እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣመሪካ'ቲ ትፍክሮ ዘላ እንተፈጺማ፡ ኢራን ከምዘይተናሕሲ ትገልጽ

    ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ኢራን ክትሃርም ምዃና እትገልጾ ዘላ ምፍርራሕ እንተፈጺማቶ፡ "ብዘይጥርጥር ካብ ዕጡቕ ሓይልታት እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ወሳንን ኵለመዳያውን ምላሽ ከም ዝወሃቦ" ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ተሓንዩ።

    ምኒስተር ጉዳያtእ ወፃኢ ኢራን፡ ምስ ፈረንሳዊ መዘናኡ ዣን ኖኤል ባሮት ኣብ ዝገበሮ ናይ ተሌፎን ዝርርብ እዩ ከምኡ ዝበለ።

    ዓባስ ኣራግቺ፡ ምፍርራሕ ኣመሪካ "ምስ ገበናት ኲናትን ምጽናት ዓሌትን ዝመጣጠን'ዩ" ክብል'ውን ከሲሱ ኣሎ።

    ነቲ ዝተገብረ ዝርርብ ክልቲኦም ሰበስልጣን ኣመልኪቱ ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ባሮት ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ቅርጺ መጥቃዕቲ ምፍጻም፡ ኣብቲ ዞባ ዝያዳ ወጥሪ ከም ዘስዕብ ገሊጹ፤ ነዚ ድማ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ከምዘድሊ ኣስሚሩሉ።

  2. ብጸርፊ ዝተሰነየ ምፍርራሕ ትራምፕ, ኣብ ጉዳይ መፃብቦ ሆርሙዝ

    ትራምፕ ከም ብሓድሽ ምፍርራሕ ጀሚሩ ዘሎ ፡ ኣባል ናይታ ኣብ ኢራን ተወቒዓ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ንምውጻእ ዝተኻየደ ስርሒት ብዓወት ምዝዛሙ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

    ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን ዝወረደ ወተሃደር ኣመሪካ ንምሓዝ ተቐዳዲመን፣ እቲ ኣብራሪ ኤፍ-15 ብዓርቢ ነፋሪቱ ምስ ተሃርመት ቍሩብ ጸኒሑ እዩ ተረኺቡ።

    ኢራን ነዚ ንልዕሊ ወርሒ ዝቕጽል ዘሎ መጥቃዕቲታት ኣመሪካን እስራኤልን፡ መሻርኽተን ንዝበለተን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብምጥቃዕ እያ ምላሽ ትህብ ዘላ።

    ኢራን ኣብቲ 20 ሚእታዊት ነዳድን ጋዝን ዓለምና ዝሓልፈሉ ኣገዳሲ መስመር ማይ እውን ብዓቢዩ ዕጽዋ ኣካይዳ፣ ብሰንኩ ድማ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ሰማይ ዓሪጉን ዋጋታት ንብረት ወሲኹን።

    እዚ ቅልውላው፡ ትራምፕ ኣብ መጋቢት፡ ኢራን ነቲ መጻብቦ ዳግማይ ክትከፍት ደጋጊሙ ገደብ ግዜ ከውጽእ ምኽንያት ኰይኑ። ብሰንበት'ውን ቅድመ-ዅነት ብምቕራብ ኣብ ትሩዝ ሶሻል መጠንቀቕታ ሂቡ።

  3. "ሰራዊት ኣመሪካ ንትራምፕ 'ኣይፋል' ክብል እንተዀይኑ ክንርኢ"- ኣማኻሪ ኦባማ ነበር

    ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ኦባማ ምክትል ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ነበር ቤን ሮድስ፡ ትራምፕ ኣብ ኲናት ኢራን ዝኽተሎ ዘሎ ኣቀራርባ "ንበይኑ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ክፍሊ ኰይኑ ውሳነታት ዝውስን ዘሎ ኰይኑ እዩ ዝስምዓካ" ክብል ነቒፉ።

    ኣቐዲሙ ንራድዮ 4 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ትራምፕ ኣብ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኣማኸርቲ ዝምርኮስ ኣይመስልን፣ ከምኡ'ውን "ንቡር መስርሕ" ዝኽተል መራሒ ከምዘይኰነ ገሊጹ።

    ሮድስ፡ ነቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ንሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጺ ኢራን ንምዕናው ዝሃቦ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ኣመልኪቱ፡ ገበናት ኲናት ክፍጽም ምዃኑ የፈራርሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

    "ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ ንትራምፕ ኣይፋል ክብል ድሉው እንተዀይኑ ክንርኢ ኢና" ድማ ይውስኽ።

    ትራምፕ፡ እዚ ኲናት ኣብ መኣዲ ዘተ ጥራይ ከም ዝውዳእ ክቕበል ኣለዎ ዝብል ሮድስ፡ ኢራን ብመጥቃዕትታት'ኳ እንተ ተዳኸመት፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ኣቢላ ግን ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ ቍጠባ ክህልዋ ዝኽእል ጽልዋ ርኢኻ ሓያል ከምዘላ ይዛረብ።

  4. ስለምንታይ'ዮም መድሃኒታት ምጕዳል ሰብነት ቅልጡፍ ፍታሕ ዘይኰኑ?

  5. ትራምፕ፡ ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ክትከፍት ጸርፊ ኣሰንዩ የፈራርሕ

  6. ምኒስተር ዜና ኤርትራ ብቐጻሊ ዝጠቕሳ 'ቍሸት ፖተምኪን' እንታይ'ያ?

  7. ኣመሪካን ኢራንን ነንሕድሕደን ‘ሲኦል’ ብምፍጣር ይሕነያ ኣለዋ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ኣብ ስምምዕ እንተዘይበጺሓ፡ “ሲኦል ከውርደላ” ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

    እዚ ድማ፡ እቲ ን10 መዓልታት ዝተናወሐ ገደብ-ግዜ ስምምዕ ስለዘብቅዕ እዩ።

    ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢራን፡ ጀነራል ዓሊ ዓብደላ ዓሊ ኣባዲ፡ ንዘረባ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ኣፍደገታት ሲኦል ክንኸፍተልኩም ኢና” ክብል ተሓንዩ።

    ኣመሪካን ኢራንን፡ ዝጠፍአ ኣባል ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሃድናሉ እዋን እየን ነንሕድሕደን ዝሕነያ ዘለዋ።

    ፕረዚደንት ትራምፕ ሕጂ እቲ ፓይለት ከምዝተረኸበ ኣፍሊጡ ኣሎ።

    ፕረዚደንት ትራምፕ ኣቐዲሙ፡ እቲ ናይ 10 መዓልታት ገደብ- ግዜ፡ ብዘይ ዝዀነ ስምምዕ ሰላም እንተ ኣብቂዑ፡ ማእከላት መመንጨዊ ፀዓት ኢራን ከጥቅዕ ክጅምር ምዃኑ ኣፈራሪሑ ነይሩ።

    ኢራን፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ኣብ ስምምዕ ክትበጽሕ እንተዘይክኢላ፡ ወይ ድማ መጻብቦ ሆርሙዝ እንተዘይከፊታ፡ “ሲኦል ኣብ ልዕሊኦም ክትወርድ እያ” ኢሉ።

    ነቲ ናይ ትራምፕ ገደብ-ግዜ ዝነጸገት ኢራን፡ ነቲ ምፍርራሕ ኣናኢሳቶ።

    ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ኢራን፡ ጀነራል ዓሊ ኣባዲ፡ ምፍርራሕ ትራምፕ “ናይ ረዳኢ ዝሰኣነ ሰብ ተግባር፣ ስንባደን ዕሽነትን” ክብል ኣንቋሺሹዎ።

    ወሃቢ ቃል ማእከላይ እዚ- ካታሚ ኣል-ኣንብያ፡ ኢብራሂም ዞልፋጋሪ፡ “እቲ መጥቃዕቲ እንተቐጺሉ፡ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ነቲ ዞባ ብምልኡ ናብ ሲኦል ክትቅይሮ እያ። ኣብኣ እትጥሕልሉ ዓዘቕቲ ክኸውን’ዩ” ክብል ተሓንዩ።

    ኣመሪካን እስራኤልን ንወተሃደራዊ፡ ጸዓትን ካልኦት ኢንዱስትርያዊ ቦታታትን ኢራን ዒላማ ምግባር ቀጺለን ኣለዋ።

    ኩዌት ብወገና፡ ክልተ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን መፅረዪ ማይን ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ከምዝተሃስዩ ኣፍሊጣ።

  8. ኣብ’ቲ ኣመሪካዊ ኣብራሪ ዝተረኽበሉ ከባቢ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ተቐቲሎም

    ሓደ ኢራናዊ ኣመሓዳሪ፡ ኣብ ደቡባዊ ዞባታት ኮህጊሉየን ቦየራህማድን፡ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።

    ብመሰረት ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ቦየር- ኣሕመድ፡ ኣባስ በሄሽቲ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሸሞንተ ድማ ቈሲሎም።

    በሄሽቲ፡ ብፍሉይ ንመንግስታዊማዕከን ዜና ኢርና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ሓደ ዞባ ዝርከባ ክልተ ከባቢታት- ካካንን ቬዝግን፡ ትማሊ ምሸት፡ "መጥቃዕቲ ጸላኢ ድሮን" ከምዝተፈጸመ ሓቢሩ።

    "ኣብ ከባቢ ካካን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት፡ ኣብ ቬዝግ ኣብ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድማ ሰለስተ ሰባት" ከምዝተቐትሉ በሄሽቲ ሓቢሩ'ሎ።

  9. ኣመሪካ: ኣብ ኢራን ተሃሪሙ ዝወደቐ ኣብራሪ ነፋሪት ውግእ ኣድሒና

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ዝወደቐት ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ዝነበረ ኣባል ሓይሊ ኣየር ከምዝተረኽበ ኣፍሊጡ።

    ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ኤፍ-15ኢ ስትራይክ ኢግል ኣብ መሬት ኢራን ከምዝተሓምሸሸትን፡ ክልቲአን ሃገራት ነቶም ኣብረርቲ ንምሓዝ ይይጓየያ ከምዝነበራን ይዝከር።

    ኣመሪካ፡ ኣብቲ ዕለት ንሓደ ካብቶም ፓይለታት ኣድሒና፡ ነቲ ካልኣይ ኣባል ኣየር ንምድሓን ድማ ኣብ መሬት ጸላኢ 'ሓደገኛ ስርሒት' ምድላይ እናካየደት ቀንያ።

    ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ነቲ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ፅሑፍ፡ “ረኺብናዮ ኣለና” ክብል ኣፍሊጡ። እቲ ጠፊኡ ዝቐነየ ኣብራሪ ነፋርቲ ውግእ፡ “ዋላ’ኳ እንተቘሰለ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት” ከምዘሎ ገሊጹ።

    “ኣብ ዝሓለፉ ሓያሎ ሰዓታት፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ዝያዳ ተባዕ ስርሒት ምድላይን ምድሓንን ኣካይዱ” ኢሉ።

    ትራምፕ፡ እቲ “ኣብ ሓደገኛ ኣኽራናት ኢራን ኣብ መስመር ጸላኢ፡ ብፀላኢ እናተሃደነ" ዝነበረ ዝበሎ ኣባል ሓይሊ ኣየር፡ “ኣዝዩ ክቡር ኮሎኔል” ክብል ገሊጽዎ።

    ሓይልታት ኣመሪካ “24 ሰዓታት ይከታተልዎ ከም ዝነበሩ” ተዛሪቡ።

    ትራምፕ፡ ካብ ምምሕዳሩ ወግዓዊ መረጋገጺ ብዛዕባ ዘይተውሃቦ’ቲ ቀዳማይ ፓይሎት ድማ ጠቒሱ ኣሎ።

    ብዛዕባኡ ዝኰነ መረጋገፂ ዘይተውሃበ፡ ኣብ ኣለሻ ናይቲ ካልአዋይ ፅልዋ ከይፈጥር ብዝብል ምዃኑ ገሊፁ። ንሱ ወሲኹ፡ “ንሓደ ወተሃደር ኣመሪካ ፈፂምና ኣይንገድፎን” ኢሉ።

    ብመሰረት ትራምፕ፡ እቲ ኣብ መሬት ኢራን ዝተኻየደ ናይ ምድሓን ስርሒት “ሓደ ኣመሪካዊ ከይሞተ ወይ ከይተጎድአ” ከም ዝተኻየደ ሓቢሩ።

    ነቲ “ኣብ መስመር ጸላኢ ዝነበረ ኣመሪካዊ ወተሃደር ንምድሓን፡ “ብዙሓት ነፈርቲ” ከምዝተዋፈራ እውን ገሊጹ።

    እቲ ብኣሜሪካ ዝደሓነ ፓይለት፡ ብመንግስቲ ኢራን እውን ይእለሽ ከምዝነበረ ይዝከር።

    ሰራዊት ኢራን ነቲ ኣመሪካዊ ወተሃደር ንዝረኸበ ሰብ ልዕሊ 66 ሽሕ ዶላር ሽልማት ከምዝወሃቦ ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢራናውያን ናብቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን ዝርከብ ኣኽራናት ክተሙ የርእዩ።

  10. ኣመሪካ 'ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም' ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳ ሰጒጋ

  11. ካብ ሕማም ሽኮር ንምሕዋይ ተስፋ ዝህብ ሓድሽ ኣገባብ

  12. ኣንጻር ጾታ እንቅርዖብ ዝያዳ ዘቀራርብ ዘሎ ኵነታት ኣየር

  13. ክልተ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ብኢራን ተሃሪመን ከም ዝወደቓ ይግለጽ ኣሎ

    ትማሊ ዓርቢ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ኤፍ-15E ነፋሪት ውግእ ከም ዝወደቐት፣ ከምኡ’ውን ምስኣ ዝነበረ ደሃዩ ዝጠፍአ ሓደ ወተሃደር ንምርካብ ኣመሪካን እስራኤልን ይጓየያ ከም ዘለዋ ይፍለጥ።

    ኣብራሪ ናይታ F-15E ክድሕን እኳ እንተ ከኣለ፡ ሓደ ሓላፊ ስርዓታት ተዅሲ ግን ክሳብ ሕጂ ደሃዩ ኣይተረኽበን።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኢራን ካልኣይቲ ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ከም ዘውደቐት ትገልጽ።

    ማዕከናት ዜና ኣመሪካ፡ ነታ ፈላመይቲ ዝወደቐት ነፋሪት ንምድላይንንምድሓንን ስርሒ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ኤ-10 ዋርቶግ ከም ዝተሃርመት ይገልጻ።

    ኣብራሪ ናይዛ ነፋሪት ግን ከም ዝደሓነ ጸብጻባት ሲቢኤስ ይሕብር።

  14. 'እቶም ካብ ርሑቕ ዓዲ ዝመጹ ፕሮፈሰር'

  15. ሕቡራት ሃገራት ኣብ ካርቱም ዝርከብ ዋና ቤትጽሕፈቱ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዳግማይ ከፊቱዎ

    ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ውግእ ሓድሕድ ሱዳን ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ዋና ቤትጽሕፈቱ ብሓሙስ ከም ዝኸፈተ ማዕከናት ዜና ሱዳን ሓቢረን።

    ሕቡራት ሃገራት ኣብ ፖርትሱዳን ኰይኑ እዩ ንጥፈታቱ ከሰላስል ጸኒሑ።

    ኣብቲ ዳይማይ ናይ ምኽፋት ስነስርዓት፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ምሕየዲን ሳልምን ኣመሓዳሪ ካርቱም ኣሕመድ ዑስማን ሓምዛን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ምስ ሰበስልጣን ኣህጉራዊ ትካላትን ዝተፈላለዩ ኤጀንሲታትንን ተረኺቦም።

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ምሕያዲን ሳልም፡ ሕቡራት ሃገራት ካብ ንጥፈታቱ ኣብ ካርቱም ዳግማይ ንምጅማር ንዝወሰኖ ውሳነ ብምንኣድ፡ “ንሃገርና ታሪኻዊ መዓልቲ፡” ክብል ገሊጹዎ።

    "ብመንገዲ እዚ ጽንብል ኣቢልና፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንዝርከቡ መሳርሕትና ንምርግጋእ ሱዳን ጐድኒ ንጐድኒ ኴንና ንሰርሕ ከም ዘለና መልእኽትና ነመሓላልፍ፡” ኢሉ።

    መንግስቲ፡ንሰላም ከም ዝጽውዕን ንዅሉ ኣህጉራዊ ተበግሶታት ብሓጐስ ከም ዝቕበሎን’ውን ኣመልኪቱ።

    እቲ ምኒስተር ወሲኹ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ንሱዳን ካብ ኣባልነቱ ንምእጋዳ ዝወሰዶ ስጕምቲ ዳግማይ ክግምግሞ ብምጽዋዕ፡ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኣብታ ሃገር ምርግጋእ ንምንጋስ ዝያዳ ጭቡጥ ስጕምትታት ክወስድ ኣተሓሳሲቡ።

  16. ኣመሪካን ኢራንን ካብ ዝተወቕዐት ነፋሪት ንዝጠፍአ ወተሃደር ኣመሪካ ንምርካብ ይቀዳደማ

    ልዕሊ ወርሒ ኣቝጺሩ ኣብ ዘሎ ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ ንፈለማ ግዜ ሓንቲ ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ተወቒዓ ድሕሪ ምውዳቓ፡ ካብኣ ንዝወረደ ኣመሪካዊ ንምርካብ ኣመሪካን ኢራንን ይጓየያ ኣለዋ።

    እታ ኤፍ-15E ዝተባህለት ኣብ ሰማይን ምድርን እተጥቅዕ ነፋሪት ምስ ተሃርመት፡ ሓደ ካብ ኣብረርታ ብሓይልታት ኣመሪካ ተረኺቡ ክድሕን እንከሎ፡ ካልእ ኣካል እቲ በረራ ዝነበረ ሓደ ሓላፊ ስርዓተ ተተኳሲ ግን ከም ዝጠፍአ ሰበስልጣን ኣመሪካ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ሓቢሮም።

    ኣሃዱ ተልእኾታት ምድላይን ምድሓንን ድማ ነቲ ዝጠፍአ ወተሃደር ንምርካብ ኣብ ውሽጢ ኢራን ስርሒት ይገብር ከም ዘሎ እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ ይገልጽ።

    ኣብ ምድሓን ዝተዋፈራ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ኢራን ትሒተን ክበራ ከም ዝተራእያ'ውን ጸብጻባት ይሕብሩ።

    ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸቢታት ኢራን ብወገነን፡ ዝተሰባበረ ኣካላት እታ ነፋሪት ድሕሪ ምውጽአን ነቲ ኣባል ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት ሒዙ ዘረከበ ሰብ 66,100 ዶላር ግንዖ ክወሃቦ ብሰብመዚ ኢራን ቃል ከም ዝተኣትወ ኣቃሊሐን።

    እተን ማዕከናት ዜና ወሲኸን፡ እቲ ኣባል ናይታ ዝተወቕዐት ነፋሪት ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኢራን ክዓልብ ከም ዝኽእል ግምታተን ኣቐሚጠን።

  17. ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ ዳግማዊት፡ መሰጥቲ ኣሳእል ዓለምና ክሰዱ ጀሚሮም

  18. ኢብራሂም ትራኦረ፡ ቡርኪናፋሶ ንደሞክራሲ ክትርስዖ ኣለዋ ኢሉ

  19. ኣመሪካን ኢራንን ካብ ዝተወቕዐት ነፋሪት ንዝጠፍአ ወተሃደር ኣመሪካ ንምርካብ ይቀዳደማ

  20. ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ተሃሪማ ወዲቓ

    ሓንቲ ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ተሃሪማ ከምዝወደቐት ተረጋጊጹ።

    ዋይት ሃውስ ንምውዳቕ ናይታ ነፋሪት ብዝምልከት ንማዕከናት ዜና ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ተነጊሩዎ ከምዘሎ ጠቒሱ።

    ሓደ ካብ ኣብረርቲ ናይታ ነፋሪት ብሓይልታት ኣመሪካ ተረኺቡ ከምዝደሓነ'ውን ሰብመዚ ኣመሪካ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነ ማዕከን ዜና ሲ-ቢ-ኤስ ሓቢሮም ኣለዉ።

    እታ ነፋሪት 'ኤፍ-15E ስትራይክ ኢግል' ዝተባህለት ኮይና ኣብ ሰማይን ምድርን ከተጥቅዕ እትኽል እያ።

    ኣቐድም ኣቢሉ፡ ዝተሰባበረ ኣካላት እታ ነፋሪት ብመንገዲ ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኢራን ወጺኡ ነይሩ'ዩ።

    እዚ ኲናት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ንፈለማ እዋን'ያ ነፋሪት ኣመሪካ ተሃሪማ ወዲቓ ዘላ።

    ኣብ መጀመርታ መዓልታት ሰለስተ ተመሳሰልቲ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ኣብ ባሕሬን "ብናይ ወገን" ግጭት ተሓምሺሸን ምንባረን ግን ኣይርሳዕን።

    ኣብ ምድሓን ዝተዋፈራ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ኢራን ትሒተን ክበራ ከምዝተራእያ'ውን ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ማዕከናት ዜና ኢራን ከምዝሓበርዎ፡ ንዝኾነ ኣባል ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት ሒዙ ዘረከበ ሰብ ናይ $50,000 ዶላር ጉንዖ ክወሃቦ ከምዝኾነ ሰብመዚ ቃልኣትዮም ኣለዉ።

    እንተኾነ፡ ክንደይ ኣባላት ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ብንጹር ዝተረጋገጸ የለን።