ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ደማሙ እንስሳ ዘቤት ክዀና ዝተገብራሉ ዘስካሕክሕ ምኽንያት

  2. ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተኻየደ ኲናት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዘስዓቦ ሲቪላዊ ክሳራ

    ዝዓነወ ህንጻ

    ምንጪ ስእሊ, Shutterstock

    ኣብቲ ብ28 ለካቲት ዝጀመረ ግጭት ኢራን፡ ብውሕዱ 217 ህጻናት ዝርከብዎም 1,464 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ትካል ዜና ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት (HRANA) ሓቢሩ።

    ሰራዊት ኣብ መላእ ኢራን ልዕሊ 12 ሽሕ ቦምባታት ኣብ ቴህራን ጥራይ ድማ 3600 ቦምባታት ከምዝደርበየ ክገልጽ እንከሎ፡ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ድማ ኣብ መላእ ኢራን ልዕሊ 9 ሽሕ ዕላማታት ከም ዝወደቐ ይገልጽ።

    ካብቶም ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት መብዛሕትኦም ንመደበራት ፖሊስ፡ ህንጻታት ምልሻ ባሲጅ፡ ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ፡ ዩኒቨርሲቲታት ወተሃደራውን ፖሊስን፡ ውሑስ ገዛውቲ፡ ኣባይቲ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ከምኡ’ውን ዝተጠርጠሩ መኽዘናት ተተኮስትን ነቝጣታትን ዒላማ ዝገበሩ እዮም።

    እዞም ዒላማታት ግን ኣብ ውሽጢ ጽዑቕ ሲቪላዊ ከባቢታት እዮም ዝርከቡ።

    እቶም መጥቃዕትታት ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ምዕላቦም፡ ዋላ ኣብቶም ቅድሚ ሕጂ ንስርዓት ኢራን ዝነቕፉ ዝነበሩ ሰባት ከይተረፈ ቂምታ ከዕምቖ ሓደጋ ከምዘለዎ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

    ቢቢሲ ኣብዚ ጸብጻብ ብዛዕባ ዘጋጠመ ፍጻመታት ካብ ሰራዊት እስራኤል ርእይቶ ሓቲቱ። እቲ ሰራዊት እቶም መጥቃዕትታት ከምዝተፈጸሙ ዘረጋገጸ ኰይኑ፡ ተወሳኺ ርእይቶ ግን ኣይሃበን።

    ምኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ድማ መልሲ ኣይሃበን።

    ኢራን እውን ብፍላይ ድማ ኣብተን መሻርኽቲ ኣመሪካ እትብለን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንዝርከቡ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጽን መንበሪ ህንጻታትን ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕትታት ፈጺማ እያ።

    ነበርቲ ቴህራን፡ ሰበስልጣን ነቲ ኲናት ዝሃብዎ ምላሽ ብምንቃፍ፡ ህዝባዊ መዕቆቢ፡ ካብ ሓደጋ ምውጻእ ወይ ንዝተመዛበሉ ግዝያዊ መንበሪ ሓዊሱ መሰረታዊ ስጕምትታት ድሕነት ኣብ ምሃብ ብዙሕ ከምዘይሰርሑ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

    ኢንተርነት ኣብ ዝተቛረጸሉን ንጹር ርክብ ኣብ ዘይብሉን እዋን፡ ብዙሓት ተቓላዕነት ከም ዝተሰምዖምን ዝቕጽል መጥቃዕቲ መዓስን ኣበይን ክዓልብ ከም ዝኽእል ርግጸኛታት ከም ዘይኰኑን ይገልጹ።

  3. ሑቲ፡ 'ኣጻብዕትና ኣብ ቃታ' - ናብ እስራኤል ተኲሱ ጸቕጢ የጋድድ

  4. እዋናዊ ምዕባለታት ማእከላይ ምብራቕ, 10 ኣመሪካውያን ቆሲሎም

    ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየዱ መጥቃዕትታት ሕጂ’ውን ይቕጽሉ ኣለዉ።

    ፍሉይ ልኡኽ ዶናልድ ትራምፕ ዝዀነ ስቲቭ ዊትኮፍ፡ ኣመሪካ "ኣብዚ ሰሙን'ዚ" ምስ ኢራን ክትዘራረብ ተስፋ ከምዘለዋ ገሊጹ።

    ወሲኹ፡ ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ዝተገልጸ 15 ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ መልሲ "ትጽበ" ከምዘላ ሓቢሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰዓታት ኣብ ቴህራን ከቢድ መጥቃዕቲ ተሰሚዑ ኣሎ።

    ኢራን፡ ኣብዚ ወርሒ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ መመንጨዊ ኑክሌሳዊ ሓይሊ ቡሸር መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ገሊጻ። ብተወሳኺ እስራኤል ኣብ ማእከላይ ኢራን ኣብ ዝርከብ ትካል ማይ ኣራክ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ሓቢራ።

    መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ንሲቪላዊ ቦታታት ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ከም ዝጸብጸባ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባስ ኣራግቺ ሓቢሩ።

    ሓያሎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ሓድሽ መጥቃዕትን ምክልኻልን ይካየድ ከምዘሎ ሓቢረን። ኢማራት ዓረብ ድማ ምክልኻል ኣየራ፡ ካብ ኢራን ዝተወንጨፉ ባልስቲክ ሚሳይላትን ድሮናትን ኣብ ምዕጋት ከም ዝተዋፈረ ገሊጻ።

    ኢራን፡ ኣብልዕሊ መደበር ኣየር ልኡል ሱልጣን ስዑዲ ዓረብ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ዓሰርተ ወተሃደራት ኣመሪካ ከም ዝቘሰሉ ምንጭታት ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ኣመሪካ ዝዀነ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሮም።

    እቲ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ዘጠቓለለ ምዃኑ እቲ ምንጪ ሓቢሩ።

    እቶም ኣመሪካውያን "ኣዝዩ ከቢድ" መጕዳእቲ ኣጋጢምዎም።

  5. ኣመሪካ፡ ዓበይቲ መራኽብ ጽዕነት ነፈርቲ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ኣዋፊራ

    ዩኤስኤስ ጆርጅ ኤች ደብሊው ቡሽ ብዝብል እትጽዋዕ ልዕሊ 80 ነፈርቲ እትስከም መርከብ ኣመሪካ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ትዋፈር ከምዘላ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ኣመሪካ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሮም።

    እታ መርከብን ሰራሕተኛታትን ስልጠናኦም ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ድሕሪ ምዝዛም ኣብቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት ክጽንበሩ ከምዝኽእሉ ሰበስልጣን ኣመሪካ ንሲቢኤስ ገሊጾም።

    ዩኤስኤስ ዶናልድ ኩክን ዩኤስኤስ ሜሰንን ብዝብል ዝጽዋዓ ክልተ ኣዕነውቲ ሚሳይላት እውን ኣብዚ ሰሙን ካብ ኣመሪካ ተበጊሰን ኣብ መንገዲ ይርከባ።

    ካልእ ዩኤስኤስ ሮስ ዝተባህለት መርከብ’ውን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ካብ ኣመሪካ ዝተበገሰት ኰይና ናበይ ተቕንዕ ከምዘላ ግን ብንጹር ኣይተገልጸን።

  6. ብልጽግና፡ ሰልፊታት ኣብንን ኢዜማን ኣብ ዝወዳደርሉ ከባቢታት ሕጹያት ኣየቕረበን

  7. ዋጋ ጠስሚ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ ኣየናይ ዘይቲ ክንጥቀም ይምረጽ?

  8. ኢራን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ዝፈተና ሰለስተ መራኽብ ክምለሳ ገይራ

    ዓባይ መርከብ ኣብ ባሕሪ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኢራን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ዝፈተና ሰለስተ መራኽብ መሊሳ

    እስላማዊሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ዝፈተና ሰለስተ ናይ ጽዕነት መራኽብ ክምለሳ ከዘገደደ ገሊጹ።

    እስላማዊሓለዋ ሰውራ ኢራን ሎሚ ንግሆ ዝወጽኦ መግለጺ፡ "ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኮንተይነራት ዝጸዓና ሰለስተ መራኽብ፡ በቲ ዝተፈቐደለን መራኽብ ዝሓልፋሉ ፍሉይ መስመር ክሓልፋ ፈቲነን። ካብ ሓይሊ ባሕሪ ሓለዋ ሰውራ ብዝተወሃበን መጠንቀቕታ ግን ንድሕሪት ተመሊሰን" ይብል።

    ብተወሳኺ “መጻብቦ ሆርሙዝ ዕጽው ብምዃኑ፡ ዝዀነት መርከብ ክትሓልፍ እንተፈቲና ሓያል ግበረ መልሲ ክጽበያ’ዩ” ክብል ኣጠንቂቑ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ ንመንግስታዊ ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካብ “ቻይና፡ ሩስያ፡ ፓኪስታን፡ ዒራቕን ህንድን” ዝመጻ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ሕቶ ከምዘቕረባ ሓቢሩ።

    ወሲኹ ድማ ብዓይኒ ኢራን፡ መጻብቦ ሆርሙዝ “ምሉእ ብምሉእ ዕጹው ኣይኰነን፡ ንጸላእትና ግን ዕጽው’ዩ” ኢሉ።

  9. ኢራን፡ ኣብ ከተማ ቆም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 18 ሰባት ሞይቶም

    ኣብ ኢራን ከተማ ቆም ለይቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 18 ሰባት ከምዝተቐትሉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

    ብእስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ዝድገፍ ማዕከን ዜና ፋርስን ታስኒምን እቲ መጥቃዕቲ ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ከባቢ ፓርዲሳን ከምዘጋጠመ ጸብጺበን።

    ኣብ መጀመርታ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ሽዱሽተ ከምዝዀነ ተገሊጹ ነይሩ።

    ድሒሩ ግን እቲ ኣሃዝ ዝተመሓየሸ ኰይኑ፡ ካልኦት 10 ሰባት እውን ከምዝቖሰሉ እቶም ጸብጻባት ይሕብሩ።

    ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ኢራን፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብቲ ቦታ ከምዝተዋፈሩ ሓቢሩ ኣሎ።

  10. ቅልውላው ነዳዲ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብአን ሃገራት ዝወስድኦ ዘለዋ ስጕምታት

  11. 'እቲ ዝኸበደ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት'፡ ሃገራት ስግረ-ኣትላንቲክ ብንግዲ ጊላነት ካሕሳ ክኸፍላ ይግባእ ዶ?

  12. ዘንቈንቍል ዘሎ ተቐባልነት ትራምፕ

    ትራምፕ ኣብ ጥሪ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ኣትሒዙ ኣብ ህዝቢ ኣመሪካ ዝነበሮ ተፈታውነት ብቐጻሊ እናነከየ ይመጽእ ኣሎ።

    ድሕሪ ስለስተ ሰሙን ኲናት ኢራን፡ ዋጋ ጋዝ ንሓደ ጋሎን ብማእከላይ ገምጋም ናብ ኣስታት 4 ዶላር ወሲኹ። ደረጃ ቁጠባዊ ምጽዳቕ ትራምፕ ድማ ናብ 29% ኣንቈልቊሉ።

    ክሳብ’ቲ ኲናት ዝጀመረሉ 28 ለካቲት፡ 42% ኣመሪካውያን ጥራይ እዮም ኣብ ልዕሊ ትራምፕ እወታዊ ኣረኣእያ ዝነበሮም። ኣብዚ ሰሙን እዚ ግን እዚ መለክዒ ናብ 40% ወሪዱ። እቲ ኣብ ዝተወሰነ መቓን ግዜ ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ዝተራእየ ቅልጡፍ ምንቁልቋል ተቐባልነት፡ መብዛሕትኡ ኣመሪካዊ ንወተሃደራዊ ምትእትታው ኣመሪካ ናብ ኢራን ካብ ፈለማኡ ስለ ዝተቓወሞ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።ፖለቲካዊ ማእከል ደገፍ ትራምፕ ይቕጽል ከምዝህሉ ብማእከል መጽናዕቲ ፒው ዝተቐመጠ ኣሃዛት የመልክት።

    ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኲኒፒያክ ዝተኻየደ ዳህሳስ ከኣ 86% ሪፓብሊካን ነቲ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከም ዝድግፉን 80% ድማ ትራምፕ ብኸመይ ይሕዞ ከምዘሎ ከምዘጽድቑን ኣረጋጊጹ። ካብ መላእ መራጺ ህዝቢ ኣመሪካ እንክርአ ግን እዚ ደረጃታት ናብ 39%ን 34%ን ኣንቈልቍሉ።

  13. ዘለንስኪ ድሮናት ንምሻጥን ክኢላታት ንምቕራብን ድሉው ከምዘሎ ኣብ ዝገለጸሉ ናብ ስዑድያ ገይሹ

  14. ምንዋሕ መጥቃዕቲ ‘ዝርርብ ይካየድ ኣሎ ማለት ኣይኰነን’

    ኣብ እዋን ምምሕዳር ባይደን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ዝነበረ ሮበርት ማሊ ንውሳነ ምንዋሕ ግዜ መጥቃዕቲ ትራምፕ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ትራምፕ ዝወሰዶ ውሳነ ዝርርብ ይካየድ ኣሎ ማለት ከምዘየመልክት ገሊጹ።

    ማሊ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ንመመንጨዊ ጸዓት ኢራን ንምውቃዕ ዝሃቦ ናይ 10 መዓልታት ገደብ ግዜ፡ እቲ ግዜ ቅድሚ ምውዳኡ “ምድራዊ ወራር ኣይእዝዝን ማለት ኣይኮነን” ይብል።

    እቲ በዓል ስልጣን ነበር ወሲኹ፡ ትራምፕ እቲ ምንዋሕ ግዜ ኣብ ዝርርብ ብዝረኸቦ ምዕባለ ምኽኑይ እዩ ምባል “ዝርርብ ይካየድ ኣሎ ማለት ኣይኮነን” ብምባል ንዘይተጨባጥነትን ዘይተገማትነትን እቲ ምምሕዳር ኣሚቱ።

    ፔንታጎን ኣብዚ ሰሙን ተወሳኺ ኣጋር ሰራዊት ናብቲ ዞባ ኣዋፊሩ፣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ኣመሪካ ንኢራን 15 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም ከም ዘቕረበት ገሊጻ።

    እቲ ዝያዳ ተኽእሎ ዘለዎ ውጽኢት፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ "ዓቢ ስምምዕ" ዘይኮነስ፡ ትራምፕ “ከም ዝተዓወተን ዕላማኡ ከምዝረኸበ ምስ ዝውስን... ብፖለቲካውን ቁጠባውን መዳያት ድማ ክሳቐ እዩ፡” ይብል።

    ሮበርት ማሊ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  15. ትራምፕ፡ መጥቃዕቲ መመንጨዊ ጸዓት ኢራን ብ10 መዓልታት ኣናዊሑ

    ትራምፕ ምስ ሰበስልጣናቱ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ ብሰኑይ ኣዊጅዎ ዝነበረ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መመንጨዊ ጸዓት ኢራን ከምዘናውሐን ኣፍሊጡ።

    እቲ ፕረዚደንት ኣብ መግለጺኡ ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ "ቀጻሊ" ከምዘሎ ጠቒሱ።

    እቲ ዝለጠፎ ጽሑፍ ከምዚ ይብል፤

    “ብመሰረት ሕቶ መንግስቲ ኢራን፡ እዚ መግለጺ እዚ ግዜ መጥቃዕቲ መመንጨዊ ጸዓት ብ10 መዓልታት - ማለት ክሳብ ሰኑይ 6 ሚያዝያ 2026፡ (ብኣቈጻጽራ ሰዓት ምብራቕ) 8 ድሕሪ ቀትሪ ደው ኣቢለዮ ከምዘለኹ ንምሕባር ከገልግል ይፍቀደለይ። ዘተ - ዋላ’ኳ ብኣንጻሩ ብናይ ሓሶት ማዕከናት ዜናን ካልኦት ጌጋ መግለጺታት እንተተዋህበ - ጽቡቕ ይቕጽል ኣሎ፤ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ነዚ ጉዳይ ኣቓልቦ ስለ ዝሃብኩምና የቐንየልና!”

    ፕረዚደንት ዶናልድ ጀይ ትራምፕ!

  16. ኣመሪካ 10 ሽሕ ኣጋር ሰራዊት ክትልእኽ ትሓስብ

    ወተሃደር ኣመሪካ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ 10 ሽሕ ተወሳኺ ኣጋር ሰራዊት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ንምልኣኽ ይሓስብ ከምዘሎ ዎል ስትሪት ጆርናል ሓቢሩ።

    እቲ ክግበር ዝኽእል ወፍሪ ወተሃደራት፡ ንትራምፕ “ምስ ቴህራን ዝግበር ዝርርብ ሰላም እናመዘነ ዝያዳ ወተሃደራዊ ኣማራጺታት” ንምሃብ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣተሓሒዙ የረድእ።

    እቲ ሓይሊ፡ ኣጋር ሰራዊትን ድሩዓት መካይንን ዘጠቓልል ክኸውን ከም ዝኽእልን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ድሮ ናብቲ ዞባ ተዋፊሮም ዘለዉ 5000 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ምዃኑን እቲ ዎል ስትሪት ይሕብር።

    እቲ ሰራዊት ብልክዕ ኣበይ ከም ዝዋፈር ግን ንጹር ኣይኮነን።

    ቢቢሲ ርእይቶ ንምርካብ ምስ ዋይት ሃውስን ፔንታጎንን ተወኪሱ’ሎ፤ ዛጊት ግን ምላሽ ኣይረኸበን።

  17. ትራምፕ፡ 'ኢራናውያን ሰነፋት ተዋጋእቲ እዮም፡ ግን ድማ ሓያላት ተዛተይቲ' ኢሉ ።

    ትረምፕ ምስ ኣባላት ካቢኔኡ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሕጂ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣኼባ ካቢነ ምኒስተራት የካይድ ኣሎ።

    ንሱ፡ 28 ለካቲት፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣመሪካ ንወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢራን ‘ውሑዳት ጥራይ ብዝረእዩዎ ደረጃ’ ክትሃርሞ ጸኒሓ'ያ ይብል።

    ኣመሪካ ንሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ኢራን "ምሉእ ብምሉእ" ከም ዝደምሰሰትን፡ "ዳርጋ 90 ሚኢታዊት ኣገmaገm" ናይ መወንጨፊ ሚሳይላት ኢራን፡ ምናልባት’ውን፡ ልዕሊ 90% ካብቶም ሚሳይላት ከም ዘዕነወት ትራምፕ ተዛሪቡ።

    ንሱ ወሲኹ፡ “ኢራናውያን ሰነፋት ተዋጋእቲ እዮም ግን ከኣ ሓያላት ተደራደርቲ” ኢሉዎም።

    ትረምፕ ምስ ኣባላት ካቢኔኡ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ትራምፕ፡ ሕጂ እታ ኩuዕሶ ኣብ ሜዳ ኢራን ከምዘላ ብምምጓት፡ እቲ ስርዓት ነቲ ዝቐረበ ውጥን-ሰላም እንተዘይተቐቢሉ፡ ገና ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ከም ዝፅበዮ ኣጠንቂቑ።

    “እንተዘይገይሮምዎ፡ ንሕና’ኮ ንዐኦም ኣዚና ኢና ነፍርሖም” ኢሉ ትራምፕ።

    “በቃ ብዘይ ምቍራፅ፡ ብቐፃሊ ክንብቍፆም ኢና"።

    ኣመሪካ ንኢራን ናብ መኣዲ ዘተ ብኸመይ ከተእትዋ መደብ ከምዘለዋ ግን ኣይተገልፀን።

  18. ኢራን፡ ንውጥን ሰላም ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ቅድመ-ዅነት ኣቕሚጣ, ንመጻብቦ ሆርሙዝ ናይ ምቁጽጻር 'ሕጋዊ መሰል’ ከምዘለዋ ገሊፃ

    ካቢኔኡ ዘዘራርብ ዘሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ እንታይ ከምዝብል ንምስማዕ ትፅቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን እዩ፡ ኢራን ግብረ መልሲ ሂባ።

    እዚ፡ ኢራን ነቲ በዓል-15 ነጥቢታት ውጥን ኣመሪካ ኣመልኪታ፡ ዝሃበቶ ፈላማይ ግብረ መልሲ እዩ።

    ምስ እዚ- ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎ፡ ማዕከን ዜና ታስኒም፡ ቴህራን ነቲ ኣመሪካ ዘቕረበቶ 15 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም ምላሽ ከምዝሃበትሉ ፀብፂቡ።

    ታስኒም ንሓደ "ሓበሬታ ዘለዎ” ዝበሎ ስሙ ዘይተፅርሐ በዓል ስልጣን ብምጥቃስ እያ፡ ነዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኵነት ኢራን ፀብፂባ።

    • "ብጸላኢ ዝፍፀም ተግባራት መጥቃዕታትንን ቅንፀለታትን- ደው ክብል
    • "ኲናት ዳግማይ ከምዘይለዓል ጭቡጥ ዘተኣማምን ኩነታት ክቐውም
    • "ካሕሳን ካሕሳ ኲናትን ክረጋገጽን ብንጹር ክውሰንን
    • "ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ኩሉ ግንባራትን ንኹሎም ኣብ መላእ እቲ ዞባ ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ጉጅለታት ክተግበር ኣለዎ" ይብል።

    እቲ ናይ መወዳእታ ነጥቢ፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ መሓዙትን ኢራን ብምጥቃስ እዩ ሰፊሩ ዘሎ።

    እቲ በዓል ስልጣን፡ ልኡላውነት ኢራን ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ብምጥቃስ፡ "ተፈጥሮኣውን ሕጋውን መሰል" እታ ሃገር ከምዝዀነ ነቲ ማዕኸን ዜና ከምዝገለፀ ተሓቢሩ።

  19. ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቀጻሊ ዕንወት ዘርእዩ ሓደሽቲ ምስልታት

    ሎሚ ሓሙስ ዝወፅኡ ዘለዉ ምስልታት፡ ኣብ እስራኤልን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ዝበፅሕ ዘሎ ዕንወት ዘርእዩ እዮም።

    ብፍላይ ድማ፡ መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤልን፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስን ዘስዓቦ ብርሰትን ሃሰያን የመልክቱ።

    እቶም ኣሳእል፡ ኣበይ ከምዝተፈጸሙ፡ ብዝርዝር ዝገልጽ ነፍሲ-ወከፍ መብርሂ ኣለዎም።

    ነበርትን ሓለፍቲ ፀጥታን ከተማ ካፍር ቃሲም፡ ካብ ኢራን ዝተተኮሰ ባሊስቲክ ሚሳይል፡ ይምርምሩ።

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ነበርትን ሓለፍቲ ፀጥታን ከተማ ካፍር ቃሲም፡ ካብ ኢራን ዝተተኮሰ ባሊስቲክ ሚሳይል ይምርምሩ።
    ነበርቲ ከተማ ካፍር ቃሲም ኣብ ሓደ ገዛ ዝወረደ ጉድኣት እንትርእዩ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ ከተማ ካፍር ቃሲም ኣብ ሓደ ገዛ ዝወረደ ጉድኣት እንትርእዩ
    ኣብ ሊባኖስ፡ ኣብቲ እስራኤል ንደቡባዊት ቁሸት ክፋር ሩማነ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ዝምልከቱ ነበርቲ።

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሊባኖስ፡ ኣብቲ እስራኤል ንደቡባዊት ቁሸት ክፋር ሩማነ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ዝምልከቱ ነበርቲ። እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ንመሰረተ ልምዓት ሕዝቦላህ ዒላማ ከምዝገበረት’ያ ትገልፅ።
  20. ዓለማዊ ንግዲ ዝጸልዉ 5 ቀንዲ መስመራት ባሕሪ

    ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ቀረብ ነዳዲ ዓለም ከበድቲ ብድሆታት ኣስዒቡ ኣሎ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ቀረብ ነዳዲ ዓለም ከበድቲ ብድሆታት ኣስዒቡ ኣሎ

    ኢራን ነቲ ኣገዳሲ መስመር መራኽብ ነዳዲ ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ብኣድማዒ መንገዲ ዓጽያቶ ትርከብ።

    ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ድማ ኣብ ልዕሊ በቲ መስመር ክሓልፋ ዝፈተና ዓሰርተታት መራኽብ መጥቃዕቲ ፈጺማ እያ።

    እቲ ቅልውላው ግን ዝሰፍሐ ጸገም'ውን ኣጕሊሑ ኣሎ። ዓለማዊ ንግዲ ኣብ ዘገርም ውሑድ ቍጽሪ ዘለዎም ጸበብቲ መስመራት ዝምርኮስ ምዃኑን ንጹር ኰይኑ ኣሎ።

    ንምዃኑ እዞም መስመራት ኣየኖት እዮም?

    ከም ኣሉሚንየም ዝኣመሰሉ ጥረ ነገራት ዝርገሐ እውን በቲ ኲናት ተጸልዩ ኣሎ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ከም ኣሉሚንየም ዝኣመሰሉ ጥረ ነገራት ዝርገሐ እውን በቲ ኲናት ተጸልዩ ኣሎ