እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክረይን፡ ፑቲን ወለንተኛ ወጻእተኛታት ተዋጋእቲ ይደሊ ኣሎ
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ናብ ዩክረይን ኣትዮም ክዋግኡ ንዝደልዩ ወለንተኛታት ወጻእተኛታት ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ንሱ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሩስያ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ብወለንታኦም ኣብ ጐድኒ'ቶም ብሩስያ ዝድገፉ ሓይልታት ኰይኖም ክዋግኡ ንዝደልዩ ወጻእተኛታት ፍቝድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ፡ ሰርገይ ሸውጊ ብወገኑ፡ ኣብ ጐድኒ'ቶም ብሩስያ ዝድገፉ ሓይልታት ዝስለፉ 16 ሽሕ ወለንተኛታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተዳልዮም ከም ዘለው ገሊጹ።
ሰበስልጣን ኣሜሪካ ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እዚ ቝጽሪ፡ ክእለት ውግእ ከተማ ዘለዎም ሶሪያውያን ዘጠቓልል ክኸውን ከምዝኽእል ይግምቱ።
ሩስያ ናይ ነዊሕ እዋን መሻርኽቲ ሶርያ ኰይና፡ ፑቲን ከኣ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ሶሪያ ኣብ ጐድኒ ባሻር ኣልኣሳድ ደው ዝበለ ቀንዲ ደጋፊኡን እዩ።
"እዞም ሰባት ንገንዘብ ዘይኰነ ብናይ ገዛእ ርእሶም ፍቓድ መጺኦም፡ ኣብ ዞባ ዶንባስ ንዘሎ ህዝቢ ዝሕግዙ እንተዀይኖም፣ እቲ ንሳቶም ዝደልይዎ ድማ ክንህቦምን፣ ናብዚ ዞባ-ኲናት ንኽመጽኡ ክንሕግዞምን ኣለና፡" ክብል፡ ፑቲን ንሚኒስተር ምክልኻሉ ነጊርዎ።
ሚኒስተር ሸውጊ ብወገኑ፡ ዝተማረኸ ስርሓት ምዕራባውያን ዝዀነ ሚሳይላት ጸረ-ታንክ፡ ነቶም ብሩስያ ዝድገፉ ተነጸልቲ ሓይልታት ሉሃንስክ ዶነስክን - [ዞባ ዶንባስ ዩክረይን] ክወሃብ ኣሚሙ።
"እዚኣ ግበራ በጃኻ!" በለ ፑቲን።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብቪድዮ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ኣብ መሬት እናዳማቶም ህዝቢ ክቐትሉ፡ 'ቀተልቲ ካብ ሶሪያ' ይመጽኡ ኣለው ኢሉ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣባላት ሰራዊት ብሪጣንያ ዝነበሩ ይዅን ሕጂ ኣብ ስራሕ ዘለውን ወሲኽካ፡ ሓያለ ወጻእተኛታት ተዋጋእቲ፡ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ዩክረይን ኰይኖም ክቃለሱ'ውን ኣብታ ሃገር ኣትዮም ኣለው።
ዘለንስኪ፡ እዞም ወለንተኛታት ኰኖም ዘለው 16 ሽሕ ወጻእተኛታት፡ ኣካል ናይቲ ዝእከብ ዘሎ 'ዓለምለኻዊ ጭፍራ' እዮም፡ ክብል ይገልጽ።
ቻርለስ ሊስተር ዝተባህለ ተንታኒ ኣብ ኣሜሪካ ንዝመደበሩ ኢንስቲትዩት ማእከላይ ምብራቕ፡ 'ዝዀነ ሶርያዊ ሓይሊ ማዕረ ክንደይ'ዩ ንፑቲን ከርብሕ?' ዝብል ሕቶ የቐምጥ።
"ፕረዚደንት ኣሳድ፡ ወተሃደራቱ ናብ ዩክረይን ክልእኽ እንተዀይኑ፡ ኣብ ዘይፈልጥዎ መሬትን ኵነታት ኣየርን መዝሓሊ ጥይት ንክዀኑ ጥራይ እዩ፡" ብምባል ድማ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ብግብሪ ግን ሶሪያውያን ይኽተቡ ብዛዕባ ምህላዎም ዘረጋግጽ ዝዀነ ጭብጢ ከም ዘየለ ወሲኹ ይገልጽ።
እቲ ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ሓይልታት ሩስያ፡ ኣብ ዝተፈለየ ከባቢ፡ ንሓደስቲ ዒላማታት ዩክረይን ከጥቅዑ ኣብ ዝጀመሩሉ ግዜ እዩ ተፈንዩ።
- ኣብ 'ሉስክ' ሰሜናዊ ምዕራብ ዩክረይን፡ መዓርፎ ነፈርትን ፋብሪካ ሞተር-ነፈርቲን ዒላማ ኰይኑ
- ብመሰረት ሓበሬታ ሰብ-መዚ ንምክልኻል ሩስያ፡ ኣብ 'ኢቫኖ-ፍራንኪቪስክ' ደቡባዊ ምዕራብ ዩክረይን ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ብነቶግቲ ተሃሪሙ።
- ኣብ 'ዲኒፕሮ'፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዩክረይን ዝርከብ ቀንዲ ዕርዲ ዩክሬናውያን፡ ሓደ ሰብ ብደብዳብ ነፈርቲ ሞይቱ።
- እዚ ኲናት ሓያለ ሰባት ክፈናቐሉ ምኽንያት ብምዃን፡ ዛጊት 2.5 ሚልዮን ሰባት ካብታ ሃገር ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ወጺኦም ኣለው።
ካብ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ንዝረኸቦ ሓበሬታ ምርኩስ ገይሩ፡ 'ዎል ስትሪት ጆርናል' ከም ዝገለጾ፡ ሩስያ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኪቭ ንምቍጽጻርን ን መንግስቲ ዩክረይን ተስፋ ንምቝራጽን ምእንቲ ክትክእል፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ናይ ምውጋእ ዓቕሚ ዘለዎም ሶሪያውያን ትኸትብ ኣላ።
ብማዕረኡ፡ ብሕታውያን ትካላት ጸጥታ ኣሜሪካ'ውን፡ 'ሰባት ካብ ዩክረይን ንኽወጽኡ ንምሕጋዝ' ወተሃደራት-ነበር ይቘጽራ ኣለዋ።