መጥቃዕቲ ኢራን ይገድድ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ይነድድ፡ ትራምፕ ተስፋን መጠንቀቕታን ይሰድድ

ትራመፕ፡ ኢራን ንመፃብቦ ሆርሙዝ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት እንተዘይከፊታቶ፡ ን መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ'ታ ሃገር ክድምስስ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ኣመሪካ ተወሰኽቲ ወተሃደራት፡ ነፈርቲ ውግእን መራኽብ ኲናትን ናብቲ ዞባ ተበግስ ከምዘላ እዩ ዝንገር። ኢራን ብወገና መጥቃዕትታታ ቀጺላቶ'ላ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ግዳይ ከምዝኾነ ይንገር ኣሎ። ብዛዕባ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ሓደሽቲ ምዕባለታት ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና፤

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ፕረዚደንት ቬነዙወላ ሃገራዊ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ

    ፕረዚደንት ቬነዙወላ ሃገራዊ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ።

    እቲ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ነዳድን ማዕድናትን ሃገሩ ክትወስድ ዝገበረቶ ፈተነ እዩ ክብል ኰኒኑ።

    ኒኮላስ ማዱሮ፡ እቲ ኣብ ካራካስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት፡ "ንስትራተጂካዊ ጸጋታት ቬነዙወላ ብፍላይ ድማ ነዳድን ማዕድናትን ንምምንዛዕን" ከምኡ'ዉን "ፖለቲካዊ ናጽነት እታ ሃገር ብሓይሊ ንምስባር" ዝዓለመ ምዃኑ ይገልጽ።

    ብተወሳኺ ኵሎም ውጥናት ምክልኻል ሃገር "ኣብ ዝምልከቶ ግዜን ኣብ ትሕቲ ዝግባእ ኩነታትን" ክትግበሩ ኣዚዙ ኣሎ።

    "ኵሎም ማሕበራውን ፖለቲካውን ሓይልታት እታ ሃገር ውጥናት ምልዕዓል ከንቀሳቕሱን ነዚ ሃጸያዊ መጥቃዕቲ ክኹንኑን፡" ኣተሓሳሲቡ።

  2. መንግስቲ ቬንዝወላ ንወተሃደራዊ ወራር ኣመሪካ ኮኒኑ

    መንግስቲ ቬንዝወላ ንወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ዝዅንን ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኡ።

    "ቬንዝወላ ነቲ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ግዝኣቱ ዝፈጸሞ ኣዝዩ ከቢድ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ይነጽጎን ይዅንኖን" ክብል ኣዊጁ።

  3. ትራምፕ ኣብ ወተሃደራዊ ቦታታት ቬንዙዌላ መጥቃዕቲ ክካየድ ኣዚዙ

    ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ውሽጢ ቬንዙዌላ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት፡ እንተላይ ኣብ ወተሃደራዊ ትካላት መጥቃዕቲ ክካየድ ኣዚዙ ክብሉ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ኣሜሪካ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሮም።

  4. ኣብ ርእሰ ከተማ ቬንዝዌላ ካራካስ ሓያል ትኪን ፍንጀራን ተሰሚዑ

    ኣብ ርእሰ ከተማ ቬንዝዌላ ካራካስ ኣብ ሓያሎ ቦታታት፡ እንተላይ ኣብ ወተሃደራዊ መሳለጥያት፡ ዳርጋ ብሓንሳብ ፍንጀራታት ከምዝተፈጸመ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ኣብ ማእከል እታ ከተማ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ላ ካርሎታን ቀንዲ ወተሃደራዊ መዓስከር ፉርተ ቲዩናን ፍንጀራት ከምዝተፈጸሙን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።

    ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ሓያሎ ሰባት ብዘይ ኤሌክትሪክ ተሪፎም ኣለው። ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ነፈርቲ ውግእ ከምዝበረራ ዘይተረጋገጸ ጸብጻባት ኣለው።

    እዚ ምዕባለታት ኣብ መንጎ ኣመሪካን ቬንዝወላን ዝያዳ ወጥሪ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ህሞት ኮይኑ፡ ዋሽንግተን ኣብ ካሪብያን ኣብ ልዕሊ ዕጸፋርስ ሒዘን ፍጥነት ዝንቀሳቐሳ ጀላቡ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ እትገብረሉ ዘላ እዋን'ዩ።

    ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ቬንዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዝተመርጸን ብውልቁ ድማ ብመንገዲ እታ ሃገር ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ከምዝተዋፈረን ትገልጽ።

    መንግስቲ ቬንዝወላ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዋሽንግተን ዝወሰደቶ ስጕምትታት፡ ምምንዛዕ እገዳ ዝተገብረለን መራኽብ ነዳዲ ዘጠቓልል ሽርሕታት ኣካል ናይቲ ንፕረዚደንት ማዱሮ ካብ ስልጣን ንምእላይን ዕቑር ነዳዲ ቬንዝወላ ንምቍጽጻርን ዝግበር ጻዕሪ ምዃኑ ገሊጹ።

    ኣብ ርእሰ ከተማ ቬንዝዌላ ካራካስ ሓያል ትኪን ፍንጀራን ተሰሚዑ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ ርእሰ ከተማ ቬንዝዌላ ካራካስ ሓያል ትኪን ፍንጀራን ተሰሚዑ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  5. ቻይና፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃባ ንሓድነት ሶማልያ ትድግፍ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ሃምዛ ዓብዲ ባረን ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ሶማልያ ዋንግ ዩን ትማሊ ኣብ ሞቓድሾ ተራኺቦም፡ እስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ንሶማሊላንድ ከም ናጻ ሃገር ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃባ ሓድነትክልቲኣን ሃገራት ንምድልዳል ከምዝተዘራረቡ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

    ኣምባሳደር ዋንግ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ቻይና "ንመሬታዊ ሓድነት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ምሉእ ደገፍ ከምዘለዋ" ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

  6. መንግስቲ ሶማልያ 30 ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝተቐተለ ገሊጹ

    መንግስቲ ሶማል 30 ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ ገሊጹ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሓይልታት መንግስቲ ሶማልያ ምስ ኣህጉራዊ መሻርኽቶም ብምዃን ኣስታት 30 ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ኣብ መጥቃዕቲ ከምዝቐተሉ ገሊጾም።

    ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ከተማ ጃባድ ጎዳነ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ 29 ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉን፡ ንሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝዓለማ መካይንን ኣጽዋርን እውን ከምዘዕነዉን ገሊጹ።

    ማዕከን ዜና ሮይተርስ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መንነቶም ዘይተፈልጠ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ከምዝተሳተፉን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራ ንዝገበርዎ ደገፍ ከምዘመስገኖምን ሓቢሩ።

    ነቲ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ንምምካት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ወተሃደራት ኣብ ሶማልያ ብሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ክዋፈሩ እንከለዉ፡ ኣመሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ድማ ደብዳብ ነፈርቲ ሓዊሱ ዝተፈላለየ ዓይነት ደገፍ ይህባ።

    ብፍላይ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ንብረት ናይቲ ጉጅለ፡ መራሕትን ዕጡቓትን ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብምክያድ ትፍለጥ።

    ኣል-ሸባብ ካብ 2007 ጀሚሩ ናዕቢ ከካይድ ጸኒሑ’ዩ፣ ነቲ ብዓለም ደረጃ ዝድገፍ መንግስቲ ሶማልያ ንምውዳቕን ብጽኑዕ ሕጊ ሸሪዓ ዝምራሕ ምምሕዳር ንምቛም ዝሰርሕ ጉጅለ እዩ።

    ምስ ዓለማዊ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ከምዘለዎ ዝንገረሉ ኣል-ሸባብ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዝፍርሑ ግብረሽበራዊ ጉጅለታት ሓደ እዩ።

  7. ውቍባትን ፍልይ ዝበሉን ኣሳእል ፅምብል ሓድሽ ዓመት

    ቡሳን - ደቡብ ኮርያ

    ምንጪ ስእሊ, YONHAP/EPA/Shutterstock

    ሃገራት ዓለም ንሓድሽ ዓመት 2026 ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣፀምቢለን ተቐቢለንኦ ኣለዋ።

    ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝዝርግሑ ዘለዉ ኣሳእል ድማ ውቁባትን ፍልይ ዝበሉን እዮም።

    ገለ ካብኣቶም፡

    ቡርጂ ካሊፋ - ዱባይ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ቡርጂ ካሊፋ - ዱባይ
    ሲድኒ - ኣወስትራልያ

    ምንጪ ስእሊ, DAN HIMBRECHTS/EPA/Shutterstock

    መግለጺ ስእሊ, ሲድኒ - ኣወስትራልያ
    ሪዮ ዲ ጀነርዮ - ብራዚል

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ሪዮ ዲ ጀነርዮ - ብራዚል
    Getty

    ምንጪ ስእሊ, ታይምስ ስኴር - ኒውዮርክ

    መግለጺ ስእሊ, ታይምስ ስኴር - ኒውዮርክ
    ፅምብል ሓድሽ ዓመት

    ምንጪ ስእሊ, TOLGA AKMEN/EPA/Shutterstock

  8. ኣብ ስዊዝ ኣብ ሓደ ሪዞርት ባር ብዘጋጠመ ፍንጀራ ሓያሎ ሰባት ሞይቶም

    እቲ ፍንጀራ ዘጋጠመሉ ባር ኰይኑ፡ እዚ ስእሊ ኣብ 2024 ዝተወስደ እዩ

    ምንጪ ስእሊ, Google Maps

    መግለጺ ስእሊ, እቲ ፍንጀራ ዘጋጠመሉ ባር ኰይኑ፡ እዚ ስእሊ ኣብ 2024 ዝተወስደ እዩ

    ስዊዘርላንድ - ስኪ ክራንስ-ሞንታና መዘናግዒ ማእከል ኣብ ውሽጡ ኣብ ዝርከብ ባር ድሕሪ ዘጋጠመ ፍንጀራ ሓያሎ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ከም ዝቘሰሉ ፖሊስ ገሊጹ።

    እቲ ፍንጀራ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 01:30 ኣብ ውሽጢ ባር ከምዘጋጠመ ፖሊስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

    ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ገና ዘይተረጋገጸ ተንቀሳቓሲ ኣሳእል፡ ጽምብል ሓድሽ ዓመት ይካየደሉ ኣብ ዝነበረ ባር ሓዊ እናነደደ የርኢ።

    ፖሊስ፡ ንስድራቤት እቶም ዝተጎድኡ ሰባት ዝኸውን ናይ ሓገዝ መስመር ከምዘዳለወ ገሊጹ።

    ክራንስ-ሞንታና ኣብ ማእከል ኣኽራናት ኣልፕስ ስዊዘርላንድ እትርከብ ምቾት ዘለዋ መዘናግዒ ኰይና፡ ካብ በርን ርእሰ ከተማ ስዊዘርላንድ ኣስታት ክልተ ሰዓታት ርሒቓ ትርከብ።

  9. ኣብ ኣደባባይ ታይምስ ዝካየድ ምውዳቕ ኩዕሶ [ቦል ድሮፕ] እንታይ እዩ?

    ኩዕሶ ኣደባባይ ታይምስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ጽምብል ሓድሽ ዓመት ኣብ መላእ ኣመሪካ ብዝደመቐ ኵነታት እዩ ዝፍፀም።

    ብዙሓት ግን ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝካየድ ምድላዋት እቲ ዝያዳ ፍሉጥን መሳጥን ከምዝኾነ ይዛረቡ።

    ሓድሽ ዓመት ምእታዉ ንምብሳር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ታይምስ ስኴር ተኣኪቦም ኣለዉ።

    እቲ ኣገዳሲ ክፋል ናይቲ ጽምብል ድማ ምውዳቕ ኩዕሶ ኮይኑ፡ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ፍርቂ ለይቲ ሰዓት ምስዝኣክል ዝፍፀም እዩ።

    እታ ዓባይ ክሪስታል ኩዕሶ ብመብራህቲታት ዝወቀበት እያ።

    ሰዓት ምስኣኸለ ካብቲ ዝተሰቐለትሉ 42 ሜትሮ ዝቑመቱ ዓንዲ ከም እትወድቕ ይግበር።

    እዚ ድማ ምጅማር ሓድሽ ዓመት 2026 የበስር።

    ኣብ ኣደባባይ ታይምስ ዝተኣኻኸቡ ሰባት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  10. ኒውዮርክ - ታይምስ ስኴር - ኣብ ፅምብል ሓድሽ ዓመት

    ኣብ ኒውዮርክ ዝተኣኻኸቡ ሰባት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኒውዮርክ ኣደባባይ ታይምስ (ታይምስ ስኴር) ንሓድሽ ዓመት ብዝቕበሉ ሰባት ተጨናኒቓ።

    ፀብፃብ ሲቢኤስ ከምዝሕብሮ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ክተኣኻኸቡ ትፅቢት ይግበር።

    መብዛሕቲኦም ሰባት ነቲ ኣብታ ከተማ ዝፍፀም ዓባይ ውቅብቲ ኵዕሶ ካብ ሓደ ልዕሊ 40 ሜትሮ ዝንውሓቱ ዓንዲ ናይ ምድርባይ ስነስርዓት ክሪኡ ኣብቲ ኣደባባይ ዝተረኸቡ እዮም።

    እታ ዓባይ ኵዕሶ ብድሙቕ መብራህቲ ዝወቀበት ኮይና፡ ሓድሽ ዓመት ዝቕበሉሉ ሰዓት ምስዝኣክል ካብ ላዕሊ ክትወድቕ ይግበር።

    ኣደባባይ ታይም ስኴር
    ድግስ ሙዚቃ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    እታ ኩዕሶ እትወድቀሉ ሰዓት ክሳብ ዝኣክል ፍሉጣት ድምፃውያን ዝተረኸቡሉ ድግስ ሙዚቃ ኣብቲ ኣደባባይ ይካየድ ኣሎ።

  11. ቬትናም፡ ታይላንድን ህንድን'ውን ኣርኪበን ኣለዋ

    ብርሑቕ ምብራቕ ዝፈለመት ሓዳስ ዓመተ 2026 ናብ ምዕራብ ብምግስጋስ ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ከተማታትን ደበኽ ትብል ኣላ።

    ታይላንድ፡ ፈጠራ ዝተሓወሶ ጽንብል ርእሰከተማ ባንኮክ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ታይላንድ፡ ፈጠራ ዝተሓወሶ ጽንብል ርእሰከተማ ባንኮክ
    ስነጥበብ ብርሃናት ዘሰነዮ ኣቀባብላ ባንኮክ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ስነጥበብ ብርሃናት ዘሰነዮ ኣቀባብላ ባንኮክ
    ጽንብል ሓድሽ ዓመት ኣብ ርእሰከተማ ሃኖይ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ማሕበርነታዊት ቬትናም'ውን 'ካብ መን ክሓምቕ' ብምባል ዝክኣላ ገይራ ኣላ
    ብውቁብ ብርሃናት ዝገረመ ሰማያት ርእሰከተማ ሃኖይ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ብውቁብ ብርሃናት ዝገረመ ሰማያት ርእሰከተማ ሃኖይ
    ብትዕግስቲ ክትጽበ ዘምሰየት ክፍለ-ኣህጉር ህንዲ'ውን 2026 ብምእንጋዳ  ዝተሓጎሱ ነበርቲ ሙምባይ ብሓጎስ ክነጥሩ ተራእዮም

    ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock

    መግለጺ ስእሊ, ብትዕግስቲ ክትጽበ ዘምሰየት ክፍለ-ኣህጉር ህንዲ'ውን 2026 ብምእንጋዳ ዝተሓጎሱ ነበርቲ ሙምባይ ብሓጎስ ክነጥሩ ተራእዮም
  12. ድሮ ሓድሽ ዓመት ዝጸንበላ ከተማታት ምብራቕ

    ዝተፈላለያ ዓበይቲ ከተማታት ሃገራት ምብራቕ ነዛ ሓዳስ ዓመተ 2026 ድሮ ብሓጎስ ተቐቢለንኣ ኣለዋ!

    ሪቺታት ሓድሽ ዓመት ንከተማ ሲድኒ እናብርሀ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ብምርኢት ሪቺታት ሓድሽ ዓመት እትለለ ከተማ ሲድኒ፡ ኣውስትራልያ
    ሲድኒ ንዓመተ 2026 ኣብ ዝተቐበለትሉ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ሲድኒ ንዓመተ 2026 ኣብ ዝተቐበለትሉ
    ሪቺታት ሓድሽ ኣመት ኣብ ሰማያት ከተማ ኦክላንድ
    መግለጺ ስእሊ, ኒውዝላንዳዊት ከተማ ኦክላንድ'ውን ንኣውስትራልያ ቀዲማ 2026 ዝተቐበለት'ያ
    ጽንብል ሓድሽ ዓመት ኣብ ከተማ በይዢንግ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ዴሳዊት በይዢንግ'ውን ሓድሽ ዓመት ኣብዒላ
    ጽንብል ከተማ ታይፐይ

    ምንጪ ስእሊ, RITCHIE B TONGO/EPA/Shutterstock

    መግለጺ ስእሊ, ታይዋን'ውን ኣይሓመቐትን ከምቲ ልሙድ ርእሰከተማ ታይፐይ ተቖልዒ ሓዲራ'ላ
  13. ንዓመተ 2026 ዝተቐበለት ፈላሚት ሃገር

    ኪሪቲማቲ ሓዳስ ዓመት 2026 ዝተቐበለት ፈላሚት ደሴት ኮይና ኣላ።

    እታ ኣካል ናይታ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር ኪሪባቲ ዝኾነት ደሴት፡ ፈለማ ሓድሽ ዓመት ኣበሲራ።

    እታ ብውቁብን ብተዛማዲ ዘይተበከለን ገማግም ባሕሪ ዝተሰለመት ደሴታዊት ሃገር ኣስታት 116 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ'ያ።

    ሓያለ ሃገራት ሰላማዊ ውቅያኖስን ኣህጉር ኦሽያናን'ውን ሓድሸ ዓመት ክጽንብላ ጀሚረን ኣለዋ።

    ኣብ ቀረባ ባሕሪ ዓሳ ዝጅልብ ሰብ ኣብ ትሕቲ ብሩህ ሰማያት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images