ናሳ፡ ስለምንታይ ጠፈርተኛታት ኣብ ጥቓ ወርሒ ንኽዀልሉ ሰዲዱ?
ኣፖሎ፡ ኣብ ሓምለ 1969 ንፈለማ እዋን ደቂ ሰባት ኣብ ወርሒ ካብ እተዕርፍ ልዕሊ 50 ዓመታት ሓሊፉ።
ሰራሕተኛታት ኣርተሚስ 2 ኣብ ወርሒ ክዓልቡ እኳ እንተ ዘይከኣሉ፡ ኣብ ዝቕጽሉ 10 መዓልታት ዝገብርዎ ተልእኾ ግን ንዝቕጽል ኣሰር ደቂ ሰባት ኣብ ወርሒ መንገዲ ዝጸርግ'ዩ።
እቶም ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት ኣብ እዋን ጕዕዞኦም ካብቲ ኵሉ ግዜ ካብ ገጽ መሬት ዝተኸወለ ዳሕረዋይ ሸነኽ ወርሒ 10,299 ኪሎሜተር ርሒቘም ክጕዓዙ'ዮም።
እዚ ንመጀመርታ ግዜ ክኸውን እዩ።
ናሳ፡ ኣብዚ ሰለስተ ሰዓታት ዝወስድ ግዜ፡ እቶም ጠፈርተኛታት "ከም ጽልዋ ዘለዎም ጕድጓዳትን ጥንታዊ ዋሕዚ ላቫን ዝኣመሰሉ ጅኦሎጅያዊ ባህርያት ክትንትኑን ክስእሉን እዮም፡" ይብል።
እዚ ድማ ኣብ መጻኢ ንደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ንምድህሳስ ዝግበር ተልእኾታት ክሕግዝ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ጥዕና እቶም ጠፈርተኛታት ዝግበር መጽናዕቲ፡ ናሳ ዓሚቝ ጕዕዞ ህዋ ኣብ ኣእምሮን ኣካላትን ወዲሰብ ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ብዝበለጸ ንምርዳእ ክሕግዞ እዩ።
እዚ ድማ ኣብ መጻኢ ተልእኾታት ወርሒ ከምኡ’ውን ናብ ማርስ ዝገሹ ጠፈርተኛታት ዝሓሸ ርድኢትን ድልውነትን ክህልዎ የኽእል።
እቶም ጠፈርተኛታት ኣብዚ ጕዕዞ ኣብ ዙርያ ወርሒ ብሰላም እንተ ሓሊፎም፡ ዕላማ ናሳ ኣርተሚስ ራብዓይን ሓምሻይን ኣብ ወርሒ ምዕላብ ክኸውን'ዩ - ክልቲኡ ድማ ኣብ 2028 ከሳኽዖ መደብ ኣለዎ።