ኣብ ሰሜን ጎንደር 'ሓይልታት ትግራይ ፈጺሞሞ’ ብዝተብሃለ መጥቃዕቲ ሰባት ተቐቲሎም

Published

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ኣዲ-ዓርቃይ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 15 ሰባት ከምዝሞቱን ብዙሓት ኣባይቲ ከምዝተቓጸሉን ነበርትን ምምሕዳር እቲ ከባቢን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ብሰሉስ 27 ግንቦት 2016 ወጋሕታ ሰዓት 11፡00 [ኣ.ግ] ኣብቲ ወረዳ ቀበሌ ኣሊጣራ ቁሸት ኣንካቶ “ኣጽዋር” ዝተዓጠቑ ዝተብሃሉን ካብ ክልል ትግራይ ምምጽኦም ዝተሓበረን ዕጡቓት ሓይልታት ከቢድ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ነበርቲ ተዛሪቦም።

ብ ገዳም ዋልድባ ኣቢሎም ናብቲ ምስ ክልል ትግራይ ዝዳወብ ከባቢ ኣትዮም ዝተብሃሉ ብኣማኢት ዝግመቱ “ሓይልታት ትግራይ" ገዛውቲ ከምዘቃጸሉን ጥሪት ከምዝዘመቱን ምምሕዳር እቲ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወገኑ ናብቲ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ ዝተብሃለ ከባቢ “ዝተገበረ ምንቅስቓስ የለን" ብምባል ነቲ ክሲ ነጺግዎ።

እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

እቲ ተኹሲ ነበርቲ ደቂሶም ኣብ ዝነበሩሉ ሰዓታት ከምዝጀመረ ንቢቢሲ ዝሓበረ ነባሪ እቲ ከባቢ ኣቶ ታለ ጥላሁን ካብ ንግሆ ሰዓት 11፡00 ክሳብ ንግሆ ከባቢ ሰዓት 2፡30 [ግ] ዝጸንሐ መጥቃዕቲ ከምዝነበረ ገሊጹ።

መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን፡ "ጌርናዮ ዝነበርና ናይ ውሽጢ ስረና ተኸዲንና ኢና ወጺእና" ዝበለ ካልእ ነባሪ ኣቶ ባቡል ጻጋዬ በቲ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ኣባላት ስድርኡ ከምዝተቐትሉ ተዛሪቡ።

“ኣብ ሓደ ገዛ ሓሙሽተ ኢና ኔርና። ከም ኣጋጣሚ ኣነ ጥራይ ተሪፈ፤ እቶም ካልኦት ግን ሞይቶም። መስርዕ ኣትሒዞም እዮም ናብ ልዕሌና ተኲሶም። ነዓይ ሞይቱ እዩ ኢሎም ገዲፎምኒ ከይዶም። ብፍቓድ ፈጣሪ እየ ድሒነ" ይብል እቲ ነባሪ።

ኣብ ሕቖኡ ብጥይት ስለዝተሃረመ ከኣ ናብ ሆስፒታል ከይዱ ሕክምና ከምዝተገበረሉ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ 15 ሰባት ከምዝተቐተሉ ምርኣዩ ንቢቢሲ ዝሓበረ ካልእ ናይ ዓይኒ ምስክር ብወገኑ ዕድሚኦም 16ን 19ን ዝመልኦም ክልተ ደቂ ሓፍቱ ከምዝተቐተሉ ተዛሪቡ።

ካልእ ንቁጽሪ እቶም ተቐቲሎም ዝተብሃሉ ሰባት ዘረጋገጸ ነባሪ ሰለስተ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ብሰንኪ ባርዕን ቶኽስን ከምዝሞቱ ኣረዲኡ።

"ህጻናት ሓዊሱ 15 ሰባት ከምዝተቐተሉ ርእየ" ዝብል እቲ ነባሪ በቲ መጥቃዕቲ እግሩ ኣብ ክልተ ቦታ ተወቒዑ ከምዝቖሰለ ጠቒሱ።

ኣመሓዳሪ ወረዳ ዓዲ-ዓርቃይ ኣቶ ሚልዮን ታደሰ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ በቲ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ቀብሮም ዝተፈጸመ ሰባት ሸሞንተ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

ካብቶም ዝሞቱ ሸሞንተ ሰባት እቶም ሽዱሽተ ንጹሃት ነበርቲ ምዃኖም ብምሕባር ድማ ክልተ ካብኣቶም ኣባላት ናይቲ ከባቢ ምልሻ ምዃኖም ገሊጹ።

ቀዳማይ ደረጃ ሆስፒታል ወልቃይት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ዝቘሰሉ ሰለስተ ነበርቲ ናብ ሆስፒታል ምእታዎም ኣረጋጊጹ’ሎ።

ወኪል እቲ ሆስፒታል ኣቶ ዮናስ ካሳሁን፡ ክልተ ሰባት ኣብ እግሮም ሓደ ድማ ኣብ ሕቖኡ ብጥይት ከምዝተሃርመን ናይ ክልቲኦም “ከቢድ ጉድኣት” ከምዝኾነን ኣረዲኡ።

ድምጺ ጠያይቲ ሰሚዑ ካብ ገዝኡ ከም ዝወጸ ዝዛረብ ኣቶ ወንድሙ ዝተብሃለ ነባሪ ምልሻ ብምዃኑ “ምስቶም መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ኣካላት ኣብ ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተኹሲ ተሳቲፈ” ኢሉ።

ሽዑ ምስኡ ዝነበረ ንእሽቶ ሓዉ ከምዝተቐትለ ብምሕባር ከኣ ንመጠን እቲ ጉድኣት "ከቢድ" ክብል ገሊጽዎ።

“ቦምባ ጉድኣት ኣውሪዱ፤ዱሽቃ፣ ስናይፐርን ብሬንን ነይርዎም። ካብ ርሑቕ እናተኰሱ እዮም ጉድኣት ኣውሪዶም" ይብል።

“ዘይሓዝዎ ኣጽዋር ኣይነበሮምን" ብምባል ኣብቲ መጥቃዕቲ ቦምባታት ከምዝተደብረዩ ዝተዛረበ ካልእ ነባሪ ድማ ሸሞንተ ገዛውቲ ክቃጸሉ ከምዝረኣየ ገሊጹ።

ፈጸምቲ መጥቃዕቲ . . .

እቶም “ካብ ትግራይ ዝመፁ ሓይልታት” ዝተብሃሉ ዕጡቓት ነቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ካብቲ ከባቢ ኣብ ዝወጽኡሉ ሰለስተ ሰባት ከምዝወሰዱን 500 ከብቲ ከምዝዘመቱን ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓቢሮም።

እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሓይልታት “ሕውስውስ ዝበለ” ክዳን ተኸዲኖም ምንባሮም ዘመልከተ ሓደ ነባሪ ኩሎም ወተሃደራዊ ክዳን ከምዘይተኸድኑ ተዛሪቡ።

ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ "ኣብ ከባቢ ገዳም ዋልድባ ዝንቀሳቐሱ" ሓይልታት ትግራይ ንዝበሎም ዕጡቓት ተሓተትቲ ብምግባር፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ናብቲ ከባቢ "ሰሊኾም" ይኣትዉ እኳ እንተነበሩ መጥቃዕቲ ግን ይፍጽሙ ኣነይነበሩን ኢሉ።

"ሓይልታት ትግራይ" ምዃኖም ብኸመይ ክፈልጡ ከምዝኸኣሉ ብቢቢሲ ዝተሓተቱ ነበርቲ በቲ ዝዛረብዎ ቋንቋ ከምዘለለይዎምን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ትንኮያታት ክፍጽሙ ከምዝጸንሑን ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ ወረዳ ዓዲ-ኣርቃይ ኣቶ ሚልዮን እውን ፈጸምቲ መጥቃዕቲ “ዕጡቓት ህወሓት እዮም” ክብል ከሲሱ።

ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ መጥቃዕቲ ብሓይልታት ትግራይ ከምዘይተፈፀመ ብምሕባር ነቲ ክሲ ነጺጉ’ሎ።

በዓል ሞያ እቲ ቢሮ ኣቶ ኣማረ ሃይለ "ክሳብ ሐዚ ኣብቲ ከባቢ ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣይገበርናን" ብምባል ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ መጥቃዕቲ ተሳትፎ ከምዘይነበሮ ተዛሪቡ።

ነቶም ኣካታዕቲ ዝበሃሉ ከባብታት “ብጎንጺ ናይ ምሓዝ ድልየት የብልናን” ክብል እውን ወሲኹ ገሊጹ።

ወረዳ ዓዲ-ዓርቃይ ምስቶም ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘሰሓሕቡ ከባብታት 'ወልቃይትን ጸለምትን' ዝዳወብ እዩ።

ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣቶ ሚልዮን እቲ ከባቢ ነቶም ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዝሰሓሓባሎም ከባቢታት ንምሓዝ ዝሕግዝ "ስትራተጂካዊ" ብምዃኑ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ግምት ሂቡ።

ነዚ ብዝምልከት መልሲ ዝሃበ ኣቶ ኣማረ ካብ ቢሮ ፀጥታ ትግራይ ግን "ኣብ ሞንጎ እቲ ንሕና ሕጂ ዘለናሉ ቦታን እቲ ዝግለጽ ዘሎ ከባቢን ሰፊሕ ርሕቐት እዩ ዘሎ። ብቐጥታ ዝዳበዉ ከባቢ እውን ኣይኮነን" ክብል ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸሙ ደጋጊሙ ሓቢሩ።

"ጸገማት ብዘይግጭት ክንፈትሕ ኢና ንሓስብ እምበር ናብ ግጭት ክንኣቱ ሓሳብ የብልናን" ኢሉ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ 2024 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ድሕሪ እቲ ኲናት ብወገን ክልል ኣምሓራ ምምሕዳራዊ መሓውር ተዘርጊሖሎም ናብቲ ክልል ዝተጠርነፉ ከባብታት ትግራይ ክሳብ 30 ሰነ ክምለሱ ምዃኖም ምሕባሩ ይዝከር።