ ውግእ መካየዲ ዝዀና ገንዘብ ንኽትረክብ ክሕግዛ’ዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ዋይት ሃውስ ግን ኢራን ዋላ ድኣ ነቲ ነዳዲ ትሽጦ’ምበር ነቲ ሰልዲ ኣብ ኢዳ ከተእትዎ ከጸግማ ከም ዝዀነ’ዮም ዝሕብሩ።

    ትራምፕ፡ ንኣባላት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ‘ጃጀውቲ’ ብምባል፡ ንመጻብቦ ሆርሙዝ እተን ዝጥቀማሉ ሃገራት ክህልወኦ ኣለወን ኢሉ።

  19. ኢራን፡ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካን-ብሪጣንያን ሚሳይል ተዂሳ

    ንደሴት ድያጎ ጋርሽያ ዘርኢ ስእሊ
    መግለጺ ስእሊ, ንደሴት ድያጎ ጋርሽያ ዘርኢ ስእሊ

    ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ብሪጣንያን ብሓባር ዝጥቐማሉ ወተሃደራዊ መዓስከር ድያጎ ጋርሽያ ክልተ ሚሳይላት ከም ዝተዀሰት ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ኣቃሊሐን።

    ዎል ስተሪት ጆርናል ንዝተፈላለዩ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣመሪካን ብሪጣንያን ብሓባር ዝጥቐማሉ ኣብ ህንዳዊ ወቅያኖስ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር፡ በዚ ኢራን ዝተዀሰቶ ክልተ ሚሳይል ዝዀነ ጉድኣት ከም ዘይበጸሖ ኣፍሊጡ።

    ሲኤንኤን'ውን እቲ ሚሳይል ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ዓርቢ ንግሆ ናብታ ደሴት ከም ዝተወንጨፈ ኣቃሊሑ።

    ኢራን ካብታ ኣመሪንካ ብሪጣንያን ብሓባር ዘጥቐማላ ኣብ ህንዳዊ ውቕያኖስ እትርከብ ደሴት ድያጎ ጋርሽያ 3800 ኪሎ ሜተር ራሕቒ'ዩ ዘለዋ።

    ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ነበር ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ኢራን ተማዕብሎ ሚሳይል እንተነወሐ 2000 ኪሎ ሜተር ዝውንጨፍ ጥራይ ክኸውን ከም ዘለዎ'ዩ ኣዚዙ ነይሩ።

    ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ኣብ ልዕሊ ድያጎ ጋርሽያ ብኢራን ተፈቲኑ ዝተብሃለ ናይ ሚሳይል መጥቓዕቲ መብርሂ ብምርካብ ንፔንታጎንን ምኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያን'ኳ እንተሓተተ፡ ፔንታጎን "ሕጂ እነቕርቦ ሓበሬታ የብልናን" ዝብል መልሲ'ዩ ሂቡ።

  20. ኢራን፡ መራኽብ ጃፓን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ንኽትሕግዝ ድልውቲ ምህላዋ ገሊጻ

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ምስ ጃፓናዊት ማዕከን ዜና ክዮዶ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ኢራን መራኽብ ጃፓን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንኽሓለፍ ክትሕግዝ ድልውቲ ምህላዋ ገሊጹ።

    እቲ ሚኒስተር ብዛዕባ እዚ ድሮ ምስ ሰብ መዚ ጃፖን ምዝርራባት ተጀሚሩ ምህላዉ ብምግላጽ፡ ኢራን መራኽን ጃፓን ንኽሓለፍ ነቲ ትገብሮ ዘላ ምዕጻው ሆርሙዝ ንግዜኡ ከተልዕሎ ከምእትክእል ኣብሪሁ።

    ንዘረባ ሚኒስተር ዓባስ ኣራግቺ ተኸቲሉ፡ መንግስቲ ጃፓን ንማዕከን ዜና ክዮዶ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ምስ መንግስቲ ኢራን ዝግበር ቀጥታዊ ዘተ፡ እቲ ዘሎ ምዕጻው [ናይ ሆርሙዝ] ንኽልዓል ዝሓሸ መንገዲ’ዩ” ኢሉ።

    ብምስዓብ፡ ዋላ መራክብ ጃፓን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ምሓልፋ ይፈቐደን፡ እዚ ነቲ ዘሎ ቅልውላው ናይ ጸዓት ዝፈትሕ ከምዘይዀነ መንግስቲ ጃፓን ገሊጹ።

    ሓደ ብዓል መዚ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ጃፖን ንዓዕከን ዜና ክዮዶ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኢራን ብፍሉይ ንመራኽብ ጃፓን ጥራይ ክሓልፋ ምፍቃዳ “ብጥንቃቐ ክጽናዕ ኣለዎ” ኢሉ።