እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ንኣምልኾ ዝተኣከቡ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 15 ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ክልል ኦሮምያ ክልል ዞባ ምብራቕ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ንኣምልኾ ዝተኣከቡ ሰባት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 15 ሰባት ከምዝተቐተሉ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን መካነ ኢየሱስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ።
ብመሰረት ሓበሬታ እታ ቤተክርስትያን፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝሓለፈ ሰንበት 27 ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዞባ ወረዳ ሳሲጋ፡ ጋሎ ዝተብሃለት ቀበሌ ንኣምልኾ ኣብ ልዕሊ ዝተኣከቡ ምእመናን ቤተክርትያን ‘ሙለታ ገላ መካነ ኢየሱስ’ እዩ ተፈጺሙ።
ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን መካነ ኢየሱስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝውፅኣቶ መግለጺ፡ ካብ ካልእ ከባቢ ዝመፅኡ ብዝሒ ዝነበሮም ዕጡቓት ኣብታ መዓልቲ ንኣምልኾ ኣብ ልዕሊ ዝተኣከቡ ኣመንቲ ከምዝፈጸምዎ ሓቢራ።
በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 15 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት ብዙሓት ድማ ከምዝቖሉ እታ ቤተክርስትያን ኣፍሊጣ።
ንኣምልኾ ኣብ ልዕሊ ዝተኣከቡ ሰባት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብትሪ ብምኹናን፡ ናይቲ ከባቢ ኣካላት ፀጥታ ነቲ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍፃሙ ክከላኸሉ ኮነ ድሕሪ ምፍፃሙ ነቶም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ኣብ ምቕራብ “ዝተወሃቦም ሓላፍነት ክፍጽሙ ብዘይምኽኣሎም” ሓዘና ገሊጻ።
ብዘይካ'ዚ፡ ድሕነት ህዝቢ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዘለዎ መንግስቲ፡ "ሰላማውያን ሰባት ብግፍዒ እንትቕተሉ ግቡእ ሓለዋ ብዘይምግባሩ፤ ነቲ ፍጻመ ኣፍልጦ ክህብ ዘይምድላዩ ወይ ሸለል ምባሉ፡ ንህዝቢ ዘለዎ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ" ክትብል እታ ቤተክርስትያን ኣብ መግለጺኣ ነቒፋ።
እዚ መጥቃዕቲ፡ "ድሕነት ዜጋታት ክሳብ ክንደይ ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ክንሓስብ ይገብረና" ብምባል፡ ፈጸምቲ እቲ መጥቃዕትን ኣብቲ መጥቃዕቲ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝተሳተፉ ሰባትን ክቃልዑን ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ሓቲታ።
ኣብቲ ከባቢን ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ብሰንኪ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ህይወት ብዙሓት ንፁሃት ዜጋታት ይጠፍእ ከምዘሎ እታ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መግለፂኣ ኣዘኻኺራ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ - መንዲ፡ ካብ ኣምልኾ ዝምለሱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "14 ምእመና፣ መራሕትን ኣገልገልትን እታ ቤተክርስትያን" ከምዝተቐትሉ ሓቢራ።
መንግስቲ ከምቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዘሎ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ዝተገብረ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘሎ ጸገም ጸጥታ’ውን ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ጻዕሪ ክገብር ጸዊዓ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ኦሮምያ ብዕጡቓት ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታትን ሓይልታት መንግስቲ ብዝወሰድዎም ስጉምትታትን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ።
ብዙሓት ንኣካላዊ መጉዳእቲ ካብ ምቅልዖም ብተወሳኺ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መጥቃዕቲ ሃዲሞም ናብ ካልኦት ከባብታት ክፈናቐሉ ተገዲዶም ይርከቡ።