ትራምፕ ነቲ ምስ ኢራን ዝተገብረ ፈላማይ ስምምዕ ቅድሚ ዓርቢ ወግዓዊ ክገብሮ ከም ዝኽእል ቫንስ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ቅድሚ'ቲ ስምምዕ ብወግዒ ኣብ ጀነቫ ዝፍረመሉ ጽባሕ ዓርቢ፡ ነቲ ምስ ኢራን ዝተገብረ ናይ መጀመርታ ሰነድ ምርድዳእ ወግዓዊ ክገብሮ ከም ዝኽእል ምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ ገሊጹ።እዚ ሰነድ'ዚ ሓደ ገጽን ፈረቓን ዝሓዘን ሓፈሻዊ ርእይቶታት ዘለዎን ኰይኑ፡ ብትራምፕ፡ ቫንስን ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ኢራን መሓመድ ባገር ቃሊባፍን ብኤለክትሮንያዊ መንገዲ ተፈሪሙ ኣሎ።እዚ ስምምዕ'ዚ ዞባዊ ሰላም ንምስፋን ከም ሓደ ስጕምቲ ዝቝጸር እዩ።
ብመሰረት እቲ ሰነድ፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኵሉ ቴክኒካዊ ዘተታት ክጅምር እዩ።ዝዀነ ናይ እገዳታት ስጕምትታት ግን ምስቲ ኢራን እትፍጽሞ ግዴታታት ዝተኣሳሰር ብምዃኑ፡ ብዘይ ወግዓዊ ፍጻመ ዝስዕብ ጭቡጥ ተበግሶ የሎን።ቫንስ ከም ዝገለጾ፡ ኢራን ንዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ክትሰርሕ፡ ምሃብ ሓገዝ ንዕጡቓት ጕጅለታት ከተቋርጽን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንኸይተማዕብል ዘየጠራጥር ቃል ክትኣቱን እቲ ስምምዕ ዝሓትት ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
እዚ ስምምዕ'ዚ ነቲ ምቍራጽ ተዅሲ ንተወሳኺ 60 መዓልታት ከናውሖ እዩ።እቲ ብፓኪስታን ዝተዳለወ ሰነድ፡ "ንሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኵሎም ግንባራት ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ብቕጽበትን ንሓዋሩን ክቋረጽ፡" ዝጽውዕ እዩ።ይዅን'ምበር፡ ሰራዊት እስራኤል ካብ ሊባኖስ ክወጽእ ግዴታ ከም ዘይኰነን እስራኤል ነብሰ-ምክልኻል ናይ ምግባር መሰል ከም ዘለዋን መራሕቲ ኣመሪካ ገሊጾም።ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ስትራተጅያዊ መጻብቦ ሆርሙዝ ብዓርቢ ክኽፈት እዩ።
ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ሰራዊቱ ኣብ ሊባኖስ፡ ሶርያን ቃዛን "ክሳብ ዘድሊ" ከም ዝጸንሕን ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክትውንን ከም ዘይፍቀደላን ገሊጹ።በቲ ሓደ ወገን፡ ሓለፍቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ነቲ ስምምዕ ከም ዓወት ክርእይዎ ከለዉ፡ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ቴህራን ግን ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዓሚቝ ዘይምትእምማን ከም ዘለዎ ገሊጹ።


















