መጥቃዕቲ ኢራን ይገድድ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ይነድድ፡ ትራምፕ ተስፋን መጠንቀቕታን ይሰድድ

ትራመፕ፡ ኢራን ንመፃብቦ ሆርሙዝ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት እንተዘይከፊታቶ፡ ን መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ'ታ ሃገር ክድምስስ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ኣመሪካ ተወሰኽቲ ወተሃደራት፡ ነፈርቲ ውግእን መራኽብ ኲናትን ናብቲ ዞባ ተበግስ ከምዘላ እዩ ዝንገር። ኢራን ብወገና መጥቃዕትታታ ቀጺላቶ'ላ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ግዳይ ከምዝኾነ ይንገር ኣሎ። ብዛዕባ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ሓደሽቲ ምዕባለታት ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና፤

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይፕ ኤርዶጋን ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ

    ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይፕ ኤርዶጋን ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣተወሉ

    ምንጪ ስእሊ, EBC

    ወግዓዊ ምብጻሕ ከካይድ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ መራሒ ቱርኪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ "ታሪኻዊ ወግዓዊ ምብጻሕ" ክብል ዝገለጾ ዑደት ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ቱርኪ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ተገዳስነትን ረብሓታትን ዘመልክት'ዩ።

    ክልቲኦም መራሕቲ ንግዜኡ ዝተፈላለየ ስምምዓት ድሕሪ ምፍራሞም ጋዜጣዊ መብርሂ ክህቡ ትጽቢት ይግበር።

    እቲ፡ ብኣቡዳቢ ኣቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከቕንዕ መደብ ዝነበሮ መራሒ ኤርዶጋን፡ እቲ ናይ ሰኑይ ናይ ኢማራት መገሻኡ ተሰሪዙ እዩ።

    ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ቱርኪ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕ እስያን ዘይነዓቕ ተሰማዕነት ረኺባ እያ።

    ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ኣቓልቦ ሃገራት ምዕራብን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝስሕበሉ ዘሎ እዋን'ዩ ኤርዶጋን ነቲ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ።

    ቱርኪ ብፍላይ ምስ ሶማልያ ሓያል ቍጠባዊን ጸጥታዊን ርክብ መስሪታ ምህላዋ ይፍለጥ።

  2. ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ኵናት ከይልዓል ስግኣታት ይውስኽ ኣሎ

    ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሓያል ምንቅስቓስ ሰራዊት ፌደራልን ሓይልታት ክልላትን ይረአ ብምህላዉ፡ ዳግማይ ኵናት ከይልዓል ስግኣት ከምዘሎ ሓደ ዲኢፕሎማት ዘለዎ ዓቢ ስገኣት ገሊጹ።

    ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ፡ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ምልውዋጥ ተዂሲ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

    ሰብ መዚ ትግራይ፡ እቶም ብሰንኪ እቲ ካብ 2020 ክሳብ 2022 ዝተኻየደ ኵናት፡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈናቐሉ ኣማኢት ኣሽሓት ናብ ቤት ንብረቶም ክምለሱ’ዮም ዝጠልቡ ዘለዉ።

    እቲ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፌደራል ምስ መላፍንቱን ንኽልተ ዓመታት ዘካየድዎ ኵናት በቲ ኣብ መወዳእታ 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ከምዝተዛዘመ ይዝከር።

    እንተዀነ እቲ ውዕል ክሳብ ሕጂ ብምሉእነት ከምዘይተተግበረ’ዩ ዝግለጽ፡ ንዘይምትግባሩ ኸኣ ሰብ መዚ ትግራይን ሰብ መዚ ፌደራልን ንሓድሕዶም’ዮም ዝካሰሱ።

    ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኵናት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ከምዝሃለቐ ይግለጽ።

    ኣብዚ እዋን እቶም ኣብ እዋን ኵናት ትግራይ መላፍንቲ ዝነበሩ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ዝኸፈአ ዲፕሎማሳዊ ምስሕሓብ’ዮም ዝርከቡ።

    እቲ ምኽንያት፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ኤርትራ ንተቓወምቲ ትሕግዝን ተዐጥቕን ብምባል ትኸስስ።

    ኣስመራ ብወገና፡ ኢትዮጵያ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ብምልዓል ንልኡላውነተይ ትግህስ ኣላ ብምባል ትወቕሳ።

    ሓይልታት ትግራይ ኣብ እዋን ኵናት

    ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA

  3. ፍሉጥ ጸሊም ኣመሪካዊ ተቓላሳይ ሲቪካዊ መሰላት ጀሰ ጃክሰን ዓሪፉ

    ጀሰ ጃክሰን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መራሒ ቃልሲ ንሲቪካዊ መሰላት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ጀሰ ጃክሰን ኣብ መበል 84 ዓመቱ ዓሪፉ።

    ሰዓቢን ብጻይን ውሩይ ተሓላቒ መሰላት ጸለምቲ፡ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝነበረ ጃክሰን ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓቢ ጽልዋ ዝነበሮ እዩ።

    ኣብ 2017 ብሕማም 'ፓርኪንሰንስ' ድሕሪ ምጥቅዑ ዳርጋ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተኸዊሉ'ዩ ጸኒሑ።

    ኣብ 1984 ከምኡ'ውን 1988 ፈላሚ ጸሊም ፕረዚደንት ኣመሪካ ንምዃን ተወዳዲሩ ምንባሩ'ውን ይዝከር።

    ቤተሰቡ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "ሰሉስ ንጉሆ፡ ብስድራቤቱ ተኸቢቡ ብሰላም ዓሪፉ" ክብሉ ኣፍሊጦም።

    "ኣቦና፡ ዘይሃስስ ታሪኽ ገዲፉ" ሓሊፉ ኣሎ ክብል'ውን እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

    እቲ ሃይማኖታዊ መራሒ'ውን ዝነበረ ጃክሰን፡ ብዓልቲቤቱ ጃኲሊን፡ ከምኡ'ውን ሰለስተ ደቁን ሓዲጉ'ዩ ሓሊፉ ዘሎ።

  4. ህይወት ብዙሓት ሰባት ዝቐዘፈ መጥቃዕቲ ናይጀርያ

    ዝነደደት ሞተር ብሽክለታ ኣብ ሓደ ገዛውቲ ዝራኣየሉ ሜዳ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ናይጀርያ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም።

    እቲ ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ እታ ሃገር እትርከብ ዞባ ኒጀር ዘጋጠመ ኩነታት ኣብ ሞተር ብሽክለታ ብዝተሰቕሉ ዕጡቓት ዝተፈጸመ ምዃኑ ሰብመዚ ሓቢሮም።

    ብዙሓት ካልኦት ተጨውዮም ከምዝተወስዱ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

    ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ኣብቲ ከባቢ ጂሃዳውያን ዕጡቓት ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ተቐቲሎም ምንባሮም ይፍለጥ።

  5. ሓደስቲ ምዕባለታት ኢራን፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ጉዳይ ኑክሌር

    በንጃሚን ነታንያሁ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኢራን፡ ኣብ ጉዳይ ምምባል ኑክሌር ሕድገታት ክትገብር ቅርብቲ ምዃና ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

    ማጂድ ታክት-ራቫንቺ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዘንበረቶ እገዳ እንተ ኣልዒላቶ ስምምዕ ንምግባር ድልውቲ ምዃና ተዛሪቡ።

    "ስምምዕ ክገብሩ ድለዋት ንምዃኖም ንምርግጋጽ [እታ ኩዕሶ] ኣብ ሜዳ ኣመሪካ እያ ዘላ" ዝበለ እቲ ሚኒስተር ቅኑዓት እንተኾይኖም "ብርግጽ ናብ ጎደና ስምምዕ ከነምርሕ ኢና" ኢሉ።

    ኢራን ነቲ ድሮ ናብ 60% ዘማዕበለቶ ዩራንዮም ከተቃጥኖ ቅርብቲ ምዃና ከምዘፍለጠት'ዩ ማጂድ ጠቒሱ ዘሎ። ምሉእ ብምሉእ ዝማዕበለ ዩራንዮም ኪኖ ንጸዓት ዝውዕል ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምስራሕ'ውን ዘገልግል'ዩ።

    ክልቲአን ሃገራት ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ኣብ ዖማን ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ኣካይደን ምንባረን ይዝከር።

    ሰበስልጣን ኣመሪካ ብወገኖም፡ ናብቲ ዝድለ ከይብጻሕ ዕንቅፋት ዝኾነት ኢራን ምዃና'ዮም ዝኸሱ።

    ቴህራን ስምምዕ ንምግባር ቅርብቲ እንተዘይኮይና ሓይሊ ከምዝጥቀም ከፈራርሕ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግን እቲ ዝርርባት ተስፋ ኣለዎ ብሃላይ እዩ።

    ካልኣይ ዙር ድርድር ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኣብ ጀነቫ (ስዊዘርላንድ) ክካይድ ትጽቢት ይግበረሉ። ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ወከልቲ ክልቲአን ሃገራት ድሮ ናብ ጀነቫ ኣትዮም ኣለዉ።

    ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ፡ ምርጫ ትራምፕ ስምምዕ ምግባር ምዃኑ ብምግላጽ ናይ ሓይሊ ኣማራጺ ኣብ ቦታኡ ከምዘሎ ኣሚቱ።

    እስራኤል ብወገና፡ ቴህን ምምዕባል ዩራንዮም ጠቕሊላ ከተቋርጽ'ያ ትደሊ።

    ኢራን ነቲ ድሮ ኣማዕቢላቶ ዘላ ዩራንዮም ብምርካብ ድሕሪ ደጊም ካብቲ ተግባር ክትዕቀብ ዋሽንግተን ከተገድዳ ኣለዋ ክብል'ዩ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ዝምሕጸን ዘሎ።

  6. ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሰብሞያ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ክምርመር ሓቲቱ

    ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ብጎንፂ ዝተዓብለለ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ትካላት ጥዕናን ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ።

    ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ወግዓዊ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ መግለጺ፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ብቕትለት፡ ማእሰርትን መግረፍትን ሓዊሱ ዒላማ ኮይኖም ከምዘለዉ ጸብጻባት ብምጥቃስ ነቲ ተግባር ኮኒንዎ።

    ዶክተር ቴድሮስ፡ ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ ዶክተር ጸጋሁን ስሜ ዝተባህለ ሓኪም ኣብ ከተማ ባህርዳር ብሓይልታት ጸጥታ ተጨውዩ፡ ደሓር ሞይቱ ከምዝተረኽበ ኣመልኪቱ።

    ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዕጡቓትን ብዝቐጸለ ጎንጺ፡ "ሆስፒታላት ዓንየን፡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ድማ ህይወቶም ስኢኖም" ኢሉ።ብሰንኪ ምቍራፅ ኣገልግሎት ኢንተርኔት፡ ሙሉእ ሓበሬታ ምርካብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ዘመልከተ ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ፍጻመታት ህጹጽን ነጻን መርመራ ክካየድ ጸዊዑ።

    ትካላት ጥዕናን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ዒላማ መጥቃዕቲ ክኾኑ ከምዘይብሎም እውን ኣስሚሩሉ።

    ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ፡ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ሓዊሱ፡ ንብዙሓት ሲቪላዊ መሰረተ ልምዓት ከምዘዕነወ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ብፍላይ ሰራሕተኛታት ጥዕና ብኽልቲኡ ወገን ዒላማ ይኾኑ ከምዘለዉ ፀብፃባት ይሕብሩ።

    ኣብቲ ክልል፡ ምስቲ ጎንፂ ብዝተኣሳሰር ንማሕበረሰብ ዘገልግሉ ሰብ ሞያ ጥዕናን ትምህርትን፡ ቅትለት፡ ጭውያ፡ ማእሰርትን መግረፍትን ከም ዝበጽሖም ይግለጽ።

    ፌደራል መንግስቲ ንክልላዊ ሓይልታት ሓዊሱ ፍሉያት ሓይልታት ኣጽዋር ንምፍታሕ ዝወሰዶ ውሳነ ስዒቡ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ውግእ ካብ ዝጅምር ልዕሊ ክልተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ።

  7. “ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝተፈላለየ ኣማራጺ ወደብ የድልየን'ዩ”- ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

    ከም ኢትዮጵያ ልዕሊ 130 ሚልዮን ህዝቢ ዘለወን ሃገራት፡ ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋጽ ዝተፈላለዩ መዳረግቲ ወደባት ከምዘድልየን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጹ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መበል 39 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ብሰላማዊ ምትሕብባር ውሑስ ተበጻሕነት ባሕሪ ምርግጋጽ "መሰረታዊ" ምዃኑ እዩ ኣመልኪቱ።

    ብተወሳኺ "ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንመጻኢ ቁጠባዊ ምዕባለን ነዊሕ ንዝጸንሕ ምርግጋእን" ውሑስ ኣፍደገ ባሕሪ ክረኽባ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ገሊጹ።

    ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለምለኻዊ ምስግጋር ኢና ንርከብ ዝበለ ኣብይ፡ ኣብዚ ርጉጽነት ዝጠፍኣሉ ዘመን፡ ሓይሊ ኣፍሪቃ ኣብ ርእሰ-ምትእምማንን ብሓባር ኣብ ዝቀውም ሓድነትን ዝምርኮስ እዩ ኢሉ።

    ኢትዮጵያ፡ ንኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ድሌታ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ። ቅድሚ ሕጂ ኣብይ፡ 130 ሚልዮን ህዝቢ "እሱር ጂኦግራፊ" ክኸውን የብሉን ምባሉ ዝዝከር እዩ።

    ኣብይ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ንኢትዮጵያ “ናይ ህልውና ጉዳይ” ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ሃገሩ ምስ ጎረቤት ኤርትራ ናብ ምስሕሓብ ኣትያ ትርከብ።

    “ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝተለፈላየ ኣማራጺ ወደብ የድልየን'ዩ”- ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

    ምንጪ ስእሊ, PM Office

  8. ኬንያ ድሕሪ 15 ዓመታት ምስ ሶማልያ ዘራኽባ ዶብ ክትከፍት እያ

    ወተሃደራት ኬንያ

    ምንጪ ስእሊ, Washington Post via Getty Images

    ኬንያ ኣብ ሶማልያ ዝመደበሩ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ቅድሚ 15 ዓመታት ዝዓጸወቶ ዶብ ሶማልያ ዳግማይ ክትከፍቶ ምዃና ገሊጻ።

    ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ብሰንኪ መጥቃዕቲ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ን15 ዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶብ ክልአቲን ሃገራት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዶብ ክኽፈት ምዃኑ ኣፍሊጡ።

    እቲ ኣብ ሶማልያ ዝመደበሩ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ኬንያ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ኣካይዱ።

    ካብዚኣቶም ኣብ 2013 ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ዕዳጋ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 67 ሰባት ቀቲሉ።

    ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዩኒቨርሲቲ ጋሪሳ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድማ 148 ሰባት ከም ዝቐተለ ይዝከር።

    እቲ ዶብ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2023 ክኽፈት መደብ ተታሒዙሉ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ውጥን ግን ብሰንኪ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከም ዝተናወሐ ይፍለጥ።

    ሩቶ፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ጸጥታዊ ዳግመ ግምት፡ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝርከብ ዶባት ዳግማይ ክኽፈት ኣብ ውሳነ ከም ዝተበጽሐ ሓቢሩ።

    እቲ ስጉምቲ ጸጥታ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ከቢድ ምውፋር ሓይልታት ጸጥታ ዘጠቓልል ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ።

    ኬንያ፡ ብሸነኽ ዶብ ዘይሕጋዊ ኣጽዋርን ካልእ ኣቝሑን ብኮንትሮባንድ ይሰግር እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዋ።

    ብዘይካ’ቲ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዌስትጌት ሞልን ዩኒቨርሲቲ ጋሪሳን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ​​ኣልሸባብ ኣብ 2014 ኣብ ምምሕዳር ማንዴራ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣውቶቡስ 28 ሰባት ከም ዝቐተለ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ድማ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ሆቴል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 21 ሰባት ተቐቲሎም።

    ኣብ 2015 ኬንያ ዕጡቓት ንኸይኣትዉ ኣብ ዶብ 680 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ሓጹር ክትሃንጽ መደብ ከም ዘለዋ ኣፍሊጣ እኳ እንተነበረት፡ እቲ ውጥን ግን 10 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ናይ ሽቦ ሓጹር ምስ ሰረሐት ተቛሪጹ።

    እቲ ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሐ ህንጸት እቲ 10 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ሓጹር 35 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ከም ዝሓተተ ይግለጽ።

  9. ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ተራኺቡ

    ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ወሊድ ዓብደልከሪም ኣልኸሪጂ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ምንሲተር ዑስማንን ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ደንደን - ኣስመራ ኮፍ ኢሎም እናተዘራረቡ

    ምንጪ ስእሊ, MOI

    ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ወሊድ ዓብደልከሪም ኣልኸሪጂ ብሓሙስ 12 ለካቲት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ከም ዝተዘራረበ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኤርትራ ገሊጸን።

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዑደት ናይቲ ብምክትል ምኒስተር፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ንምዕማቝ፡ ኣብ ዞባውያን ዓለማውያን ጉዳያት ሓባራዊ ራእይ ብምዅስኳስ ዝያዳ ምምዕባሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዝገለጸሉ ወሲኸን ይገልጻ።

    እቲ መግለጺ ቀጺሉ፡ ክልተኦም ወገናት ኣብቲ ቅልጡፍ ምዕባለ ዝርኣዮ ዘሎ ዞባ፡ መዳውብቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝዀና ሃገራት ሰላምን ምርግጋእን ብዛዕባ ምርግጋጽ ዝምልከት ዓሚቝ ዘተ ድሕሪ ምክያድ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ስዑድያን ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ጸጥታዊ፡ ባህላውን ማሕበራውን መዳያት ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዓት ንምንጥጣፍ ብግብሪ ክስራሕ ከም ዝተረዳድኡ የብርህ።

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ9 ታሕሳስ 2025 ንኣርባዕተ መዓልቲ ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዑደት ብምክያድ ምስ ወራሲ ዓራት ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ተራኺቡ ከም ዝተዘራረበ ይዝከር።

  10. ፕረዚደንት ሶማልያ፡ 'ገለ ጐረባብቲ ሃገራት' እስራኤል ንሶማሊላንድ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ብምድጋፍ ከሰሱ

    ፕረዚደንት ሶማልያ

    ምንጪ ስእሊ, Villa Somalia

    ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ብሽምም ዘይጠቐሰን "ጐረባብቲ ሃገራት"፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ይድግፋ ኣለዋ ክብል ከሲሱ።

    እቲ ፕረዚደንት ምስ ኣብ ለንደን እትርከብ ጋዜጣ ኣ'ሸርቕ ኣል-ኣውሰጥ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እተን ሃገራት፡ ንረብሓአን ክብላ እስራኤል ንሶማሊላንድ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክምዝምዛ ይጽዕራ ኣለዋ ክብል ከሲሱ።

    ፕረዚደንት ሓሰን ኣብቲ ዘቕረቦ ክሲ ስም ዝዀነት ሃገር ኣይጠቐሰን፤ “ገለ ዞባዊ ሃገራት ነዚ ዕድል ተጠቒመን ንሓድነት ሶማልያን ዞባዊ ምርግጋእን ኣብ ሓደጋ ብምእታው ጸቢብን ሓጺርን ረብሓታተን ከዐውታ እየን ዝደልያ፡" ኢሉ።

    “ሽም ዝዀነት ሃገር ክጠቅስ ኣይደልን እየ፡” ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፣ “እንተዀነ ገሊኦም ነዚ ኣፍልጦ ውሱን ረብሓ ዝረኽብሉ ዕድል ገይሮም ክሪእዎ ይኽእሉ እዮም፡” ኢሉ።

    እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ፡ ነታ ሶማልያ ከም ኣካል ግዝኣታ እትቘጽራ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃባ፡ ብዙሓት ንሶማልያ ዝድግፋ ሃገራትን ትካላትን ተቓውሞአን ገሊጸን እየን።

    ይዅን እምበር ኣብ መንጐ ጎረባብቲ ሃገራት ሶማልያ፡ ኢትዮጵያን ኬንያን ክሳብ ሕጂ ተቓውሞአን ይኹን ደገፈን ብግልጺ ኣየርኣያን።

  11. ህወሓት፡ ንኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ተማሕጺኑ

    ደብረፅዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር) - ኣቦ መንበር ህወሓት

    ምንጪ ስእሊ, Woyn

    ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዘሎ ምትፍናን ኣብ ድርኵኺት ሓድሽ ኲናት በጺሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን ህወሓት፡ ናብ እዋናዊ ኣቦመንበር ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ዝዀነ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኣንጐላ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።

    እቲ ብኣቦመንበር ዶ/ር ደብረጽዮን ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ዝሓለፈ ደማዊ ኲናት ትግራይ ንምዕራፍ ዝተጻወቶ ታሪኻውን ወሳንን ተራ ብምጥቃስ፡ ኣብ ትግባረኡ ድማ ዓቲቡ ክሰርሕ ዘዘኻኽር እዩ።

    እቲ ብውዕል ፕሪቶሪያ ዝፍለጥ ክልቲኦም ወገናት - መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን - ብኣሳላጥነትን ተዓዛብነትን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ካልኦትን ዝፈረምዎ ውዕል ምቍራጽ ተጻብኦታት ብኸፊል ከምዝተተግበረ ዘመልከተ ደብዳበ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ኣብዚ እዋን ብዝግበር ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ፡ ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝርገት ሰላም ምእታው ስክፍታኡ ገሊጹ።

    እዚ ስለዝዀነ ድማ፡ እቲ እዋናዊ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ይዅን ተሳተፍቲ ናይቲ ዋዕላ ዝዀና ኣባል ሃገራት፡ ቀያድነት ናይቲ ውዕል [ፕሪቶሪያ] ኣብ ግምት ብምእታው ጸቕጢ ክገብራ ጸዊዑ።

    ኣብ ርእሲኡ፡ ተቘጻጻሪ ጕጅለ ትግበራ ሕብረት ኣፍሪቃ ዕማማቱን ሓላፍነቱን ከም ውጽኢቱ ድማ ጸቕጢ ናይ ምግባር ስልጣኑ ክሕይል፤ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ንምምላስ ዝሕግዙ ኵነታት ምምችቻእ፡ ውሕስ ምምላስ ተመዛበልትን ድሕነቶም ምርግጋጽን ንኽከኣል ዘድሊ ደገፍ ክግበር ሓቲቱ።

    ህጹጽነት ናይቲ ዝኸርር ዘሎ ኣሰካፊ ኵነታት ሓደጋኡ ዓቢ ምዃኑ ብምዝኽኻር ድማ፡ እቶም ፈረምቲ ኣካላት ብመሰረት እቲ ዝኣተውዎ ውዕል ፖለቲካዊ ዝርርብ ንኸካይዱ ብዘይውዓል-ሕደር ዘድሊ ምቅልጣፍ ክግበር፡ ነቲ "ኣፍሪቃዊ ብድሆ ኣፍሪቃዊ ፍታሕ" ዝብል መትከል ንምትግባር እዋናዊ ኣቦመንበር ሓላፍነቱ ክዋጻእ ሓቲቱ።

    ኣብዚ ቅንያት፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ከቢድ ምትፍናን ከምዘለዉን ሓሓሊፉ ኣብ ገለ ቦታታት ግጭት ከምዝተራእየን ዝዝከር ኰይኑ፡ ሰራዊት ፈደራል ናብ ዶባት ትግራይ ሰራዊት የጸግዕ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

    መበል 39 ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ቀዳም 14 ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ኰይኑ፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ኲናት ሓደ ካብ ኣጀንዳታት ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

  12. ዕጡቓት ፋኖ፡ ንከተማ ደብረታቦር ተቘጻጺሮም ደሓር ግን ከም ዝለቐቝ ይንገር

    ዕጡቕ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ዕጡቕ

    ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ርኡይ ወተሃደራዊ ምስፍፋሕ ከምዝገበሩን ንከተማ ደብረታቦር ተቘጻጺሮም ከምዝነበሩ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓቢረን።

    ደጋፊ ተቓወምቲ ከምዝዀነ ዝእመን- ኢትዮ ኒውስ፡ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ሓያሎ ከባቢታት እቲ ክልል ድሕሪ ምስሓቡ፡ ሓይልታት ፋኖ ገለ ወረዳታት ባህርዳርን ካልኦት ሓያሎ ከባቢታትን ከምዝተቘጻጸሩ ሓቢሩ።

    ዕጡቓት ፋኖ፡ ነታ ስትራተጅያዊት ከተማ ምስ ሓዙዋ ብነፈርቲ ከምዝተደብደበት እውን ይንገር።

    ቤት ፅሕፈት ፀጥታ ክልል ኣምሓራ፡ሰራዊት ፈደራል ኣብቲ ክልል ምስ ዕጡቓት ፋኖ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ህወሓት ይዋጋእ ከምዘሎ ከሲሱ ኣሎ።

    ድሒሩ ዝወጸ ሓበሬታታት ከምዘመልክቶ እቶም ዕጡቓት ድሒሩ ነታ ከተማ ለቒቘም ከም ዝወጽኡ እዩ። ነዚ ግን ቢቢሲ ብናጻ ወገን ኣየረጋገጾን።

  13. ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ንምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ስዑዲ ዓረብ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ

    ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዑዲ ዓረብ

    ምንጪ ስእሊ, ENA

    ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ስዑዲ ዓረብ ልኡል ፈይሰል ቢን ፈርሓን ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቢሉ፡ ኣብ "ዞባዊን ዓለምለኻውን ጉዳያት ሓባራዊ ረብሓ"ን ካልኦት ጉዳያትን ከምዝተዘራረቡ ገሊጹ።

    ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ጌድዮን ጢሞቴዎስ፡ ምስ ፈይሰል ኣብ ሪያድ ድሕሪ ምርኻቦም ድሕሪ ሒደት መዓልታት ዝካየድ ዘሎ ዑደት እዩ።

    ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ተቐቢሉ ከም ዘዘራረበ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ ኣረጋጊፁ።

    "ዘተና ኣብ ምሕያል ነዊሕ ዝጸንሐ ርክብ ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ ወሰንቲ ክልተኣዊ ጉዳያት ከምኡ ድማ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዘለዎም ዞባውን ዓለማውን ጉዳያት ምትሕብባር ኣብ ምዕባይን ዘተኮረ'ዩ ነይሩ።"

    ኣብ መንጐ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን፡ ኣብዚ ዞባ ሓያል ንሕንሕ ይካየድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

    ኢትዮጵያ፡ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምትሕብባር፡ ንጕጅለ ሱዳን - ዳዕመ -ሰሪዕ (RSF) ዝውዕል "ምስጢራዊ ወተሃደራዊ መዓስከር" ትሃንጽ ከምዘላ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሮይተርስ ኣቃሊዑ እዩ።

    ዛጊድ ካብ መንግስስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ’ቲ ክሲ ዝተወሃበ ምላሽ የለን፤ ኢመራት ግን ከምዚ ዝበለ ምትእትታዋት ከምዘይትገብር ብምግላስ ነቲ ክሲ ነጺጋ።

  14. መርከብ ውግእ ቱርኪ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ- ሞቓድሾ ኣትያ

    መርከብ ውግእ

    ምንጪ ስእሊ, SONNA

    ኣንካራ ኣብ ሶማልያ ወተሃደራዊ ህላወኣ እናወሰኸት ኣብ እትቕጽለሉ ዘላ እዋን፡ ትማሊ ኣብ ወደብ ሞቓድሾ መርከብ ውግእ ቱርኪ ከም ዝተጸግዐት መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሶማልያ (ሶና) ሓቢራ።

    ኣንካራ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዞባ ሳናግ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም መደብ ከምዘለዋ’ውን ይዝረብ።

    ኣዛዚ ሰራዊት ሶማል ብርጋዴር ጀነራል ኢብራሂም መሓመድ ማሕሙድ፡ ምኒስተር ምክልኻል ዑመር ዓሊ ኣብዲን ነታ TCG Sancaktar ዝብል ስያመ ዘለዋ መርከብ ውግእ ተቐቢሎምዋ።

    ነዚ ስዒቡ ተወሰኽቲ መራኽብ ውግእ ቱርኪ ክስዕባ ትጽቢት ይግበር።

    ሶና፡ እተን መራኽብ ውግእ ከም ኣካል ናይቲ "ንምቛም፡ ምልምማድን ምዕጣቕን ሓይልታት ባሕሪ" ሶማልያ ቀዳምነት ንምሃብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዶባት ባሕራን መስመራት መራኽብን ጸጥታ ንምዕባይ ዝዓለመ ጻዕሪ ምዃኑ ገሊጻ።

    እስራኤል፡ ብ26 ታሕሳስ ንሶማሊላንድ ናጻ ሃገር ምዃና ኣፍልጦ ምሃባን፣ ምትእትታው ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ስዒቡ፡ ሶማልያ ምስ ቱርኪን ስዑዲ ዓረብን ሓዊሱ ምስ ካልኦት ዞባዊ ሓይልታት ወተሃደራዊ፡ ቍጠባውን ዲፕሎማስያውን ርክብ ከተዕምቕ ትረአ ኣላ።

  15. ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዝርአ ዘሎ ወጥሪ ክሃድእ ፀዊዑ

    ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት

    ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ ክሃድእ ጸዊዑ።

    ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝርአ ዘሎ ወጥሪ ስዒቡ፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ግጭት ክጋደድ ካብ ዝገብሩ ንጥፈታት ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ።

    "እቲ ኩነታት ተኣፋፊ ስለዝዀነ፡ እናገደደ ከይከይድ ንሰግእ። እዚ ድማ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ዘስካሕኽሕ ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ኩነታትን ዝያዳ ዘጋድድ እዩ።"

    ክልቲኦም ወገናት ብደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብፖለቲካዊ ዘተን ምትእምማን ዝፈጥር ስጉምትታትን ነቲ ኩነታት ዘህድእ “ዝተዋደደን ቀጻልን ጻዕርታት” ክገብሩ ከምዘለዎም እውን ወሲኹ ገሊጹ።

    ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ኣብ ከባቢ ፀለመቲ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ትግራይን ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ግጭት ዝነበረ ዀይኑ፡ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪትን ከበድቲ ኣፅዋርን ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ፀብፃባት ይሕብሩ።

    እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር፡ ነቲ ጐንፂ ስዒቡ፡ ብኽልቲኡ ወገናት ሰላማውያን ሰባት ከምዝተኣስሩ ምስምዑ ከምዘተሓሳስቦ ገሊጹ።

    ቱርክ፡ ምስ ክልቲኡ ወገናት ርክብ ኣለዎም ዝበሃሉ ሰባት ምእሳር፡ "ደው ክብል ኣለዎ" ኢሉ።

    ከምኡ'ውን፡ ቱርክ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝረአ ዘሎ ወጥሪ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዘሎ ኩነታት ዘጋድድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

  16. ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሶማልያ 'መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክትተክል ትደሊ'

    ሶማልያን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም ከምዝተዘራረባ ተፈሊጡ።

    ኣብዚ እዋን እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ልዑላዊት ሃገር ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃባ ዞባዊ ወጥሪ ሰፊኑሉ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን እዩ እቲ ዝርርብ ተኻይዱ።

    ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ዝርርብ ወግዓዊ ዝርዝር መግለጺ ኣይተዋህበን። ስዑዲ ዓረብን ሶማልያን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሪያድ ርክባት ምክልኻል ንምዕማቝ ዝዓለመ ስምምዕ ፈሪመን ምንባረን ይዝከር።

    ሶማልያን ስዑዲ ዓረብን ኣብ መንጐአን ናይ ምክልኻልን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝን ንምሕያልን ስምምዕ ምርድዳእ ፈሪመን እየን።

    ምኒስትሪ ምክልኻል ሶማልያ ከምዝገለጾ እቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጸጥታዊ ምትሕብባር ንምስፋሕን ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ምርግጋእ ንምፍጣርን ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።

    ሶማልያ ኣብ ጥሪ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተገብረ ኵሉ ስምምዓት ጸጥታን ምክልኻልን ድሕሪ ምስራዛ ናብ ስዑዲ ዓረብን ቐጠርን ከም ኣማራጺ መሻርኽቲ ጸጥታ እናጠመተት ትኸይድ ከምዘላ ተንተንቲ ይገልጹ።

    ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሶማልያ 'መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክትተክል ትደሊ'

    ምንጪ ስእሊ, @MoDSomaliya

  17. ሱዳን ናብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ተመሊሳ

    ምሉእ ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሰ ጀነራል ኣልቡርሃን

    ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

    ኣባልነታ ስሒባ ዝጸንሐት ሱዳን ናብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ከምዝተመለሰት ኣፍሊጣ።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ውድብን ፈጻሚ ሰክረታርያን ብዝወሰዶ ተበግሶታት ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደት ይገልጽ።

    "ሓደ ካብኡ ንልኡላውነት ሱዳን፡ ሓድነት መሬታን ህዝባን፡ ከምኡ'ውን ንዝጸንሑ ሃገራዊ ትካላታን [ሰራት] ምሉእ ኣፍልጦ ብምሃቡ፡ መንግስቲ ሪፓብሊክ ሱዳን ኣብቲ ውድብ ዘለዎ ምሉእ ንጥፈታት ኣባልነት ዳግማይ ክፍጽም እዩ" ኢሉ።

    ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ 2024 እዩ ካብቲ ውድብ ክስሕብ ወሲኑ ነይሩ።

    ኣብቲ እዋን ነቲ ኣብታ ሃገር ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ንምፍታሕ ተበግሶታት ዝወስድ ዝነበረ ኢጋድ ኣብ ርእሰከተማ ዩጋንዳ ዋዕላ መራሕቲ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ንመራሒ ሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ምዕዳሙ ንሰራዊት ሱዳን "ጸርፊ" እዩ ነይሩ።

    ንውሳነ ሱዳን ዘመጎሰ ዋና ጸፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበዩ ብወገኑ፡ "ምምላስ ሱዳን፡ እወታዊ መርኣያ ዞባዊ ምሕዝነት፡ ከምኡ'ውን ኣብ መላእ እቲ ዞባ ዘሎ ሓበራዊ ተዋፋይነት ንሰላም፡ ምርግጋእን ምትሕግጋዝን እዩ" ክብል ንኢዱ።

    ክልቲኦም ወገናት ኣቦመንበር ናይቲ ውድብ ንዝኾነ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ንዝወሰዶ ተበግሶ ንኢዶም ኣለዉ።

    ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣብ 2023 ናብቲ ውድብ ዝተመልሰት ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣባልነታ ዳግማይ ከምዝሰሓበት ይዝከር።

    "ካብ 2005 ኣትሒዙ፡ ኢጋድ ባህግታት ህዝቢ ናይ’ዚ ዞባ ኣብ ምምላእ ፈሺሉ ጥራይ ዘይኰነ፡ ናብ ዝተወሰና ኣባል ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ናብ ኤርትራ ዘነጻጸረ ሃሳዪ ተራ ከምዝተጻወተን፣ እዚ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራት ድማ፡ ንኤርትራ ኣብ ሚያዝያ 2007 ኣባልነታ ከተደስክል ቀሲቡዋ’ዩ።

    "እቲ ውድብ ንተሃድሶ ከምኡ’ውን ሕሉፍ ጌጋታቱ ብጽሞና ከስተብህለሉን ክእርሞን ይኽእል’ዩ ብዝብል ተስፋ፡ ኤርትራ፡ ኣብ ሰነ 2023 ዳግማይ ናብቲ ውድብ ተጸንቢራ። ይኹን’ምበር፡ ኢጋድ ካብ ሕሉፍ ጌጋታቱ ክመሃር ከምዘይከኣለን ሕጋዊ ሓላፍነቱ ከምዝዘንገዐን እቲ መግለጺ የነጽር" ክትብል'ያ ኤርትራ ተቓውሞኣ ገሊጻ ነይራ።

    ንቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዞባዊ ውህደት ንምምጻእ ኣብ 1996 ጽገና ዝተገብረሉ ኢጋድ፡ ነቲ ናብ ኣብ ኣብ ሞንጎን ውሽጢን ኣባል ሃገት ተፈጢሩ ዘሎ ዝኸፍአ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ከህድእ ብዘይምኽኣሉ ይንቀፍ።

  18. መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ የጸግዕ ኣሎ- ህወሓት

    መንግስቲ ፌደራል ሰራዊቱ ናብ ክልል ትግራይ የጸግዕ ከምዘሎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ገሊጹ።

    እቲ ውድብ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መልእኽቲ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንዝተፈጸመ ግጭት ብምጥቃስ ብወገን ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ ዘነጻጸረ ሓድሽ "ወተሃደራዊ ምድላው" ይግበር ከምዘሎ ከሲሱ።

    "መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕዚ ድማ መጠነ ሰፊሕ ናይ ኣፅዋርን ሰራዊትን ምንቅስቓስ ብምግባር ገዚፍ ወታደራዊ ዓቕሙ ናብ ትግራይ ብምፅጋዕ ናብ ካሊእ ዙር ደማዊ ኩናት ንምእታው ኣብ ምህንዳድ ይርከብ" ይብል እቲ ካብ መቐለ ዝወጸ መግለጺ።

    ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክትግበር ከምዝደልዩ ብምንጻር ድማ፡ "እዚ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎ ወታደራዊ ምድላዋት መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠጠው ኢሉ፤ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ናብ ልዝብ ክእቶ እምበር ናብ ካሊእ ደማዊ ኩናት ክኣትው ፍፁም ድሌት የብሎምን" ኢሉ።

    ብወገን ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝርከብዎ ማሕበረሰብ ዓለም ክቃላሕ ንዝጸንሐ መተሓሳሰቢታት ብንምኣድ ዳግማይ ኲናት ከይውላዕ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ህወሓት ተማሕጺኑ'ሎ።

    እንተኾነ ግን እቲ ምንቅስቓስ ኣበይ ከባቢታት ከምዝተራእየ ህወሓት ብዝርዝር ኣየነጸረን።

    "ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሳወር ዘሎ ካሊእ ዙር ደማዊ ኲናት ደው ይበል" ብምባል'ዩ ህወሓት ጸዊዑ።

    ኣብ ሞንጎ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ብሓደ ወገን፡ ኣብ ሞንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን በቲ ካልእ ወጥሪ እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ ህወሓት ነዚ መግለጺ ሂቡ ዘሎ።

  19. ሞት ልዕሊ 50 ስደተኛታት ዘስዓበ ሓደጋ ጃልባ ማእከላይ ባሕሪ

    ኣብ ጸላም ናይ ጎማ ጃልባ ዝተሰቕሉ ስደተኛታት ኣራንሾኒ ዝሕብሩ መድሕን ህይወት ጃኬት ለቢሶም። ካልእ ቀያሕ መርከብ'ውን ምሕድግ ኢላ ትርአ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም 53 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

    ካብቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ 55 ሰባት ክልተ ናይጀርያውያን ደቂኣንስትዮ ጥራይ ከምዝደሓና ኣይ-ኦ-ኤም (IOM) ጠቒሱ።

    እታ ካብ ወደባዊት ከተማ ኣል-ዛዊያ ዝተበገሰት ጃልባ፡ ንኣስታት 6 ሰዓታት ምስተጓዕዘት'ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ።

    እቶም ግዳያት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።

    ኣብዛ ሓዳስ ዓመተ 2026 ጥራይ ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ ኣስታት 500 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ጸብጻባት እቲ ትካል የመልክት።

  20. ልዕሊ 30 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ፓኪስታን

    ብሰባት ዝተኸበበት ኣምቡላንስ

    ኣብ ፓኪስታን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 31 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ሓቢሮም።

    እቲ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ርእሰከተማ ኢስላማባድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብዙሓት ሰዓብቲ ሺዓ እስላም ኣብ መስጊዶም ኣብ ዝጽልዩ ዝነበሩ እዋን'ዩ ኣጋጢሙ።

    ፖሊስ ከምዝሓበርዎ፡ ሓደ ርእሰ-ቅትለታዊ ዕጡቕ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ይግለጽ።

    ፕረዚደንት ኣሲፍ ዓሊዛርዳሪ ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ምግባር "ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት'ዩ" ክብል ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒንዎ።

    ሓዘኑ ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ሸህባዝ ሻሪፍ ብወገኑ፡ ቅልጡፍ መርመራ ክግበርን ፈጸምቱ ኣብ ቀይዲ ክኣትዉን ጸዊዑ'ሎ።