
ምንጪ ስእሊ, AFP
ላዕለዋይ መራሒ
ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ፡ “እቲ ዝሓየለ ሰራዊት ዓለም፡ ማልሳይ ከም ዘይለዓል ክውቃዕ ይኽእል’ዩ” ብምባል ኣጠንቂቖም።
ኻሜኒ፡ ንፕረዚደንት
ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ እዮም፡ ነዚ መጠንቀቕታ ሂቦም ዘለዉ።
ዶናልድ ትራምፕ ዋሽንግተን ምስ ኢራን ኣትያቶ ምስ ዘላ ውጥጥ
ብዝዛመድ፡ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ኩሉ ብዛዕባ ሓያልነት ሰራዊት ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ’ዩ።
ናብ ኢራን መራኽብ ኵናት ዘፀግዐት ኣመሪካ፡ ኢራን ንዝቐርቡላ
ቅድመ ኩነታት ተቐቢላ ኣብ ስምምዕ እንተድኣ ዘይበፂሓ፡ ስጉምቲ ከም ዝውሰዳ ትራምፕ ምጥንቃቑ ይፍለጥ።
ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፡ “ፕረዚደንት ኣመሪካ
ሰራዊቱ ኣብ ዓለም እቲ ዝሓየለ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ይዛረብ። ሓደ ሓደ ግዘ እቲ ሓያል ዝተብሃለ ሰራዊት ከም ዘይለዓል ተገይሩ ክውቃዕ
ይኽእል’ዩ” ብምባል ኣጠንቂቖም።
እቶም ላዕለዋይ መራሒ ወሲኾም፡ ኣመሪካ ንመራኽብ ኵናት ናብ
ኢራን ከም ዝለኣኸት ብተደጋጋሚ ትገልፅ ምህላዋ ብምጥቃስ፡ “እተን መራኽብ ሓደገኛ መሳርሒ’የን፤ እንተኾነ እቲ ዝበለፀ ሓደገኛ፡
እዘን መራኽብ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ክጥሕላ ዝገብር መሳርሒ (ኣፅዋር)
እዩ” ኢሎም።
ኣመሪካ ሰለስተ ኣዕነውቲ መጥቃዕቲ ሚሳይል ዝመርሓ፡ ኤፍ 35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ሓዊሱ 90 ነፈርቲ፡ ከምኡ'ውን
5,680 ሰራሕተኛታት ዝፀዓነት መርከብ ኣብርሃም ሊንከን፡
ኣብ መወዳእታ ጥሪ ናብ ዞባ ወሽመጥ ከም ዝተዋፈረት እኳ እንተተገለፀ፡
ዛጊድ ኣብ ምስሊ ሳትላይት
ኣይተራእየትን።
እታ መርከብ፡ ካብ ኢራን ኣስታት 700 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኦማን ተራእያ ነይራ።
ኣመሪካ እታ ካልአይቲ ዝዓበየት ነፈርቲ እትሽከም መርከብ ኲናት ዓለምና ዝዀነት
'USS Gerald R Ford' ናብ ማእኸላይ ምብራቕ ከም ዝሰደደትን ኣብ
ውሽጢ ዝቕፅሉ ሰለስተ ሰሙናት ናብቲ ዞባ ክትበፅሕ ከም ትኽእልን ይግለፅ።
ምምፃእ ኣብርሃም ሊንከን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ኣብ
ማእኸላይ ምብራቕ ዝርአ ዘሎ ምፅጋዕ
ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ዝውስኽ ኰይኑ፡ ቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብቲ ዞባ ወሰኽ ኣዕነውቲ፡ መራኽብ ውግእን ነፈርቲ ውግእን ኣመሪካ ምህላወን
ኣረጋጊፁ’ዩ።