ናይ መወዳእታ ሰዓታት ትራምፕ ከመይ ተሓሊፈን?
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሰንበት፡ ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ክሳብ ሰሉስ ሰዓት 20፡00 ብኣቈጻጽራ ኤውሮጳ (00:00 GMT / 01:00 BST) ክትከፍቶ ሓድሽ ጠለብ ኣቕሪቡ።
ነዚ ድማ ድሒሩ፡ "ስልጣነ" ኢራን ክድምስስ ምዃኑ ምፍርራሕ ወሲኹ። እቲ ናይ መወዳእታ ግዜ እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ፡ እቲ ዲፕሎማስን ዝወጽእ ዝነበረ መግለጺታትን ከመይ ከምዝተጋህደ ድማ እንሆ፤
12፡06 GMT (13፡06 BST): ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ እንተዘይከፊታቶ፡ "ሎሚ ምሸት ምሉእ ስልጣነ ክመውት'ዩ" ክብል ኣፈራሪሑ፡
15፡28 GMT፡ ወሃቢ ቃል ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እስማዒል ባቃይ፡ "ስነ-መጎት" ኢራን ኣብ ልዕሊ "ኣረሜናዊ ሓይሊ" ክዕወት ምዃኑ ገሊጹ።
19፡17 GMT፡ ነቲ ሽምግልና ዝመርሐ ዝነበረ ቀዳማይ ምኒስተር ፓኪስታን፡ ትራምፕ "ዲፕሎማሲ መስርሑ ሓልዩ ንኽኸይድ ንምፍቃድ" ናይ ግዜ ገደቡ ከናውሕ ሓቲቱ።
22፡32 GMT፡ ትራምፕ፡ እቲ ስምምዕ ክልተ ሸነኻዊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኢራን ንሆርሙዝ ብቕጽበት፡ ምሉእ ብምሉእን ብውሑስን ኣገባብ ክትከፍት እንተተሰማሚዓ፡ንኽልተ ሰሙን ዝቕጽል ተዅሲ ደው ምባል ስምምዕ ከም ዝብጻሕ ኣፍሊጡ። እቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ወሲኹ፡ ካብ ኢራን 10 ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ከም ዝበጽሖን፣ "ከስርሕ ዝኽእል" ምዃኑን ገሊጹ። ነቲ ስምምዕ ንምውዳእ ድማ ናይ ክልተ ሰሙን ግዜ ክህሉ ምዃኑን ኣፍሊጡ።
23፡11 GMT፡ ቴህራን ንክልተ ሰሙን ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ምባልን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ምሕላፍ ውሑስ ምዃኑን ኣረጋጊጻ።
23፡50 GMT፡ ናይ መወዳእታ ግዜ ገደb ትራምፕ ቅድሚ ምእካሉ ሒደት ደቓይቕ፡ ፓኪስታን - ኣመሪካን ኢራንን "ብቕጽበት ውጽኢታዊ ክኸውን" ተዅሲ ደው ንምባል ከምዝተሰማምዓ ኣረጋጊጻ። ቀዳማይ ምኒስተር ሻህባዝ ሸሪፍ፡እቲ ስምምዕ "ንሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኵሉ ቦታታት" ዝምልከት'ዩ ኢሉ።
01፡45 GM፡ እስራኤል ነቲ ተኹሲ ደው ምባል ከም እትድግፎ እኳ እንተገለጸት፡ "ንሊባኖስ ግን ኣየጠቓልልን" ክትብል ወሲኻ።
04፡01 GMT፡ ትራምፕ "ዓባይ መዓልቲ ንሰላም ዓለም" ብምንኣድ፡ ኣመሪካ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ጕዕዞ ንምሕጋዝ ኣብዚ ከከም ክትዛውን እያ ኢሉ።
06:05 GMT: እስራኤል ኣብ ደቡባዊት ሊባኖስ ከተማ ጢሮስ ንዝርከቡ ሰባት ንድሕነቶም "ብቕልጡፍ" ካብቲ ቦታ ክወጹ ኣጠንቂቓ - ድሒሩ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ድማ ተገሊጹ።






















