ፕረዚደንት ብራዚል ንኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ኣባሪሩ

Published

ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ዲ ሲልቫ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ህዝባዊ ናዕቢ ምስ ኣጋጠመ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ንኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል 'ታ ሃገር ካብ መዝነቱ ኣባሪርዎ።

ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ብራዚል ጀነራል ጁሊኦ ሴዛር ደ ኣሩዳ፡ ካብ 30 ታሕሳስ ጀመሩ’ዩ ኣብቲ መዝነት ጸኒሑ። እዚ ማለት ስልጣን ፕረዚደንት ብራዚል ነበር ጃየር ቦልሰናሮ ቅድሚ ምብቅዑ እዩ።

ፕረዚደንት ሉላ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብቲ ዝነበረ ህዝባዊ ናዕብታት ኢዶም ሓዊሶም ከምዝዀኑ ጥርጣረ ከምዘለዎ ገሊጹ’ዩ። ከም ሳዕቤኑ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ንገለ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብራዚል ኣባሪርዎም ኣሎ።

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ደገፍቲ ፕረዚደንት ነበር ቦልሰናሮ፡ ዝሓለፈ 8 ጥሪ ንመንግስታዊ ህንጻታት ወሪሮም ሒዞም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ ውሑዳት ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ጉድኣት ወሪድዎም’ዩ።

ናዕበኛታት ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ፕረዚደንት፡ ባይቶን ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ኣትዮም ንብረት መንግስቲ ብምዝማቶም፡ ኣስታት ክልተ ሽሕ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ነይሮም። ፈደራል ፖሊስ ብራዚል እቶም 1200 ሰባት ክሳዕ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብራዚል ብዛዕባ እቲ ክስተት ምርመራ ዝጀመረ ኰይኑ ንፕረዚደንት ነበር ቦልሰናሮ’ውን ኣብቲ ምርመራ ከምዘጠቓለሎ ተፈሊጡ።

ዓቀብቲ ሕጊ፡ እቲ የማናዊ መራሒ ነበር ቦልሰናሮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝዘርግሖ ቪድዮ፡ እቲ ንሱ ዘይተዓወተሉ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዘይቅቡል ምዃኑ ምግላጹ፡ ጠንቂ'ቲ ዝተላዕለ ናዕቢ ከምዝዀነ’ዮም ዝምጕቱ ዘለዉ።

ንሱ ግን ኣብቲ ብደገፍቱ ዝተላዕለ ዕግርግር ኢድ ከምዘይብሉ ተዛሪቡ።

ካብ ወተሃደራዊ መዝነቱ ዝተኣለየ ጀነራል ኣሩዳ፡ ነቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ቀረባ ከምዝዀነ ብዝዝረበሉ ጀነራል ቶማስ ሪበርዮ ፓቪያ ተተኪኡ'ሎ። ንሱ ንወተሃደራት ብራዚል ንውጽኢት መረጻ ክቕበልዎ ኣጠንቂቝ።

ፕረዚደንት ሉላ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተበገሰ ተቓውሞ ብቐጥታ ንፕረዚደንት ነበር ቦልሰናሮ ተሓታቲ ክገብር እንከሎ፡ ብፍላይ ግን ኢዱ ኣብ ልዕሊ ገለ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር የወጣውጥ ከምዘሎ ተወካሊ ቢቢሲ ላቲን ኣሜሪካ ጸብጺቡ።

ቦልሰናሮ ቅድሚ ፕረዚደንት ምዃኑ ሓላፊ ሰራዊት ስለዝነበረ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ምክልኻል ብራዚል ድጋፍ ከምዘለዎ’ዩ ዝእመን።

ፕረዚደንት ሉላ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ዝርከቦም ገለ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መሪሕነት ሰራዊት ብራዚል ዝጸንሑ ሰበስልጣን ካብ መዝነቶም ምልዓሉ ክሳዕ ክንደየናይ ኣብ ዙርያ ሓለዋኡ እምነት ከምዘይብሉ ዘመላኽት ከምዝዀነ እቲ ወኪል ቢቢሲ ትዕዝብቱ የካፍል።

ሚኒስተር ሓይልታት ምክልኻል ብራዚል ጆሴ ሙኪኦ ብቕድሚ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ግዚኡ ብዛዕባ መጻኢ ኵነታት ብራዚል ጠመተ ዝግበረሉ’ዩ ድሕሪ ምባል፡ ሰራዊት እታ ሃገር ከም ትካል ኣብቲ ዝነበረ ናዕብታትን ዕግርግርን ከምዘይተሳተፈ ገሊጹ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፕረዚደንት ነበር ቦልሰናሮ ኣብ ጽንብል ምርኽኻብ ስልጣን ሓድሽ ፕረዚደንት ሉላ ዲ ሲልቫ ኣይሳተፍን ኢሉ ብወግዒ ካብ ዘፍልጥ ንደሓር ኣብ ኣሜሪካ ፍሎሪዳ ይነብር ከምዘሎ ይፍለጥ።

የማናይ ኢድ ቦልሰናሮ ከምዝዀነ ዝንገረሉ ሚኒስተር ፍትሒ ብራዚል ነበር ኣንደርሰን ቶሬዝ፡ ዝሐለፈ ሰሙን፡ ‘ፖሊስ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ካብ ናዕበኛታት ከይከላኸል የተዓናቕፍ ነይሩ’ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ።