ሕቡራት ሃገራት ስኣን ገንዘብ ናይ 'ምፍራስ' ሓደጋ ኣጋጢምዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕቡራት ሃገራት ፋይናንሳዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣጠንቂቑ።
ንኹለን 193 ኣባል ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ እቲ ኩነታት ንፕሮግራማት እቲ ውድብ "ኣብ ሓደጋ" ኣእትይዎ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኩለን ኣባላት ሃገራት፡ ዝግብአን ክፍሊት ክህባ ወይ ዝኸፍአ ምፍራስ ከየስዕብ ንፋይናንሳዊ ቅጥዒ እቲ ውድብ ክልውጣ ጸዊዑ'ሎ።
እታ ንምዕቃብ ሰላምን ስሩዕ ባጀትን እቲ ውድብ ዝዓበየ ኣበርክቶ እትገብር ኣመሪካ ምኽፋል ብምእባያን ካብ ገለ ትካላት እቲ ውድብ ድሕሪ ምስሓባን'ዩ እቲ ኩነታት ተፈጢሩ ዘሎ።
ብዙሓት ካልኦት ሃገራት'ውን ክፍሊተን ተደናጒዩ ወይ ምኽፋል ኣብየን ኣለዋ።
"ህጹጽነት ናይቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ካብዚ ንላዕሊ ክገልጾ ኣይክእልን እየ። ብዘይኣከብናዮ ገንዘብ ባጀት ክንምድብ ይኹን ክንመልስ ኣይንኽእልን ኢና" ዝበለ ጉተረዝ፡ ብመሰረት ዝስራሓሉ ዘሎ ሕጊ ኣብ ጥቕሚ ዘይውዓለ ገንዘብ ክምለስ ዘገድድ ምዃኑ ኣብሪሁ።
ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝምራሕ ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ሕቡራት ሃገራት ዝተገብረሉ ትጽቢታት ዘፍሸለ ብምዃኑ፡ ገንዘብ ምሃቡ "ምብኻን ገንዘብ ከፈልቲ ግብሪ እዩ" ብምባል'ዩ ዝምጉት።
ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣመሪካ፡ ንሰብኣዊ ፕሮግራማት ናይቲ ውድብ ዝውዕል 2 ቢልዮን ዶላር ከምእትህብ ገሊጻ'ኳ እንተነበረት፡ ምስቲ ኣብ 2022 ዝሃበቶ 17 ቢልዮን ክነጻጸር እንከሎ ሰማይን ምድርን'ዩ።






















