ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ትራምፕ፡ 'ኢራናውያን ሰነፋት ተዋጋእቲ እዮም፡ ግን ድማ ሓያላት ተዛተይቲ' ኢሉ ።

    ትረምፕ ምስ ኣባላት ካቢኔኡ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሕጂ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣኼባ ካቢነ ምኒስተራት የካይድ ኣሎ።

    ንሱ፡ 28 ለካቲት፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣመሪካ ንወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢራን ‘ውሑዳት ጥራይ ብዝረእዩዎ ደረጃ’ ክትሃርሞ ጸኒሓ'ያ ይብል።

    ኣመሪካ ንሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ኢራን "ምሉእ ብምሉእ" ከም ዝደምሰሰትን፡ "ዳርጋ 90 ሚኢታዊት ኣገmaገm" ናይ መወንጨፊ ሚሳይላት ኢራን፡ ምናልባት’ውን፡ ልዕሊ 90% ካብቶም ሚሳይላት ከም ዘዕነወት ትራምፕ ተዛሪቡ።

    ንሱ ወሲኹ፡ “ኢራናውያን ሰነፋት ተዋጋእቲ እዮም ግን ከኣ ሓያላት ተደራደርቲ” ኢሉዎም።

    ትረምፕ ምስ ኣባላት ካቢኔኡ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ትራምፕ፡ ሕጂ እታ ኩuዕሶ ኣብ ሜዳ ኢራን ከምዘላ ብምምጓት፡ እቲ ስርዓት ነቲ ዝቐረበ ውጥን-ሰላም እንተዘይተቐቢሉ፡ ገና ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ከም ዝፅበዮ ኣጠንቂቑ።

    “እንተዘይገይሮምዎ፡ ንሕና’ኮ ንዐኦም ኣዚና ኢና ነፍርሖም” ኢሉ ትራምፕ።

    “በቃ ብዘይ ምቍራፅ፡ ብቐፃሊ ክንብቍፆም ኢና"።

    ኣመሪካ ንኢራን ናብ መኣዲ ዘተ ብኸመይ ከተእትዋ መደብ ከምዘለዋ ግን ኣይተገልፀን።

  2. ኢራን፡ ንውጥን ሰላም ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ቅድመ-ዅነት ኣቕሚጣ, ንመጻብቦ ሆርሙዝ ናይ ምቁጽጻር 'ሕጋዊ መሰል’ ከምዘለዋ ገሊፃ

    ካቢኔኡ ዘዘራርብ ዘሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ እንታይ ከምዝብል ንምስማዕ ትፅቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን እዩ፡ ኢራን ግብረ መልሲ ሂባ።

    እዚ፡ ኢራን ነቲ በዓል-15 ነጥቢታት ውጥን ኣመሪካ ኣመልኪታ፡ ዝሃበቶ ፈላማይ ግብረ መልሲ እዩ።

    ምስ እዚ- ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎ፡ ማዕከን ዜና ታስኒም፡ ቴህራን ነቲ ኣመሪካ ዘቕረበቶ 15 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም ምላሽ ከምዝሃበትሉ ፀብፂቡ።

    ታስኒም ንሓደ "ሓበሬታ ዘለዎ” ዝበሎ ስሙ ዘይተፅርሐ በዓል ስልጣን ብምጥቃስ እያ፡ ነዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኵነት ኢራን ፀብፂባ።

    • "ብጸላኢ ዝፍፀም ተግባራት መጥቃዕታትንን ቅንፀለታትን- ደው ክብል
    • "ኲናት ዳግማይ ከምዘይለዓል ጭቡጥ ዘተኣማምን ኩነታት ክቐውም
    • "ካሕሳን ካሕሳ ኲናትን ክረጋገጽን ብንጹር ክውሰንን
    • "ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ኩሉ ግንባራትን ንኹሎም ኣብ መላእ እቲ ዞባ ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ጉጅለታት ክተግበር ኣለዎ" ይብል።

    እቲ ናይ መወዳእታ ነጥቢ፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ መሓዙትን ኢራን ብምጥቃስ እዩ ሰፊሩ ዘሎ።

    እቲ በዓል ስልጣን፡ ልኡላውነት ኢራን ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ብምጥቃስ፡ "ተፈጥሮኣውን ሕጋውን መሰል" እታ ሃገር ከምዝዀነ ነቲ ማዕኸን ዜና ከምዝገለፀ ተሓቢሩ።

  3. ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቀጻሊ ዕንወት ዘርእዩ ሓደሽቲ ምስልታት

    ሎሚ ሓሙስ ዝወፅኡ ዘለዉ ምስልታት፡ ኣብ እስራኤልን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ዝበፅሕ ዘሎ ዕንወት ዘርእዩ እዮም።

    ብፍላይ ድማ፡ መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤልን፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስን ዘስዓቦ ብርሰትን ሃሰያን የመልክቱ።

    እቶም ኣሳእል፡ ኣበይ ከምዝተፈጸሙ፡ ብዝርዝር ዝገልጽ ነፍሲ-ወከፍ መብርሂ ኣለዎም።

    ነበርትን ሓለፍቲ ፀጥታን ከተማ ካፍር ቃሲም፡ ካብ ኢራን ዝተተኮሰ ባሊስቲክ ሚሳይል፡ ይምርምሩ።

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ነበርትን ሓለፍቲ ፀጥታን ከተማ ካፍር ቃሲም፡ ካብ ኢራን ዝተተኮሰ ባሊስቲክ ሚሳይል ይምርምሩ።
    ነበርቲ ከተማ ካፍር ቃሲም ኣብ ሓደ ገዛ ዝወረደ ጉድኣት እንትርእዩ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ ከተማ ካፍር ቃሲም ኣብ ሓደ ገዛ ዝወረደ ጉድኣት እንትርእዩ
    ኣብ ሊባኖስ፡ ኣብቲ እስራኤል ንደቡባዊት ቁሸት ክፋር ሩማነ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ዝምልከቱ ነበርቲ።

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሊባኖስ፡ ኣብቲ እስራኤል ንደቡባዊት ቁሸት ክፋር ሩማነ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ዝምልከቱ ነበርቲ። እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ንመሰረተ ልምዓት ሕዝቦላህ ዒላማ ከምዝገበረት’ያ ትገልፅ።
  4. ዓለማዊ ንግዲ ዝጸልዉ 5 ቀንዲ መስመራት ባሕሪ

    ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ቀረብ ነዳዲ ዓለም ከበድቲ ብድሆታት ኣስዒቡ ኣሎ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ቀረብ ነዳዲ ዓለም ከበድቲ ብድሆታት ኣስዒቡ ኣሎ

    ኢራን ነቲ ኣገዳሲ መስመር መራኽብ ነዳዲ ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ብኣድማዒ መንገዲ ዓጽያቶ ትርከብ።

    ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ድማ ኣብ ልዕሊ በቲ መስመር ክሓልፋ ዝፈተና ዓሰርተታት መራኽብ መጥቃዕቲ ፈጺማ እያ።

    እቲ ቅልውላው ግን ዝሰፍሐ ጸገም'ውን ኣጕሊሑ ኣሎ። ዓለማዊ ንግዲ ኣብ ዘገርም ውሑድ ቍጽሪ ዘለዎም ጸበብቲ መስመራት ዝምርኮስ ምዃኑን ንጹር ኰይኑ ኣሎ።

    ንምዃኑ እዞም መስመራት ኣየኖት እዮም?

    ከም ኣሉሚንየም ዝኣመሰሉ ጥረ ነገራት ዝርገሐ እውን በቲ ኲናት ተጸልዩ ኣሎ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ከም ኣሉሚንየም ዝኣመሰሉ ጥረ ነገራት ዝርገሐ እውን በቲ ኲናት ተጸልዩ ኣሎ
  5. እስራኤል ንኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ከም ዝቐተለት ገሊጻ

    እስራኤል ንኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዓሊረዛ ታንግሲሪ ከም ዝቐተለት ገሊጻ።

    ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል ካትዝ፡ ታንግሲሪ "ቀጥታዊ ተሓታቲ ናይቲ ደብዳባትን ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝን'ዩ፡" ብምባል "ተቐቲሉ፡" ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

    ንሱ ወሲኹ፡ ካልኦት ብርክት ዝበሉ "ላዕለዎት ሓለፍቲ እ ሓይሊ ባሕሪ" እውን ከም ዝተቐትሉ ይዛረብ።

    ኢራን ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበትን።

    ዓሊረዛ ታንግሲሪ ኣብ 2018 ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ (IRGC) ኰይኑ ተመዚዙ።

    እስራኤል ንኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዓሊረዛ ታንግሲሪ ከም  ዝቐተለት ገሊጻ

    ምንጪ ስእሊ, Tasnim

    ቅድሚ ሕጂ ካብ 2010 ጀሚሩ ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኰይኑ ኣገልጊሉ።

    ብሽሙ ዝተኸፍተ ናይ ኤክስ ኣካውንት ካብ 10 መጋቢት 2026 ጀሚሩ ንጡፍ ኰይኑ፡ ማዕከናት ዜና ኢራን ካብቲ ኣብቲ ኣካውንት ዝወሃብ ሓበሬታታት ከጣቕሳ ጸኒሐን እየን።

    ኣብቲ ጽሑፋቱ ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝ ብዙሕ ግዜ ሓበሬታ ጠቂዑ ኣሎ።

    "ምስ ኣንጻር ኢራን ወረርቲ ምትእስሳር ዘለዋ ዝኾነት መርከብ ክትሓልፍ መሰል የብላን፡" ይብል።

    ታንግሲሪ ደፋር ተዛራባይ ኣዛዚ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣንጻር ኣመሪካን እስራኤልን ብዙሕ መግለጺታት ሂቡ።

    ኣብ 2019፡ ሰደድ ነዳዲ ኢራን እንተ ተዓንቂፉ መጻብቦ ሆርሙዝ ክዓጽዎ ምዃኑ ኣፈራሪሑ ነይሩ።

    ኢራን ኣብ ጥቓ እቲ መጻብቦ ንዝነበረት ናይ ኣመሪካ ናይ ምክትታል ድሮን ድሕሪ ምውዳቓ፡ ታንግሲሪ ምስ ካልኦት ኣዘዝቲ ብምዃን ብ2019 ብቤት ጽሕፈት ትሬዠሪ ኣመሪካ እገዳ ተገይሩላ።

  6. 'ብህዝቦም ከይቅተሉ ይፈርሑ'ዮም' - ትራምፕ ኣብ ጉዳይ መራሕቲ ኢራን ዝተዛረቦ

    ኣብዚ ሰሙን፡ ቴህራን ምስ ዋሽንተን ዝተኻየደ ዝርርብ ከም ዘየለ ኣብ እትገልጸሉ ዘላ እዋን፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ምስ ኣመሪካ ትዘራረብ ከም ዘላ እዩ ደጋጊሙ ዝዛረብ ዘሎ።

    ትማሊ ምሸት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ምእካብ ገንዘብ ሃገራዊ ኮሚተ ኮንግረንስ ሪፓብሊካን፡ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ መፋርቕ መረጻ፡ ኢሚግሬሽንን ቬንዝዌላን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ሸፊኑ።

    ብዛዕባ ኢራን ኣብ ዝተዛረቦ፡

    • ኢራን "ስምምዕ ክትገብር ልዑል ድልየት ኣለዋ፡" ኢሉ። መራሕቲ ኢራን ግን "ብህዝቦም ክንቅተል ኢና ዝብል ስግኣት ስለ ዘለዎም ከይዛረቡ ይፈርሑ'ዮም፡" ኢሉ። ወሲኹ፡ "ብኣና ከይቅተሉ እውን ይፈርሑ" ኢሉ
    • ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተኻየደ ኲናት "ወተሃደራዊ ስርሒት" ምዃኑ ገሊጹ። "[ካብ ኮንግረስ ኣመሪካ] ፍቓድ ክትረክብ ስለ ዘለካ ኲናት ዝብል ቃል ኣይፈትዉን እዮም። ስለዚ ወተሃደራዊ ስርሒት ዝብል ቃል ክጥቀም እየ፤ እቲ ሓቂ ድማ ከምኡ'ዩ ዘሎ፡" ክብል ተዛሪቡ።
    • ኣመሪካ ንኢራን "ተጥፍኣ" ከም ዘላን "ኣብ ልዕሊ ኢራን [እዚ] ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ [ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን] ስለ ዝርእያ ኣብ ተለቪዥን ክረኣዩ ዘይክእሉ ዓበይቲ ወተሃደራዊ ዓወታት ኣለዉ" ይብል።
    • ትራምፕ፡ ኢራን "ብዘየማትእ" ኣንጻር ኣመሪካ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ክትቀጥም ትኽእል ነይራ። ኣመሪካ እንተዘይትህሉ "ዓለም ብምልእታ ኣብ ስግኣት ሞት ምሃለወት፤ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ተስፋ ሰላም'ውን ንዘልኣለም ምጠፍአ፡" ኢሉ
    • ወሲኹ፡ እቲ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ዝመጽእ ለውጢ ናይ ሓጺር ግዜ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣመሪካ "ነቲ መንሽሮ ከተጥፍኦ" ግድን ነይሩ ይብል። "እቲ መንሽሮ ኢራን ምስ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር እያ ነይራ። ሕጂ ኣሊናዮ ኣለና፤ ክንውድእ ኢና ኸኣ።"
    ዶናልድ ትራምፕ
  7. ትራምፕ፡ ኔቶ ኣብ ኢራን 'ንኽሕግዝ ዝዀነ ነገር ኣይገበረን'

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ደጊሙ ንኣባል ሃገራት ኔቶ ብምንቃፍ፡ ኣብ ኢራን ሓገዝኩም ኣይደልን ኢሉ።

    ንሱ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያኡ ኣብ ዝጠቅዖ ጽሑፍ፡ "ኣባል ሃገራት ኔቶ፡ ኣብታ ሕጂ ብወተሃደራዊ መገዲ ተዳኺማ ዘላ ኢራን ንምሕጋዝ ዝዀነ ነገር ኣይገበራን፤ ኣመሪካ ካብ ኔቶ ዝዀነ ነገር ኣይትደልን። ግን ነዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነጥቢ 'ፈጺምኩም ከይትርስዑዎ'!" ኢሉ።

  8. ሕቡራት ሃገራት፡ ጊላነት ኣፍሪቃውያን 'ዝኸበደ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት' ምዃኑ ኣፍልጦ ሂቡ

  9. ሞሮኮ፡ ዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ኣገዳስነቱን

  10. ኲናት ማእከላይ ምብራቕ፡ ናብ ዱባይ ዝግበር ጕዕዞታት ብኸመይ ክጸልዎ'ዩ?

    ነፋሪት ኢመራት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ዱባይ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ኣዕኑድ ኢንዱስትሪ ኣቭየሽን ኰይና ኣላ።

    መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ - ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ (DBX) - ንኣህጉራውያን ተጓዓዝቲ ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ቍጽሪ ተጓዓዝቲ ዝሓልፈሉን ዘአንግድን እዩ።

    እዚ ካብ መዓፈፎ ነፈርቲ ብሪጣንያ ዝዀነ ሄትሮ ኣዝዩ ዝዛይድ እዩ።

    ኣብ 2024፡ ልዕሊ 92 ሚልዮን ተጓዓዝቲ በቲ መዓርፎ ነፈርቲ ሓሊፎም።

    ኣብ ንቡር ኵነታት፡ እተን ሰለስተ መዓርፎ ነፈርቲ ወሽመጥ - ኣቡዳቢን ርእሰ ከተማ ቐጠር ዶሓን ሓዊሱ - ብሓባር ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 3000 በረራታት ዝካየደለን ኰይኑ፡ መብዛሕትአን ድማ ብናይ ውሽጢ ዓዲ መንገዲ ኣየር፡ ኢማራትስ፡ ኢትሓድን መንገዲ ኣየር ቐጠርን ዝካየዳ እየን።

    ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ግጭት ካብ ዝፍጠር ኣትሒዙ ግን፡ ኣብዞም ዓበይቲ ማእከላት መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከባ ነፈርቲ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ክንቀሳቐሳ ስለዘይክኣላ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ተጓዓዝቲ ጕዕዞኦም ተሰናኺሉ እዩ።

    እቲ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ሚሳይላትን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ትራፊክ ኣየር እቲ ዞባ ብኸቢድ ኣካታዒ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

    ግን ጉዳይ ነዳዲ እውን ካልእ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ነገር እዩ።

    ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብኣድማዒ መንገዲ ካብ እትዓግቶ ንደሓር፡ ካብ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ መጻረዪ ነዳዲ ዝመጽእ ዝነበረ ቀረብ ተሓኒቑ።

    ኣስታት ፍርቂ ናይቲ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ነዳዲ ጀት ኤውሮጳ ካብቲ ዞባ ዝመጽእ ኰይኑ፡ ሕጽረት ከየጋጥም ዝፈጠሮ ስግኣት ድማ ዋጋታት ብዕጽፊ ክውስኽ ገይሩ።

    ገለ መገዲ ኣየራት ድሮ በረራታት ምቑራጽ ጀሚረን ኣለዋ።

    ብመሰረት ተንተንቲ ሲርየም፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር ልዕሊ 30 ሽሕ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዝግበር ዝነበረ ኣገልግሎት ከም ዝተሰረዘ ይፍለጥ።

    እዚ ኣብ ነዊሕ እዋን ነቲ ኣዝዩ ዕዉት ዝዀነ "ሞዴል ወሽመጥ" ኣቬሽን - ንነዊሕ ርሕቀት ዝግበር ጕዕዞ ብምቕያርን ሕሱር ብምግባርን ብሰፊሑ ክንኣድ ጸኒሑ'ዩ።

    እቲ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት ድማ ነዚ ክሃስዮ ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይዛረቡ።

    እቲ ግጭት እንተቐጺሉ፡ ተጓዓዝቲ ኣማራጺ መገዲታት ክደልዩ ክግደዱ'ዮም፤ እዚ ድማ ዋጋታት ክውስኽ ምኽንያት ከም ዝኸውን ክኢላታት ይዛረቡ።

  11. ኢራን፡ ነቲ ኲናት ደው ንምባል እንታይ ትሓትት ኣላ?

    ኢራን ነቲ ኲናት ደው ንምባል ክማልኡ ዘለዎም ሓሙሽተ ቅድመ ኵነታት ኣቐሚጣ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢራን ፕረስ ቲቪ ንሓደ “ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፖለቲካዊ-ጸጥታ” ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢራን ነቲ ሕጂ ዘሎ ኲናት ንምውዳእ ዝዓለመ እማመ ኣመሪካ ከም ዝነጸገቶ ገሊጹ።

    እቲ በዓል ስልጣን ነቲ ጋዜጠኛ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኢራን ናይ ገዛእ ርእሳ ቅድመ ኵነት ምስ ተማልአ ጥራይ ነቲ ኲናት ደው ከተብሎ እያ፡" ኢሉ።

    ነቲ ኲናት ደው ንምባል ክማላኡ ዘለዎም ሓሙሽተ ቅድመ ኵነታት ተባሂሎም ዝተዘርዘሩ ድማ፥

    • ብጸላኢ ዝፍጸም "መጥቃዕትን ቅትለታትን" ደዉ ምባል
    • እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ እስላማዊት ሪፓብሊክ ዳግማይ ከም ዘይውላዕ ውሕስነት ዘለዎ ጭቡጥ ኣገባባት ምቕማጥ
    • ውሕስነት ዘለዎን ብዝተነጸረን ክፍሊት ካሕሳ ኲናትን ዕንወትን ክህሉ
    • ኣብ ኵሉ ግንባራትን ኵሎም ኣብ መላእ እቲ ዞባ ዝንቀሳቐሱ ጕጅለታት መኸተን ዘሎ ኲናት ምዝዛም
    • ኢራን ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ላዕለዋይ ስልጣን ንምጥቃም ልዑላዊ መሰል ከም ኣህጉራዊ ኣፍልጦን ውሕስነትን ምሃብ ዝብሉ'ዮም።

    ኢራናውያን፡ እቲ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ክውዳእ እምበር፡ ተዅሲ ደው ምባል ጥራይ ከም ዘይደልዩ ብተደጋጋሚ ገሊጾም እዮም።

  12. ትራምፕ ምስ መን'ዩ ክዘራረብ?

    ኣመሪካን እስራኤልን ንብዙሓት መራሕቲ ኢራን ቀቲለን እየን።

    ሰራዊት እስራኤል ንዝዀነ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኢራን ዒላማ ክገብር ስልጣን ከም ዝተዋህቦ፣ ተወሳኺ ፍቓድ ከም ዘየድልዮ ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል እስራኤል ካትዝ ኣፍሊጡ'ዩ።

    እዞም ሰበስልጣን ግን ኣብ ውሽጢ መሓውር ስልጣን ኢራን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ተራ ነይርዎም?

    ሕጂ ብውጽኢታዊ መንገዲ መን እዩ ኣዛዚ ዘሎ?

  13. ተስፋ ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ንነታንያሁ ኣብ ጸቕጢ የእትዎ

    ኣመሪካ ምስ ኢራን ሓድሽ ዝርርብ ንምክያድ ዝሓሰበቶ መደባት ዝተሓዋወሰ ኣፋፍኖት ኣብ ዝርእየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መንጐ ኢራንን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ምልውዋጥ ተኹሲ ይቕጽል ኣሎ።

    ዶናልድ ትራምፕ ምስ ቴህራን ሓድሽ ዝርርብ ንምኽፋት ዝደረዀ ምኽንያት ዝምልከት ክሳብ ሕጂ ሰፊሕ ግምታት ይቐርብ ኣሎ፤ ዘተ ቅድሚ ሕጂ ዋይት ሃውስ ከም መከላኸሊ ወተሃደራዊ ምዕባለ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራዊት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ይለኣኹ ኣለዉ።

    ኣብ እስራኤል ግን፡ ዘተ ክጅመር'ዩ ዝብል ዘረባ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ካብቲ ኲናት መውጽኢ መገዲ ይደሊ ከም ዘሎን፡ ዕላማታት እስራኤልን መሓዛኣን ክፈላለ ከም ዝጀመረን ዘመልክት እዩ።

    ኔታንያሁ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  14. ኢራን ስለምንታይ'ያ ንዝርርብ ኣመሪካ ነጺጋቶ?

    ኢራናውያን ኣብ ቴህራን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ሃገራዊ ባንዴራታትን ስእሊ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ሞጅታባ ካሜነይ ሒዞም ኣለው

    ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock

    ዋሽንግተን ምስ ቴህራን ብዛዕባ ዝተገብረ ዝርርብ ክትዛረብ እንከላ፡ ኢራን ግን ብግልጺ ትነጽጎ።

    እቲ ዘይምርድዳእ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተገብረ ዝርርብ ዝምንጩ ዓሚቝ ዘይምትእምማን ዘንጸባርቕ እዩ።

    ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ዝርርባት፡ ክልተ ግዜ ድማ ወጥሪ ንምቅላል ተስፋ ኣልዒሎም ኣለዉ።

    ክልቲኡ ግዜ ስዒቡ ድማ ኣብ ልዕሊ ኢራን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ እስራኤልን ኣመሪካን ተኻይዱ።

    ብዓይኒ ኢራን፡ ዝርርብ ንናይ ኲናት ተኽእሎ ኣየጉደሎን።

    ስለዚ ድማ እዩ ትራምፕ ዝብሎ ዘሎ ብጥርጣረ ዝርእዩዎ ዘለዉ።

    ኢራን ሕጂ ዝርርብ ኣይተኻየደን ምባላ ግን ግድን ኣንጻር ዝርርብ እያ ማለት ኣይኰነን።

    እዚ ጸገም ካብዚ ንላዕሊ እዩ። ዲፕሎማሲ ዝድግፉ ሰበስልጣን እውን እንተዀነ ጸቕጢ ይግበረሎም ኣሎ።

    ዳግማይ ድርድር ምፍታን ሓደገኛ ክኸዉን ይኽእል። እዚ ግዜ ዝተፈለየ ከም ዝኸዉን ዝሕብር ኣፋፍኖት የለን።

    እዚ ድማ ነቲ ካብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባስ ኣራግቺን ካልኦት ሰበስልጣንን ዝመጽእ ተሪር ቃና ዘለዎ መግለጺታት ምርኣይ ይክኣል።

  15. ዓለማዊ ንግዲ ዝጸልዉ 5 ቀንዲ መስመራት ባሕሪ

  16. ኢራን ስለምንታይ'ያ ንዝርርብ ኣመሪካ ነጺጋቶ?

  17. ሰበ ስልጣን ፓኪስታን፡ ኢራን 15 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም ከምዝተቐበለት ገሊፆም

    ጉዳይ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ኣብቲ 15 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ኣመሪካ ከምዝተኻተተ ይንገር

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ጉዳይ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ኣብቲ 15 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ኣመሪካ ከምዝተኻተተ ይንገር

    ኣሶሴይትድ ፕረስ፡ ኢራን ተኹሲ ደው ንምባል፡ ካብ ኣመሪካ ዝተልኣኸ በዓል 15 ነጥብታት እማመ- ሰላም ከምዝበፅሓ፡ ንኽልተ ሰበስልጣን ፓኪስታን ብምጥቃስ ፀብፂባ።

    ኣቐዲሙ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍ፡ ሃገሩ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ፡ ዝርርብ ሰላም ክትእንግድ ድልውቲ ምዃና ገሊጹ ነይሩ።

    ቻነል 12 እስራኤል እውን ብዛዕባ ዝርዝር እቲ ዛጊድ ወግዓዊ ዘይኰነ ውጥን ጸብጺባ ኣላ።

    እንተዀነ፡ ካብ ዋይት ሃውስ ዝተረኽበ ዝርዝር ሓበሬታ ኰነ መረጋገጺ የለን።

    ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ድማ፡ ምስ ኣመሪካ ዝርርብ ይካየድ ኣሎ ንዝብሉ ፀብፃባት ነጺጉ ኣሎ።

  18. ትራምፕ: ናብ ኢራን ዝለኣኾ በዓል 15 ነጥብታት እማመ- ሰላም

    ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ኢራን ሰዲደዮ ዝበሎ 15 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም፡ ብዕሊ ኣይተገልፀን ኣሎ።

    እንታይ ዝሓዘ ክኸውን ከምዝኽእል ድማ ወግዓዊ መረጋገጺ ኣይተዋህበን።

    ገለ ዝርዝራት ግን ኣብ ማዕከናት ዜና እስራኤልን ኣመሪካን በብቑሩብ ይወጽእ ኣሎ።

    ብመሰረት ጸብጻብ ቻነል 12 እስራኤል ፡ እቲ ውጥን ነዞም ዝስዕቡ ጠለባት ዘጠቓልል እዩ፤

    • ኣብ ናታንዝ፡ እስፋሃን ከምኡ’ውን ፎርዶውን ዝርከቡ ኒዩክለራዊ ማእከላት ካብ ጥቕሚ ወጺኡ ክኸውን፡
    • ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶሚካዊ ጸዓት (IAEA) ኣብ ልዕሊ ንጥፈታት ኢራን ቅሉዕ ክትትልን ቁፅፅርን ክገብር፡
    • ኢራን ኣብቲ ዞባ ዕጡቓት ምድጋፍ ክትገድፍ፡ ንዞባዊ ዕጡቓት እትህቦ ምወላን ዕጥቅን ደው ከተብል፡
    • ማዕቢሉ ዝጸንሐ ኒዩክለራዊ ዓቕሚ እንተሎ ክዓኑ፡
    • ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይተፍሪ ቃል ክትኣቱ፡
    • ኣብ መሬት ኢራን ዝርከብ ዝኾነ ይኹን ኒዩክለራዊ ንብረት ናብ IAEA ክርከብ።
    • መጻብቦ ሆርሙዝ ክፉትን ናጻን ኮይኑ ክቕጽል
    • ሚሳይላት ኢራን ኣብ መጻኢ ውሳነ ክወሃቦም፡ እንተኾነ ግን ብብዝሕን ርሕቀትን ድሩት ክኸውን፡ ንዕላማታት ርእሰ ምክልኻል ጥራይ ክኸውን፤

    ኢራን’ ከ ብምላሹ እንታይ ትረክብ፤

    • ኣመሪካ ኣብ ቡሸር ንፍርያት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝኸውን ሲቪላዊ ኒዩክለራዊ ፕሮጀክት ኣብ ምምዕባል ሓገዝ ክትገብር።
    • ኣብ ልዕሊኣ ተነቢሩ ዘሎ ኩሉ እገዳታት ክለዓል

    ዘተ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ክብል - ዝብል ጸብጻባት ኣሎ።

    ሕጂ ግን፡ እዚ ክሳብ ሕጂ ኣይተረጋገጸን፡ ካብ ዋይት ሃውስ ዝተውሃበ ዝርዝር ሓበሬታ'ውን የለን።

  19. ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ድሕሪ ናይ ዓመታት ብኩራት ትምለሶ ዘላ ጸወታ

  20. ኣመሪካን እስራኤልን ንብዙሓት መራሕቲ ኢራን ቀቲለን እየን፡ ትራምፕ ምስ መን'ዩ ደኣ ክዘራረብ?