ኵናት ዩክረይን፡ 'ኣብዚ ውግእ ተዓዊትና ኢና ኵናት ግን ይቕጽል ኣሎ"

Published

ኣብ ደቡባዊ ዩክረይን ከተማ ሚኮላቭ፡ ከቢድ ውርጪ ኣብ ዝዘንበሉ እዋን ብርቱዕ ደብዳብ ከቢድ ብረት ይዘንብ ኣሎ። ብሰንኪ ደብዳብ ነፈርቲ ከኣ ኣብታ ከተማ ቀጻሊ ናይ ነፈርቲ ደብዳብን ናይ መጠንቀቕታ ደወልን ይስማዕ።

ኣብ ናይ ሓደ ጥንታዊ ክለብ ሓይሊ ባሕሪ ጓል 29 ዓመት መንእሰይ ኣናስታስያ ኣሌክሲየቫ መግብን መድሃኒትን ከም መከላኸሊ ዕርዲ ዘገልግል እኽብካብ ናይ መካይን ኪሻታት ተወሃህድ።

ሚኮላቪ ሕጂ ኣብ ቅድሚ እቶም ካብ ሓውሲ ደሴት ክሬምያ ወሪሮም ዝኣተውዋ ሰራዊት ሩስያ ወዲቓ ኣላ።

ሰራዊት ሩስያ ብምዕራብ ናብታ ከተማ ገጾም ክስጉሙ እንከለው ህዝቢ እታ ከተማ ይሃድሙ ሆስፒታላታ ከኣ ብውጉኣት ኵናት መሊኦም ኣለው።

"ኣነ ኣደ ቖልዓ እየ። ይኹን እምበር ብኸመይ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ስለ ዝፈልጥ፡ ንሰራዊትና ክሕግዝ ኣሎኒ ብምባል ተሪፈ ኣለኹ" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ኣናስታሲያ ከኣ፡ ንጓላን ንኣዲኣን ናብ ውሑስ ቦታ ብምስዳድ፡ ክትጸንሕ ወሲና።

ንኣንታስያ እቲ ብሰሉስ ኣብ ሓንቲ ደቡባዊ ምብራቓዊ ከተማ ማሪፖል እትርከብ ሆስፒታል ዘጋጠመ ደብዳብ እዩ፡ ንህዝባ ክትሕግዝ ክትተርፍ ዝደረኻ።

"እዚ ንዓይ ካብ ኵሉ ዝኸበደ እዩ። ግን ካልእ ምርጫ የብለይን" ከኣ ኢላ።

ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ሓይልታት ዩክረይን፡ ነቲ ናብ ምዕራብ ገጹ ናብ ዝዓበየት ወደባዊት ከተማ ኦዴሳ ዝቐንዐ ዓቢ ሩስያዊ ገስጋስ፡ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ብዓወት ይምክትዎ ኣለዉ ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ሚኮሊቭ ሚስተር ቪታሊቭ ኪም ኣብ ማእከል እታ ከተማ ብኽቱር ድኻም፡ ወተሃደራት ዩክረይን፡ ብሓደስቲ ምልሻታት እናተሓገዙ፡ ንወተሃደራት ሩስያ ካብ 15 ክሳብ 20 ኪ.ሜ. ንሸነኽ ምብራቕ ንድሕሪት ከም ዝደፍእዎም፡ ንገለ ካብ ኣሃዱታት ሩስያ እውን ኢዶም ንኽህቡ ኣብ ዝርርብ ከምዘው ይገልጽ።

ገለ ካብቶም ሰራዊት፡ ነተን እተማረኻን እተበላሸዋን ታንክታት ሩስያ ንተቐማጦ ከተመኦም ንምርኣይ ናብታ ከተማ የእትውዎን ከምዘለው እዩ ዝንገር። እንተኾነ ግን ሚስተር ኪም ዓወት ውግእ እንጽንበለሉ ግዜ ኣይኮነን - እቲ ቓልሲ ገና እዩ ክብል ተዛሪቡ።

"ኣብዚ ውግእ ተዓዊትና ኢና እቲ ኵናት ግን ገና ይቕጽል እዩ ዘሎ" ኢሉ።

እቲ ኣመሓዳሪ፡ ሰራዊት ሩስያ ዩክረናውያን "ዕምባባታት ሰላም" ሒዞም ዝቕበሉዎም እዩ መሲሉዎም ነይሩ። ዩክሬናውያን ምልሻታት ግን ነቲ ማዕበል ደብዳብ ነፈርትን ከቢድ ብረትን ተጻዊሮም ይምክቱ ከምዘለው፡ ክሬምሊን ግን ንብምሉኡ ገማግም ጸሊም ባሕሪ ክሕዝዎ ከም ዝኽእሉ ገለጹ ።

"ነፈርቲ ዘይንቀሳቐሳሉ ሰማይ የድልየና ኣሎ" ብምባል፡ ነቲ ኪዳን ምዕራብ ዝነጸጎ ሓሳብ ይጠቅስ። ከምኡ ምግባር ንኣባላት ኔቶ፡ ብቐጥታ ምስ ሩስያ ከባእሰን ይኽእል እዩ ።

ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል፡ ሓላፊ ሓኪም ኣሌክሳንደር ዲምያኖቭ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ለይቲ፡ 250 ወተሃደራት ዩክረይንን ሰላማውያን ሰባትን ከም ዝቘሰሉን 12 ከምዝሞቱን ገሊጹ።

ሰለስተ ኣዝዮም ዝተወጽዑ ሕሙማት ከኣ ዝያዳ ሕክምና ንምርካብ ንምዕራብ ገጾም እኳ እንተኸዱ ሓገዝ ክረኽቡ ኣይከኣሉን ።

ሓንቲ ኣላዪት ሕሙማት፡ "ደኺምና ኢና" ኢላ ። ዶክተር ዲምያኖቭ ፡ መሳርሕቱ ብዙሕ ስራሕ ከም ዝሰርሑን ስድራ ቤቶም ከይጕድኡ ከም ዝፈርሑን ብቪድዮ እናነብዐ ተዛሪቡ።

ንሱ "ንደቁ እንደገና ክርእይዎም ምዃኑ ስለ ዘይፈልዩ እዩ በኽዩ ኣለዉ ። እቶም ሰራሕተኛታት ኣይሃደሙን መዓልታዊ ኣብዚ ይሰርሑ ኣለው። መዓልታዊ ብዙሓት ውጉኣት እዮም ዝመጽኡና። ዲምያኖቭ እውን ሃገራት ምዕራብ ንዩክረይን በረራ ኣልቦ ዞባ ክገብረኣ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ ምብራቕ እታ ከተማ ዝርከብ ሲቪል ህዝቢ ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ህንጻታቶም ሮኬታት ኣበይ ከም ዝወቕዐ፡ ኣብ መደያይቦን ሻምብቆታት ማይን ከምዝበስዐን ሓያሎ መሳዅቲ ከም ዝሰባበረን ኣርእዮምና።

"ለይቲ ሮኬትን መዳፍዕን እዩ ዝዘንብ። ብፍላይ ኣብ ለይቲ ኣዝዩ እዩ ዘፍርሕ። ኢሉ ወዲ 17 ዓመት ቦግዳን ሶምበራኮቭ።

ኣብ ምዕራባዊ ጫፍ ሚኮላቭ ምስ ሳንጣኡን ምስ ስድራ ቤቱን ዝማልእዎ ሰባት ይሓትት ነይሩ።

ኣብቲ ነዊሕ ናይ መካይን ቃፍላይ ብምዕራብ ክሳብ ዶብ ሞልዶቫን ህጻናትን ቖልዑን ዝሓዙ ስድራታት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ይረኣዩ።