እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ እዋን ብርቱዕ ማዕበል ሙቐት ንነብስና ብኸመይ ነጥልላ?
ማዕበል ሙቐት፡ ክንዮ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህይወትና ዝፈጥሮ ዘይምችኡነት፡ ንእንስሳታትን ኣትክልትን ብሓፈሻኡ ንኣከባቢናን’ውን ብርቱዕ ዕንወት ከስዕበሉ ይኽእል’ዩ።
ተመራመርቲ፡ ካብዚ ከምዚ ዓይነት ስክፍታት ከገላግለና ዝኽእል ምኽርታት ሂቦም ኣለው።
ብርቱዕ ሙቐት ወይ ከኣ ማዕበል ሙቐት፡ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ዓቢይ ዕንወት ከኸትል ዝኽእል ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ’ዩ።
ኣብ 2019 ከም ኣብነት እንተወሲድና ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ማዕበል ሙቐት ኣስታት 365 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ። እዚ ማለት መዓልታዊ 1000 ሰባት ብሰንኪ ብርቱዕ ሙቐት ይሞቱ ማለት’ዩ።
እንተዀነ ኣብ ዓለም ዓመታዊ ክንደይ ዝዀኑ ሰባት ብማዕበል ሙቐት ይጥቕዑ ጽጹይ ዝዀነ ዝተኻየደ መጽናዕቲ የለን።
እንተዀነ ጠንቂ እዚ ዅሉ፡ ክሊማዊ ለውጢ ዘስዓቦ ከምዝዀነ ኣየካትዕን። ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ክኢላታት እዚ ዓውዲ ተወኪሱ እዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ኣዳልዩ ኣሎ።
ኣብ እዋን ብርቱዕ ማዕበል ሙቐት ንነብስና ብኸመይ ነጥልላ?
መጠን ሙቐት ሃንደበት ወይ’ውን ብዘገምታ እናወሰኸ ኣብ ዝመጽኣሉ ንነብስኻ ተዝሕለሉ ኣገባባት ኣሎ።
ሓደ ካብኡ ኣብ መንጐ ሰዓት 11 ንግሆ ክሳብ ሰዓት 3 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ካብ ገዛ ዘይምውጻእ ወይ’ውን ኣብ ጽላል ዘለዎ ቦታ ምዃን ሓደ ተመራጺ ኣገባባት እዩ።
ጐድኒ ጐድኒ’ዚ፡ ዝሑል ማይ ኣብዚሕካ ምስታይ ኣገዳሲ እዩ፤ እንተዀነ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ሰብነትና ዘሎ መጠን ማይ ስለዘጕድሎ ከነወግዶ ይግባእ።
ከም ስትሮውቤሪ፡ ብርጭቕ ዝኣመሰሉ ልዑል መጠን ትሕዝቶ ማይ ዘለዎም ፍረታት ምምጋብ፤ ኣብ ርእሲኡ፡ ቀመምን በርበረን ዝበዝሖ መግብታት ምምጋብ’ውን ስለዘርህጸና፡ ሰብነትን ንኽዝሕል ዓቢይ ተራ እዩ ዘለዎ።
ኣብ ቆርበትና ዘይጠብቕ ፈኲስ ክዳን ምኽዳን’ውን እቲ ካብ ሰብነትን ዝወጽእ ሙቐት ብቐሊሉ ንኽሃፍፍ ስለዝሕግዝ ተመራጺ’ዩ።
ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣብ እንህልወሉ፡ ጸሓይ ብቐጥታ ናብ ውሽጢ ገዛና ዘእቱ መሳዅቲ ንዕጸዎ።
ንብስና ምሕጻብ ወይ ምሕንባስ መጠን ሙቐት ሰብነትን ቀልጢፉ ንኽጐድል ክሕግዘና ይኽእል እዩ።
ኣብ መስኮትና ብማይ ዝጠልቐየ ከም ክሻ ወይ ኮቦርታ መሳሊ ምግባር ከኣ ገዛና ዝሕልሕል ንኽብል ኣዝዩ’ዩ ዝሕግዝ። ብዘይካ’ዚ ኤሌክትሪክ ኣብ ዘለዎ ቦታ ምስ እንህሉ ኸኣ ኣብ ጥስቲ ዝሑል ማይ ወይ በረድ ብምግባር፡ ንፋስ ቬንትሌተር ብቐጥታ ናብቲ ጥስቲ ገጹ ከምዝሃርም ብምግባር ገዛና ከነዝሕል ንኽእል ኢና።
እንተዀነ ቬንትሌተር ገዛ ከዝሕላ ይኽእላ ድየን ዝብል ዛዕባ ኣካታዒ ነጥቢ’ዩ። እተን ቬንትሌተር ንባዕለን ክዘራ እንከለዋ ብፍሕፍሐ ሙቐት ስለዝፈጥራ፡ ኣብ ትሕቲአን ዝሑል ማይ ምስ እንገብረለን’የን ውጽኢታውያን ዝዀና ዝብል ሓሳብ’ዩ ዝያዳ ተቐባልነት ረኺቡ ዘሎ።
ኣብ ከባቢና ኣግራብ ምትካል ከኣ ኣዝዩ ውጽኢታዊ’ዩ።
ድቃስ ኣብ እዋን ማዕበል ሙቐት
ኵነታት ኣየር ምስ ድቃስ ሰባት ቀጥታዊ ምትእስሳር’ዩ ዘለዎ።
ኣብ እዋን ድቃስና መጠን ሙቐትናን ህርመት ልብናን ይጐድል እዩ።
ሙቐት ምስ ዝህሉ ግን፡ መጠን ሰብነትና ክጐድል ስለዘይክእል ጥዑም ድቃስ ክወስደና ኣይክእልን’ዩ። ጥዑም ድቃስ ምስ ዘይንድቅስ ከኣ ንጽባሒቱ ሓይልና ረሸሽ ክብለና ይጅምር።
ሓደ ሰብ ጥዑም ድቃስ ክድቅስ እንተዀይኑ ሙቐት ከባቢኡ ካብ 19 - 21ን ዲግሪ ሰንቲግሬድ ክኸውን ኣለዎ።
ተመራመርቲ’ውን፡ ኣብ እዋን ጥዑም ድቃስ መጠን ሙቐት ሰብነትና ናብ 31 ክሳብ 35 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ከምዝወርድ’ዮም ዝሕብሩ።
ስለዚ ኣብ እዋን ድቃስና ሙቐት ምስ ዝብርትዕ መሳዅቲ ገዛና ምኽፋት ተመራጺ እዩ፤ እንተዀነ ኣብ ከባቢና ንድቃስና ዝዘራርግ ብርቱዕ ድመጺ ምስ ዝህሉ፡ መጋረጅ ገይርና ነቲ ሞስኮት ብምሽፋን ነቲ ካብ ደገ ዝመጽእ ድምጺ ከነጕድሎ ንፈትን።
ቅድሚ ድቃስና ብዙሕ ምምጋብ’ውን፡ ጠንቂ ምውሳኽ ሙቐት ሰብነትና ስለዝኸውን፡ ቅድሚ ድቃስና ከቢድ መግቢ ዘይምምጋብ ተመራጺ’ዩ።
ኵነታት ኣየር ንጥዕናና ብኸመይ’ዩ ዝጸልዎ?
ማእከለይ ገምጋም ሙቐት ሰብነትን 35 ክሳብ 37.7 ዲግሪ ሰንቲግሬድ (ወይ ካብ 95 ክሳብ 99.9 ዲግሪ ፋራንሀይት) እዩ። እንተዀነ ዝበዝሑ ክኢላት ጥዕና 36.8 ዲግሪ ሴንቲግሬድ እቲ ቅቡል መጠን ሰብነትና ገይሮም እዮም ዝወስድዎ።
ተመራመርቲ፡ ሰብነትና ክሳዕ 35 ዲግሪ ዝበጽሕ መጥን ሙቐት ከባቢና ብዘይ ዝዀነ ጥዕናዊ ጸገማት ክጻወሮ ከምዝኽእል እዮም ዝገልጹ። እንተዀነ እዚ ኣብ መጠን ራህዲ [humidity] ናይቲ ከባቢ ዝምርኮስ እዩ።
መጥን ሙቐት ልዕሊ እቲ ሰብነት ክጻወሮ ዝኽእል ምስ ዝበጽሕ ብርቱዕ ድኻም ብምስዓብ፡ ሃለዋትና ከነጥፍእ፡ ብዙሕ ክንርህጽ፡ ሰብነትና መጠግጠግ ክብልን ዕግርግር ክብለና ይጅምር።
ብድሕሪ እዚ ናብ ወቕዒ ልቢ፡ ናብ ተምላስን ናብ ናይ ቆርበት ድርቐትን ብምምራሕ ሕክማናዊ ረድኤት እንተዘይረኺብና ክሳብ ናብ ሞት ከቃልዓና ይኽእል።
እቲ ሳዕቤኑ ንዅሉ’ኳ ዘጥቅዕ እንተዀነ ኣረጋውያንን ሕዱር ሕማም ዘለዎምን ግን ዝያዳ ተቓላዕቲ’ዮም።
ልዕሊ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ዓለምን ኣስታት ሓደ ቢልዮን ስራሕተኛታትን ንብርቱዕ ሙቐት ዝተቓልዑ ምዃኖም’ዩ መጽናዕትታት ዝሕብር።
ማዕበል ሙቐትን ክሊማዊ ለውጥን
ክሊማዊ ለውጢ ንዅሉ ኣብ ሓደ ግዜ ኣይኮነን ዝጸልዎ።
እተን ንክሊማዊ ለውጢ ብዙሕ ኣበርክቶ ዘይገብራን ብልቀት ካርቦን ብዙሕ ዘይሕመያን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝያዳ ብክሊማዊ ለውጥን ማዕበል ሙቐትን ክጥቅዓ ይርኣያ ኣለዋ።
እንተዀነ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርአ መጠን ወሰኽ ሙቐት ልክዕ ከምቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ብዙሕ ሸፈነ ክውሃቦን ክጋዋሕን ኣይርአን’ዩ። መዓስ እዚ ጥራይ፡ ኣፍሪቃ’ውን ኣብቲ ብዛዕባ ክሊማዊ ለውጢ ዝግበር ኣኼባታት ድምጻ ከተስምዕ ብዙሕ ዕድል ኣይወሃባን’ዩ።
መጠን ሙቐት ኣብ ዝውስኸሉ፡ መጠን ማዕበል ሙቐት’ውን ማዕረኡ’ዩ ዝውስኽ።
ኣብ በረድ ዝነብሩ ሰባት፡ ናብተን ብርቱዕ ሙቐት ዘለወን ሃገራት ከም ቱሪስት ኰይኖም ብምኻድ፡ ኣታዊታት እተን ሃገራት ከኻዕብቱ ይርኣዩ’ዮም። ሃገራት’ውን ንዘለወን መጠን መቐት ከም ምንጪ ኣታዊ ክጥቀማሉ ይርኣያ።
እንተዀነ ብርቱዕ ሙቐት ካብ መኽሰቡ ጉድኣቱ ይዛይድ ምህላዉ’ዮም ተመራመርቲ ዝሕብሩ።
ሙቐት ምስ ሓንጐልና ዘለዎ ምትእስሳር
መጠን ሙቐት ኣብ ዝውስኸሉ ንሰባት ሓራቓት፡ ዓቕሊ ዘይብሎም፡ ጭኑቓትን ዘይሕጕሳት’ዩ ዝገብሮም።
ኣብ እዋን ሙቐት መራሕቲ መኪና ዓቕሊ ከጽብቡን፤ ብዘይ ምኽንያት ጥሩንባ ክነፍሑን ይርኣዩ፧
ፖሊስ ትራፊክ’ውን ኣብ እዋን ብርቱዕ ሙቐት፡ መራሕቲ መካይን ዘይንቡር ጠባያት ከምዘንጸባርቝ’ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ኣውስትራልያ ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ መጠን ሙቐት 27 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ቍጽሪ ኣብ ሆስፒታል ዝድቅሱ ሕሙማት ብርኡይ ከምዝዛይድ የርኢ።
ኣብ ግሪኽ ዝተገበረ መጽናዕቲ’ውን ኣብታ ሃገር ካብ ዝተኻየደ ነፍሰ ቅትለት፡ እቲ 30 ሚእታዊት መጠን ሙቐት ልዕሊ 25 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ኣብ ዝበጽሐሉ ዝተፈጸመ ምዃኑ የርኢ።
መጠን ጠሊ ሰብነትና ብኸመይ ንሕሉ?
እዅል ፈሳሲ ብምውሳድ፡ ንነብስና ወትሩ ጥልልቲ ምግባር ሓካይም ወትሩ ዝህብዎ ምኽሪ’ዩ።
ኣብ መዓልቲ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸሞንተ ብኬሪ ወይ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሊትሮ ማይ ክንሰቲ ኸኣ ንምዓድ።
እዚ ምስ ዘይንገብር፡ እቲ ካብ 60 ክሳብ 70 ሚእታዊት ካብ ኣካላትና ዘቘመ ፈሳሲ በብቕሩብ ይሃፍፍ’ሞ፡ ብርቱዕ ጽምኢ ማይ ክስምዓና ይጅምር። እዚ ካብቲ ኣብ ኣካላትን ዘሎ መጥን ፈሳሲ 2 ሚእታዊት ምስ ዝጐድል ዝጅምር ምልክት’ዩ።
ብርቱዕ ጽምኢ ምስ ዝጅምረና፡ ኣብ ኢድና እንተሃልዩ ልዕሊ ማይ፡ ጸባ ወይ ናይ ኮኮናት ማይ’ዩ ብቕልጡፍ ከጥልለና ዝኽእለ።
ክቱር ጽምኢ ምስ ዝጸንሓና፡ ተቐላጢፍና ጠምጠም ኢልና ብዙሕ ማይ ዘይምስታይ ይምዓድ። ምኽንያቱ እቲ ጠምጠም ኢልና ንሰትዮ ማይ ነቲ ብርሃጽ ዝወጽአ ክሎራይድ ክትክኦ ዕድል ኣይንህቦን ኢና ዘለና። ካብ ጥቅሙ’ውን ጉድኣቱ ክዛይድ ይኽእል እዩ።
ኣብ ውሽጢ ዝረሰነት መኪና ኮፍ ዘይምባል
መኪና ኣብ ውሽጢ 10 ደቒቕ ክሳብ 11 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ክትረስን ትኽእል።
ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ልዕሊ 900 ህጻናት ኣብ ወሽጢ መኪና ብዝተፈጠረ ሙቐት ሞይቶም።
እዚ ሓደ ሓደ ግዜ ከይተረድኣና ደቕና ኣብ ውሽጢ መኪና ዓጺናዮም ከይነኸይድ መጠንቀቕታ ዝህብ ደወል ኰይኑ፡ ከም ልምዲ መኪና ቅድሚ ምዕጻውና ንዳሕረዋይ ኮፍ መበሊ ርኢና ክንዓጹ ከምዘለና ዘዘኻኽር ተመኵሮ’ዩ።
ከም ከልቢ ዝኣመሰሉ እንስሳታት’ውን ኣብ እዋን ብርቱዕ ሙቐት መጠን ሰብነቶም ብረሃጽ ከመዓራርዩ ስለዘይክእሉ፡ ክንከናኸኖምን ኣብ ውሽጢ ገዛ ክንሕዞም ከምዘለናን’ዮም ክኢላታት ዝምዕዱ።