ንትግራይን ኣምሓራን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ኣላማጣ

Published

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ይረኣዩ ከምዘለዉን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝሰፈሩን፡ ነበርትን ብክልል ኣምሓራ ዝተመዘዘ ከንቲባ እታ ከተማን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ብወገን ክልል ትግራይ ዘሎ ከንቲባ እታ ከተማ ብወገኑ “እዚ ፍጹም ሓሶት እዩ፤ ዝወጽአ እምበር ዝኣተወ ስሩዕ ሰራዊት የለን” ክብል ገሊጹ’ሎ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ኣፈጻጽማ ውዕል ፕሪቶርያ ዝዘተዩ ተወከልቲ ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን፡ ኣብ መንጐኦም ዘይምትእምማን ምጽንሑ ክንገር ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ቅድሚ ተዓዘብቲ ክዘራረብሉ ብዝተሰማምዕዎ መሰረት ከኣ ኣብ መጀመርታ መጋቢት ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእዘን ዘተ ኣብ ኣዲስ አበባ ተኻይዱ ነይሩ።

ሓደ ካብቶም ስኒት ዘይፈጥሩ ጉዳያት እቶም ኣብ ኢድ ዕጡቓት ኣምሓራ ዝርከቡ ከባቢታት ዝምልከት ኰይኑ፡ እዚ ድማ ምስ ምምላስ ተመዛበልቲ ብቐጥታ ዝተሓሓዝ እዩ።

ኣብቲ ሓበራዊ ዘተ፡ እቶም ብኣምሓራ ዝቘሙ ግዝያዊ ምምሕዳራት ፈሪሶም፡ ኣብቶም ከባቢታት ሰራዊት ፈደራል ክጸንሑን እቶም ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶም ክምለሱን ኣብ ምርድዳእ ምብጽሑም ከምዝተሓበረ ይዝከር።

ኣብዚ ቅነ እንታይ ሓድሽ ነገር ኣሎ?

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰኑይ ጀሚሩ ምንቅስቓስ ዕጡቓት ሓይልታትን ቅድሚ ኲናት ነታ ከተማ ዘመሓድሩ ዝነበሩ ሹመኛታት ትግራይን ይርእዩ ምህላዎም ይሕብሩ።

ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባሪ “ባንዴራ ትግራይን ናይ ጋንታ ዕጥቂ ስናይፐርን ሒዞም ናብ ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ኣትዮም ኣለው። ‘ኣየር ማረፊያ’ ኣብ ዝበሃል ከባቢ - ቤት ትምህርቲ ኣዲስ ኣለም ዕጡቓት ህወሓት ይነብሩሉ ኣለዉ” ኢሉ።

እቶም ናብታ ከተማ ኣትዮም ዝበሎም ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ዝርርብ ምስተገበረ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ምእታዎም ወሲኹ ገሊጹ።

ካልእ ነባሪ’ውን ኣብዚ ቅነ ፍሉይ ምንቅስቓሳት ከምዘሎ ብምሕባር “ቅድሚ ኲናት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ትግራይ ናይ ቀበሌን ካልእን መሪሕነት እዚ ከባቢ ኰይኖም የገልግሉ ዝነበሩ ሰባት ይረኣዩ ኣለዉ። ገለ ኣጽዋር ሒዞም ኣብ ዙርያ እዛ ከተማ ከምዝተጸግዑ እውን ይዝረብ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ዝኣተዉሉ ከባቢ መፈተሺ ነቝጣታት ኣቝሞም መለለዪ መንነትን ካልእን ይሓቱ ከምዘለዉን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ መዓልታት ከኣ ናብ መስመር ቆቦ ኣብ ዝወስድ ‘ኣየር ማረፊያ’ ዝበሃል ከባቢ ኣትዮም መሊሶም ከምዝወጽኡ ኣረዲኡ።

ዘረባ ክልተ ከንቲባታት

ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋን ንከተማ ኣላማጣ ብከንቲባነት ዘመሓድር ዝነበረ ሹመኛ ኣቶ ዝናቡ ደስታ ይበሃል። ምስ ምውላዕ ኲናት ተታሓሒዙ ብመንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዝተሾመ ከንቲባ ድማ ሃይሉ ኣበራ እዩ።

ኣብዚ ቅነ ዕጡቓት ትግራይ ኣብ ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ዓስኪሮም ከምዘለዉ ዝዛረብ ብወገን ኣምሓራ ዘሎ ከንቲባ ኣቶ ሃይሉ ኣበራ፡ ዝምታ ይፍጸም ምህላዉ ከሲሱ።

“ናብ ከተማታት ኣይኣትዉን ነይሮም። ሕጂ ግን ካብ ሸውዓተን ሸሞንተን ሚያዝያ ጀሚሩ ናብ ኮረምን ካልኦት ቦታታት ኣትዮም ኣለዉ። ናብ ኣላማጣ ድማ ወሰናወሰን ክኣትው ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ናብ ማእከል ክኣትዉ ፈቲኖም” ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ እቶም ዕጡቓት ናብታ ከተማ ክኣትዉ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ካብ ነበርቲ ተቓውሞ ስለዘጋጠሞም ሰራዊት ምክልኻል ብእዋኑ ክመልሶም ከምዝተገበረ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ይዅን እምበር ሕጂ’ውን ዝተወሰኑ ኣብ ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝርከቡ ብምሕባር ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣላማጣ ካብ ዝኣትዉ ሳልስቲ ከምዝዀኖምን ዝምታ ይፍጸም ከምዘሎን ተዛሪቡ።

እቲ ከንቲባ ኣብ ቀረባ እዋን ተኻይዱ ንዝነበረ ጎንጺ ስዒቡ ካብታ ከተማ ክወጽእ ተገዲዱ’ሎ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝሓተቶ ብወገን ትግራይ ዘሎ ከንቲባ ከተማ ኣላማጣ ኣቶ ዝናቡ ደስታ ግን ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ሰራዊት ትግራይ ካብቲ ከባቢታት ምሉእ ብምሉእ ከምዝሰሓበ ገሊጹልና።

“ምእታው ወይ ምውጻእ ብግቡእ ዘይርድኦም እንተዀይኑ እምበር ኣብቶም ኣካታዕቲ ዝበሃሉ ከባቢታት ዝነበረ ሓይሊ ትግራይ ክወጽእ ተገይሩ እዩ” ይብል።

ግን ከኣ ብመሰረት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ እቶም ቅድሚ ኲናት ናይቲ ከባቢ ሚሊሻታት ዝነበሩ ዕጡቓት ናብ ዝነበረሉ ቦታ ክምለሱ ኣለዎም ተባሂሉ ብግልጺ ከምዝተነገረ ብምዝኽኻር ብመሰረት እቲ ዝርርብ እቶም ሚሊሻታት ንኽኣትዉ ከምዝተፈተነ ኣረዲኡ።

“ግን ከኣ እቲ ፈተነ ብዙሕ ማሕለኻታት እዩ ገጢምዎ። ብወገን ኣምሓራ ዘለዉ መሪሕነት ‘ኣይተሓበረናን’ ፤ ‘ካብ ላዕለዋይ ኣካል ኣይተነገረናን’ ስለዝበሉ እቶም ሚሊሻታት ከም መዓስከር ኣብ ሓደ ቦታ ክጽንሑ ተገይሩ’ሎ” ክብል ኣብሪሁ።

እቶም ሚሊሻታት ተወለድቲ ኣላማጣን ከባቢኣን ስለዝዀኑ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘይኮነስ ናብ ቤተሰቦምን ገዛኦምን ተጸምቢሮም ክነብሩ ከምዝተሓሰበ እዩ ወሲኹ ገሊጹ።

“ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ክጽንሑ ዝተገበረ ‘ኣይትኣትዉን’ ኢሎም ዝኸልከሉ እምበር ኣብ ሓደ መዓስከር ክጸንሑ ዝብል መምርሒ’ውን የለን” ኢሉ።

ብወገን መራሕቲ ክልቲአን ክልላት ምክሳሳት ኣብ ዝስምዓሉ እዚ እዋን፡ ኣላማጣን ካልኦት ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝርከባ ከባቢታትን ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ብዘይ ስሩዕ ምምሕዳር ቀጺለን ኣለዋ።

በዚ ምኽንያት ከኣ ነበርቲ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ስለዝተኣጓጎሎም ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቘም ከምዝርከቡ ይዛረቡ።