እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትካላት መንግስቲ ወሪሮም 'ስልጣን ዝነቕነቝ ናዕበኛታት' ብጅምላ ይእሰሩ
ኣብ ብራዚል፡ ደገፍቲ ፕረዚደንት ነበር ጃይር ቦልሶናሮ ኣብ ርእሰ ከተማ ብራዚልያ ንኮንግረስ፡ ቤተ ጽሕፈት ፕረዚደንትን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ድሕሪ ምውራዶም፡ ኣስታት 1,500 ሰባት ተኣሲሮም ኣለዉ።
እቲ ናዕቢ፡ ሓደ ሰሙን ድሕሪ’ቲ ፕረዚደንት ሉዊዝ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ቃለ መሓላ ምፍጻሙ ዝሰዓበ ክስተት እዩ።
እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ ነቲ "ሽበራዊ ተግባር" ብምኹናን፡ ነቶም ገበነኛታት ክቐጽዖም ምዃኑ ቃል ኣትዩ’ሎ።
ፕረዚደንት ነበር ቦልሶናሮ ኣብቲ ኣብ ጥቅምቲ ዝተኻየደ መረጻ፡ ነታ ሃገር ዝኸፋፈለ ስዕረቱ ከምዘይተኣመነ ክገልጽ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ 1 ጥሪ ዝተገበረ ወግዓዊ ምስግጋር ስልጣን ናብ ኣሜሪካ ከም ዝኸደ ይፍለጥ።
ትማሊ ሰኑይ ድማ ከብዱ ሓሚሙ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣትዩ ምህላው ተገሊጹ።
ኣብዚ እዋን፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብታ ዝዓበየት ከተማ ብራዚል - ሳኦ ፓውሎ ዲሞክራስያዊ ክብርታት ንምድጋፍ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።
ቍጽሪ ሰልፈኛታት [ደገፍቲ ዲሞክራሲ] ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ፤ ሓደ ክፋል ናይቲ ኣብ ብራዚል ህቡብ ዝዀነ ጐደና ፓውሊስታ ተዓጽዩ ኣሎ፤ ህዝቢ ነቲ ከባቢ መሊኡ፡ ንፍትሒ ይደርፍ፡ ይስዕስዕን ይጭድርን ከምዘሎ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ካቲ ዋትሰን ካብቲ ቦታ ሓቢራ።
እንተዀነ፡ ዝዀነ ጸገም ከየጋጥም ተባሂሉ ጻዕቂ ፖሊስ ኣብቲ ጐደናታት ከም ዝርአ፡ እታ ጋዜጠኛ ወሲኻ ሓቢራ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ሃዋህው ውጥረት ዝመልኦ ኮይኑ ከምዝተሰምዓ ወኪልና ወሲኻ ትዛረብ።
እቲ ብ ‘ሉላ’ ዝፍለጥ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ ከምኡ'ውን ሓለፍቲ ኮንግረስን ላዕለዋይ ቤት ፍርድን፡ ነቲ ብሰንበት ዝተኻየደ "ናዕቢን፡ ግብረሽበራዊ፡ ገበንን ሃቐነ ዕልዋ መንግስቲ ግብረ-ጸይቅን፡" ክብሉ ብምዅናን ነጺጐምዎ።
እዞም ተቓወምቲ፡ ቢጫ ዝሕብሩ ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪን ባንዴራ ብራዚል ለቢሶም፡ ንፖሊስ ጥሒሶም ንማእከል መንግስትነት እታ ሃገር እዮም ወሪሮም ክቈጻጸርዎ ፈቲኖም።
ብሰንኪ’ዚ፡ እቲ ፍሉጥ ገዲም ጸጋማዊ ፖለቲከኛ መራሒ ሃገር፡ ስርዓት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ንምምላስ፡ ሃገራዊ ሓለዋ ጸጥታ ናብታ ርእሰ ከተማ ክንቀሳቐስ ቅድሚ ምእዛዙ፡ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክእውጅ ተገዲዱ።
ሰኑይ ንግሆ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ዕጡቓት መኮንናት ኣብ ብራዚልያ ብ ደገፍቲ ቦልሶናሮ ዝተሰርሐ መዓስከራት ኣፈራሪሶምዎ።
ሰበስልጣን ጸጥታ ብሪዚል፡ ብዘይካ'ቶም ብሰንበት ዝኣሰርዎም 300 ናዕበኛታት፡ ብሰኑይ 1,200 ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም።
ሚኒስተር ፍትሒ ፍላቪዮ ዲኖ፡ ነቶም ናዕበኛታት ናብታ ቀንዲ ማእከል ዕግርግር ዝዀነት ርእሰ ከተማ ብራዚልያ ዘጓዓዕዛ ዝነበራ ኣስታት 40 ኣውቶቡሳት ከምዝተታሕዛ ገሊጹ።
ሰበስልጣን ኣብ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ንዝካየድ ዘሎ ጽሬትን መስርሕ ናብ ንቡር ምምላስን ‘ኳ እንተነኣዱ፡ መጠን እቲ ዝወረደ ዕንወት ግን ገና ርኡይ ከም ዘሎ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ወዲ 67 ዓመት ፕረዚደንት ነበር ቦልሶናሮ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ብምዅናን፡ እቲ ናዕቢ ምስተላዕለ ሽዱሽተ ሰዓታት ድሒሩ፡ ብትዊተር ንናዕበኛታት ኣተባቢዑ ዝብል ክሲ ብምንጻግ ሓላፍነት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ።
ገለ ሰልፈኛታት፡ እቲ ዝድግፍዎ ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛ ቦልሶናሮ ኣብቲ ናይ ጥቅምቲ መረጻ ብምስዓሩ ጥራይ ኣይኰኑን ዝቝጥዑ፤ ፕረዚደንት ሉላ ዳ ሲልቫ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክምለስ ይደልዩ።
እዚ ሕጂ ፕረዚደንትነት ሒዙ ዘሎ ሉላ፡ ኣብ 2017 ብብልሽውና ገበነኛ ምዃኑ ምስተረጋገጸ፡ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸኒሑ እዩ። ድሒሩ ግን፡ እቲ ልዕሊ ትሽዓተ ዓመት ዘእስሮ ፍርዲ ተሰሪዙ፡ ካብ ማእሰርቲ ከም ዝወጽአ ይፍለጥ።
መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት’ውን ነቲ ዓመጽ ኰኒኖምዎ ኣለው፤ መራሕቲ ኣሜሪካ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ትማሊ ሰኑይ ሓባራዊ መግለጺ ብምውጻእ "ኣብ ልዕሊ ዲሞክራሲ ብራዚልን ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣንን ዝፍጸም መጥቃዕቲ" ኰኒኖም።