መጥቃዕቲ ኢራን ይገድድ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ይነድድ፡ ትራምፕ ተስፋን መጠንቀቕታን ይሰድድ

ትራመፕ፡ ኢራን ንመፃብቦ ሆርሙዝ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት እንተዘይከፊታቶ፡ ን መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ'ታ ሃገር ክድምስስ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ኣመሪካ ተወሰኽቲ ወተሃደራት፡ ነፈርቲ ውግእን መራኽብ ኲናትን ናብቲ ዞባ ተበግስ ከምዘላ እዩ ዝንገር። ኢራን ብወገና መጥቃዕትታታ ቀጺላቶ'ላ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ግዳይ ከምዝኾነ ይንገር ኣሎ። ብዛዕባ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ሓደሽቲ ምዕባለታት ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና፤

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኢማራት ዓረብ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም ብዙሓት ቈሲሎም

    ኢራን ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝፈጸመቶ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ሚሳይላት: ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሓደ ኢትዮጵያውን ሓደ ኤርትራውን ዝርከቡዎም ዓሰርተታት ዜጋታት ቈሲሎም።

    ምኒስትሪ ምክልኻል'ታ ሃገር፡ እቲ መጥቃዕቲ ትማሊ ቀዳም ካብ ዝጅምር ንደሓር ልዕሊ 700 ሚሳይላትን 500 ድሮናትን ናብቲ ከባቢ ከም ዝተተኰሰ ኣፍሊጡ።

    መብዛሕተኦም እቶም ተተኰስቲ ክብርዕኑ እንከለቁ፡ ገሊኦም ኣብ መንበሪ ኣባይቲ፡ ትካላት ንግድን ባሕርን ዓሊቦም።

    ኣብ ልዕሊ ሰባት ጕድኣት ዘብጽሐ ስብርባር እቶም ተተኰስቲ ከም ዝዀነ ይንገር።

    በቲ መጥቃዕቲ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰለስተ ሰባት ደቂ ፓኪስታን፡ ኔፓልን ባንግላድሽን ከም ዝዀኑ ጋልፍ ኒውስ ሓቢሩ።

    ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝርከብዎም 58 ዜጋታት ቀሊል መጕዳእቲ ከም ዝበጽሖም ተገሊጹ።

  2. ኣብ ከባቢ መጻብቦ ሕርሙዝ ሰለስተ መራኽብ ምስ ተጠቕዓ ዋጋ ነዳዲ ወሲኹ

    መርከብ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኢራን መራኽብ በቲ ኣስታት 20% ካብ ነዳድን ጋዝን ዓለም ዝተኣናገደሉ መጻብቦ ከይሓልፋ ኣጠንቂቓ ኣላ።

    እቲ መጻብቦ ዳርጋ ተዓጽዩ ከም ዘሎን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ግጭት ንዋጋታት ነዳዲ ዝያዳ ሓፍ ከብሎ ከም ዝኽእልን ተንተንቲ ኣጠንቂቖም።

    ሎሚ ሰኑይ ኣብ እስያ፡ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ብልዕሊ 10% ወሲኹ እኳ እንተ ነበረ፡ ድሒሩ ግን ቍሩብ ጐዲሉ።

  3. ጉጅለ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንኢራን ኣጠንቂቐን

    ኣባላት ባይቶ ምትሕብባር ወሽመጥ ዓረብ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራት እቲ ጕጅለ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ዘይተኣደነ ጕድኣት ዘትዮም።

    እቲ ጉጅለ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንሲቪላዊ መሳለጥያታትን መንበሪ ቦታታትን ዒላማ ምግባር ዘጠቓለለ እዩ ይብል።

    ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ባሕሬን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ዖማን፣ ቀጠርን ኩዌትን ዝሓቖፈ ባይቶ ምትሕብባር ወሽመጥ ዓረብ፡ ኢራን ልኡላውነተንን ኣህጉራዊ ሕግን ትጥሕስ ኣላ ብምባል ነቲ መጥቃዕቲ ኰኒኑ።

    ኣብዚ እዋን ልዝብ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኢራን መጥቃዕትታታ ደው ከተብል ኣተሓሳሲቡ።

    እንተዀነ እቲ ጉጅለ ንጸጥታኡ ንምክልኻል "ኩሉ ኣድላዪ ስጉምትታት" ከም ዝወስድ'ውን ኣጠንቂቑ።

  4. ብዛዕባ ሳልሳይ መዓልቱ ረጊጹ ዘሎ ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዛጊት እንታይ ንፈልጥ?

    ስርዓተ ምክልኻል ኣየር እስራኤል ኣብ ኣሽቃሎን።

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ስርዓተ ምክልኻል ኣየር እስራኤል ኣብ ኣሽቃሎን

    ኲናት እስራኤልን ኣመሪካን ኣንጻር ኢራን ካብ ዝጅምር ሳልሳይ መዓልቱ ረጊጹ ኣሎ። ኵላቶም ድማ መጠነ ሰፊሕ ናይ ኣየር መጥቃዕቲታት የካይዱ ኣለዉ።

    ዘለዉ ምዕባለታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፤

    • ዶናልድትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ መግለጺ፡ "ኵሉ ዕላማታትና ክሳዕ ዝዕወት" ኣንጻር ኢራን ዝካየድ "ስርሒታት ውግእ" ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

    • ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ ኢራን ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሰለስተ ኣባላቱ ከም ዝተቐትሉን ሓሙሽተ ድማ ብኸቢድ ከም ዝቘሰሉን ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ትራምፕ "ዝያዳ" ክሳራ ክህሉ ምዃኑ ሓቢሩ።

    • እስራኤል፡ ሕዝቦላህ ናብ እስራኤል ገጹ ሚሳይላትን ድሮናትን ድሕሪ ምውንጫፉ፡ ሎሚ ወጋሕታ ሕዝቦላህን ወተሃደራዊ መሳለጥያታቱን ይርከቦ ናብ ዝበለቶ ዒላማታት መጥቃዕቲ ጀሚራ።

    • ሰበስልጣን ኢራን ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ደቀንስትዮ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 153 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሮም። ፕረዚደንት ኢራን ማሱድ ፔዘሽክያን ድማ ነቲ ፍጻመ፡ “ባርባራዊ ተግባር፡” ክብል ገሊጹዎ።

    • ሚሳይላትኢራን ንኸተማ ቤት ሸመሽ ብምውቃዕ፡ ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት ከም ዝሞቱ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ እስራኤል ማገን ዳዊት ኣዶም ሓቢሩ። እዚ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ ቀታሊ መጥቃዕቲ እዩ።

    • ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝገበረቶ መጥቃዕቲታት፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ባሕሬን፡ ኣብ ዒራቕ ከተማ ኤርቢልን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዮርዳኖስ ደብዳባት ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ።

    • ሎሚ ኣብ ዝተኸፍተ ዕድጋ እስያ፡ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ናህሪ ኣርእዩ ኣሎ።

    • ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር፡ ሃገሩ ንወተሃደራዊ መዓስከራት ብሪጣንያ ንመዓላ ነብሰ ምክልኻል ንኣመሪካ ከተፍቅደላ ምዃና ሓቢሩ። እንተዀነ፡ “ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ መጥቃዕቲ ስጕምቲታት ኣይክትጽንበርን እያ፡” ኢሉ።

    • ሓይሊ ኣየር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ቆጵሮስ ናብ ዝርከብ መዓስከር ከም ዝተሰደ ዝተጠርጠረ ናይ ድሮና መጥቃዕቲ ምላሽ ይህብ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።

  5. ኢራን 'ምስ ኣመሪካ ኣይንዘራረብን' ኢላ

    ሓላፊ ጸጥታ ኢራን ዓሊ ላሪጃኒ፡ ሃገሩ "ምስ ኣመሪካ ከም ዘይትዛተ" ብኤክስ ገሊጹ።

    ላሪጃኒ፡ ሰበስልጣን ቴህራን ምስ ዋሽንግተን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ዳግማይ ንምጅማር መደብ ከም ዘለዎም ንዝቐረበ ጸብጻባት እዩ መልሲ ሂብሉ።

    ንሱ፡ ጸሓፊ ላዕለዋይ ቤትምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ኢራን ኰይኑ፡ ኣማኻሪ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ እዩ ነይሩ።

    ኣብ ኣብ ርእሰ ከተማ ቐጠር ዶሓ ድማ ነትጒ ከም ዝተሰምዐ ሮይተርስን ኤጀንስ ፍራንስ-ፕረስን መሰኻኽር ዓይኒ ብምጥቃስ ይሕብሩ ኣለዉ።

    ተወሳኺ ሓበሬታ ከነስዕብ ኢና።

  6. ንመጥቃዕቲ ኢራን ስዒቡ ዝመጽአ ቅልውላው ዕዳጋታትን ምንቅስቓሳትን የናውጽ

    ኣብ መላእ ወሽመጥ ዓረብ ብዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲታት፡ ምዕጻው መዓርፎ ነፈርቲ፡ ምዝራግ ስራሕቲ ወደባትን ፋይናንሳዊ ስንባደን የስዕብ ኣሎ።

    ተንታኒ ኣቭየሽን ሹኮር ዩሱፍ፡ "ኢራን ፖሊሲ ዝተቓጸለት መሬት እያ ሒዛ ኣላ። ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ፈጺማ'ያ፤ ክትቅጽልውን እያ፡" ይብል።

    ከም ብዓል ዱባይ፡ ኣቡዳቢን ዶሓን ዝኣመሰላ ከተማታት ንዓመታት ቍጠብአን፡ ኣብ ነዳድን ጋዝን ወጻኢ፡ ኣብ ኣቭየሽን፡ ቱሪዝም፡ ፋይናንስን ሎጂስቲክስን ዘማእከለ ቍጠባታት እናሃነጻ፡ ኣብ ዓበይቲ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ዕዮን ኣህጉራዊ ወፍርን እዩ ክምርኰስ ጸኒሑ።

    ዱባይ ጥራይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 20 ሚልዮን ዓለምለኻውያን ናይ ሓደ ለይቲ በጻሕቲ ከም ዘመዝገበት መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ።

    ኣብ ከባቢ ዱባይ ማሪናን ፓልም ጁመይራን ኣብ ዝርከቡ መንበሪ ከባቢታት ዝሃረመ መጥቃዕቲታት ኢራን፡ ጽላታት ሪልስቴትን ምቕባል ኣጋይሽን ኢማራት ተቓላዕቲ ምዃኖም ዘርኢ እዩ።

    ኣብ ነዳዲ ዘጋጥም ወሰኽ ዋጋ ንኸም ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ዝበላ ኣፍረይቲ ከስግአን ይኽእል፤ ንግዲ፡ ሎጂስቲክስን ቱሪዝምን - ብፍላይ ኣብ ኢማራት ዓረብ - እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸቕጢ የጋጥሞም።

    ምዕጻው ክሊ ኣየር፡ እቲ ወሽመጥ ንእስያ፡ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዘራኽብ ዘተኣማምን ማእከል መተሓላለፊ ብምዃኑ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኰይኑ፡ ኣብ ቅዱስ እስላማዊ ወርሒ ሮሞዳን መዓልታዊ ጾም ዝሰብርን ዝጅምርን ኣማኒ፡ ናይ ሓባር መኣዲ ብምስራሕ ኣብ መላእ’ቲ ዞባ ንንግዲ ዝድግፍ ባህሊ ርክባት ክዘርግ ይኽእል እዩ።

    ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕ ንዕዳጋታት ዓለም የስግእ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  7. ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ንምቕታል ኣዋርሕ ዝወሰደ ውጥን ኣመሪካን እስራኤልን

    ኣመሪካን እስራኤልን ንኣዋርሕ ምንቅስቓሳት እቲ ላዕለዋይ መራሒ ክከታተላ ጸኒሐን እየን።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ እንታይ ዓይነት ሜላ ተጠቒሞም ዝብል ኣፋፍኖት እኳ እንተሃበ፡ እቲ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ሜላታት ግን ሕጂ'ውን ምስጢራዊ እዩ።

    "ካብ ስለያናን ኣዝዩ ረቂቕ ስርዓተ ክትትልናን ክሃድም ኣይከኣለን።"

    እዚ ምንጪ፡ ሰብ ክኸውን ይኽእል ነይሩ፤ ግን ቴክኒካዊ ምክትታል ኢራናውያን ውልቀሰባት ክኸውን ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ።

    ኣያቶላህ ኻሜኒ ብመጥቃዕቲ እስራኤልን ኣመሪካን ተቐቲሉ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  8. ሕዝቦላህ፡ ሚሳይላትን ድሮናትን ናብ እስራኤል ከም ዘወንጨፈ ገሊጹ

    ሰራዊት እስራኤል ካብ ሕዝቦላህ ዝተተኰሰሉ ሚሳይላት ንምብርዓን ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ዒላማታት ይሃርም ከም ዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

    ሕዝቦላህ ድሒሩ ሚሳይላትን ድሮናትን ናብ እስራኤል ከም ዝወንጨፈ ኣረጋጊጹ።

    ነዚ ዝገበረ ድማ ንቕትለት ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ሕነ ንምፍዳይ ምዃኑ ይገልጽ።

    እቶም ዝተወንጨፉ ሚሳይላት ሰብ ኣብ ዘይነብሮም ቦታታት ከም ዝወደቑ ሰራዊት እስራኤል ሓቢሩ።

    ሕዝቦላህ ካብ ኢራን ልዑል ሓገዝ ዝረክብ ኰይኑ፡ ህላወ እስራኤል ኣይቅበልን።

    ኣብዚ እዋን፡ ሰራዊት እስራኤል ንተቐማጦ ልዕሊ 50 ከተማታትን ዓድታትን ካብቲ ከባቢ ክርሕቁ ኣዚዙ።

    ከም ውጽኢቱ ድማ ካብ ደቡባዊ ከባቢታት ቤሩት ዝወጽኡ ሰባት ኣብ ነዊሕ ሪጋ መካይን ተራእዮም።

  9. እስራኤል፡ ንተቐማጦ ልዕሊ 50 ከተማታትን ዓድታትን ካብቲ ዝነብሩዎ ክወጽኡ ኣዚዛ

    እስራኤል መጥቃዕቲ ክትፍጽም ምዃና መልእኽቲ ብምሕላፍ ነበርቲ ልዕሊ 50 ከተማታትን ዓድታትን ሊባኖስ ካብቲ ቦታኦም ክወጽኡ ኣዚዛ።

    እቶም ኣብተን ዝዘርዘረተን ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት ብውሕዱ 1 ኪሎሜተር ርሒቖም ክግዕዙ መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ።

    እቲ መጠንቀቕታ፡ “ንድሕነትኩም ክትብሉ፡ ብቕልጡፍ ካብ ቤትኩም ወጺእኩም ብውሕዱ ሓደ ኪሎ ሜትር ካብ ዓድታትኩም ወጺእኩም ናብ ክፉት ቦታታት ገዓዙ፡” ይብል።

    “ኣብ ጥቓ ኣባላት ሕዝቦላህ ዘለውዎ ኰነ መሳለጥያታቶም ወይ ወተሃደራዊ ናውቶም ዝጸንሐ ሰብ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዋ ኣሎ፡” ክብል ይውስኽ።

    መካይን ተሰሪዐን ክኸዳ ይርኣያ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, እስራኤል ክግዕዙ ድሕሪ ምእዛዛ ኣብ ሲዶና ሎሚ ወጋሕታ ዝተራእየ መስርዕ መኻይን
    መካይን ተሰሪዐን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, እቲ ትእዛዝ፡ ሎሚ ንግሆ እዩ ተዋሂቡ
  10. ሓድሽ ኣዛዚ ኮር ሓለዋ ሰውራ ኣብ ኢራን ተሸይሙ - ጸብጻባት

    ሓለዋ ሰውራ ኢራን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC)፡ ኣሕመድ ቫሂዲ ሓድሽ ዋና ኣዛዚ ገይሩ ከምዝሸመ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

    ቢቢሲ ቫሂዲ ነዚ ሓላፍነት ከምዝተሸመ ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ መረጋገጺ ኣይረኣየን።

    እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኣዛዚ ጀነራል መሓመድ ፓክፑር፡ እስራኤልን ኣመሪካን ትማሊ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ዘካየድኦ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ካbእ ዝተቐትሉ ብርክት ዝበሉ ሰብስልጣን'ታ ሃገር ሓደ እዩ።

    ዕጡቕ ኣሃድ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ኢራን ዝዓበየ ወተሃደራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሓይሊ ኮይኑ፡ ካብ ስሩዕ ሰራዊት እታ ሃገር ዝተፈልየ ተልእኾ ዘለዎ እዩ።

  11. ነፈርቲ ኢራን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከባ መደበራት ኣመሪካ ይድብድባ ኣለዋ

    ኣብ ርእሰ ከተማ ባህረይን- ማናማ ዝረአ ባርዕ ሓዊ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኢራን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብረርቲ ሓይሊ ኣየር ኢራን፡ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ዞባ ኩርዲስታን ዒራቕን ንዝርከባ መደበራት ኣመሪካ ብዓወት ከምዝደብደቡ፡ መንግስታዊ ማዕከን ዜና'ታ ሃገር ሓቢራ።

    ሰራዊት ኢራን፡ ፓይለታት ነተን መደበራት ብተደጋገሚ ብልክዕ ከምዝወቕዑን፡ ኩለን ኣብቲ ዞባ ዝርከባ "ወተሃደራዊ ማእከላት ጸላኢ" ኣብ ክሊ ኣየር'ታ ሃገር ከምዝኣተዋን ገሊፁ።

    ድሕሪ'ቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ መሻርኽቲ ኣመሪካ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ-ገልፍ ዘካየደቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ፡ ጸሊም ትክን ባርዕን ዘርእዩ ስእልታት ይወፅኡ ኣለዉ።

    እቶም ብለይትን ሎሚ ንግሆን ዝተቐድሑ ስእልታት፡ ብፍላይ ኣብ ርእሰ ከተማ ባሕረይን- ማናማን ኣብ ዱባይ ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ- ጀበል ዓሊን ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠመ የመልክቱ።

  12. መራሕቲ ዓለም ብዛዕባ መጥቃዕቲ ኢራን እንታይ ኢሎም?

    ኢራንን ኣመሪካን ንሰሙናት ኣብ ድርድር ተዓጽየን እየን ቀንየን ነይረን።

    ድሕሪ እቲ ናይ ትማሊ መጥቃዕቲ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ "ኣህጉራዊ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ" ኢሉ ኣዊጁ ኣሎ።

    ንሱ፡ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን፡ ከምኡ'ውን ሕነ ምፍዳይ ኢራን፡ ነቲ ዞባ ከምዝበትዖ ብምግላጽ፡ እቲ ግጭት "ቅድሚ ናብ ዞባዊ ደረጃ ምዕባዩን ህይወት ንጹሃት ቅድሚ ምጉዳእን" ብቕልጡፍ ደው ክብል ኣተሓሳሲቡ።

    ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ማይክ ዎክ፡ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተፀወዐ ህጹጽ ኣኼባ "እቲ መጥቃዕቲ ንስትራተጂካዊ ቦታታት ጥራይ ዒላማ ዝገበረ እዩ" ኢሉ።

    "ዕላማና ምምዕባል ሚሳይል ደው ምባል እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ከይርበሻ፡ ንኢራን ዝድግፉ ዕጡቓት ንምእላይ፡ እታ ሃገር ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይትውንን ክንከላኸል ኢና ንደሊ" ኢሉ።

    ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዳኒ ዳኖን ብወገኑ፡ "እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሌናን መሻርኽትናን ንጸጥታ ዓለምን ዘሎ ሓደጋ ንምምካት ብሓባር ይሰርሓ ኣለዋ" ኢሉ።

    "ሓደ መንግስቲ 'ሞት ንእስራኤል'፡ 'ሞት ንኣመሪካ'' ክብል ከሎ ከም ዋዛ ኣይንወስዶን ኢና" ክብል ኣብቲ ዋዕላ ተዛሪቡ።

    መሓዛ ኢራን ዝዀነት ሩስያ ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒናቶ።

  13. እስራኤል፡ "ንቅርጺ ማእከላይ ምብራቕ ቀይረዮ" ኢላ’ያ ትኣምን

    ብሳተላይት ዝተሳኣለ ኣብ ታህራን ካብ መንበሪ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝወጽእ ትኪ ዘርኢ ስእሊ

    ምንጪ ስእሊ, Reut

    መግለጺ ስእሊ, ብሳተላይት ዝተሳኣለ ኣብ ታህራን ካብ መንበሪ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝወጽእ ትኪ ዘርኢ ስእሊ

    እስራኤል ንጸላእታ ኣብ ዘለዉዎ ኣትያ ክትቀትልን ዘለዋ ዓቕሚ፡ ብተደጋጋሚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ተረጋጊጹ’ዩ።

    ብሓገዝ ኣመሪካ ይኹን ብዘይ ሓገዝ፡ ካብ ምፍንጃር ፔጀር ክሳብ ልክዓዊ ሚሳይላትን ናብ ዝተሃደመ ባይታ ሰርሲሩ ዝኣቱ ቦምባታትን ብምጥቃም፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ፡ ሊባኖስ፡ የመንን ኢራንን ንዝርከቡ ተጻባእታ ከተወግድ ጸኒሓ’ያ።

    መራሕቲ ሓማስ፣ ሂዝቦላህ፣ ሑቲ ሕጂ ድማ ንላዕለዋይ ሃያማኖታዊ መራሒ ኢራን ክትቐትሎ ክኢላ ኣላ።

    ኢራን ንከም ሓማስ፡ ሒዝብላህን ሑቲን “ኪዳን ናይ ተቓውሞ” ኢላ እትጽውዖን እንከላ፡ እስራኤል ድማ “ኪዳን ናይ ክፍኣት” እትጽውዖም እዞም ሰለስተ ዑጡቓት ጉጅለታት ኣቓሊላካ ዝርኣዩ ኣይኮኑን።

    ካልእ ወሳኒ ዝዀነ ውልቀ መላኺ ሶርያ ነበር በሻር ኣል ኣሳድ ኣብ ሞስኮ ኣብ ስደት ይርከብ።

    ንእስራኤል ምቕታል ኣያቶላህ ኻመኒ ጫፍ ናይዚ ወፍሪ ምዃኑ’ዩ ዘመልክት።

    ነዚ ቀንዲ መዋሊ እዞም ሰለስተ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝኾነ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ምቅታሉ እምበኣር ንእስራኤል ዓቢ እፎይታ ዝህብ፡ ንፖሎቲካዊ ቅርፂ ማእከላይ ምብራቕ ከኣ ክቕይር ዝኽእል ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ

    እስራኤል’ውን ንማእከላይ ምብራቕ ዳግማይ ካልእ ቅርጺ ከምዝሃበቶ’ያ ትኣምን።

    ርግጽ ኮይንካ ትዛረቦ ጉዳይ ግን ኣይኰነን፥

    ካብ ሓሙኽሽቲ ናይቶም ሰለስተ ዑጡቓት ጉጅለታን [ሓማስ፡ ሑቲን ሕዝቦላሀን] እንታይ ክወጽእ ከምዝኽእል ርግጸኛ ኮይነካ ክትዛረብ ኣይክኣልን’ዩ።

    ህዝቢ ኢራን ኣብዚ እዋን ኣብ ክልተ’ዩ ተገሚዑ ዘሎ፡ ብሞት ዓሊ ኻሜኒ ዝቑዝምን ብሞቱ ዝሰራሰርን።

  14. ስእልታት ኣብ ልዕሊ ዱባይን እስራኤልን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘውረዶ ጉድኣት

    ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሚሳየል ኢራን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሚሳየል ኢራን

    ኢራን ኣብ ልዕሊ ዱባይን እስራኤልን ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ጉድኣት ዘርእዩ ስእልታት ይወፅኡ ኣለዉ።

    ኢራን ኣብ ሓደ ለይቲ ኣብ ዱባይ ንዝርከቡ ዒላማታት መጥቃዕቲ ፈፂማ ኣላ።

    ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኢማራት ቀንዲ ዒላማ ኰይኑ ኣሎ።

    ከምኡ ድማ፡ ሚሳይላት ኢራን ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ ማእከል ከተማ ተልኣቪቭ ንዝርከቡ ህንጻታት መንበሪ ኣባይቲ ኣጥቂዖም።

    ኣብ ልዕሊ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ- ጀቤል ፡ ዱባይ ዝበፅሐ መጥቃዕቲ ኢራን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ልዕሊ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ- ጀቤል ፡ ዱባይ ዝበፅሐ መጥቃዕቲ ኢራን
    መጥቃዕቲ ሚሳየል ኢራን ስዒቡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዱባይ ዝተርአየ ትኪ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, መጥቃዕቲ ሚሳየል ኢራን ስዒቡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዱባይ ዝተርአየ ትኪ
    ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሚሳየል ኢራን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሚሳየል ኢራን
  15. ትራምፕ፡ ኢራን ንኣመሪካ ወይ እስራኤል እንተ ተንኪፋ፡ 'ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓይሊ' ከምዝጥቀም ፈኪሩ

    ናይ ትራምፕ ስእሊ ዝሓዙ ሰልፈኛታት

    ምንጪ ስእሊ, Los Angeles Times via Getty Images

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን እስራኤልን ከም ግብረ መልሲ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ከይትፍትን ኣጠንቂቑ።

    ትራምፕ ኣብቲ ባዕሉ ዝውንኖ ትሩዝ ዝተሰመየ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ "ኢራን ሎሚ ኣዝዩ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ከምእትፍጽም ገሊጻ’ላ፡ከምኡ እንተዘይገይሮም ይሓይሽ፤ ይኹን እምበር፡ እንተገይሮም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ሓይሊ ክንሃርሞም ኢና!" ኢሉ።

    እዚ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ፡ ንሞት ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ኻመኒ ሕነ ንምፍዳይ፡ ንመደበራት ኣመሪካን እስራኤልን ከጥቅዕ ምዃኑ ድሕሪ ምጥንቃቑ'ዩ።

    ቅድሚ ሒደት ሰዓታት “ኣብ ታሪኽ ዕጡቕ ሓይልታት እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ተራእዩ ብዘይፈለጥ ብቲ ዝተጎበጠ ግዝኣታትናን መደበራት ግብረሽበራ ኣመሪካን ክጅምር’ዩ” ኢሉ።

  16. ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ እቲ ሓጺናዊ ሓይሉ ብሞቱ ኣኽቲሙ

    ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ

    ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

    መግለጺ ስእሊ, ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ

    ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዝፈጸመኦ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተቐትለ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጡ።

    ሞት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ንኢራን ዝመረሐ ወዲ 86 ዓመት ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ድሒሩ ኣብ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ኢራን'ውን ተረጋጊጹ።

    ኢራን ድሕሪ 1979 ዝተካየደ እስላማዊ ሰውራ ክልተ ላዕለዎት መራሕቲ ጥራይ እዮም ነይሮምዋ።

    ኣብ ኢራን ላዕዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ፡ እቲ ዝልዓለ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ'ዩ፡ ላዕለዋይ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኢራን ንሱ'ዩ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን'ውን ንሱ፡ ኮታስ ልዕሊኡ ተጸዋዒ የለን።

    ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ምሉእ ብምሉእ ውልቀ መላኺ ኣይኮነን፣ ኣብ ማእከል ዝተሓላለኸ መርበብ ስልጣን ዝተቐመጠ፤ ንዝኾነ ጉዳይ ህዝባዊ ፖሊስ ድምጺ ክህብን ንመንግስታውያን ሓለፍቲ ክመርጽን ግን ስልጣን ኣለዎ።

    ኢራናውያን መንእሰያት ብዘይካ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ካልእ መራሒ ኣይርኣዩን ምኽንያቱ ነታ ሃገር ን37 ዓመታት'ዩ መሪሕዋ።

  17. ኣመሪካን እስራኤልን ስለምንታይ እየን ናብዚ ሓደገኛ ኩነታት ኣትየን? ተንታኒ ፖለቲካ ቢቢሲ

    ኣብ ቴህራን ዝረአ ትኪ

    ምንጪ ስእሊ, Reu

    ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ኣብ ሓድሽ ኲናት ንምእታው ዝወሰድኦ ውሳነ፡ ዘይግመትን ኣዝዩ ሓደገኛን ኩነታት ከስዕብ ይኽእል እዩ።

    ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ መጥቃዕቲ ኣየር ኣመሪካን እስራኤልን ከምዝተቐትለ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምግላጹ ድማ ዝያዳ እቲ ኩነታት ዘሻቕል ይገብሮ።

    ሞት እቲ መንፈሳዊ መራሒ ብመንግስታዊ ቴሌቪዥን ኢራን'ውን ተረጋጊጹ ኣሎ።

    እስራኤል ነዚ መጥቃዕታ ንምፍፃም ከም መመኽነይታ፡ "ቅድመ-ምክልልኻል" ዝብል ቃል'ያ ተጠቒማ ኣላ።

    ኣብ ታሪኽ፡ ሓይሊ ኣየር እስራኤል እቲ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሓቢሩ።

    እቲ መመኽነይታ ግን፡ ነቲ ስግኣት ምላሽ ዝህብ ኣይኰነን፤ "ቅድመ-ምክልልኻል" ዝብል ቃል ዘእምን ኣይኰነን፤ የግዳስ ናይ ምርጫ ጉዳይ እዩ።

  18. ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን- ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜነይ- መን'ዩ?

    መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜነይ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜነይ

    ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜነይ ድሕሪ 1979 እስላማዊ ሰውራ ካልኣይ ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ዝዀነ እዩ።

    ካብ 1989 ጀሚሩ ድማ ኣብዚ ዝለዓለ ሓላፍነት ይርከብ፤ ኢራናውያን መንእሰያት ብዘይካኡ ካልእ ዝዓበየ መራሒ ኣይፈልጡን።

    እዚ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን፡ ኣብታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ እታ ሃገር ዝዀነት ማሽሃድ፡ ብ1939 እዩ ተወሊዱ።

    ንሱ፡ ካብቶም ሸሞንተ ውሉዳት ዝፈረየት ሃይማኖታዊት ስድራቤት ሓደ ዀይኑ፡ ኣቦኡ፡ ኢማም እቲ ኣብ ኢራን ዓብላሊ ዝዀነ ሺዓ-እስልምና እዩ ነይሩ።

    ትምህርቱ ብመጽናዕቲ ቁርኣን ዝተዓብለለ እዩ፤ ኣብ 11 ዓመት ዕድመኡ ድማ ኢማም ክኸውን በቒዑ።

    ግን፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት፡ ስርሑ ማዕረ ፖለቲካዊ፡ መንፈሳዊ'ውን እዩ ነይሩ።

    እቲ 'ተዛሪቡ ዘስምዕ' ዝበሃል [Orator] ኻሜነይ፡ ምስ ነቐፍቲ ናይቲ ኣብ መወዳእታ ብእስላማዊ ሰውራ ዝተዓልወ ንጉስ ሻህ ኢራን ተጸንቢሩ።ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ መላግቦ ኣለኩም

  19. ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ተቐቲሉ

    ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ

    ኣመሪካን እስራኤልን ካብ ትማሊ ንግሆ ጀሚረን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዝፈጸመኦ መጥቓዕቲ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝርከብዎም ሓያለ ሰብ መዚ ኢራን ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።

    ክሳብ ሕጂ ዘሎ ምዕባለታት ሕጽር ብዝበለ ከምዚ ይመስል

    • ላዕለዋይ ሃገራዊ ባይቶ ኢራን በቲ ኣመሪካን ኢራንን ትማሊ ቀዳም ዝፈጸምኦ መጥቃዕቲ፡ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜነይ ከምዝተቐተለ ኣፍሊጡ፡ እቲ መግለጺ ከኣ ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ተነቢቡ
    • ነቲ ሞት ዘንበበ ጋዜጠኛ እናነበዐ፡ ን40 መዓልታት ናይ ሓዘን መዓልታት ተኣዊጁ ከምዘሎ ኣፍሊጡ፡ መተካእታ ኣያቶላህ ዓሊ ኻማኒ ኣብ ቀረባ ክምዘዝ ምኻኑ’ውን ተሓቢሩ
    • ማሕበር ቀይሕ ወርሒ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝሞቱ ኣፍሊጡ፡ መላፍነቲ ቢቢሲ ዝዀነ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ከኣ ኣስታት 40 ዝዀኑ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢራን በቲ ትማሊ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝተቐተሉ ጸብጺቡ
    • ከም ግብረ መልሲ ኢራን ብወገና፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቅ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ንዘለዎ ቦታታትን ምስ ኣመሪካ ሽርከነት ኣለወን ንዝበለተን ሃገራትን ደብዲባ፡ ካብዚአን ዱባይ፡ ዶሓ፡ ባሕረይንን ኵየትን ይርከብአን
    • ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ሰር ኪር ስታርመር፡ ዓባይ ብሪጣንያ ህዝባን ዞባውያን መሻርኽታን ንምክልኻል ኣብቲ ዝተወሃሃደ ስርሒት ዞባዊ ምክልኻል ተጸንቢራ ምህላዋ ኣፍሊጡ
    • ዶናልድ ትራም ኣቐድም ኣቢሉ ንላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻማኒ “እቲ ኣብ ታሪኽ ዝሸይጠነ” እዩ ብምባል፡ ሞት ኣያቶላህ ዓሊ ኻማኒ ንህዝቢ ኢራን ሃገሩ ንኸምልስ “እቲ እንኮን ዝሓሸን ዕድል” ሕጂ ምዃኑ ኣፍሊጡ
  20. ኢራን፡ ንመጥቃዕቲ ኣመሪካ-እስራኤል ዝሃበቶ ግብረ መልሲ ብኸመይ’ዩ ቅጽበታዊ ኰይኑ?

    ኢራን፡ ነቲ ቀዳም ንግሆ ካብ ኣመሪካን እስራኤል ዝወረዳ መጥቃዕቲ ዝሃበቶ ቅጽበታዊ ግብረመልሲ፡ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ዝተፈጸመ ብምዃኑ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኰይኑ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ’ሎ።

    ንታሪኻዊ ኵነታት ምልስ ኢልካ ምስ ዝርአ እቲ ኣዋህባ ምላሽ ዝተፈልየ ምንባሩ ኢና ንዕዘብ።

    እቲ ኣብ ሰነ 2025 ን12 መዓልታት ዝተኻየደ ኲናት፡ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢራን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ማዕበል መጥቃዕቲ ዒላማ ኮይኖም።

    ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ሰበስልጣን እስላማዊት ሪፓብሊክን ኢራንን ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለወን መራኸቢ ብዙሃንን፡ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ክወሃብ ዝኽእል ግብረመልሲ፡ ኣብ ዝምልከት ኣብ ምምይያጥ ብዙሕ ሰዓታት ኣሕሊፈን።

    እዚ ተመኵሮ’ዚ ንመንግስቲ ሓድሽ ተርእዮ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ድሕሪ እቲ ንሸሞንተ ዓመታት ምስ ዒራቕ ዝተኻየደ ኲናት፡ ሓንቲ ባዕዳዊት ሃገር ኣብ መሬት ኢራን ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክትፍጽም ንፈለማ እዋን ስለዝነበረ።

    እስራኤል፡ ብ13 ሰነ 2025፡ ብኣቈጻጽራ ከባቢ ሰዓት 6፡30 ንግሆ ሓሙሽተ ማዕበላት መጥቃዕቲ ኣካይዳ። ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ሓለዋ ሰውራ ኢራንን ክሳብ ሰዓት 7፡00 ቅድሚ ቀትሪ ምማቶም ተረጋጊጹ።

    ነዚ ስዒቡ መጠንቀቕታ ክህብ እንከሎ እቲ ናይ መጀመርታ ጸረ-መጥቃዕቲ ኢራን ግን ክሳብ ከባቢ ሰዓት 9፡00 ምሸት ኣይተጀመረን ነይሩ። እዚ ምድንጓይ ብቐንዱ ብሰንኪ ዒላማ ምግባር ዋና ቤት ጽሕፈት ማእከላይ እዚ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓለዋ ሰውራ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ መስርሕ ወተሃደራዊ ውሳነ ምድንጓይ ኣስዒቡ።

    እዚ፡ ድሕሪ ኣስታት ትሽዓተ ኣዋርሕ ብቐዳም 28 ለካቲት ዝተራእየ መጥቃዕትን ቅልጡፍ ምላሽን እቲ ዳይናሚክስ ኣዝዩ ተቐይሩ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።

    ምሉእ ትሕዝቶ በዚ መላግቦ ኣቲኹም ኣንብቡ፤

    https://bbc.com.im/tigrinya/articles/c4g29zdljd5o%3C/p%3E%3C/div%3E%3Cfigure class="mediaStyles css-1ckhn36">

    ፍንጀራ ኣብ ማእከል ባሕሪ

    ምንጪ ስእሊ, Jalaa MAREY / AFP via Getty Images

    ዝተሓብኡ ሰባት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ዝሃድሙ ቈልዑ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images