ሓለዋ ስደተኛታት ዝቐንጠጠ ሓድሽ መምርሒ ምምሕዳር ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካ፡ ሶማላውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከይጥረዙ ዝገብር ውሕስነት ክለዓል ወሲና።
እቲ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ዘውጽኦ ሓድሽ መምርሒ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማላውያን ስደተኛታት ብቐሊሉ ካብ ኣመሪካ ክስጐጉ ኣፍደገ ዝኸፈት’ዩ።
ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ዝኾነት ክሪስቲ ኖም ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ “ናይ ሶማልያ ኩነታት ሃገር ተመሓይሹ ስለዝኾነ፡ ንቅጥዕታት ናይቲ ሕጊ [ሓለዋ] ዘማልእ ኣይኮነን” ብምባል ሞጒታ።
“ጐሓፍ ናብ ሃገርና ምቕባል እንተቐጺልና ኣመሪካ ናብ ግጉይ መንገዲ ክትከይድ'ያ” ክብል ዝተዛረበ ትራምፕ፡ ሶማላውያን ካብ ሃገሩ ክወጹ ከምዝደሊ ክዛረብ ጸኒሑ’ዩ።
እቲ 1990 ዝወጸ "ፍቓድ ግዝያዊ ሓለዋ" (TPS) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕጊ ስደተኛታት ናብ ዘይውሑሳት ሃገራት ከይስደዱ ዝእግድ እዩ።
ብመሰረት እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ካብ 17 መጋቢት ጀሚሩ ኣስታት 2,500 ኣብቲ ትሕቲ ሓለዋ ናይቲ ሕጊ ክነብሩ ዝጸንሑ ሶማላውያን ናይ ስራሕን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድን ተሓዲጎም ንምጥራዝ ክቃልዑ እዮም።
ናብታ ብዙሓት ሶማላውያን ከምዝነብሩላ እትፍለጥ ርእሰከተማ ክፍለሃገር ሚኒሶታ ዝኾነት ከተማ ሚኒያፖሊስ ተወሰኽቲ ተቖጻጸርቲ ኢሚግሬሽን ፈደራል ከዋፍር ምዃኑ ምምሕዳር ትራምፕ ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ረኔ ኒኮል ጉድ ዝተብሃለት ተሓላቒት፡ በቶም ኣባላት ኢሚግሬሽን ብጥይት ምቕታላ ኣብታ ከተማን ካልኦት ክፍለሃገራትን ተቓውሞታት ኣስዒቡ ጸኒሑ'ዩ።

















