ኣመሪካ: ኣብ ኢራን ተሃሪሙ ዝወደቐ ኣብራሪ ነፋሪት ውግእ ኣድሒና

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ዝወደቐት ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ዝነበረ ኣባል ሓይሊ ኣየር ከምዝተረኽበ ኣፍሊጡ።
ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ኤፍ-15ኢ ስትራይክ ኢግል ኣብ መሬት ኢራን ከምዝተሓምሸሸትን፡ ክልቲአን ሃገራት ነቶም ኣብረርቲ ንምሓዝ ይይጓየያ ከምዝነበራን ይዝከር።
ኣመሪካ፡ ኣብቲ ዕለት ንሓደ ካብቶም ፓይለታት ኣድሒና፡ ነቲ ካልኣይ ኣባል ኣየር ንምድሓን ድማ ኣብ መሬት ጸላኢ 'ሓደገኛ ስርሒት' ምድላይ እናካየደት ቀንያ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ነቲ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ፅሑፍ፡ “ረኺብናዮ ኣለና” ክብል ኣፍሊጡ። እቲ ጠፊኡ ዝቐነየ ኣብራሪ ነፋርቲ ውግእ፡ “ዋላ’ኳ እንተቘሰለ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት” ከምዘሎ ገሊጹ።
“ኣብ ዝሓለፉ ሓያሎ ሰዓታት፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ዝያዳ ተባዕ ስርሒት ምድላይን ምድሓንን ኣካይዱ” ኢሉ።
ትራምፕ፡ እቲ “ኣብ ሓደገኛ ኣኽራናት ኢራን ኣብ መስመር ጸላኢ፡ ብፀላኢ እናተሃደነ" ዝነበረ ዝበሎ ኣባል ሓይሊ ኣየር፡ “ኣዝዩ ክቡር ኮሎኔል” ክብል ገሊጽዎ።
ሓይልታት ኣመሪካ “24 ሰዓታት ይከታተልዎ ከም ዝነበሩ” ተዛሪቡ።
ትራምፕ፡ ካብ ምምሕዳሩ ወግዓዊ መረጋገጺ ብዛዕባ ዘይተውሃቦ’ቲ ቀዳማይ ፓይሎት ድማ ጠቒሱ ኣሎ።
ብዛዕባኡ ዝኰነ መረጋገፂ ዘይተውሃበ፡ ኣብ ኣለሻ ናይቲ ካልአዋይ ፅልዋ ከይፈጥር ብዝብል ምዃኑ ገሊፁ። ንሱ ወሲኹ፡ “ንሓደ ወተሃደር ኣመሪካ ፈፂምና ኣይንገድፎን” ኢሉ።
ብመሰረት ትራምፕ፡ እቲ ኣብ መሬት ኢራን ዝተኻየደ ናይ ምድሓን ስርሒት “ሓደ ኣመሪካዊ ከይሞተ ወይ ከይተጎድአ” ከም ዝተኻየደ ሓቢሩ።
ነቲ “ኣብ መስመር ጸላኢ ዝነበረ ኣመሪካዊ ወተሃደር ንምድሓን፡ “ብዙሓት ነፈርቲ” ከምዝተዋፈራ እውን ገሊጹ።
እቲ ብኣሜሪካ ዝደሓነ ፓይለት፡ ብመንግስቲ ኢራን እውን ይእለሽ ከምዝነበረ ይዝከር።
ሰራዊት ኢራን ነቲ ኣመሪካዊ ወተሃደር ንዝረኸበ ሰብ ልዕሊ 66 ሽሕ ዶላር ሽልማት ከምዝወሃቦ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢራናውያን ናብቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን ዝርከብ ኣኽራናት ክተሙ የርእዩ።
























