እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፖሊስ ንጸሊም ኣመሪካዊ ብ46 ጠያይቲ ከምዝቐተሎ ተፈሊጡ
ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኦሃዮ ዝተቐተለ ወዲ 25 ዓመት ጸሊም ኣመሪካዊ መንእሰይ ብ46 ጠያይቲ ከምዝተቐተለ ኣብ ኣስከሬን ብዝተገበረ ምርመራ ተረጋጊጹ።
እቶም ናይ ኣስከሬን ምርመራ ዘካየዱ ሰብ ሞያ ጄይላንድ ዎከር 46 ወቒዕዎ’ዩ ወይ ከዓ ተናኺፍዎ ሓሊፉ’ዩ ኢሎም።
ካብዚ ብተወሳኺ ንጄይላንድ ዝቐተለ ኣየንኡ ከምዝኾነን እቲ ፖሊስ ክንደይ ጠያይቲ ከምዝተኮሰሉን ከምዘይተፈለጠ ውጽኢት ምርመራ ኣስከሬን መዋቲ ኣመላኺቱ’ሎ።
ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብቕትለት ጄይላንድ ዎከር ዝተሰምዖም ሓዘን ንምግላጽ ግዝኣት ኦሃዮ ኣብ እትረከብ ከተማ ኣክሮን ምስተኣከቡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ’ዩ ውጽኢት ምርመራ ኣስከሬን ጄይላንድ ዕላዊ ዝኾነ።
ኣመሓደርቲ ከተማ ኣከሮን ድሕነት ናይታ ከተማ ውሑስ ንምግባር ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ገደብ ሕላፍ ሰዓት ኣዊጆም።
ቅድሚ ሰለስተ ሰሙናት ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰሉ ጠያይቲ ተወቒዑ ዝሞተ ዎከር ኣብ ልቡ፣ ሳንብኡን ደም መተሓላለፍቲ ትቦታቱን ከቢድ ጉድኣት ከምዝበጽሖ ኣብቲ ዕላዊ ዝተገበረ ናይ ኣስከሬን ምርመራ ተረጋጊጹ።
ሰበ ስልጣናት ግዝኣት ኦሃዮ፡ ዎከር ሕጊ ትራፊክ ጥሒሱ ይጉዓዝ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ፖሊስ ደው ንኽብል ሓቲትዎ ፍቓደኛ ብዘይ ምዃኑ ፖሊስ ን6 ደቂቕ ደድሕሪኡ ይከታተሎ ምንባሩ ሓቢሮም።
ፖሊስ የጓይዮ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ድማ ዎከር ሓንቲ ጥይት ከምዝተኮሰ ወሲኾም ገሊጾም።
ኣብቲ ፖሊስ ዕላዊ ዝገበሮ ቪድዮ፡ ገጹ ብጨርቂ ሸፊኑ ዝነበረ ዎከር ትጉዓዝ ካብ ዝነበረት መኪና ብናይ ተሳፋሪ መውረዲ ማዕጾ ወሪዱ ኣብ ሓደ ናይ መካይን ደው መበሊ ቦታ ክሕባእ ኣብ ዝፈተነሉ ህሞት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ተኹሲ ከምዝተኸፈተሉ የርኢ።
ዎከር ካብ ፖሊስ ተኹሲ ኣብ ዝተኸፈተሉ ግዜ ብረት ሒዙ ከምዘይነበረ ብምጥቃስ እቲ ኣብ ርእሲኡ ዝተወሰደ ስጉምቲ ግቡእ ከምዘይኮነ ስድርኡ ንፖሊስ ነቒፎም።
ማሕበር ኣባላት ፖሊስ እቲ ከባቢ ግን ዎከር ኣብ ልዕሊኦም ከቢድ ጉድኣት ከብጽሓሎም ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ምዃኖም ስለዝተረድኡ በቲ ዝተውሃቦም ስልጠና መሰረት ስጉምቲ ወሲዶም ክብል ንኣባላቱ ተኸላኺሉ።
ሰበ ስልጣናት ግዝኣት ኦሃዮ ኣብ ቅትለት ዎከር ዝገብርዎ ዘለዉ ምርመራ ክሳብ ዝውዳእ ተኹሲ ከፊቶም ዝቐተልዎ 7 ጸዓዱ ፖሊስን ሓደ ጸሊም ፖሊስን ጥቕማ ጥቕሞም ተኸቢርሎም ብኣስገዳድ ዕረፍቲ ክወስዱ ወሲኖም።
እንተዀነ ግን፡ እቲ ምርመራ ብግዝኣት ኦሃዮ እንተይኮነስ ብመንግስቲ ፌደራል ንኽምርመር ንዓቃቢ ሕጊ ኣመሪካ ሕቶ ቀሪቡ ከምዘሎ ተገሊጹ።