'ሓላፍነት ዝጐደሎ ባህሪ ሩስያ ንኩላትና ሓደጋ'ዩ'- ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)

ሓንቲ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ሩስያ ኣብ ሮማንያ ኣብ ልዕሊ ሓደ መንበሪ ህንጻ ድሕሪ ምውዳቓ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ተሪር ተቓውሞ ይቐርብ ኣሎ። "ሓደገኛ" ክብል ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ነቲ ፍጻመ ኮኒንዎ'ሎ። ሮማንያ ኣባል እቲ ኪዳን ብምዃና እቲ ኲናት ምስ ሩስያ ንዘሎ ምትፍናን ዘጋደደ ኮይኑ ኣሎ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኲናት ንምብቃዕ ዝዓለመ ዘተ ሰላም ክቕጽልኦ ተማሕጺኖም። እቲ ግጭት "ኣብ ኢራን ዝርከቡ ብዝሒ ዘለዎም ንጹሃን ሰባት ንመከራ ኣቃሊዑዎም እዩ፡" ኢሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
  • ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ተሓዲሱ ዘሎ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህን ዘሎ ግጭት ምሉእ ብምሉእ ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ርግጸኛ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
  • "ኣመሪካ፡ ሊባኖስ ካብ ሕዝቦላህ ርእሳ ንኽትከላኸል ንምሕጋዝ ምስኣ ክትሰርሕ እያ፡" ክብል ትራምፕ ኣፍሊጡ።
  • ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ኢራናውያን ስፖርተኛታት ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክሳተፉ ከም ዘይክእሉ ካብ ወገን ኣመሪካ ዝነገሮም ሰብ ከም ዘየሎ ገሊጹ። እንተዀነ፡ "ብዙሓት ግብረ-ሽበራውያን 'ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን' ከም ጋዜጠኛታትን ኣሰልጠንቲ ስፖርትን ኣምሲሎም ናብ ሃገርና ሒዞሞም ክመጽኡ ኣይፍቀድን እዩ፡" ኢሉ።
  • ጀርመናዊ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ነፈርቲ 20,000 ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳ ዝካየድ ሓጸርቲ በረራታት ክስርዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ።ሉፍታንዛ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኢራን ኣብ ማእከላይ እስራኤል መጥቃዕቲ ከተካይድ ሓዲራ

    ኢራን ኣብ ሓደ ለይቲ ናብ እስራኤል መጥቃዕቲ ማዕበል ሚሳይላት ብምፍጻም፡ ኣብ ተልኣቪቭን ማእከላይ እስራኤልን ኣብ ዝርከቡ ህንጻታት ጉድኣት ኣውሪዳ።

    ካብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ኣሳእል፡ እቲ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ዕንወት የርእዩ።

    ጕጅለታት ምድላይን ምድሓንን ህይወት ናብቲ ቦታ ከምዝተዋፈሩንን ድማ ተፈሊጡ። መጥን ናይቲ ዝወረደ ሓደጋ ዛጊት ብንጹር’ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ትኪን ፍርስራስ ህንጻታትን ግን ይርአ።

    በቲ መጥቃዕቲ ብኸፊል ዝዓነወ ህንጻ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, በቲ መጥቃዕቲ ብኸፊል ዝዓነወ ህንጻ
    ኣባላት ህይወት ኣድሕን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ህይወት ኣድሕን
    ዝፈረሰ ህንጻ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, በቲ ደብዳብ ዝፈረሰ ህንጻ
    ኣብ ማእከላይ እስራኤል ድሕሪ ደብዳብ ሚሳይላት ኢራን ዝተፈጥረ ትኪ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ማእከላይ እስራኤል ድሕሪ ደብዳብ ሚሳይላት ኢራን ዝተፈጥረ ትኪ
  2. ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ካብ ዝተመዝገቡ ምዕባለታት

    • ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ትማሊ ሰኑይ እተን ሃገሩ ምስ ኢራን “ሃናጺ” ዝርርብ ከም ዘካየዳ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ብዛዕባ ዘሎ ዝርርብ ሕጂ'ውን ኣደናጋሪ ኵነታት እዩ ዘሎ። ሰበስልጣን ኢራን ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝኾነ ይኹን ጭቡጥ ዝርርብ ከምዘይተገብረ ብምግልጽ ነጺጐምዎ፤ ድሒሩ ዋይት ሃውስ ድማ እቲ ኵነታት ዘይጭቡጥ ምዃኑ ገሊጹ።
    • ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን "ብመንገዲ መንጎኛታት ኣቢሉ ካብ ኣሜሪካ ነጥብታት ዘተ በጺሑና ኣሎ፤ ንግምግሞ ኣለና" ከም ዝበሎ መጻርኽቲ ቢቢሲ ኣብ ኣመሪካ ዝዀነ ማዕከን ሓበሬታ ሲቢኤስ ኒውስ ብሰኑይ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣቃሊሑ።
    • ልኡኽ ትራምፕ ማእከላይ ምብራቕ ስቲቭ ዊትኮፍ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ፓኪስታን ምስ ሰበስልጣን ኢራን ክራኸብ ከም ዝኽእል ጸብጻባት ይሕብሩ። እታ ሃገር ዝድለ እንተድኣ ተገይሩ ዝርርብ ከተአንግድ ሕጕስቲ ምዃና ትገልጽ።
    • ትራምፕ ብዛዕባ ተኽእሎታት ዝርርብ ተስፋ ከም ዘሎ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ዋጋ ነዳዲ ንእለት ወሪዱ ነይሩ። ጸኒሑ ግን ናብ ልዕሊ 100 ዶላር ንሓደ በርሚል ደይቡ።
    • እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኢራን ኣብ ሓደ ለይቲ ናብ እስራኤል መጥቃዕቲ ማዕበል ሚሳይላት ብምፍጻም፡ ኣብ ተልኣቪቭን ማእከላይ እስራኤልን ኣብ ዝርከቡ ህንጻታት ጉድኣት ኣውሪዳ። ኣብ ልዕሊ በይሩት - ሊባኖስ እውን፡ እስራኤል ኣብ ሓደ ለይቲ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣመልኪተን መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እስራኤል ጸብጺበን። ሎሚ ሰሉስ ንግሆ ድማ ሰራዊት እስራኤል ንተወሳኺ ትሕተ ቅርጺ ሕዝቦላህ ዒላማ ንምግባር ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን ነበርቲ ደቡብ ካብቲ ቦታ ክለቍ ሓቢሩ።
    • ቻንስለር ዓባይ ብሪጣንያ ራቸል ሪቭስ፡ ንቍጠባዊ ኵነታት ማእከል ኣብ ዝገበረ ዛዕባ፡ ኵነታት ማእከላይ ምብራቕ ብኸመይ ንዓባይ ብሪጣንያ ይጸልዋ ከምዘሎ ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ መብርሂ ሂባ። ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ዋጋ ጸዓት እናወሰኸ እንተኸይዱል ንሰባት ብኸመይ ሓገዝ ምግባር ይከኣል ዝብል እማመ ከተቐምጥ ትጽቢት ይግበር።
    ዝፈረሰ ኣባይቲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ በይሩት ብእስራኤል ዝተገብረ መጥቃዕቲ
  3. ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ካብ ምፍዳይ ተቘጢበን?

    ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊኣ ኲናት ዝኸፈታላ ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ መሓዙት ኣመሪካ ዝዀና ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ግብረ-መልሲ ሂባን፡ ትቕጽል ኣላን።

    እስራኤል፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መፍረዪ ነዳዲ ዝዀነ ትካል ሳውዝ ፓርስ ድሕሪ ምጥቅዓ፡ ብሓሙስ ቴህራን ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ትካል ጸዓት ራስ ላፋ ብምህራም መልሲ ሂባ።

    ቐጠር ኰነት ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ግን፡ ነቲ ብኢራን ክሳብ ሕጂ ዝወርደን ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሕነ ክፈድያ ኣይፈተናን፤ ከምኡ ክገብራ'ውን ኣይመረጻን።

    ስለምንታይ ካብ ከምዚ ዓይነት ግብረ-መልሲ ተቘጢበን? ናብ ምጥቃዕ ክኣትዋ ዝገብረንከ እንታይ ክኸውን ይኽእል?ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ መላግቦ ኣቲኹም ኣንብቡ

  4. ሚሳይላት ኢራን ናብ ኣውሮጳ ክበጽሕ ይኽእል ድዩ?

    ኢራን ናብታ ኣብ ማእከል ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ፡ ኣመሪካን ዓዲ እንግሊዝን ብልፍንቲ ከም ወተሃደራዊ መደበር ዝጥቀማላ ደሴት ድያጎ ጋርሽያ ሚሳይል ምትኳሳ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭት ናብ ካልእ ብራኸ ዘዕርግ'ዩ።

    እቲ ኢራን ዝተኰሰቶ ሚሳይል ዋላ'ኳ ዕላማኡ እንተዘይሃረመ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ እቲ ዳሕረዋይ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኢራን ነዊሕ ዝውንጨፍ ሚሳይል ክትጥቀም እዚ ናይ ፈለማ ምዃኑ ሓቢሩ።

    ኢራን ብዛዕባ'ቲ ናብ ደሴት ድያጎ ጋርሽያ ተኲሳቶ ዝተበሃለ ባልስቲክ ሚሳይል ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።

    እንተዀነ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ነቲ ብናይ ደገ ማዕከናት ዜና ዝተቓልሐ ከም ምንጪ ብምውሳድ ኣብ ገጻተን ኣስፊረን'የን።

    ሕጂ ክኢላታት ብዛዕባ እቲ ዝፈሸለ ፈተነ ነዊሕ ዝውንጨፍ ሚሳይል ኢራን ዘይኰኑ፡ ብዛዕባ ኢራን ሒዛቶ ዘላ ሚሳይላት ክሳብ ኣበይ ዝበጽሕ'ዩ ዝብል'ዮም ዝዘራረቡ ዘለዉ።

    ንኣብነት በዓል በርሊን፡ ፓሪስን ለንደንን ዝርከብአን ርእሰ ከተማታት ኣውሮጳ ኣብ መጻኢ ብኢራን ክህረማ ይኽእላ ድየን ዝብል ነጥቢ የዘራርብ ኣሎ።ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ዛንታ

    ሚሳይላት ኢራን ናብ ኣውሮጳ ክበጽሕ ይኽእል ድዩ?

    ምንጪ ስእሊ, EPA

  5. ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ካብ ምፍዳይ ተቘጢበን?

  6. "ነገራት ፅቡቕ'ዮም ዝኸዱ ዘለዉ" - ትራምፕ ምስ ጋዜጠኛታት ተዘራሪቡ

    ትራምፕ ካብ ጋዜጠኛታት ንዘቐረበሉ ሕቶታት እንትምልስ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ትራምፕ ካብ ጋዜጠኛታት ንዘቐረበሉ ሕቶታት እንትምልስ

    ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፓልም ቢች ቅድሚ ናብ ፕረዚደንታዊ ነፋሪቱ ኤር ፎርስ ዋን ምድያቡ ንጋዜጠኛታት ኣዘራሪኢቡ ኣሎ።

    ትራምፕ፡ ነቲ ቅድም ክብል ዝገለፆ፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ምንዋሕ መጥቃዕቲ ጸዓት -ኢራን ብምጥቃስ፡ "ከምዚ ጽቡቕ እንተቐፂሉ፡ እቲ ጐንፂ በዚ ኢና ክንውድኦ፤ ከብቅዕ እዩ" ይብል።

    ትራምፕ ቀፂሉ፡ "እንተዘይኮይኑ ግን፡ ነተን ቦምባታት ክንድርብየን ጥራይ እዩ ዘለና" ክብል ሕዚ’ውን ኣፈራሪሑ።

    ትራምፕ፡ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን፡ "ኣብ ዓበይቲ ጉዳያት ስምምዕ” ከምዝተበፅሐ እዩ ዝገልፅ። ካብ ኢራን ግን ዝዀነ ዝርርብ ከምዘየለ እዩ ዝንገር ዘሎ።

    ኣብ ጎኒ ኤር ፎርስ ዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣማኻሪኡ ስቲቭ ዊትኮፍን ወዲ ሓሙኡ ጃረድ ኩሽነርን ኣብዚ ጉዳይ - ዘተ - ከምዝተሳተፉ ይዛረብ።

    እቲ ፕረዚደንት፡ ኣመሪካ ምስ "ሓደ ላዕለዋይ ሰብ" ክትዛረብ ጸኒሓ ብምባል፡ ምስቲ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ግን ከምዘይኰነ ተዛሪቡ።

    ወሲኹ ድማ "ብህይወት ኣሎ ድዩ የለን’ውን ኣይንፈልጥን" ኢሉ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ግን፡ ቀፂሉ'ውን ምስ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ እቲ ጉዳይ ክዛረበሉ ተሰሚዑ ኣሎ።

    ትራምፕ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ ምስ ኢራን "ነገራት ኣዝዩ ጽቡቕ ይኸዱ ኣለዉ" ክብል ሓቢሩ።

    ኣቐዲሙ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ዋሽንግተንን ቴህራንን ከምዝዘተያ ብምግላፅ፡ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢራን ዒላማ ምግባር ንሓሙሽተ መዓልታት ደው ክብል ምዃኑ ከምዝኣዘዘ ኣፍሊጡ ነይሩ።

  7. ኢራን፡ ምስ ሰበስልጣን ኣመሪካ ዝተኻየደ ዝርርብ ከምዘየለ ኣፍሊጣ

    ሓያሎ ማዕከናት ዜና፡ ፍሉይ ልኡኽ ዶናልድ ትራምፕ ስቲቭ ዊትኮፍን ጃረድ ኩሽነርን ምስ ኣፈኛ ባይቶ ኢራን መሓመድ-ባገር ጋሊባፍ ምዝርራቦም፡ ምንጭታት ብምጥቃስ ቅድሚ ሓደ ሰዓት ኣቢለን፡ ፀብፂበን ነይረን።

    ሕጂ ድማ፡ መሓመድ-ባገር ጋሊባፍ ኣብ ኤክስ፡ ምስ ኣመሪካ ዝኾነ ድርድር ከምዘይተገብረ ኣስፊሩ።

    ወሲኹ ድማ፡ "እዚ ናይ ሓሶት ዜና" ንዕዳጋታት ነዳዲ ንምቁፅፃር ይጥቀምሉ ይህልዉ፡ ህዝቢ ኢራን ድማ ወረርቲ መሊኦም ክቕፅዑ የጠልብ ኣሎ” ኢሉ።

    ቅድም ክብል፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ብተመሳሳሊ ትራምፕ ዝተዛራቦ ዘተ ቴህራንን ዋሽንግተንን፡ 'ሕሶት' ክብል ነፂጉዎ ነይሩ።

    እቲ ሚኒሰትር፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ድርድር ብዝምልከት ዝበሎ ንነጽጎ" ኢሉ።

    እቲ ብኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ፡ ሲቢኤስ ኒውስ፡ ዝተጠቕሰ መግለፂ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ "እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ዕላማታት እቲ ኲናት ቅድሚ ምዕዋታ፡ ዝኾነ ዓይነት ድርድር ከምዘይትገብር ነፍልጥ" ይብል።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ግን፡ ሕዚ'ውን ምስ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ክዛረበሉ ተሰሚዑ ኣሎ።

    ትራምፕ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ ምስ ኢራን "ነገራት ኣዝዩ ጽቡቕ ይኸዱ ኣለዉ" ክብል ሓቢሩ።

    ኣቐዲሙ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ዋሽንግተንን ቴህራንን ዝርርብ ከምዘካየዳ ብምግላፅ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢራን ዒላማ ምግባር ንሓሙሽተ መዓልታት ደው ክብል ምዃኑ ከምዝኣዘዘ ኣፍሊጡ ነጡ ነይሩ።

  8. 'እታ ነፋሪት ዳርጋ ኣብ ክልተ እያ ተመቒላ', ቃል መሰኻኽር ዓይኒ

    ተጓዓዝቲ ሊዮ መዲና  ምስ ዓርኩ ድየጎ ቻቫርያ
    መግለጺ ስእሊ, ተጓዓዝቲ ሊዮ መዲና ምስ ዓርኩ ድየጎ ቻቫርያ

    ወዲ 23 ዓመት ሊዮ መዲና ትማሊ ምሸት ናብ ሚያሚ ክብገስ እናተጸበየ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብመስኮት ኣማዕድዩ ነቲ ኣብ ነፋሪት ኤየር ካናዳ ዘጋጠመ ሓደጋ ብዓይኑ ዝረአየ እዩ።

    "ቃል ብቓሉ፡ ዳርጋ 100 ሜትሮ ጥራይ ኢና ርሒቕና ነይርና" ይብል፡ እቲ ካብ ቺለ ዝመፀ ግን፡ ከኣ ንገለ ኣዋርሕ ኣብ ኣመሪካ ዝቐነየ፡ መዲና።

    “እታ ነፋሪት ዳርጋ ኣብ ክልተ ክትምቀል ርእይና”።

    ንሱ፡ ወሲኹ ድማ፡ “ኣብ መጀመርታ፡ እንታይ ይኸውን ከምዝነበረ፤ ኣይተረደአንን፤ ድሕሪኡ ድማ ብዙሓት ኣምቡላንሳትን ካልኦትን መፂአን”።

    መዲና፡ እታ ክትብገስ ተዳልያ ዝነበረት ንሱ ዝተሳፈረላ ነፋሪት፡ ናብቲ ኣፍደገ ክትምለስ ከም ዝተገብረት ይዛረብ።

    ሕጂ ንሱን ዓርኩ ድየጎ ቻቫርያን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ን12 ሰዓታት፡ ኣብ መሬት ደቂሶም ክጽበዩ ተገዲዶም ኣለዉ።

    “በቃ ብተስፋ ክንፅበ ደቂስና ፀኒሕና” ይብል መዲና።

    “እቲ እንኮ ክፉት ቦታ፡ ስታርባክስ ጥራይ'ዩ ዘሎ" ዝበለ መዲና፡ ብፍላይ ነቲ ሓደጋ ምስ ረኣየ ንእሽቶ ስንባደ ፈጢሩሉ ከምዘሎ ይዛረብ።

  9. ክልተ ፓይለታት ብሓደጋ መዓርፎ ነፈርቲ ላጋርድያ ሞይቶም

    ሓደጋ ግጭት ዘጋጠማ ኤየር ካናዳ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ሓደጋ ግጭት ዘጋጠማ ኤየር ካናዳ

    ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ላ ጓርድያ፡ ነፋሪት ኤየር ካናዳ ምስ መኪና መጥፍኢት ሓዊ ድሕሪ ምግጫዋ ክልተ ኣብረርቲ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

    እታ 72 ተሳፈርትን ኣርባዕተ ሰራሕተኛታትን ዝጸዓነት ነፋሪት፡ ሰንበት ኣጋ ምሸት ካብ ሞንትርያል መፂኣ ድሕሪ ምዕራፋ፡ ኣስታት 24 ማይል ኣብ ሰዓት ትጓዓዝ ነይራ።

    ኣርብዓን ሓደን ተሳፈርትን ሰራሕተኛታትን ምስ ክልተ ኣብታ ዝተጋጨየት መኪና ዝነበሩ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም፤ ሕጂ 32 ካብ ሆስፒታል ወፂኦም ኣለዉ፡ ገለ ካልኦት ግን "ከቢድ መጉዳእቲ" ኣጋጢምዎም ሕክምናዊ ኣለያ ይግበረሎም ኣሎ።

    ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ከተማ ኒውዮርክ፡ ሰባት "ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ላጋርድያ፡ ምትእጉጓል፣ ምዕጻው ጽርግያ፣ ምፅቕቓጥን" ዝኣመሰሉ ጸገማት ከጋጥሞም ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።

    ጉጅለ መርመርቲ ፌደራል፡ ጠንቂ እተ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ላጋርድያ ሞት ዘስዓበ ሓደጋ፡ እንታይ ከምዝዀነ ይምርምሩ ኣለዉ።

  10. 'ዘተኣማምን ኣይኰነን'፡ ምላሽ ኢራናውያን ንመግለፂ ትራምፕ

    ቴህራን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ውሽጢ ኢራን ኢንተርነት እንተተቛረፀ’ውን፡ ገለ ሰባት ገና ኢንተርነት ዝጥቀሙሉ መንገዲ ይረኽቡ እዮም።

    ሪፖረትር ቢቢሲ ፐርሸያ [ኢራን] ዘዘራረበቶም ሰባት፡ ብሙለኦም ኣንጻር’ዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት እዮም።

    ኣብ ርእሰ ከተማ ቴህራን፡ ኣብ ዕስራታት ዕድሚኡ ዝርከብ ሰብኣይ፡ ኣብ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ትሩዝ ሶሻል ኣካውንት ዝሰፈረ ፅሑፍ ቀዲሙ ነታ ጋዜጠኛ ዝሰደደላ ሰብ እዩ።

    ርእይቶኡ ምስ ሓተተቶ፡

    “መወዳእታ ናይዚ ኩነታት፡ ንህዝቢ ኢራን ኣዝዩ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፍል እዩ። እስላማዊት ሪፓብሊክ ፀንሐት ኣይፀንሐት፡ ዋላ’ውን መወዳእታኣ ከምዝበፅሐ እንተፈለጠት” ዝብል ምላሽ ሂቡ።

    ካልእ ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ኢራን እትነብር ጓል ዕስራ ዓመት ድማ፡ “ትራምፕ የዕብደና እዩ ዘሎ” ኢላ።

    ሳልሳይ ርእይቶ ወሃቢ መንእሰይ ካብ ቴህራን፡ ከምዚ ይብል፡

    “ምስ ዓርከይ ብቴሌፎን ክንስሕቕ ፀኒሕና። እዚ እንነብሮ ዘለና ህይወት እንታይ እዩ?”

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካልእ ጓል ዕስራ ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ተቕማጢት ቴህራን ብወገና፡ “ትራምፕ ብዙሕ ዘተኣማምን ሰብ ኣይኰነን። ፅባሕ እንታይ ከም ዝብል ኣይፍለጥን” ኢላ።

    ምስ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC) ርክብ ዘለዋ ማዕከን ዜና ፋርስ ኢራን ብወገና፡ ስሙ ዘይተጠቕሰ ኢራናዊ በዓልስልጣን ብምጥቃስ፡ "ምስ ትራምፕ ቀጥታዊ ይኹን ተዘዋዋሪ ርክብ ኣይተግበረን" ክትብል ፀብፂባ።

    እቲ ምንጪ፡ "ትራምፕ፡ ኣብ ምዕራብ ኤስያ ዝርከባ መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኩለን ዒላማና ከምዝዂና ምስ ፈለጠ እዩ ንድሕሪት ኣንሳሒቡ" ኢሉ።

  11. ትራምፕ: ‘ኣፈታትሓ’ቲ ተፃብኦ’ ብዝምልከት ምስ ኢራን ዕዉት ዝርርብ ከምዝተኻየደ ኣፍሊጡ

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ግጭት "ምሉእን ፍጹምን ፍታሕ" ብዝምልከት "ዕውት ዝርርባት" ከምዝተኻየደ ገሊፁ።

    ንሱ፡ "ዝኾነ ይኹንን ኣብ ልዕሊ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ትሕተ ቅርጺ ጸዓትን ኢራን" ዝተተተለመ መጥቃዕቲ፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ከናውሖ ምዃኑ ይዛረብ።

    ኣብ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ብፍሩይ ፊደላት እንግሊዝኛ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ከምዚ ዝስዕብ ይንበብ፡ "ኣመሪካን ሃገር ኢራንን፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት፡ ብዛዕባ ምሉእን ፍፁም ኣፈታትሓ ተፃብኦ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣዝዩ ጽቡቕን ውፅኢታውን ዘተ ከም ዝገበራ ክሕብር እፈቱ።"

    ትራምፕ፡ ወሲኹ ድማ ከምዚ ይብል፡

    "ሚኒስትሪ ኲናት፡ ኣንጻር መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ትሕተ ቅርጺ ጸዓትን ኢራን ዝተተለመ ዝኾነ ይዅን ኩሉ ዓይነት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲታት፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ከናውሖ ኣዚዘ ኣለኹ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባታትን ዘተታትን ዕውትነት ይምርኮስ።"

  12. ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ላጋርድያ ኒውዮርክ ነፋሪትን መኪናን ተጋጭየን

    ምስ መኪና ዝተጋጨወት ነፋሪት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ምስ መኪና ዝተጋጨወት ነፋሪት

    ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ላጋርድያ፡ ነፋሪት ኤየር ካናዳ ምስ ሓንቲ ኣብ ዝተፈለየ ፍጻመ ህጹጽ ምላሽ ትህብ ዝነበረት መኪና ምጥፋእ ሓዊ ድሕሪ ምግጫዋ ተዓጽዩ።

    መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ኒውስ፡ እታ ነፋሪት ካብ ሞንትርያል ዝተበገሰት ምዃና ሓቢሩ።

    ምስታ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዘካይድ በዓል መዚ ወደብ ኒውዮርክን ኒውጀርስን ዝመጸት መኪና ምስ ተጋጨወት፡ ናብ ኣስታት 24 ማይልስ ኣብ ሰዓት ፍጥነት ኣዝሒላ ነይራ።

    እታ ሞዴል CRJ 900 ዝዀነት ነፋሪት ኣስታት 70 ሰባት ኣሳፊራ ምንባራ ተገሊጹ።

    ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ብርክት ዝበሉ መጕዳእቲ ከም ዘጋጠሞም ይሕብሩ።

    ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ ከም ዘርእዮ፡ እታ ብመሻርኽቲ ኤር ካናዳ ጃዝ ኣቬሽን እትንቀሳቐስ ነፋሪት፡ ኣፍንጫኣ ንላዕሊ ተተኺሉ ይርአ።

    ኣብታ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ዝርከቡዎም 76 ሰባት ምንባሮም ኣቬሽን ጃዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

    ክፍሊ ፖሊስ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብሰንኪ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ላጋርድያ ዘጋጠመ ህጹጽ ፍጻመ፡ ኵሎም ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝወስዱ ጎደናታትን መውጽኢ ጽርግያታትን ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝወሃቡ ተዓጽዮም ኣለዉ፡" ኢሉ።

    ሃገራዊ ቦርድ ድሕነት መጓዓዝያ፡ መርማሪ ጕጅለ ኣዋፊሩ ኣሎ።

  13. ዝዀነት ሃገር፡ ክመጽእ ካብ ዝኽእል ዝኸፍአ ቅልውላው ጸዓት 'ነጻ ኣይኰነትን'

    ፋቲሕ ቢሮል

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኲናት ማእከላይ ምብራቕ፡ ካብቲ ኣብ ሰብዓታት ዘጋጠመን ምስቲ ኣብ 2022 ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወረ ርድሪ ምፍጻማ ዘጋጠመ ጽልዋታት፡ ዝኸፍአ ቅልውላው ጸዓት ከስዕብ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

    ፈጻሚ ዳይረክተር ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ጸዓት ፋቲሕ ቢሮል ንማዕከናት ዜና ኣውስትራልያ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "መብዛሕትና፡ ኣብ ሰብዓታት ዘጋጠመ ክልተ ተኸታተልቲ ቅልውላዋት ነዳዲ ንዝክሮ ኢና... ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቅልውላው፡ ዓለም ኣብ መዓልቲ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን በርሚል፡ ክልቲኦም ብድምር ድማ፡ ኣብ መዓልቲ 10 ሚልዮን በርሚል ከሲራ እያ፡" ኢሉ።

    "ክሳብ ሎሚ ኣብ መዓልቲ 11 ሚልዮን በርሚል ከሲርና ኢና፤ እዚ ልዕሊ ክልተ ዓበይቲ ነውጺታት ነዳዲ እዩ፡"።

    ወሲኹ ድማ፡ ብሓደ ኣገዳሲ መስመር - መጻብቦ ሆርሙዝ - ዝውሕዝ ጽዕነት ነዳድን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን (LNG) ብእገዳ ኢራን ተጽዩ ስለ ዘሎ፡ ዝዀነት ሃገር ካብ ሳዕቤናት ጸዓት ናይቲ ቅልውላው "ናጻ" ከም ዘይትኸውን ገሊጹ።

  14. ኣመሪካውያን 'ብደረጃ ዓለም' ዝያዳ ጥንቃቐ ክገብሩ ምሕጽንታ ቀሪቡሎም

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ወጥሪ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣመሪካውያን እዋናዊ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ።

    እቲ ሚኒስትሪ ብኤክስ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "ኣብ መላእ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ኣመሪካውያን ዝያዳ ጥንቃቐ ክገብሩ፡" ይጽውዕ።

    እዚ ኩነታት፡ "በብእዋኑ ምዕጻው ክሊ ኣየር፡ ምቁራጽ ጉዕዞ ከስዕብ ይኽእል'ዩ። ካብ ማእከላይ ምብራቕ ወጻኢ ሓዊሱ ዲፕሎማስያዊ ትካላት ኣመሪካ ዒላማ ተገይሮም'ዮም፡" ይብል።

    "ንኢራን ዝድግፉ ጉጅለታት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከቡ ኻልኦት ረብሓታት ኣመሪካ፡ ምስ ኣመሪካን ወይ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ኣመሪካውያንን ዝተኣሳሰሩ ቦታታት ዒላማ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም።"

  15. እስራኤል፡ 'ንተወሳኺ ሓያሎ ሰሙናት' ውግእ ከም ዝካየድ ኣጠንቂቓ

    እዚ፡ እዋናዊ ምዕባለታት ማእከላይ ምብራቕን ዓለምን ብሓጺሩ እነቕርበሉ መድረኽ እዩ።

    ናብዚ ቀጥታዊ ጸብጻባት ሕጂ ትጽምበሩ እንተድኣሃሊኹም፤

    • ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኬር ስታርመርን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ነቲ ወሳኒ መስመር ምትሕልላፍ ነዳዲ ዓለም ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ምኽፋት ከም ዘድሊ ከም ዝተዘራረቡ ተገሊጹ
    • ብዛዕባ ውጽኢት ናይቲ ዘካየድዎ ክልተኣዊ ዘተ ግን ብዝርዝር ኣይገለጹን
    • ኢራን ዓለምለኻዊ መስመር መራኽብ "ብዘይካ እቶም ንመሬትና ዝጥሕሱ ንዅሎም ክፉት፡" እዩ ኢላ
    • ዓበይቲ ዕዳጋታት ኣክስዮን ኤስያ ሎሚ ሰኑይ ክወድቁ እንከለዉ ዋጋታት ነዳዲ ድማ ይቀያየር ኣሎ
    • እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰራዊት እስራኤል ኣንጻር ኢራንን ሕዝቦላህን "ንተወሳኺ ሓያሎ ሰሙናት" ውግእ ክካየድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ
    • ኣቐዲሙ ሰራዊት እስራኤል ኣብ መላእ ርእሰ ከተማ ኢራን - ቴህራን "ሰፊሕ" መጥቃዕቲ ከም ዝጀመረ ብምግላጽ፡ "ሽበራዊ ትሕተ ቅርጺ" ዒላማ ከም ዝዀነ ሓቢሩ
    • ብተወሳኺ ኣብ ሊባኖስ ኣንጻር ሕዝቦላህ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንምስፋሕ ዝተወጠነ መደባት ከም ዝጸደቐ ኣፍሊጣ
    • እዚ ድማ ሰፊሕ ናይ ኣጋር ወራር ከይፍጸም ስግኣት ኣልዒሉ ይርከብ
    • ኣብ ካልእ ቦታታት ናይቲ ዞባ፡ ኢማራት ዓረብ ንናይ ሚሳይል ስግኣት ምላሽ ትህብ ከም ዘላ ገሊጻ ነይራ፤ ባሕሬን ድማ ብኣጋኡ ድምጺ መጠንቀቕታ ሚሳይል ኣስሚዓ

    እዋናዊ ምዕባለታት እናተኸታተልና ከነቕርበልኩም ኢና።

  16. ትራምፕን ስታርመርን፡ ኣብቲ ን20 ደቓይቕ ዝጸንሐ ናይ ተሌፎን ዝርርቦም እንታይ ዘትዮም?

    ትራምፕን ስታርመርን፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም እቲ ፕረዚደንት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝገበሮ መንግስታዊ ዑደት ዝተሳእሉ ስእሊ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ኪር ስታርመርን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን፡ ብሰንበት ምሸት ኣብ ጉዳይ ምኽፋት ሆርሙዝ ብተሌፎን ተዘራሪቦም ኣለው።

    እዚ 20 ደቓይቕ ዝወሰደ ኰይኑ፡ "ሃናጺ" ዘተ ከም ዝነበሮም ማዕከን ዜና ፒኤ ጸብጺቡ።

    ወሃቢ ቃል መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ክልቲኦም ብዛዕባ ኵነታት ማእከላይ ምብራቕን "ብፍላይ ድማ ምንቅስቓስ መራኽብ ንምጅማር መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ምኽፋት ከም ዘድሊ" ከም ዝተዘራረቡ ገሊጹ።

    "ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ጸዓት ምርግጋእ ንምርግጋጽ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ምኽፋት ኣገዳሲ ምዃኑ ተሰማሚዖም፡" ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ዳግማይ ክዛረቡ ተሰማሚዖም፡" ኢሉ።

    ትማሊ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ባጫዊ ስእሊ ጠቂዑ።

    ኣብዚ ስእሊ ስታርመርን ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ደቪድ ላሚን ዝዋስኡሉ ስእሊ፡ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ብዛዕባ ዝነበረ ዝርርብ ተሌፎን ይዛረቡ።

    እቲ ንስታርመር ዝዋሳእ፡ "ዶናልድ እንተ ተቘጥዓኒኸ? እንታይ ክብል ላሚ?" ይብል።

    ወሲኹ፡ "ኣብ ከቢድ ኵነታት'የ ዘለኹ፡ ላሚ። ሊዝ ትራስ ከመይ ጌራ'ያ ነዚ ስራሕ እተቕልሎ?"

    ሊዝ፡ ቀዳመይቲ ምኒስትር ብሪጣንያ ነበር እያ።