እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሜድትራኒያን ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ ብናህሪ ይዝርጋሕ ኣሎ
ፈረንሳ፡ ብሰንኪ ሓያል ሙቐት ብተላዕለ ባርዕ ጫካ፡ ኣብ ደቡብ ምዕራብ እታ ሃገር ዝነብሩ ልዕሊ 16 ሽሕ ሰባት ኣግዒዛ። እቲ ባርዕ ኣብ ሃገራት ስጳኛ፣ ክሮሽያን ግሪኽን’ውን ተላቢዑ ይርከብ።
እቲ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ናይታ ዞባ ዝተኸስተ ባርዕ ናብ ኣባይቲ ገጹ ከይልሕም’ዩ ተሰጊኡ ዘሎ።
እቲ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ፈረንሳ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ 10 ሽሕን 500 ሄክታር መሬት ከም ዘቃጸለ መንግስቲ ገሊጹ።
ኣብ ደቡብ ስጳኛ ድማ፡ ልዕሊ 3200 ኣብ እምባታት ሚጃስ ዝነብሩ ሰባት ብሰንኪ እቲ ባርዕ ሓዊ ካብ ቤቶም ሃዲሞም፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን ገለ ዝተምልሱ ከም ዘለው ይግለጽ።
ፖርቹጋል፡ እቲ ኣጋጢሙዋ ዝነበረ ተመሳሳሊ ሓደጋ ሕጂ ተቘጻጺራቶ ኣላ። ኣብታ ሃገር፡ እቲ ባርዕ ሓዊ 30 ሽሕ ሄክታር መሬት ኣዕንዩ'ዩ።
ኣብ ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት[ስጳኛን ፖርቹጋልን] ጥራይ ብሰንኪ ዋዒ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ሞይቶም ኣለው።
ኣብ ከባቢ ሜድትራኒያን፡ ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ ብኣየርን ብምድርን ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ይቕጽል’ኳ እንተሎ፡ ዛጊት ግን ናይ ምጥፋእ ኣንፈት ከምዘየርኣየ ተፈሊጡ።
ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ጀሚሩ፡ መላእ እቲ ዞባ ብሓያል ሙቐት ክጥቃዕ እንከሎ፡ ብሰንኪ እዚ ኣብ ልዕሊ ኣግራብ ሰፊሕ ዕንወት ኣውሪዱ ይርከብ።
ሞሮኮ፡ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ልዕሊ 1300 ሰባት ካብ ቤቶም ክወጽኡ መምርሒ ብምሃብ፡ ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ ናብቲ ከባቢ ኣዋፊራ። በዚ ኩነታት ኣዝዩ ዝተጠቕዐ ከባቢ ላራቺ ዝተባህለ ዞባ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ ግሪኽ እቲ ኣብ ከባቢ ሬቲምኖ ዘጋጠመ ዓብዪ ሃልሃልታ ንምጥፋእ ሕጂ’ውን ይቃለሱ ኣለው። ብቀዳም ብኸፊል ከም ዝተቘጻጸሩዎ ገሊጾም ነይሮም።
ገለ ከባቢታት ደቡብ ምዕራብ ቱርኪ ከምኡ’ውን ገምገም ኣድሪያቲክ ክሮሺያ’ውን ብተመሳሳሊ ሓደጋ ተጠቒዖም ኣለው።
ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ፡ ዓለም ብተደጋጋሚ ኣዝዩ ውዑይ ክሊማ የጥቅዓ ኣሎ።
ካብ ምጅማር ኢንዳስትሪያላዊ ዘመን ኣትሒዙ፡ ኣብ ዓለም 1.1 ዲግሪ ሴልሽየስ ክምዝገብ እንከሎ፡ መንግስታት መጠን ልቀት ካርበን ንምንካይ ስጉምታት እንተዘይወሲዶም እናወሰኸ ክኸይድ ከም ዝኽእል ሰብ ሞያ የጠንቅቑ።
ኣገልግሎት ኩነታት ኣየር ፈረንሳ፡ ኣብ ደቡብ እታ ሃገር 41 ዲግሪ ሴልሽየሽ መጠን ዋዒ ከም ዝህሉ ክገልጽ እንከሎ፡ እዚ ኣብ ፖርቹጋል 47 ዲግሪ ሴልሽየስ በጺሑ ኣሎ።
ኣብ ገለ ከበባቢታት ብሪጣንያ’ውን 41 ዲግሪ ሴልሽየሽ መጠን ዋዒ ክምዝገብ ከም ዝኽእል ይግመት።
ተመራማሪት ክሊማ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ዶክተር ዩኒስ ሎ “ምውሳኽ መጠን ዋዒ መረጋገጺ ክሊማዊ ለውጢ’ዩ” ብምባል ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣብ ዓመት ካብ ዘጋጥም ተወሳኺ ሞት ክልተ ሽሕ ሰባት ምስ ውዑይ ክሊማ ዝተሓሓዝ ከም ዝዀነ ተዛሪባ።
ብደረጃ ዓለም፡ ኩነታት ውዑይ ክሊማ ይወስኽን ነዊሕ ይጸንሕን ምህላው ብምግላጽ “ምቅጻል ፈሓም እምኒ ጠጠው ከነብልን ቀልጢፍና ሕጂ ስጉምቲ ክንወስድን ይግባእ” ኢላ።
ውዑይ ኩነታት ኣየር ዓብዪ ሓደጋ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ሰባት ንነብሶም ንምዝሓል ብዝብል ብዝወስዱዎም ስጉምታት ንወቕዒ ዋዒ፣ ድኻምን መተንፈሲ ኣካሎም ብማይ ናይ ምምላእን ሓደጋታት ክቃልዑ ከም ዝኽእሉ ዶክተር ሎ ተጠንቅቕ።
እዚ ንእንስሳት’ውን ይጸልዎም’ዩ።
ኣብዚ ግዜ፡ “ዋላ’ውን እቶም ጥዕንኦም ዝተሓለወ ሰባት ንሓደጋ ዝተቓልዑ’ዮም። ዚያዳ ግን ህጻናትን ኣረጋውያንን ከምኡ’ውን ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ይጽለው” ክትብል እታ ተመራማሪት ተረድእ።
ሕሉፍ ዋዒ፡ ትሕተ ቕርጺ’ውን ከዕኑ ይኽእል’ዩ፤ ብሰንኩ ጽርግያታት ቅጥራን ክመኩን መስመራት መገዲ ባቡር ክዕጸፉን ይኽእሉ።