እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወራር ንመንግስታዊ ህንጻታት፤ ብራዚል እንታይ ኣጋጢምዋ?
ፕረዚደንት ብራዚል ሉዊስ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ፡ ደገፍቲ’ ቲ ድሕሪ መረጻ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ስልጣን ዝለቐቐ መራሒ እታ ሃገር ነበር ጃየር ቦልሶናሮ ብዝፈጠርዎ ዕግርግርን ወራር ንኮንግረስን ካልኦት ኣገደስቲ ህንጻታት መንግስቲን ክቐጽዖም ምዃኑ ተሓንዩ’ሎ።
ደገፍቲ እቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ሕሉፍ የማናዊ መራሒ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ’ውን ወሪሮምን ንቤተ መንግስቲ ከቢቦምን እዮም።
እንተዀነ ፖሊስ ድሕሪ’ቲ ንሰዓታት ዝቐጸለ ጐንጺ ሰንበት ምሸት ነቲ ህንጻታት ርእሰ ከተማ ብራዚልያ ዳግማይ ተቘጻጺሮምዎ።
ፕረዚደንት ሉላ ኣብታ ከተማ ብምብጻሕ፡ ነቲ ዝወረደ ዕንወት ብኣካል ንምርኣይ ኣብ ህንጻ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዑደት ኣካይዱ።
ሚኒስተር ፍትሒ ‘ታ ሃገር ፍላቪዮ ዲኖ፡ ድሮ ኣስታት 200 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ገሊጹ።
ኣመሓዳሪ ብራዚልያ ኢባነስ ሮቻ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ን90 መዓልታት ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ። ነሱ ነቲ ናዕቢ ክከላኸል ብዘይምኽኣሉን ኣብ ጉዳይ’ቲ መጥቃዕቲ ስቕታ ብምሓዙን እዩ ብዳኛ ኣሌክሳንደር ደ ሞራስ፡ ተኸሲሱ ዘሎ።
ጸጋማውያን መራሕትን ጕጅለታትን ኣብ መላእ ብራዚል ኵሎም ደገፍቲ ዲሞክራሲ ሰልፊ ከካይዱ ጸዊዖም ኣለዉ።
እዞም ተቓወምቲ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ቃለ መሓላ ሓድሽ ፕረዚደንት ሉላ ዳ ሲልቫ፡ ቢጫ ዝሕብሩ ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪን ባንዴራ ብራዚል ለቢሶም፡ ንፖሊስ ጥሒሶም ንማእከል መንግስትነት እታ ሃገር እዮም ወሪሮም ክቈጻጸርዎ ፈቲኖም።
ብሰንኪ’ዚ፡ እቲ ፍሉጥ ገዲም ጸጋማዊ ፖለቲከኛ መራሒ ሃገር፡ ስርዓት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ንምምላስ፡ ሃገራዊ ሓለዋ ጸጥታ ናብታ ርእሰ ከተማ ክንቀሳቐስ ቅድሚ ምእዛዙ፡ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክእውጅ ተገዲዱ።
ብተወሳኺ፡ እቶም ኣውራ ህንጻታት መንግስቲ ዝርከቡሉ ጐደናታት ን 24 ሰዓታት ብምሉእ ብምሉእ ክዕጾ ኣዚዙ።
ሚኒስተር ዲኖ ከም ዝገለጾ፡ ነቶም ናዕበኛታት ናብታ ርእሰ ከተማ ዘጓዓዓዛ 40 ኣውቶቡሳት ተታሒዘን ኣለዋ፤ ብተወሳኺ፡ ነቲ ወራር ናዕበኛታት፡ ድሌታትካ ብሓይሊ ከተፈጽም ናይ ምድላይ ትርጕም ኣልቦ ፈተነ ክብል ገሊጽዎ።
እቲ፡ ንውጽኢት ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ከምዘይቅበል ብተደጋጋሚ ክገልጽ ዝጸንሐ ቦልሶናሮ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ስነስርዓት ቃለማሕላ ንዘይምስታፍን፡ ነቲ ፍሉጥ ፕረዚደንታዊ ኣርማ ንዕዉት ተመራጺ ንዘይምርካብን፡ ኣቐዲሙ ካብታ ሃገር ገይሹ እዩ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ፍሎሪዳ - ኣሜሪካ ክህሉ ከም ዝኽእል ዝእመን 67 ዓመት ዝዕደመኡ ፕረዚደንት ነበር ቦልሶናሮ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ብምዅናን፡ እቲ ናዕቢ ምስተላዕለ ሽዱሽተ ሰዓታት ድሒሩ፡ ብትዊተር ንናዕበኛታት ኣተባቢዑ ዝብል ክሲ ብምንጻግ ሓላፍነት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ሉላ፡ ናብ ከተማ ብራዚልያ ቅድሚ ምብጽሑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ከምዚ ዝበለ ፍጻመ ኣይተራእየን፡ ብምባል፡ እቲ ፍጻመ ተግባር “ግብረ-ጸይቅን ፋሽስታውያንን” ክብል ገሊጽዎ።
ንሱ ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ናዕበኛታት ክሳብ ክንድኡ ዕንወት ክሳብ ዝወርድ ክገትእ ዘይከኣለ፡ “ዘይብቝዕን ሕማቕ ጕርሒ ዝሓዘን” ክብል ዝገለጾ ሓይሊ ጸጥታ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ነቶም ናዕበኛታት ክሳብ ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑን ዝቈጻጸርዎን ሓበርትን መራሕትን [ኣባላት ፖሊስ] ይዅኑ ዝመወሉዎምን ክንረኸቦም ኢና፡ ብምባል፡ ኵላቶም ብሕጊ ነናይ ኢዶም ክረኽቡ እዮም ኢሉ።
ገለ ሰብ ስልጣን ፖሊስ፡ ክስሕቍን፡ ምስቶም ንኮንግረስ ዝተቘጻጸሩ ናዕበኛታት ክሰኣሉን እንከለዉ ዘርኢ ቪድዮታት ይዝርጋሕ ኣሎ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ እቲ ፍጻመ መውቃዕቲ ንዲሞክራሲ እዩ ብምባል ከም ዝዅንኖ ብምግላጽ፡ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ብራዚል ምሉእ ደገፍ ኣሜሪካ ኣለወን፤ ድሌት ህዝቢ ብራዚል ክዳኸም ኣይግባእን፡ ኢሉ።
ብዙሓት ነዚ ፍጻመ፡ ምስቲ ደገፍቲ መሓዛ ቦልሶናሮ ዝዀነ ትራምፕ ብ 6 ጥሪ 2021 ንህንጻ ካፒቶል ወሪሮም ዘካየድዎ ናዕቢ ብምምስሳል ክገልጽዎ ይስምዑ’ለው።
ዕሉላት ደገፍቲ ቦልሶናሮ ኣብ መላእ ብራዚል ኣብ ዝርከባ ከተማታት መዓስከራት ፈጢሮም፡ እቲ ተሰሪቝ እዩ ዝበለዎ መረጻ ብወተሃደራዊ ምትእትታው “ብጽቡቕ” ኣገባብ ንኽድገም ብምሕታት እዩ።
እቲ ክካየድ ዝነበረ ምንቅስቓሶም ግን በቲ ቃለ-መሓላ ፕረዚደንት ሉላ ዝተቐብጸ ወይ ዝተገትአ መሲሉ ነይሩ፤ ኣብ ብራዚልያ ዝነበሩ መዓስከራት ፈሪሶም ኣብታ መዓልቲ ጽንብል ፕረዚደንትን ከኣ ዝዀነ ምንቅስቓሳት ኣይተራእየን።
እቲ ብሰንበት ዝተራእየ ፍጻመ ግን ንብዙሓት ዘሰንበደን፡ እቲ ውዲታት ተደጕሉ ምንባሩን ዘርኢ ምዃኑ ይግምገም።
መራሕቲ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ ነቲ ዓመጽ ኰኒኖም
- ፕረዚደንት ቺለ ጋብሪኤል ቦሪክ፡ ብራዚል "ኣብ ቅድሚ እዚ ኣብ ልዕሊ ዲሞክራሲ ዝፍጸም ዘሎ እከይን ጽዩፍን መጥቃዕቲ" ሃገሩ ምሉእ ደገፍ ከምዘለዋ ገሊጹ።
- ፕረዚደንት ኮሎምብያ ጉስታቮ ፔትሮ "ፋሽሽትነት ዕልዋ መንግስቲ እዩ ወሲኑ ነይሩ" ኢሉ።
- ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሜክሲኮ ማርሴሎ ኤብራርድ፡ ሜክሲኮ "ነቲ ብህዝባዊ ድሌት ዝተመርጸ መንግስቲ ፕረዚደንት ሉላ ምሉእ ደገፍ ከምዘለዋ" ገሊጹ።
ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን "ድሌት ህዝቢ ብራዚልን ዲሞክራስያዊ ትካላትን ክኽበር ኣለዎ" ብምባል "ዘይቅልበስ ደገፍ ፈረንሳ" ንፕረዚደንት ሉላ ቃል ኣትዩ።