ግሪንላንድ: ብዓይኒ ቍጠባ ሰሓቢት ዝገብራ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምግፋፍ ዓሳ ዓንዲ ሕቖ ቍጠባ ግሪንላንድ ኰይኑ፡ ካብ ጠቕላላ እታ ምምሕዳር ሰደድ እትገብሮ ልዕሊ 90 ሚእታዊት መግቢ ባሕሪ ይሕዝ።
ካብ መንግስቲ ዴንማርክ እውን ዓብዪ ድጎማ ትረክብ።
ስለዚ እታ ምምሕዳር ብቑጠባ ሰሓቢት ዝገብራ እንታይ እዩ?
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብ ዙርያ ብርቂ ማዕድናት፡ ዩራንየምን ሓጺንን ሓዊሱ፡ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ግሪንላንድ ዘሎ ተገዳስነት እናወሰኸ መጺኡ።
ርኡይ ዕቑር ነዳድን ጋዝን እውን ክህልዋ ይኽእል እዩ።
እዚኦም ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ጽንኩር ክሊማ ኣርክቲክ ተገቲኦም እኳ እንተነበሩ፡ ምምካኽ በረድ ግን ሓደስቲ መስመራት መራኽብ ከፊቱ ኣሎ።
እዚ ድማ ዕደናን ምግፋፍ ዓሳን ቀሊል ክገብሮ ይኽእል እዩ።
ትራምፕ ምስ ዩክረይን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ሓዊሱ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝገብሮ ርክባት ክቡር ሃፍቲ ማዕድናት ቁልፊ ትኹረት ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
ይኹን እምበር ፕረዚደንት ትራምፕ ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ብዝብል ንግሪንላንድ ንምጕባጥ ዘለዎ ድሌት ደጊሙ የረገግጽ ኣሎ።
ንሱ፡ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ፡ ካብ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ዝመጽእ ስግኣት ብምግላጽ፡ "ግሪንላንድ እንተዘይወሲድናያ፡ ሩስያ ወይ ቻይና ንግሪንላንድ ክወስዳ እየን፡" ክብል ገሊጹ።

















