ብራዚል፡ ብኸመይ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ንባይቶ ክወርር ብሓንቲ ምስጢራዊት ቃል ተዓዲሙ?

Published

ብሰንበት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቲ ጃየር ቦልሶናሮ ንህንጻ ባይቶ ብራዚል፡ ላዕለዋይ ቤትፍርድን ቤተመንግስትን ክወሩ እንከለው ዝገልጽ ዜና ኣዘራረቢ ኮይኑ።

እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ምድንጋራት ከምዝነበሮን ጃየር ቦልሶናሮ ከምዝተዓወተን ዝጭርሑ ሰባት ነቲ ህንጻታት ጥሒሶም ክኣትው ተራእዮም።

እንተዀነ፡ ኣገልግሎታት ጸጥታን ምክትታል ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣብ ዘለዎ ኩነታት ብኸመይ እዩ እቲ ጎነጻዊ ሰልፊ ክውደብ ክኢሉ?

ቢቢሲ መርመራ ኣካይዱ ኣሎ።

ዕድመ ናብ ሓደ ‘ድግስ’

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ደገፍቲ ቦልሶናሮ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ሓቀኛ ተዓዋቲ እቲ መረጻ ምዃኑ ዝገልጽ ውዲታዊ ክልሰ ሓሳባት ኣብ ኢንተርነት ክዝርግሑ እዮም ጸኒሖም።

እቲ ኣብ ህንጻ ባይቶ እታ ሃገር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሙ ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ እቲ ዘረባ ክዋዓዋዕ እንከሎ ብረቂቕ ብዝተሸፈነ ተምሳሌታዊ ኣበሃህላታት ክስነ ጀሚሩ። ሓደ ካብኣቶምን እቲ ቀንድን ከኣ ብራዚላውያን ኣብ ‘ድግስ ሰልማ’ ክርከቡ ዝዕድም ነበረ።

‘ሰልማ’ ካብቲ ‘ሰልቫ’ ዝብል ብቛንቋ ፖርቹጋል ጫካ ዝትርጉሙ ቃል ዝተወስደ ኮይኑ፡ ብሰራዊት ብራዚል ንሰላምታ ዝዝውተር ከኣ እዩ።

ኣርባዕተ መዓልትታት ቅድሚ እቲ ናዕቢ፡ ብዛዕባ ‘ድግስ ሰልማ’ ዝገልጽ ቪድዮ ኣብ ብርክት ዝበሉ ጉጅለታት ማሕበራዊ መራኸቢ ቴለግራም ብብዝሒ ተዘርጊሑ።

ኣብቲ ቪድዮ ሓደ ሰብኣይ ነቲ ‘ድግስ’ ዘድሊ ‘መቃምምቲ’ ይገልጽ። ገለ ካብኡ ኣብ ብራዚል ዝፈሪ ‘ዩንየን’ (ሓድነት) ዝበሃል ሽኮርን ሓሙሽተ ዓበይቲ ዕፉንን እዩ።

እቲ ዕፉን ዝብል ቃል’ውን ካልእ ጸወታ ናይ ቃላት እዩ። ‘ሚልሆ’ ዕፉን ማለት ክኸውን እንከሎ ‘ሚልሃኦ’ ከኣ ሚልየን ማለት እዩ። እዚ ማለት ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ኣብቲ ተቓውሞ ክሳተፉ ተዓዲሞም ኔሮም።

ብኸመይ ንኣልዘብቲ (moderators) ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምልጦም ክኢሉ?

መብዛሕትኦም ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ጎንጺ ንዝዕድም ትሕዝቶታት ይኣልዩ እዮም። እዞም ተምሳሌታዊ ኣበሃህላታት ነዞም ኣላዘብቲ ንምድህላል ዝተገበሩ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ብድሕሪኡ ኣብ ዝተኣለየ ሓደ ናይ ቲክቶክ ቪድዮ፡ ሓንቲ ሰበይቲ እቲ ናይ ቲክቶክ ኣካውንታ ክዕጾ ከምዘይትደሊ ብምግላጽ፡ ድሕሪ ደጊም ኣብ ቲክቶክ ፖለቲካዊ ጉዳያት ክትዛረብ ከምዘይኮነት ብግልጺ ክትዛረብ ትርአ።

ሰባት ብዛዕባ ካልእ ‘ድግሳት’ እውን ክዛረቡ ተራእዮም ኔሮም። ሓደ ካብኡ ናይ ጓል ሓትኖ ሰልማ ኣብ ሳኦ ፓውሎ ከምኡ’ውን ሓፍታ ‘ቬልማ’ ኣብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ እዩ። ንግዚኡ እዞም ‘ድግሳት’ ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይረኸቡን።

እቲ ቀንዲ መርመራ ዝግበረሉ ዘሎ ማሕበራዊ መራኸቢ እቲ #festadaselma ዝብል ልጥፎታት ኣብ ቀዳመ ሰንበት ብዙሓት ዝተቐባበሉሉ ትዊተር እዩ። እቲ ሃሽታግ፡ ሰባት ኣብ ጥቓ ህንጻ ባይቶ እታ ሃገር ናብ ዝርከብ ህንጻ ክመጹ ንምዕዳም ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ እዩ።  

ኣልዘብቲ ኣይነበሩን

ኢሎን መስክ ንትዊተር ካብ ዝዕድግ ንደሓር፡ ኣብ ብራዚል ዝነበሩ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ደው ኣቢሉ እዩ። ንሳቶም ቀንዲ ስርሖም ኣብታ ሃገር ኣብ ዙርያ መረጻ ንዝወጽእ ዝነበረ ስኑዕ ሓበሬታታት ምግታእ እዩ ነይሩ።

ኣብ ኦንላይን ዝዝርጋሕ ስኑዕ ሓበሬታ፡ ኣብ ልዕሊ ደሞክራሲ መጥቃዕቲ ክፍጸም ክድርኽ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኮነን።

ዋና ኣካያዲ ትዊተር ነበር፡ ጃክ ዶርሲ፡ ነቲ ደገፍቲ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኮንግረስ ኣሜሪካ ኣብ 2021 ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተገበረ መርመራ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ስኑዕ ሓበሬታ ግጭት ኣብ ምውላዕ ተራ ከምዘለዎ ተኣሚኑ ነይሩ።