መጥቃዕቲ ኢራን ይገድድ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ይነድድ፡ ትራምፕ ተስፋን መጠንቀቕታን ይሰድድ

ትራመፕ፡ ኢራን ንመፃብቦ ሆርሙዝ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት እንተዘይከፊታቶ፡ ን መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ'ታ ሃገር ክድምስስ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ኣመሪካ ተወሰኽቲ ወተሃደራት፡ ነፈርቲ ውግእን መራኽብ ኲናትን ናብቲ ዞባ ተበግስ ከምዘላ እዩ ዝንገር። ኢራን ብወገና መጥቃዕትታታ ቀጺላቶ'ላ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ግዳይ ከምዝኾነ ይንገር ኣሎ። ብዛዕባ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ሓደሽቲ ምዕባለታት ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና፤

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ህንድን እስራኤልን ኣብ ምክልኻልን ቴክኖሎጅን ምትሕብባረን ከደልድላ ቃል ተኣታትየን

    ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞድ [ጸጋም] ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ [የማን]

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞድ [ጸጋም] ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ [የማን]

    ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ ኣብ እስራኤል ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ፡ ሃገሩን ቴልኣቪቭ ኣብ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒን [artificial intelligence] ምክልኻልን ክተሓባባራ ኣብ ሓደ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ገሊጹ።

    ሞዲን ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ናታንያሁን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ነጻ ንግዳዊ ምልውዋጥ ገጸን ንምብጻሕ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

    ሞዲ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ’ውን “ነቲ ብግዜ ዝተፈተነ ሽርክነትና ናብ ፍሉይ ስትራተጅያዊ ምሕዝነት ንምዕባይ ታሪኻዊ ውሳነ ወሲድና ኣለና” ኢሉ።

    ሞዲ ድሕሪ 2017 ንኻልኣይ ግዜ ናብ እስራኤል ዘካየዶ ዑደት፡ ህንዲ ምስ እስራኤልን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ዘለዋ ርክብ ሚዛኑ ንምሕላው ኣብ እትጽዕረሉ ዘላ እዋን፡ ከም ፈተና ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ኮይኑ ይረአ ኣሎ።

    ሞዲ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝጸንሓሉ ናብቲ ንህልቂት ሆሎካስት ንምዝካር ዝተሰርሐ ቤተ መዘክር ያድ ቫሸም በጺሑ። ኣብኡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል ከኣ ነቲ ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኰኒኑ።

    “ቓንዛኹም ይስምዓና’ዩ፡ ሓዘንኩም ሓዘንና’ዩ። ህንዲ ኣብዚ ህሞትን ኪንኡን ብምሉእ እምነት ምስ እስራኤል ብጽኑዕ ደው ኢላ ኣላ” ኢሉ።

    ብዘይካ’ዚ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ንግዲ፡ ትምህርቲ፡ ዳህሳስ ጠፈር፡ ወፍሪ፡ ሕርሻን ካልእን ዝርከቦ ሓያለ ስምምዓት ተፈራሪመን።

    ከም ኣካል እቲ ስምምዕ ከኣ እስራኤል ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት 50 ሽሕ ህንዳውያን ሰብ ሞያ ኣብ ሃገራ ክትቕበል ምዃና ቓል ኣትያ።

  2. ፓኪስታን ኣብ ልዕሊ ከተማታት ኣፍጋኒስታን ደብዳብ ፈጺማ, ፓኪስታን ኣብ ልዕሊ ከተማታት ካቡልን ካንዳሃርን ደብዳብ ከምዝፈጸመት ተኣሚና

    ዝዓነወት መኪና

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፓኪስታን ክልተ ወተሃደራት ኣብ ዶባት ኣፍጋኒስታን ብጣሊባን ድሕሪ ምቕታሎም ደብዳብ ከምዘካየደት ተገሊጹ።

    ሚኒስተር ምክልኻል ፓኪስታን ካዋጃ ኤም ኣሳፍ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ጣሊባን ኵናት ከምዝጀመረት ብወግዒ ኣፍሊጡ።

    እቲ ሚኒስተር “ፓኪስታን ነቲ ዘጋጠመ ነገር ኣፍኵሳ ንምሓዙ ምስታ መሓዛና ዝዀነት ጎረቤት ብዲፕሎማስያዊ መዳይ ኩሉ ዝክኣላ ነገር ገይራ’ያ። ሕጂ ግን እቲ ዓቕልና ተወዲኡ። ኣብ ሞንጎናን ሞንጎኹምን ኵናት ተኸፊቱ ኣሎ” ኢሉ።

    ክልቲኤን ሃገራት ድሕቲ ተደጋጋሚ ምልውዋጥ ቶኵሲ ኣብ ጥቅምቲ ምቁራጽ ቶዅሲ ክገብራ ተሰማሚዐን ነይረን።

    በቲ ፓኪስታን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብለይቲ ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታት ዝፈጸመቶ ደብዳብ፡ ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም 18 ሰባት ምሟቶም ጣሊባን ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

    ፓኪስታን ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ'ውን ካብ ሰዓት 1፡50 ክሳብ 2፡30 ኣብ ዝነበረ ሰዓታት ነቲ ደብዳብ ከምዝፈጸመቶ ኤኤፍፒ ንነበርቲ ካቡልን ካንዳሃርን ብምዝርራብ ኣቓሊሑ።

    ውሃቢ ቃል ጣሊባን ዛቡህላል ሙጃሂድ ኣብ ልዕሊ ፓኪስታን ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቓዕቲ ከምዝፈጸሙ’ኳ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ እንተነበረ ድሒሩ ግን ደምሲስዎ።

    ፕረዚደንት ፓኪስታን ኣሲፍ ዓሊ ዛረዳሪ’ውን እቲ ሰራዊቱ ዝወሰዶ መጥቓዕቲ ግቡእን ዕለማኡ ዝሃረመን ምንባሩ ኣብ ኤክስ ሓቢሩ።

    “ነቲ ሰላም ምድላይና ከም ድኽመት ዝርድእዎ ግቡእ ግበረ መልሲ ክውሃቦም እዩ። ዋላ ሓደ ካብኦም ከኣ ካባና ከኽወል ኣይክእልን” ኢሉ።

  3. ትግራይ፡ ንውሳነ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ

    ሰልፈኛታት ኣብ ኣላማጣ

    ምንጪ ስእሊ, TIG TV

    ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ኣብተን ካብ ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግበአኒ ዝለዓለለንን፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበራ ሰፋሕቲ ከባቢታት፡ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ወፃኢ ኰይነን ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ መረፃ ከካይዳ ምውሳኑ ኣብዚ ቅነ ከም ዘፍለጠ ይዝከር።

    እዚ ውሳነ ብወገን ትግራይ ሰፊሕ ቍጠዐን ተቓውሞን ዘስዓበ ኮይኑ ሎሚ ዓርቢ ድማ ኣብ መላእ ትግራይ ዝተፀውዐ ህዝባዊ ሰልፊ ተቓውሞ ይካየድ ኣሎ።

    ቦርድ መረፃ፡ 22 ጥሪ 2018 ዓ.ም [ግ] ዝርዝር ክልላትን ጣብያታትን መረፃ ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ እተን ሓሙሽተ ክልላት መረፃ ዝበለን ሑመራ፡ ዓዲ-ረመፅ፡ ፀለምቲ፡ ኮረም-ኦፍላን ከምኡ'ውን ራያ-ኣላማጣን፡ ምዃነን ኣፍሊጡ ነይሩ።

    በዚ ውሳነ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ቍጠዐ ድሕሪ ምልዓሉ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ፓርቲ ስምረት ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል ክሲ ብምቕራቡ እቲ ውሳነ ንግዚኡ ተኣጊዱሎ።

    ኣቶ ጌታቸው ትማሊ 26 ለካቲት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ብኽልቲኡ ሸነኽ ዝቐርብ ምጕት ክሳብ ዝውዳእ "ውሳነ ተኸሳሲ - ቦርድ መረጻ - ንግዝኡ ተኣጊዱ ክጸንሕ፡" ሰለስተ ዳያኑ ውሳነ ከም ዘሕለፉ የመልክት።

    እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘሕለፎ ትእዛዝ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ነቲ ክሲ ኣመልኪቱ ብወግዒ መልሲ ክህብን ደጋፊ መርትዖታት ከቕርብን ከምኡ’ውን መጸዋዕታ ክጽሓፈሉ መምርሒ ሂቡ ኣሎ።

  4. ትራምፕ: ንኣስላም ኣባላት ኮንግረስ “ናብ ዝመፅአሉ ክንሰደን ኢና” ኢሉ, ኣባላት ኮንግረስ ኢልሃን ዑመርን ራሺዳ ትላቢን ይርከበአን

    ኣባላት ኮንግረስ ኢልሃን ዑመርን መሓዛኣ ራሺዳ ትላቢን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ኮንግረስ ኢልሃን ዑመርን ራሺዳ ትላቢን

    ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ትማሊ ኣብቲ ‘ስቴት ኦፍ ዘ ዩንየን’ ብዝብል ዝፍለጥ መደረ የስምዕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣባላት ኮንግረስ ዝዀና ኣስላም- ኢልሃን ዑመርን መሓዛኣ ራሺዳ ትላቢን: ብሓባር ተቓውሞ የስመዓ ነይረን።

    ብፍላይ ድማ: ትራምፕ፡ ብዛዕባ ስደተኛታትን ኣብ ሚነሶታ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ሶማላውያን-ኣመሪካውያን ዝፍፅምዎ ዝበሎ ምትላልን፡ ኣመልኪቱ እንትዛረብ፡ ብሓባር ‘ኣውያት’ ብዝተሓውሶ ዓው ዝበለ ድምፂ ኣስሚዐን።

    ኢልሃን ዑመር፡ “እዚ ሓሶት’ዩ፡ ሓሳዊ ኢኻ” ብምባል ንትራምፕ መልሲ ሂባቶ፤ ኣብ ጎና ኮፍ ኢላ ዝነበረት ካልእ ተወካሊ ግዝኣት ሚቺጋን ራሺዳ ድማ ምስኣ ተሓዊሳ ተቓውሞ ኣስሚዓ።

    ነዚ ስዒቡ፡ ትራምፕ ኣብ ትዊተር ገጹ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ነዘን ክልተ ኣባላት ኮንግረስ- ተወከልቲ ሰልፊ ዲሞክራት፡ “ትሑት ደረጃ ርድኢት ዘለወን” ክብል ነቚፉዎን።

    ኣብቲ ኣኼባ "ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብዝዀነ መገዲ ኣውያት የስመዓ” ከምዝነበራ ድማ ኣስፊሩ።

    ንሱ ወሲኹ፡ ነተን ክልተ ፖለቲከኛታት "ከም ዕቡዳት እየን ዝዀና ነይረን፡ ኣእምሮአን ተወቒዑ እዩ፤ ኣዒንተን’ውን ከምዚ ናይ ዝሓመመ ሰብ ፈጢጡን ቀይሑን ነይሩ፤ ብሓቂ ኣብ ሆስፒታል ክኣትያ ይግባእ" ኢሉ።

    ቀፂሉ ድማ፡ "ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍና ናብቲ ዝመፅኣሉ ቦታ ክንመልሰን ኣለና" ክብል ጽሒፉ።

    ትራምፕ ዋላ’ኳ ከምኡ እንተበለ፡ ክልቲአን ኣባላት ኮንግረስ ዜጋታት ኣመሪካ’የን።

    ኢልሃን ዑመር

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  5. ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ንውሳነ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣጊዱ

    ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል፡ ነቲ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዘውጽኦ ኣዋጅ ደው ዘብል ግዝያዊ እግድ ኣመሓላሊፉ።

    ብሰኑይ 23 ለካቲት 2026፡ ባይቶ ፈደረሽን ኣብ ጉዳይ ብሸነኻት ትግራይን ኣምሓራን ሕቶ ይግበአኒ ይለዓለን'ዩ ዝበለን ከባብታት ትግራይ፡ ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወጺኡ፡ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብቐጥታ ክመርጻ ከም ዝተወሰነ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

    እዘን ሓሙሽተ ነቑጣታት መረጻ፡ ሑመራ፣ ዓዲ-ረመጽ፣ ጸለምቲ፣ ኮረም-ኦፍላ ከምኡ'ውን ራያ-ኣላማጣ እየን።

    እዚ ውሳነ እንተ ዘይተኣሪሙ ኣብ መረጻ ከም ዘይሳተፍ ዘፍለጠ ብኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ውድብ ዲሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ፡ ንሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ፍርዲ ከም ዝኸሰሶ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

    ሎሚ 26 ለካቲት፡ ኣቶ ጌታቸው ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርግሖ ደብዳበ፡ ብኽልቲኡ ሸነኽ ዝቐርብ ምጉት ክሳብ ዝውዳእ "ውሳነ ተኸሳሲ - ቦርድ መረጻ - ንግዝኡ ተኣጊዱ ክጸንሕ፡" ሰለስተ ዳያኑ ውሳነ ከም ዘሕለፉ የመልክት።

    እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘሕለፎ ትእዛዝ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ነቲ ክሲ ኣመልኪቱ ብወግዒ መልሲ ክህብን ደጋፊ መርትዖታት ከቕርብን ከምኡ’ውን መጸዋዕታ ክጽሓፈሉ መምርሒ ሂቡ ኣሎ።

    እታ ሃገር ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ መረጻ ንምክያድ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፡ መንግስቲ ፈደራል ነቶም ብሓይልታት ኣምሓራ ዝተጐብጡ ዘሰሓሕቡ ከባቢታት ናብ ዝነበርዎ ክመልስ ብዘይምኽኣሉ ምስ ህወሓት ክተሃላለኽ ጸኒሑ እዩ።

    ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣብቲ ክልል ንዝንቀሳቐሳ ፖለቲካዊ ሰልፊታትን እቲ ሕጂ ቦርድ መረጻ ዘሕለፎ ውሳነ ከም ዝተቓወምዎ ይፍለጥ።

  6. ህወሓት፡ ዳግማይ ኲናት እንተ ተወሊዑ ንኢትዮጵያ ከፍርሳ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ

    ኣማኑኤል ኣሰፋ ቃለመሕትት እናኣካየደ

    ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ዳግማይ ኲናት እንተ ተኣትዩ፡ ንኢትዮጵያ ከፍርሳን ንቐርኒ ኣፍሪቃ ድማ ዝያዳ ርግኣት ከስእኖን ምዃኑ ብውልቂ እትውነን ኤርትራዊት ተለቪዥን ኣሰና ጸብጺባ።

    ምክትል ኣቦ መንበር ህወሓት ኣማኑኤል ኣሰፋ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ይጥሕሶ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ሓይልታት ምክልኻል ፈደራል “ኲናት ንምጅማር ፊስካ እናተጸበየ፡” ናብ ትግራይ ገጹ ይጽጋዕ ምህላዉ ሓቢሩ።

    እቲ ውዕል ሰላም ክሰርር ዘለዎ ተኽእሎ ትሕቱ ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ኣማኑኤል፡ ዳግማይ ግጭት ንኢትዮጵያ ናብ “ምፍራስ ዘብጽሕ፡” ንዞባዊ ዘይምርግጋእ ዘብእስን ንትግራይ ዘዕኑን ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

    ስለዝዀነ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ካብ 2020 ክሳዕ 2022 ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ዘብቅዐ ውዕል ሰላም ንምውሓስ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኢዱ ከእቱ ኣተሓሳሲቡ።

    ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ካብ ቤትምኽሪ ፈደረሽን ብዝተዋህቦ መምርሒ መሰረት፡ ንኽልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘሰሓሕቡ ወረዳታት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ሓሙሽተ ግዜ ኣብ ትሕቲ ትግራይ ኰይነን መረጻ ዘካየድኦ ብምውጽኡ፡ ንዝነበረ ወጥሪ ኣበሪኹዎ ኣሎ።

    እቲ ምርጫ 1 ሰነ 2026 ክካየድ እዩ ተወጢኑ ዘሎ።

    ህወሓት ነቲ ውሳነ ዝቃወም ሰፊሕ ሰልፍታት ክካየድ ንጽባሕ 27 ለካቲት ጸዊዑ ኣሎ።

    እዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ናብ ምውላዕ ውግእ ከይዓርግ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

  7. ሶማሊላንድ ፈላሚ ኣምባሳደራ ኣብ እስራኤል መዚዛ

    ብእስራኤል ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣፍልጦ ዝረኸበት ሶማሊላንድ ፈላሚ ኣምባሳደራ ሸይማ።

    እቲ ስጉምቲ ነቲ ምስ እስራኤል ዘለዋ ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና መሰረት ዘንጽፍ ምዃኑ መግስታዊ ማዕከን ዜና ሶማሊላንድ ገሊጹ።

    ኣፈኛ እታ ባዕላ ናጽነታ ዝኣወጀት ርእሰ-ምምሕዳር ሑሴን ዓደን ዒገ፡ እቲ ብፕረዚደንት ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ (ዒሮ) ዝተወሰነ ምምዛዝ ናይቲ ኣምባሳደር ኣረጋጊጹ'ሎ።

    ነዚ ታሪኻዊ መዝነት ዝተቐበለ ዲፕሎማሰኛ ዑመር ሓጂ ማሕሙድ ዝተባህለ ምዃኑ'ውን እቲ ኣፈኛ ጠቒሱ።

    "እቲ ኣምባሳደር፡ ክብረት፡ ስልጣን፡ መሰላትን ሓላፍነታትን ናይቲ ቦታ ክህልዎ እዩ፡" ክብል ዒገ ተዛሪቡ።

    እቲ ስጉምቲ፡ ዒሮ ናብ እስራኤል ፈላሚ ወግዓዊ ምብጻሕ ከካይድ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን'ዩ ተወሲዱ ዘሎ።

    ኣምባሳደር ሞሐመድ ዖማር ሃጊ ሞሐሙድ

    ምንጪ ስእሊ, @AmbMohamedHagi

    ኣብታ ሃገር ምስ ኣተወ ንኤምባሲ ሶማሊላንድ መሪቑ ብምኽፋት ኣካል ናይቲ ብመንጎኝነት ኣመሪካ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብራሃም ንምዃን ክፍርም እዩ።

    ኣብ 2020 ዝተፈረመ 'ስምምዕ ኣብራሃም' ('ኣብራሃም ኣኮርድስ') ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓያለ ሃገራት ዓረብን ዝተበጽሐ ኰይኑ፡ እስራኤል ምስተን ካብ እትምስረት ኣትሒዛ ኣፍልጦ ሂበንኣ ዘይፈልጣ ሃገራት ዓረብ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክትምስርት ዘኽኣለ'ዩ።

    ብመሰረት እቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ-ስልጣን ዶናልድ ትራምፕ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ባሕሬን፡ ሱዳንን ሞሮኮን ንእስራኤል ከም ሃገር ኣፍልጦ ብምሃብ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና መስሪተን ይርከባ።

    ኣብ 1991 ካብ ዓባይ ሶማልያ ከምዝተፈንጨለት ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፡ ውሳነ እስራኤል ዓቢ በሪ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ክኸፍተላ ተስፋ ገይራ ኣላ።

  8. ኢራን፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ኣመሪካ ንትራምፕ ሂቡዎ ዝተባህለ ምኽሪ

    ትራምፕን ጀነራል ዳን ኬንን ኣብ ሓደ ሰማያዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎ መድረኽ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣቦመንበር ሓለቓታት-ስታፍ ሓይልታት ኣመሪካ ዝኾነ ጀነራል ዳን ኬን፡ ንዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ከይእዝዝ ኣጠንቂቕዎ ዝብል ጸብጻባት ነቲ ፕረዚደንት ኣቖጢዕዎ ኣሎ።

    እቲ ጀነራል፡ ኣብ ልዕሊ ቴህራን ዝግበር መጥቃዕቲ ንዋሽንተን ናብ ካልእ ዝተናውሐ ኲናት ክሸምማ ከምዝኽእል ስክፍታ ከምዘለዎ ምግላጹ'የን ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ዝገልጻ ዘለዋ።

    ነቲ ጸብጻብ "ስኑዕ ዜና" ክብል ዝተቓወመ ትራምፕ ግን፡ እቲ ዝፈትዎ ኣዛዚ ሰራዊቱ ምስ ኢራን ዝግበር ኲናት "ብቐሊሉ ክትዕወተሉ" እትኽል ምዃኑ እዩ ዝኣምን ክብል ተዛሪቡ'ሎ።

    ከምቲ ዝብሃል ዘሎ እንተኾይኑ፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ መሻርኽቲ ሃገራት ናይቲ ዞባ ግብረመልሲ ብምሃብ ተወሳኺ ሓይሊ ኣመሪካ ኣብኡ ከምዝጽመድ ናይ ምግባር ተኽእሎ ከምዘሎ ዝምጉት ርእይቶ'ዩ ሒዙ ዘሎ።

    እቲ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ቴህራን ስምምዕ ኑክሌር ንምፍራም ቅርብቲ እንተዘይኮይና ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ብምጥንቃቕ ብዓርሞሸሽ መራኽብ ኲናት ዝተሰነየ ሓይሊ ናብቲ ዞባ ኣጸጊዑ ከምዘሎ ይፍለጥ።

    ወከልቲ ኣመሪካን ኢራንን ተወሳኺ ዙር ዝርርብ ንምክያድ ዳግማይ ናብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ኣትዮም ኣለዉ።

    ዓለም ግን፡ እቲ ዘተ ከምቲ ዝሓለፈ ፍረ እንተዘይሂቡ፡ ትራምፕ እንታይ ክውስን ከምዝኽእል ንፍላጥ ብተርባጽ'ያ ትጽበ ዘላ።

  9. መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ከካይዱ እዮም

    ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንህዝቦም እናባረኹ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ቫቲካን ኣፍሊጡ።

    እቲ ካብ 13 ሚያዝያ ኣትሒዙ ዝካየድ ፈላሚ ጉዕዞ ናብታ ኣህጉር ን10 መዓልታት ዝጸንሕ እዩ።

    እተን ንምብጻሕ ኣቡነ ሊዮ ዝዳለዋ ዘለዋ ሃገራት ኣልጀርያ፡ ካሜሩን፡ ኣንጎላን ኢኳቶሪያል ጒኒን እየን።

    ብፍላይ እታ 'ቅዱስ ኣጎስቲን ናይ ሂፖ' ዝተወለደላ ኣልጀርያ ንፈለማ እዋን'ያ ንርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከተአንግድ።

    ንመሪሕነት እታ ቤተክርስትያን ቅድሚ ምርካቦም፡ ካርዲናል ሮበርት ፕረቮስት ኣብ ዝብሃልሉ ዝነበሩ እዋን ግን ናብ ኬንያን ታንዛንያን ዝርከብአን ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ በጺሖም ከምዝነበረ ይፍለጥ።

  10. ሓድሽ ቅጥዕታት ኢሚግሬሽን ብሪጣንያ ክትግበር ጀሚሩ

    ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ሰባት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ እናተጸበዩ

    ምንጪ ስእሊ, Universal Images Group via Getty Images

    ንብዙሓት ሃገራት ዝምልከት ሓድሽ ቅጥዒ ኢሚግሬሽን ብሪጣንያ ክስራሓሉ ጀሚሩ'ሎ።

    እቲ ካብ ትማሊ ረቡዕ ዝፈለመ መምርሒ ንኣመሪካን ኣውስትራልያን ዝርከብአን፡ ዜጋታተን ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ ዝጸንሑ፡ 85 ሃገራት ዝምልከት'ዩ።

    በዚ መሰረት ካብተን ሃገራት ናብ ብሪጣንያ ዝገሹ ሰባት መእተዊ ፍቓድ (electronic travel authorisation) ከድልዮም እዩ።

    መንግስቲ፡ እቲ ሓድሽ ውሳነ ንስርዓተ-ኢሚግሬሽን ንምምሕያሽን ውሕስነቱ ንምርግጋጽን ከምዝተወስደ'ዩ ዝምጉት።

    ንድርብ ዜግነት ብሪጣንያን እተን ዝተጸልዋ ሃገራትን ዘለዎም ሰባት ግን ጸገማት ክፈጥሮም ከምዝጀመረ ይንግለጽ ኣሎ።

    ኢ-ቲ-ኤ (ETA) ዲጂታላዊ መእተዊ ፍቓድ ኮይኑ፡ ተቐባልነት ዝረኸበ ሰብ ኣብ ብሪጣንያ ን6 ወርሒ ክጸንሕ የኽእል። እቲ ፍቓድ ንክልተ ዓመት ወይ ክሳብ ዕለት ፓስፖርት ዝውዳእ ከምዝጸንሕ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

    ነቲ ፍቓድ ዝረኽቡ ባጻሕቲ ንቱሪዝም፡ ንግዲን ትምህርትን ዝመጹ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

    እቶም ቪዛ ክሕተቱ ዝጸንሑ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ግን ከም ቀደሞም ብዝተዋህቦም ቪዛ እዮም ዝኣትዉ- እዚ ሓድሽ ፍቓድ ኣየድልዮምን እዩ።

  11. ባይቶ ጸጥታ: ኣብ ልዕሊ ሕሜቲ ዝርከቦም ኣርባዕተ መራሕቲ ሱዳን ሓድሽ እገዳ ኣንቢሩ

    ሕሜቲ

    ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images

    ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ወተሃደራዊ መራሕቲ ዕጡቕ ጉጅለ- ሓድሽ እገዳ ዘንበረ፡ ኣብ ኤልፋሸር ብዝፈጸምዎ ገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝዀነ ተገሊፁ።

    እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንኤልፋሸር ዝተቘፃፀረ ዀይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ቅልውላው ድማ፡ ኣብ’ቲ ንሰለስተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዝኸፍአ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ መርማሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት፡ እታ ከተማ ኣብታ ሃገር ዝፍፀም ዘሎ ምጽናት ዓሌት መርአያ ምዃና ገሊጹ ነይሩ።

    ብዘይካ ሕሜቲ፡ ብሰፊሑ “ቀዛፊ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣቡ ሉሉ፡ ካብቶም ዒላማ እቲ ስጉምቲ እዮም።

    ሕሜቲ እገዳ ክግበረሉ እዚ ንራብዓይ ግዚኡ ኰይኑ፡ ኣመሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮፓን ኣቐዲመን እገዳ ኣንቢረናሉ ነይረን።

  12. ሲፒጀይ፡ ምስራዝ ፍቓድ ኣዲስ ስታንዳርድ "ኣካል ወፍሪ ምዕፋን ነፃ ሚድያ’ዩ" ክብል ነቒፉ

    ሲፒጀይ

    ምንጪ ስእሊ, cpj

    ዓለማዊ ተጣባቒ ናፅነት ሚድያ፡ ሲፒጀይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣንጻር ኣዲስ ስታንዳርድ ዝወሰዶ ስጉምቲ ነቒፉ።

    መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ “ሃገራዊ ረብሓ”ን “ስነ-ምግባር ሚድያ”ን ዝብሉ መደናገርቲ ዓንቀፃት ብምጥቃም ንሚድያታት “ፀጥ የብሎም ኣሎ” ክብል ወሲኹ ወቒሱ።

    ዳይረክተር ኣፍሪቃ- ሲፒጀይ፡ ኣንጀላ ኩይንታል፡ ነቲ በዓል መዚ ሚድያ ዝወሰዶ ስጉምቲ "ምቍፅፃር ዘይኮነስ ሕነ ምፍዳይ" ክትብን ገሊፃቶ።

    እቲ ጉጅለ ተጣባቒ መሰላት ፕረስ፡ ነዚ ዝገለጸ፡ ምስራዝ ፍቓድ ኦንላይን ሚድያ ኣዲስ ስታንዳርድ ስዒቡ፡ ብለካቲት 17 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዩ።

    በዓል መዚ ሚድያ፡ ኣዲስ ስታንዳርድ “ንሃገራዊ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጸብጻባት” ብተደጋጋሚ ከምዝዘርገሐ ከሲሱ።

    ብተወሳኺ እቲ ማዕከን ዜና፡ “ስነ-ምግባር ሚድያ”ን “ሕጊ ሚድያ ኢትዮጵያን” ጥሒሱ ክብል ከሲሱ።

  13. መደረ ትራምፕ፡ ዝተጠቕሱን ዝተጎስዩን ቀንዲ ነጥብታት

    ትራምፕ ኣብ መደረ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንክልቲኡ ባይቶታት ኣመሪካ (ኮንግረስ) ዝሃቦ ንኩነታት እታ ሃገርን ዓለምን ዝድህስስ ዓመታዊ መደረ ዓቢ ኣርእስቲ ዜና ኮይኑ'ሎ።

    ኣብዚ ድሕሪ ምልሶት ናብ ስልጣን ዝሃቦ ፈላሚ ሃገራዊ መደረ፡ ንስደተኛታት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ኣልዒሉ ነይሩ። ትጽቢት ዝተገብሎም ግና ዝተጎስዩ ጉዳያት'ውን ኣለዉ።

    ገለ ካብቶም ዝተዛረበሎም፣

    • ቁጠባ፡ ባይታ ዝዘበጠ ቁጠባ ከምዝተረከበ ዝገለጸ ትራምፕ፡ "ናይ መዋእል ምምሕያሽ" ከምዘምጽአ ገሊጹ። ብዛዕባ ምምሕዳር ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ዘረከቦ መጠን ዝቕባበ ግን ቅኑዕ ከምዘይኮነ ቢቢሲ ቨሪፋይ ኣመልኪቱ'ሎ።
    • ኢራን፡ ምስ ኢራን ዘለዎ ምስሕሓብ ጉዳይ ኑክሌር ብዘተ ክፈትሖ ከምዝመርጽ ደጊሙ ብምርግጋጽ፡ ቴህራን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ምምዕባልን ምውናንን ክትሓስቦ ከምዘይብላ ኣጠንቂቑ።
    • ኢሚግሬሽን፡ ዶባት እታ ሃገር ንዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብምርጋጥ ከምዘውሓሶ ተነዪቱ፡ ምምሕዳር ባይደን 12 ሽሕ "ቀተልቲ" ስደተኛታት ክኣትዉ ኣፍቂዱ ዝበሎ ግን ካብ ሓቂ ዝራሓቐ'ዩ። ክሳብ 2024 ኣብ ዝነበረ ሓያለ ዓመታት ኣብ ዝነበረ እዋን ልዕሊ 400 ሽሕ ዜግነት ዘይብሎም ስደተኛታት'ዮም ገበነኛታት ተባሂሎም ክጥረዙ ተበዪንሎም።
    • ትራምፕ ብዛዕባ ደው ዘበሎም "ሸሞንተ ኲናታት"፡ ከምኡ'ውን ንመራሒ ቨነዙዌላ ንምሓዝ ዝኣዘዞ ወተሃደራዊ ስርሒታት'ውን ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን። ንቀረጽ ዝምልከት ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ባህ ከምዘየበሎ'ውን ኣይሓብአን፣ ነቶም ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ዝነበሩ ዳያኑ ግን ከምቲ ልሙድ ተሪር ነቐፌታ ካብ ምድርባይ ንሒፍዎም እዩ።

    እቲ ፕረዚደንት ንገለ ክጠቕሶም ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣገደስቲ ጉዳያት ጐስዩዎም ሓሊፉ'ሎ። ንኣብነት፡ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ፈጢርሉ ዘሎ ሰባብ ሰነዳት ኢፒስቲን፡ ነቲ ምስ ሃገራት ኣውሮጳ ዘፈሓፍሖ ጉዳይ ምጉባጥ ናይታ ኣካል ደንማርክ ዝኾነት ደሴት ግሪንላንድ፡ ከምኡ'ውን እቲ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ሞት ዘስዓበ ተቓውሞታት ሚኒሶታ ካብቶም ኣብቲ መግለጺ ዘይኣተዉ'ዮም።

    ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈት ሶማላዊት-ኣመሪካዊት ኢልሃን ዑመር፡ እቲ ፕረዚደንት "ሓሳዊ" ክትብል ብዓውታ ተቓውሞኣ ክትገልጽ ተሰሚዓ። ትራምፕ ንማሕበረሰብ ሶማልያ ኣብ ሚኒሶታ ድሕሪ ድሕሪ ምጥቅዑ'ያ ኢልሃን ተቓውሞኣ ንምግላጽ ካብቲ ኣደራሽ ወጺኣ።

  14. ፕረዚደንት እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ, ፕረዚደንት እስራኤል ኣይዛክ ሄርዞግ ንወግዓዊ ምብጻሕ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ

    ፕረዚደንት እስራኤል ኣይዛክ ሄርዞግ [ጸጋም] ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ጌድኦን ጢሞቲዎስ [የማን]

    ምንጪ ስእሊ, Ministry of Foreign Affairs of Ethiopia

    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት እስራኤል ኣይዛክ ሄርዞግ [ጸጋም] ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ጌድኦን ጢሞቲዎስ [የማን]

    ፕረዚደንት እስራኤል ኣይዛክ ሄርዞግ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

    እቲ ሎሚ ናብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ እስራኤላዊ መራሒ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓለን መዓልታት ኣብ ክልትኣዊ ርክባት ክልቲኤን ሃገራት ኣመልኪቱ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ክዘራረብ ትጽቢት ይግበረሉ።

    ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ንዑደት እቲ ፕረዚደንት ኣመልኪቱ ኣብ ዝዝርገሖ መግለጺ፡ ሄርዞክ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ምስ ኢትዮጵያዊ መዘናኡ ታዮ እስቀስላሴን ከምዝራኸብ ሓቢሩ።

    ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣብ መግለጺኡ “ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ወሳኒት ሃገር ምዃና” ብምግላጽ ዑደት እቲ ፕረዚደንት “ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ኢትዮጵያን ዘሎ ምትሕብባር፡ ብሓፈሻ ከኣ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝህሉ ምትሕግጋዝ ዝያዳ ንምድልዳሉ ዓቢ ምዕራፍ ዝኸፍት’ዩ” ኢሉ።

    ሄርዞግ ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሕ ዘሎ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ዑደት ፕረዚደንት ቱርኪ እዩ።

    ምስ ኣቢይ ዝተራኸበ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ቅኑዕ ዘይምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

    ኤርዶጋን “እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ፡ ንቀርኒ ኣፍሪቃ” ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ከምዘይብሉን ምግላጹ፡ ንሰብ መዚ ሶማሊላንድ ኣቖጢዕዎም’ዩ።

    ብሰኑይ’ውን ምክትል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ዋሊድ ኣልኬሬጅ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ምስ ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ጌድኦን ጢሞቲዎስ ምዝርራቡ ይፍለጥ።

  15. ዶናልድ ትራምፕ ዝገበሮ ክብረወሰን ዝሓዘ ዓመታዊ ሃገራዊ መደረ

    ክልተ ኣእዳዉ እናወዛወዘ መደረ ዘስምዕ ዘሎ ትራምፕ፡ ኣብ ባይቶ ኣመሪካ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መራሒ ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ኮንግረስ እታ ሃገር ብምኻድ ፕረዚደንታዊ ሃገራዊ መደረ ኣስሚዑ።

    ኣብቲ ንህሉው ኩነታት እታ ሃገርን ዓለምን ዝሸፈነ ዓመታዊ መደረ ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ንድሓር ዘመዝገቦም ዓወታት ዘርዚሩ።

    እቲ ሓደ ሰዓትን 50 ደቒቕን ዝወሰደ መደረ ኣብ ታሪኽ ሃገራዊ መደረታት መራሕቲ እታ ሃገር እቲ ዝነውሐ ብምዃን ክብረወሰን ሒዙ'ሎ።

    መደረ ትራምፕ፡ ዝጸንሖ ህዝባዊ ደገፍ ኣብ ዝምህምነሉ ዘሎን፡ ባይቶኣዊ መረጻታት ኣብ ዝቃረበሉ ዘሎን እዋን'ዩ ተዋሂቡ ዘሎ።

    ብዛዕባ ዘዕወቶምን ዘሕለፎምን ዲፕሎማስያዊ ውሳነታትን ዝወሰዶም ስጉምቲታትን'ውን ተዛሪቡ'ሎ።

    ወግዓዊ ግብረመልሲ ተቓዋሚ ሰልፊ ደሞክራሲ ብኣመሓዳሪት ክፍለሃገር ቨርጂንያ ኣቢጋየል ስፓንበርገር ተዋሂቡ'ሎ።

  16. ፈላሚ ጉዕዞ መራሒ ጀርመን ናብ ቻይና

    ፍሬድሪክ መርዝ ኣብ ቅድሚ ነፋሪቱ ንጋዜጠኛታት እናተዛረበ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መራሒ ጀርመን ንግዳዊ ርክብ ንምሕያልን ምምሕያሽን ናብ ቻይና ኣትዩ።

    ሎሚ በይዢንግ ዝኣተወ ፍሬድሪክ መርዝ፡ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘይምዕሩይ ንግዳዊ ምልውዋጥ ክዘራረብ እዩ።

    ቻይና ናብ ጀርመን እትልእኮ ንግዳዊ ንብረትን ኣገልግሎታትን ዕጽፊ ናይቲ ካብታ ኣውሮጳዊት ሃገር እትቕበሎ ምዃኑ ይፍለጥ።

    "ምስ ቻይና ሚዛኑ ዝሓለወ፡ ዘተኣማምን፡ ምቁጽጻር ዝግበረሉን ርትዓዊን ዝምድና ክህልወና ንደሊ ኢና" ክብል እቲ ቻንስለር ቅድሚ ምብጋሱ ተዛሪቡ ነይሩ።

    ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ዝርከቦም ሰበስልጣን እታ ሃገር ዘካይዶ ርክብ ብዛዕባ ኲናት ዩክረይን ክዘራረብ'ውን ትጽቢት ይግበረሉ።

    ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ሓያለ መራሕቲ ዓበይቲ ቁጠባ ዘለወን ሃገራት፡ ብሰንኪ ቀረጽ ዘበገሶ ምስሕሓብ ምስ ኣመሪካ ኣንፈቶም ናብ ምብራቕ ብምጥዋይ ናብ በይዢንግ ክውሕዙ ጸኒሖም እዮም።

  17. ውድብ ወለዶ ትግራይ፡ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ንክእገድ ክሲ መስሪቱ

    ውድብ ወለዶ ትግራይ

    ምንጪ ስእሊ, TGP

    ውድብ ወለዶ ትግራይ፡ ነቲ ውዕል ፕሪቶርያን ዝጠሓሰ ዝበሎ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብምቅዋም፡ እቲ ውሳነ ንክእገድ ናብ ፌደራል ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕሪቡ ።

    ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ተደሪኹ፡ ሓሙሽተ ክልላት መረፃ ትግራይ፡ ካብቲ ምምሕዳር እቲ ክልል ወፃኢ ኯይነን መረፃ ከካይዳ ምውሳኑ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብ ትግራይ ቁጥዐ ፈጢሩ ይርከብ።

    ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ስምረት ሓዊሱ፡ ብዙሓት ብሄራዊ ውድባት ትግራይ ነቲ ውሳነ ብምቅዋም መግለፂ ኣውፂኦም ኣለዉ።

    እተን ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮነ ኣምሓራ ወጻኢ ኰይነን መረጻ ከካይዳ ተመዲቡለን ዘሎ ሓሙሽተ 'ክልላት' መረጻ፣ ሑመራ፡ ዓዲረመጽ፡ ጸለምቲ፡ ክረም-ኦፍላን ራያ-ኣላማጣን እየን።

  18. በዓል መዚ ሚድያ ኢትዮጵያ፡ ፍቓድ ‘ኣዲስ ስታንዳርድ’ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ

    ኣዲስ ስንዳርድ

    ምንጪ ስእሊ, AS

    በዓል መዚ ሚድያ ኢትዮጵያ፡ ካብ ሎሚ 17 ለካቲት 2028 ዓ.ም [ግ] ጀሚሩ፡ ናይ ስራሕ ፍቓድ ማዕኸን ዜና ‘ኣዲስ ስታንዳርድ’ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።

    ኣዲስ ስታንዳርድ ብኢንተርኔትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብቋንቋታት እንግሊዝኛ፣ ኣምሓርኛን ኦሮምኛን ዜና፣ ሰፋሕቲ ትንታነን ሓተታን በምቕራብ ዝፍለጥ ትካል ሚድያ እዩ።

    ኣብታ ሃገር፡ ነፃ ፕሬስ ኣብ ምዕበaይን፡ ዘይሻራዊ ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕን፡ ንዝገበሮ እጃም ድማ ዓለማዊ ሽልማት ምርካቡ ይዝከር።

    እቲ በዓል መዚ ግን፡ ምኽንያት እቲ ስጉምቲ እንተረድእ፡ “ስነ-ምግባር ሚድያ፣ ሕግታት ኢትዮጵያን ሃገራዊ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጸብጻባት ክዝርግሕ ፀኒሑ” ክብል ከሲሱ።

    ተደጋጋሚ መአረምታን መጠንቀቕታታትን ከምዝተውሃቦን 'ካብ ጌግኡ ከምዘይተኣረመን' እውን ሓቢሩ።

    ዛጊድ ካብ ትካል መራኸቢ ብዙሓን ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተውሃበ መግለፂ የለን።

    በዓል መዚ ሚድያ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናን ጋዜጠኛታትን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ተራእዩ ኣሎ።

    ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ወኪላት ሬድዮ ጀርመን ንኣዋርሕ ድሕሪ ምእጋዶም፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ክልተ ካብቶም ሪፖርተራት ንሓዋሩ እንትኽልከሉ፡ ዝተረፉ ፍቓድ ረኺቦም።

    ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ድማ፡ እታ ብኢንተርነት እትሰርሕ ማዕከን ዜና ዋዜማ ሬድዮ፡ “ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣዋጅ ሚድያን፡ ከምኡ’ውን መምርሕን ሞያዊ ስነ-ምግባርን” ብዘይምኽባር፡ ፍቓዳ ከምዝተሰረዘ እቶም ሰብመዚ ኣፍሊጦም ነይሮም።

    እቲ በዓል መዚ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ስራሕ ፍቓድ ወኪላት ዓለማዊ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ከምዘይሕደስ’ውን ኣፍሊጡ ኣሎ።

  19. ኲናት ዩክረይን ኣብ ራባዓይ ዓመቱ

    ሓደ ወተሃደራት ሚሳይል ክውንጨፍ እናተዓዘበ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    እቲ ብሩስያ ዝተኣወጀ ኣዝዩ ኣዕናዊ ኲናት ዩክረይን ሎሚ ራባዓይ ዓመቱ ኣቚጺሩ።

    ሞስኮ ብ24 ለካቲት 2022 ኣብ ዶባት ኣዋፊራቶ ዝጸንሐት ኣጋርን መካናይዝድን ሓይልታታ ብምኽታት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ፈሊማ።

    ሰራዊት ሩስያ ኣብ ሓጺር መዓልታት ንመስመራት ምክልኻል ሰራዊት ዩክረይን ብምስባር ሓያሎ ከተማታት ብምቁጽጻር ናብ ርእሰከተማ ኪቭ ተቓሪቡ ነይሩ።

    እንተኾነ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ዘይተኣደነ ኣጽዋር ክውሕዘሉ ዝጀመረ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ልዕሊ'ቲ ንቕድሚት ተወርዊሩ ዝነበረ ኣሃዱታት ሩስያ ብዝፈነዎ ጸረ-መጥቃዕቲ ከቢድ ክሳራ ንድሕሪት ክምለስ ድሕሪ ምግዳዱ ኪቭ ካብ ሓደጋ ድሒና።

    ዋላ'ኳ ሓይልታት ዩክረይን ጸኒዖም እንተ ተኸላኸሉ፡ ንማዕበላዊ ደብዳብ ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ሩስያ ክዓግትዎ ኣይክኣሉን። ሓያለ ከተማታት እታ ሃገር በቲ መጥቃዕትታት ዓንየን፡ ሰበን ገዲፉወን ዝኸዳ ኮይነን ይርከባ። ብፍላይ ትሕተ ቀርጺ ጸዓት ዩክረይን ከቢድ ዕንወት'ዩ ወሪዱ'ዎ ዘሎ።

    ብዘይካ'ዚ፡ ሞስኮ ኣብቲ ክትውንኖ እትደሊ ምብራቓዊ ዞባ ዶንባስ ሰፊሕ ከባቢታት ተቖጻጺራ ኣላ።

    ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ፡ ብሃገራት ኣውሮጳ፡ ኣፍሪቃን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ብምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ኣይተዓወተን።

    እቲ ኲናት ካብ ዝውላዕ፡ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ከምዝብሎ ብወገን ዩክረይን ልዕሊ 55,000 ወተሃደራት ሞይቶም ኣለዉ። ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ መርመራ ግን ልዕሊ 180 ሽሕ ወተሃደራት ከምዝሞቱ'ዩ ዘመልክት።

    ሩስያ ኣብቲ ኲናት ዝወረዳ ሰባዊ ክሳራ ብወግዒ ኣይገለጸትን፣ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ከምዝብሎ ግን ዛጊት ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ወተሃደራት ምዉታትን ቁሱላትን ከምዝኾነ ይግመት።

    ዘለንስኪ፡ እቲ ኲናት ብሰላም ከዕርፍ ዘለዎ ተወፋይነት ሎሚ'ውን ደጊሙ ኣረጋጊጹ'ሎ። እንተኾነ፡ ንሰላም ይኹን ምቕጻል ናይቲ ኲናት ዝውስን ቤተመንግስቲ ክረምሊን ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።

  20. ተነሓናሕቲ ውድባት ትግራይ ብሓደ ድምጺ ዝተቓወምኦ ውሳነ

    ሰልፊ

    ምንጪ ስእሊ, SM

    ምስ ክልል ኣምሓራ ዘሰሓሕባ ከባቢታት ትግራይ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይቲ ክልል ወጻኢ ኰይነን መረጻ ከካይዳ ዝብል ውሳነ 'ዘይሕገመንግስታዊ' እዩ ክብላ ዝነቐፋ ሓያሎ ውድባት ትግራይ፡ እቲ ውሳነ ብህጹጽ ክእረም ጻውዒት ኣቕሪበን።

    ነቲ ውሳነ ስዒቡ፡ ውድባት፡ ስምረት ትግራይ፣ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ውናት፣ ውድብ ሰብዓ እንደርታ፣ ውድብ ወለዶ ትግራይ፣ ባይቶናን ካልኦትን ናይ ተቓውሞ ድምፂ ኣስሚዐን ኣለዋ።

    እቲ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዓብላሊ ውድብ ኰይኑ ኣብ ትግራይ ዝተንቀሳቐሰን ዝመርሐን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ትማሊ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዘሕለፎ ውሳነ "ኣዋጅ ኲናት፡" ክብል ብምግላጽ፡ "ንሕገመንግስቲ እዛ ሃገር ኮነ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዕሊ ዝጥሕስ፡ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝበኣሰ ሓደጋ ዘእቱ እዩ፡" ኢሉ።

    እቲ ቦርድ ትማሊ 23 ለካቲት 2025 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እተን 'ኣካታዕቲ' እናበለ ዝገልጸን ከባቢታት፡ ሕገመንግስታዊ ፍታሕ ክሳዕ ዝረኽባ፡ "ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ ብዝዀነ መንገዲ ተወከልቲ ፈደራል ክመርጻ ኣለወን፡" ዝብል ውሳነ ካብ ቤትምኽሪ ፈደረሽን ከም ዝተቐበለ ገሊጹ።

    እተን ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮነ ኣምሓራ ወጻኢ ኰይነን መረጻ ከካይዳ ተመዲቡለን ዘሎ ሓሙሽተ 'ክልላት' መረጻ፣ ሑመራ፡ ዓዲረመጽ፡ ጸለምቲ፡ ክረም-ኦፍላን ራያ-ኣላማጣን እየን።